Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን። (13)

ደሃይ ዋዕላ ናይ ኣዋሳ መቸም፣ ናይ ውድባት ወረ ገዲፍካስ ይበል’ዩ። እንተ’ዚ ብዛዕባ ናይ ውድባት ብዝሒ ዝስማዕ ስሓቦ-ጉተቶ ግን ኣዝዩ ዘፍርሕ’ዩ። ነዛ ንእሽቶን ዉልዶን ኤርትራስ ክሳብ 20-30 ዝኾና ውድባት ‘ኣለና’ ክብላ ይፍትና’ለዋ እንተኾይኑ ክበሃል ዝድለ ዘሎ

ደሃይ ዋዕላ ናይ ኣዋሳ መቸም፣ ናይ ውድባት ወረ ገዲፍካስ ይበል’ዩ። እንተ’ዚ ብዛዕባ ናይ ውድባት ብዝሒ ዝስማዕ ስሓቦ-ጉተቶ ግን ኣዝዩ ዘፍርሕ’ዩ። ነዛ ንእሽቶን ዉልዶን ኤርትራስ ክሳብ 20-30 ዝኾና ውድባት ‘ኣለና’ ክብላ ይፍትና’ለዋ እንተኾይኑ ክበሃል ዝድለ ዘሎ ምእማኑ’ውን ከጸግም’ዩ። ምናልባት እዚ ዝምባሌ’ዚ ክቕጽል ዝድለ እንተኾይኑ ድማ ንታሪኽ ገዲፍካ ዘይሕለፍ ውሽጢውሽጢ ፈኸም ዝብል ሕዱር ናይ ፖለቲካ ቅልውላው ከይሃለወ ኣይክተርፍን’ዩ። …… የቕልሎ ጥራይ!!
እምበርከ ክንድ’ዚ ዝኣኽላ ውድባት ኣብ ቅርዓት ወጺአን ኣለና ክብላ ዝደፍራ ዘለዋ’ሲ ናይ ሰባት ድዩ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ንምንጽብራቕ ………… እንድዒ።
እስኪ ካልእስ ይጽናሕ ደሓን፣ እንዳ ዝናን-ባህታን “ኢትዮጵያ” ዝበሃል ጸላኢ’ለና ብዝብል ንፋስ ተወቒዖም ብዓርበሮቡዕ ጸዲፎም’ሲ፣ እዞም ምፍቃዶም ዘሕፍረካ ውድባትከ እንታይ ክብሉ’ዮም ዝህንጠዩ ዘለዉ? ምናልባት ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፣-
ሀ) ንኢሳያስን ህግደፍን ንምትካእ ድዩ እዚ ኹሉ ፋሕ ጨንገራሕ?
ለ) ወይስ ቀደም ዓዋተ ዝሓለፋ ደሓር ድማ ኢሳያስ ዝጎሓፋ መትከል ሃሰስ ንምባል’ዩ እዚ ኹሉ ገማዕማዕ?
እዛ እዋን’ኮ መተካእታ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ጥራይ ዘይኮነ “ለውጢ’ያ” ሃሰስ ትብል ዘላ። ለውጢ ማለት ድማ ነቲ ለውጢ’ውን እንዳለወጥካዮ ብዘይ ምቁራጽ ምስ እዋን ተመሳሲልካ ምእንቲ ክትነብር ምትዕጽጻፍ ማለት’ዩ’ምበር፣ ከም’ዛ “ናተይ ናይ ትማልየይ” ትመስል ኣማራጺ ክሳብ ሎሚ ኣይተራእየትን፣ ዝዓይነቱ መርገጺ ምድጋም-ምድግጋም ማለት ኣይኮነን። ምስ እዋን ዘይዋሳእ ሓይልን ብልሓትን ከኣ ኣኺሉዎ’ዩ! በራሲ’ዩ።
ዝኾነ ኾይኑ ናይ’ዞም ውድባት መወዳእታ እንታይ ከምዝመስል እንድዒ’ምበር፣ እንዳ ዝናን-ባህታን’ሲ ወይ ልቦም ወይ ነብሶም ዝልወጡሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይኮነ እንዳበርሀ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ምሕረት የውርደሎም! ማ’ጨሎቱ ይንጸገሎም! ኣወዳድቓ ምእንቲ ከጸብቐሎም።
ብፍላይ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ከኣ ኪኖ’ቲ ብሸፈጥ ምሕንጻጽ ዶብ ተኣጒዱ፣ መናብርትን መዛትይትን ከፋልስ ዝጸንሐ ህልኽ ምስ እንዳ ዝናን-ባህታን ኣርሒቖም ብምርኣይ፣ ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ምዝታይ ቀዳምነት ሂቦም ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዲሽ ጻዕሪ ዝነኣድን ዝምስገንን ታሪኽ ክዘርእ’ዩ።
እዋን ድማ ቀደም’ውን እንተኾነ ናይ ውግእ ሜላ ዝተመርጸ ምልክት ፖለቲካዊ ውድቀትን ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነትን ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን’ዩ ኔሩ ዝብል ዝምባሌ ሒዛ፣ ብሩህ ተስፋ ዝህብ ሓዲሽ ናይ ዲፕሎማሲ መስመር ምኹኳስ ጀሚራ’ላ። ………. ይመልኣዮ።
እንተ’ዘን ‘ኣለና-ክብላ’ ዝፍትና ዘለዋ ውድባት፣ ምስ እዋን ተዋሲአን ናይ ሓባር ጸገም ኣብ ምቅላል ናይ ሓባር መልክዕ ክለብሳ እንተጸጊሙወን ግን፣ ቁጽረን መግለጺ ብዝሒ ውሽጣዊ ሕማመን ካብ ምእማት ዝሓልፍ ኣይመስልን።
ምናልባት ንመጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራን ኤርትራውነትን ዘርብሕ ዕዮ ዝቖጸራሉ ዋህዮ እንተ’ልዩወን ድማ ናብ ናይ ሓባር ለቖታ ዘይሕወሰሉ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንእዋን ዝግደፍ ዛዕባ ኮይኑ፣ ብዘይቃል ዓለም ግን ቁጽረን ብውድቀት ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ዝምኽነ ኣይኮነን። …. እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ! (ምስላ)
ይቕረታ! ናብ’ቲ ብቐዳማይ ዘቋረጽኩዎ ኣርእስቲ ቅድሚ ምእታወይ’ሲ ካልእ ዘረባ ኣብዚሐ’መስል’ሞ እስኪ ናብኡ ክምለስ። እወ! እዛ ዓለም ዕዳጋ ትምስክሮን ሃንቀው ትብሎን ዘላ ኣማራጺ፣ ዓውድኻ ኣዋሕሊልካን ኣጽፊፍካን እንተሒዝካ’ሲ፣ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘሎ ደላይ ሰላምን ምዕባለን ከምዝብህገካ ዘጠራጥር ኣይኮነን ዝብል ንጹር ሓበሬታ’ዩ። ስለ’ዚ ንመጻኢ ዕድልና ካብ’ዛ ብመድፍዕን ብዝናን ትምድር፣ መዋርዶ ኣብ ዘይብሉ ጸድፊ ተሰቒላ ዘላ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ናይ ካሪዝማ ሕማም ምንጋፍ’ዩ ዝጽበየና ዘሎ ቐንዲ ዕማም።
ዘይከኣል ኮይኑ’ምበር! ድሕሪት ምልስ ኢልካ፣ ናይ ባድመ ኲናት እንተዘይፍጸም ኔሩ ዝብል ጸብጻብ እንተዝግበር’ሞ፣
1. እዚ ካብ ጂቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝስራሕ ዘሎ ካልኣይ መንገዲ ባቡር፣ ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተዝኽወን ኔሩ፣
2. ከምኡ ድማ ኣብ ጂቡቲ ክግበር’ዩ ዝበሃል ዘሎ ብ1.5 ቢልዮን ዶላር ናይ ወደብ ምስፍሕፋሕ http://www.ethiopianreporter.com/news/293-news/4443–15-.html ኣብ ዓሰብ’ን ባጽዕን’ውን እንተዝግበር ኔሩ፣
እዚ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰፊኑ ዘሎ ባርነት ተሪፉስ፣ ኣብ ዓድናን ዓውድናን ክምዕብል ዝኽእል ዝነበረ ናይ ስራሕ ዓይነትን ብዝሕን፣ ንኤርትራውያን ኣዕጊቡስ ንብዙሓት ወጻእተኛታት’ውን ናይ ስራሕ ዕድል ምኸፈተ ኔሩ ክበሃል ምተደፍረ።
ኣንቱም ሰባት ጉድ’ኮ ኢና ረኺብና ዘለና። እዞም እንዳ ዝናን-ባህታን’ሲ መጻኢ ዕድልና ጥራይ ዘይኮነ ልብና’ውን’ኮ’ዮም ሰሪቖሙና ጸኒሖም። በዚ ምኽንያት’ዚ’ኮ ኢና ንኣዳም ክሳብ ዝገርሞ ኣብ ደምበና ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድል ጎረባብትና እንዳተመናጠሉሉስ ንሕና መላገጽን መጋየጽን በደዊን ንኸውን ዘለና።
እንዳ ዝናን ባህታን’ኮ ዓወቶምን ውድቀቶምን ምፍላይ ክሳብ ዝእግሞም ብዓይንን ብሕልናን ዓዊሮም’ዮም። ካብ’ዛ ጥሒሎሙላ ዘለዉ ደልሃመት ብኢዶም ወጢጡ ዘውጽኦም ሕያዋይ፣ ወይ ድማ ኣብ’ታ ከበሮ እንዳወቕዑ ዝኣተውዋ ደልሃመት ዝደፍኖም ቀባራይ እንተረኸቡ’ዮም ዝጽበዩ ዘለዉ። …………. ሕያዋይ ይፍጠረሎም።
ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣድህቦ ናይ ጎረባብቲ ንግድን-ዕዳጋን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ልክዕ ከም በዓል ሲንጋፖር ሆንግ ኮንግ ዱባይ ከምኡ’ውን ጂቡቲ ኣድህቦ ናይ’ተን ኣብ ርሑቕ ዝርከባ ዓበይቲ ዕዳጋታት፣ ከም በዓል ኣመሪካ አውሮጳ ቻይና ህንዲ ብራዚል ….. ንምስሓብ’ውን ብመድፍዕን ብጃህራን ዝርከብ ናይ ዓወት ተኣምራት ዘይኮነስ፣ ንደላይ ኣገልግሎት ባህ ዝብሎ ቅሩብነት ዘንጸባርቕ ብቕዓት ዝሰፈኖ ናይ ስራሕ ዓውዲ ምምድማድ’ዩ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ ምዃኑ እንዳበርሀ ዝመጽእ ዘሎ። ….. ናጽነት ድማ በዚ ዝምባሌ’ዚ እንተማዕረገ’ዩ ትርጉምን መቐረትን ዝህልዎ።
እስኪ ናብ’ቲ ኣቐዲመ ዝጀመርኩዎ ዕላል ብዛዕባ ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ ብዘይ ስራሕ ምኹላል ክመልሰኩም። እወ ስራሕ ዘይብልካ ኣብ ጽርግያ ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ ኮለል ክትብል ምውዓል’ሲ ንጸላኢኻ’ኳ ኣይትምነየሉን ክመርር መዓት’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ሽዓ መዓልቲ መሬት ጠለስ ምስበለትስ ኣይሓሰመናን። ኣማስይኡ ንምቑጻሩ ዘጸግም እልፊ ህዝቢ’ዩ ንጎደና ኮምብሽታቶ ጥፍጥፍ ኢሉ መሊእዋ። ኣብ ስራሕ ዝወዓሉን ኣብ ገዛ ዝወዓሉን ተደባሊቖም፣ ሰብኣይ ሰበይቲ ሕጻን ሽማግለ፣ ወዲ ዓድን ወዲ ወጻእን ብሓባር’ዮም ነዛ ጎደና ንዝሕ! ኢሎማ።
ተወሳኺ ድማ ምስ’ቲ ብጻዕቂ ክንቀሳቐስ ዝጀመረ ህዝቢ፣ መንፈስ ዘሐድስ ጥዑም ንፋስ’ዩ ክነፍስ ጀሚሩ። ዝኾነ ኾይኑ ንሕና’ውን ምስዓለምና ተጸምቢርና ኣብ ኮምቢሽታቶ ኮዘን ምባል ቀጸልና’ሞ፣ ኣብ ማእከል’ቲ ጎደና ማለት ኣብ ከባቢ ሲነማ ኢምፐሮ ምስበጻሕና ሓደ ካብ ወጻኢ ዝመጽአ ዝመስል ሰብኣይ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ኣጓነፉና።
እቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽአ ሰብኣይ ጽብቕቲ ናይ ጸሓይ መረጸን ወዲዩ ካብ’ዞም ኩላትና ፍልይ ዝበለ ግርማ ዝህቦ ብሉጽ ክዳን’ዩ ተኸዲኑ ኔሩ። ጸጉሪ ርእሱ ድማ ሙሉእ ኮይኑ ሽበት ትበሃል እኳ ኡንኮ ንጣር ኣይነበረቶን። ምሒር ጸሊሙ’ኳደኣ ከም’ዚ ዝበለ ጸጉሪ ርእሲ’ኸ ኣሎ ድዩ ክሳብ ምባል የጠራጥረካ። ክዳኑ ድማ ኣቤት ክጽብቕ ዘብል’ዩ። ቀደም ኣበ’ስመራ ዝስራሕ ዝነበረ ‘ልያልፍ’ ዝበሃል ሱፍ’ዩ ዘዘኻኽረካ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ተለኽይዎ ዝነበረ ሽታ-ፈረንጂ ደቂ ሕድርትና ከይጽውዓልካ ዘፍርሕ ድምቀት’ዩ ኔሩዎ። ኣዳም ግን ኣብ ጽርግያ ቀንፈዘው ክትብል እንዳወዓለት ኩቦ-ኾቦ’ያ ትጨኑ ዝነበረት። ኣብ ኢዱ’ውን ቀያሕ ገመድ መጥመሪት ዘለዋ ናይ ቅዱስ-ፈላሲ ዳዊት ትመስል ጸላም ኣጀንዳ ሒዙ ኔሩ። ብዙሕ ከኣ’ዩ ዝዛረብ። ነታ ደብተሩ ድማ ዓሰርተ ግዜ ካብ የማናይ ኢዱ ናብ ጸጋማይ ኢዱ’ዩ ዘመላልሳ ዝነበረ። ብሓፈሽኡ’ሲ ኩሉ ነገራቱ ዘቕንእ’ዩ ኔሩ።
ዝኾነ ኾይኑ ንሓደ ካብ መንጎና ብቐረባ ይፈልጥዎ ስለዝነበሩ ንሓያሎ ደቓይቕ ደሃይ ሓድ-ሕድ ተጣየቖም ክሳብ ዝጻገቡ ኣብ’ታ ዝነበርናያ ማርቻፔዲ ጠጠው ኢልና ተጸበናዮም። ኣብ መወዳእታ ናይ ዕላሎም ከኣ፣ ኣንፈቶም ካብ ሲነማ ኢምፐሮ ናብ ካተድራለ’ቢሎም እንዳተበገሱ ንኽንስዕቦም ብኢዶም ኣመልከቱልና’ሞ ንሕና’ውን ሰዓብናዮም።
ካብኡ ኣብ ጥቓ ባር ሞካ ናብ ትርከብ ‘እንዳ ካዛ’ ተባሂላ ትፍለጥ ዕምርቲ ዱኳን ተመራሪሕና ኣተና። እቲ ዱኳን ትሕዝትኡ ሓውሲ እንዳ ፈረንጂ’ዩ ዝመስል። ስፍሓቱ ጥራይ ዘይኮነስ ቁመቱ’ውን ኣዝዩ ነዊሕ፣ ሙሉእ ብርሃን ዝዓሰሎ ድሙቕን ጽሩይን ገዛ ኢዩ። ንውሽጢ ምስ ሓለፍካ ድማ ብሚዛን ዝሽየጥ ሞርተደላ ፕሮሺቶ ፈርማጆ ሪኮታ … ኣለዎ። ምናልባት ናብ’ቲ ከባቢ ዘሎ ባራት ቢራን ዊስክን ክሰትዩ ዝመደቡ ሰባት’ዮም ዝመስሉ፣ ብዙሓት ዓበይቲ ሰብኡት ናብ’ቲ ዱኳን ተኣልዮም ብጠጠዎም ጠዓሞቶም ክበልዑ ጸንሑና።
እቶም መሪሖምና ዝኣተዉ ሰባት’ውን ደቂ ገዛ’ዮም ዝመስሉ። ከመይ’ሲ ካብ’ታ ክትኣቱ’ከለኻ ብሸነኽ ጸጋም ኣብ ጥቓ ማዕጾ ኮፍ ኢላ ገንዘብ ትቕበል ዝነበረት ፈረንጂ ትመስል ማዕጓር ሰበይቲ ኣትሒዞም ንኹላቶም ነቶም ሰራሕተኛትታ ቋንቋታት ትግርኛን ጣልያንን ሓዋዊሶም ሙዉቕ ሰላምታ እንዳ’ስምዑ’ዮም መሪሖሙና ንውሽጢ ገጾም ሓሊፎም።
ቀልጢፎም ድማ ብኣማኢት ግራማት እንዳጸብጸቡ ካብ ሞርተደላ ካብ ፎርማጆ ፕሮሺቶ ሪኮታ ….. ኣዘዙልና። ውዑይ ይኹን ዝሑል ዝስተ፣ ወይ ድማ ምርር ዝበለ መማቕርቲ ኣዋዘ ይኹን ድለኽ ደኣ ኣይነበሮን’ምበር፣ ንዝፈትዎስ ግርም ብልዒ’ዩ። ንገለ ግን ፍልይ ዝበለ ስምዒት’ዩ ኣሕዲሩሎም። በቲ ኩነታት ዝተገረመ ሓደ ካብ መንጎና’ኳ ቅልጥፍ ኢሉ “የሰው ልጅ በዚሁ ሰኣት ቁርጥና ጥሬ ስጋ ይበላል እንጂ የኣሳማ ስጋ!” ክብል ብኣንክሮ ብምዝራብ ንኹላትና ኣስሒቑና። ዝኾነ ኾይኑ እቲ ገዛ ኮፍ መበሊ ዝኸውን ሰድያታት ስለዘይነበሮ ዝበላዕካ ምስበላዕካ’ሲ ቀልጢፍካ ኢኻ ትወጽእ።
ንሕና ድማ ዘምጽኣና ጌርና ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ሆቴልን ድያና ሆቴልን ናብ ትርከብ ዕምርቲ ባር ተመራሪሕና ከድና። ኣብ’ታ ባር ዝድረፍ ዝነበረ ሙውቕ ናይ ኣምሓርኛ ሙዚቃ ካብ ርሑቕ’ዩ ዝስማዕ ዝነበረ። ምስኡ ድማ እስክስታን ጭፈራን ዝተሓወሶ ጓይላ ክሳብ ዝመስል ሂም-ቢም! ሂም-ቢም! ዝብል ኣራግጻ እግሪ ዝተሓወሶ ዓይነት ድምጺ’ውን ደሚቑ ይስማዕ ኔሩ።
ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ቲ ባር ምስኣተና ጓልን ወድን ኣገባቦም ኣወሃሂዶም ክደርፉ ጸንሑና። ኣብ ማእከል ምድርቤት’ዮም ከኣ ቦታ ሒዞም ኔሮም። እታ ጓል ነጸላኣ ኣብ መዓንጣኣ ጠውያ፣ ክልቲአን ኣእዳዋ ኣብ መዕጠቒኣ ተኺላ ስራሓ ክትገብር’ከላ፣ እቲ ወዲ ድማ እርግ ዝበለት ባርኔጣ ወድዩ ገዛፍ ጭራ ዋጣ ኣብ መንኩቡ ተሰኪሙ ይዝምር ኔሩ።
ከምኡ’ውን ሓደ መስተ ዘብዝሐ ዝመስል ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ ናይ’ቲ ባር ፊት ንፊት እንዳተጠማመቱ ክስዕስዑ ጸንሑና። ዘገርም’ዩ! ኣበ’ስመራ እሞ ድማ ካብ ቡሬ ክሳብ ዛላምበሳ መዳፍዕ ክሃምም ውዒሉ እንዳሓደረ! ኣንስትን ቆልዑትን ብእግርን ብኤነትረን ካብ ገዝኦም እንዳተባረሩስ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ናይ ደሴን ናይ ጎንደርን ኣዝማሪ ክሳብ ክንድ’ዚ ተቐባልነት ኣለዎ’ምበኣር እንዳበልና ቦታና ሓዝና’ሞ፣ ዝስተ ኣዘዝና።
ዘይውዳእ ይሃቦ እዚ ካብ ወጻኢ ዝመጽአ ጋባዚና ቀልጢፉ ጥርሙስ ብላክ ለይበል ኣምጽእልና ብምባል ሓንትን-ኪያንትን ትእዛዙ ኣመሓላለፈ። ሓደ ካብ’ቶም ምስኡ ዝመጽኡ ሰባት ግን ኣነስ ዊስኪ ኣይሰማምዓንን’ዩ፣ ልበይ’ዩ ስለዝፍሕቆኒ። ስለ’ዚ ቢራ’ሕሸኒ ክብል ተኸራኸረሞ፣ ሓንቲ ጥርሙስ ናየ’ስመራ ቢራ ኣምጸአትሉ። እንተኾነ ግን እታ ዝተቐረበትሉ ጥርሙስ፣ ትሕዝቶኣ ቢራ ምዃኑን ኣበይ ከምዝተሰርሐትን ዝሕብር ጽሑፍ ዘለዎ ተለጣፊ ወረቐት ኣይነበራን። ጥራይ ዝባና’ያ ኣብዕዳጋ ውዒላ ናብ ተጠቃሚ ትቐርብ ዘላ። ዝገደደ ድማ እታ ጥርሙስ ሩባ ወሪዳ ኣበ’ኻውሕ ከረውረው ክትብል ዝወዓለት’ያ ትመስል። እልቢ ዘይብሉ ጽሕጋግን ሕንጻጽን መሊኡዋ ኔሩ። ኣይኮነን ክትሰትየላ ካን ንዓይንኻ ንኽትሪኣ’ያ ተፈንፍነካ።
ዝኾነ ኾይኑ እቲ ሰብኣይ ብናይ ኣስመራ ቢራ’ውን ኣይዓገበን። ካልእ ዓይነት ቢራ የብልኩምን! ክብል እንዳተወከሰ፣ ነታ ዝተቐረበትሉ ጥርሙስ ከይትኽፈት ብጉምቦ ኢዱ ሸፊኑ ሓዛ። ሽዑ እታ ኣሰላፊት ብዓይኒ ስክፍታ ንየማነ-ጸጋም ቁሊሕሊሕ እንዳበለት፣ በደሌ ዝበሃል ናይ ኢትዮጵያ ቢራ ኣለና። እንተኾነ ግን ቅድሚ ሰዓት ዓሰርተ ኣይሽየጥን’ዩ በለቶ። ቀጺላ ድማ ምናልባት እንተደሊኻ ግን ክቡር’ዩ ደኣ’ምበር፣ ናይ ወጻኢ ቢራ ማለት ሀይንከን ከኣ ኣለና በለቶ። ንሱ ድማ እዚ ናየ’ስመራ ቢራስ ተበላሽዩ’ዩ በጃኺ። ይትረፈኒ ደሓን! ወላ ካፑቺኖ ኣምጽእለይ በላ’ሞ፣ ወዮ ጋባዚ ሓውና ደሓን ይእቶ ሀይንከን ኣዘዘሉ። …
ሲኞራ መሎቲ ኣይስምዓ። ቢራ መሎቲስ ኣብ ዓዱን ዓውዱን ብውድድር ተሳዒሩ ይበሃል! ኣቤት ጉድ!።
ዝኾነ ኾይኑ ዝሃበ እዝጊ’ሃቦ! (ምስላ) ሓደ- ክልተ! ክንብል ምስ ጀመርና እቶም ዝደርፉ ዝነበሩ ወድን ጓልን ነታ ምውቕቲ መኣድና ዘስተበሃሉላ’ዮም ዝመስሉ፣ ኣጸቢቖም ናባና ተጸጊዖም፣
“…. በትሬንታ ኳትሮ ይጫናል በርበሬ
ሳይነኩት ኣይነካም ኣንበሳና ትግሬ! …”
ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ደርፎም ተተቐባቢሎም ክደርፉ ጀመሩ። ካብኡ ወዮ ዝጋብዘና ዝነበረ ካብ አውሮጳ ዝመጽአ ብጻይና ንኽልቲኦም መሚእቲ ናቕፋ ኣውጺኡ ሸለሞም። ኣብ ጎድኖም ኮይኑ ድማ ንውሑዳት ደቓይቕ ከም’ቲ ናቶም እስክስታ ክስዕስዕ ፈተነ። ሽዑ ታሕጓሶም ብግልጺ ኣብ ገጾም እንዳተራእየ ወያ ደርፎም ባህ ከምዝበለትና ስለዝተገንዘቡ መላሊሶም ነታ ደርፊ ደረፍዋ። ……….. ኣይደንጎዩን ግን።
ሓደ ሰድይኡ ብሒቱ ኣረቂ ድዩ ጂን ዝሰቲ ዝነበረ ሰብኣይ፣ “እንታይ ዝኾኑ’ዮም እዚኣቶም በጃኹም፣ ባህልና ዝብርዙልና! ክሳብ ሎሚ’ኸ ኣበ’ዲኦም ተሓቢኦም ጸኒሖም’ዮም! ዓድና ዘየገድፉልና እንዳበለ፣ …… …………. ውጽኡ!” ………… ዝብል ቀጢን ትእዛዙ ኣስመዖም።
ንሳቶም ድማ ነቲ ከምኡ ዝበለ ቃላት ኣቐዲሞም ዝለመድዎ’ዮም ዝመስሉ ድምብርጽ ኣይበሎምን። ከይሰንበዱን ስለምንታይ ኢሎም ከይሓተቱን ሰላሕ ኢሎም’ዮም ዝወጽኡ። ካብ’ቶም ኣብኡ ዝነበርና ድማ ከመኽንየሎም ወይ ከኣ ክጣበቐሎም ዝፍትን ተዓዛቢ’ውን ኣይተረኽበን። ከምኡ’ውን ሰብ-ባር ግደፎም ይድረፉ ዕዳጋና ምእንቲ ክዕምረልና ወይ ድማ እዚ’ኮ ገዛና’ዩ። ኣብ ገዛና እንታይ ከምንገብር ንስኻ ኣይኮንካን ትሕብረና። ምናልባት ሕጊ እንተጥሒስና ድማ ብቤትፍርዲ ኢና ንሕተት’ምበር ንስኻን ኣረቅኻን ኣይኮንኩምን ትፈርዱና፣ ክብሉን ንመሰሎም ክከራኸሩን ኣይፈተኑን። ኣጽቅጥ’ዮም ዘበሉ። ……. ንግድን ዕዳጋን ዝጠልብዎ ኻልእ እንዳ ዝናን ባህታን ዝዓጦም ካልእ።
ንኣና’ኳ ዘይተጸበናዮ ጥዑም ምሸት’ዩ ኣጋጢሙና። ሰዓት ሾሞንት ክሳብ ዝሓልፍ ስትይ ኣምሰና። ኣብ መወዳእታ ከኣ ቅድሚ ምፍልላይና ክንድረር ናብ’ታ ኣብ ማእከል ሹቕ እትርከብ ቤት ምግቢ እንዳ ዓለማ’ምጽኦ ክንከይድ ቶዮታ ላንድ ክሩይዘር ዝዓይነታ መኪና ተሳፈርና። እታ መኪና ንጽባሒቱ ንባጽዕ ክኸደላ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ዝነበረ ናይ መኻይን መካረዪ፣ ዝተኻረያ ሓዳስ መኪና’ያ ኔራ። ውሽጣ ኣቤት ክጸሪ! ንምልክት ሃሰስ ኢልካ ዝርከብ ናይ ርስሓት ንጣር’ኳ ኣይነበራን። ልዕሊ ኹሉ ድማ ክትከይድ’ከላ ትንቀሳቐስ ዘላ’ኳ ኣይትመስልን። ዝኾነ ኾይኑ ብዙሕ ኣይከድናን። ቀልጢፍና ኢና ኣብ ዝሓሰብናዮ ዓሊብና።
ቤት ምግቢ እንዳ ዓለማ’ምጽኦ ገፊሕ ጎልጎል’ዩ። ኣብ ውሽጡ ዝጸንሓና ህዝቢ ከኣ ቁጽሪ’ብሉን። ዳስ እንዳሃብታማት’ዩ ዝመስል። ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ቅጽጽ ኢሉ’ዩ ብዓማዊል መሊኡ ጸኒሑና።
ደሓር ግን ኣብ ጥቓ’ቲ ገንዘብ ዝቕበል ዝነበረ ግሩም ሰብኣይ ክድረሩ ዝጸንሑ ሰባት ተመጊቦም ክወጽኡ ስለዝተበገሱ፣ ቦታ ረኺብና ኮፍ በልና። ኣይደንጎየን ድማ ዝኣዘዝናዮ ምግቢ ተቐረበልና’ሞ ድራርና ክንበልዕ ጀመርና። ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ግን ወዮ ገንዘብ ዝቕበል ዝነበረ ሰብኣይ “ለተ ብርሃን! ለተ ብርሃን! እንዳበለ ንሓንቲ ካብ’ተን ኣሳሰይቲ ጸዊዑ፣ ኣብ እዝና ልግብ ኢሉ ብንጹር ምልክት ንሓደ ካባና ብምሕባር ከም’ታ ዝጠለባ ምግቢ ድገምዮ” ክብል ኣዘዛ።
መዳርርትና ፓስታ ስፓጌቲ’ዩ ዝበልዕ ዝነበረ። ለተብርሃን ድማ ገሪሙና ክሳብ ንስምብድ ሽሓኒ መሊኣ ካልኣይቲ መኣዲ ናይ ፓስታ ስፓጌቲ ደገመቶ። ካብኡ እቲ ሰብኣይ ካብ መንበሩ ተንሲኡ ናባና መጽአ’ሞ፣ ነቲ ከይከፈለ ካልኣይቲ መኣዲ ክደግም ዕድል ዝሃቦ ሓውና፣ ጠጠቕሊሉ ክጎስሞ ምስረኣዮ ኣሓጒሱዎ’ዩ ዝመስል! ብመንኩቡ እንዳጠፍጠፈ ሰብኣይ ከማኻ ክኸውን ኣለዎ ኢሉዎ ደሃይ ዓማዊሉ ክገብር ናብ ቦትኡ ተመልሰ።
ዝኾነ ኾይኑ እኹል ትሩፍ ጥዑም ድራር ተደሪርና፣ ነናብ መሓድሮና ክንከይድ ኣብ ኣፍደገ ጠጠው ኢልና ክንሰነባበት እንከለና፣ ናይ ቀደም መማህርተይ ዝነበረ ብሽክለታ እና’ደፍአ ብማእከል ሹቕ ሰንጢቑ ንገዝኡ’ቢሉ ክኸይድ’ከሎ ኣማዕድዩ ረኣየኒ። ቀልጢፉ ድማ ጽርግያ ሰጊሩ መጽአ። ካብኡ ንበይነይ ፍልይ ኣቢሉ ጽብቕቲ ዜና ረኺበልካ’ሲ ኣበይ ከምዝረኽበካ’የ ክሓስብ ጸኒሐ በለኒ። ኣነ ድማ እንታይ ዓይነት ጥዑም ዜና ኣምጺእካ ኣንታ መምህር በልኩዎ።
መምህር ሆየ ዘረብኡ ብምጅማር ኣብ’ዛ ቤት ብልዒ ከድርረካ’ሞ፣ እንዳበላዕና ከነዕልል ወሰኸኒ። ኣነ ግን ሕጂ’የ ካብኣ ዝወጽእ ዘለኹ መምህር፣ እዛ ኸብደይ መዓር’ኳ ኣይተእቱን’ያ በልኩዎ። በል ሕራይ ደሓን ቅድሚ ኹሉ ቀልጢፍካ ስራሕካ ምእንቲ ክትጅምር ንፋርማሲ ትበቅዕ ሕጂ ትውዳእ ዘላ ሓዳስ ገዛ ምእንቲ ከርእየካ፣ ጽባሕ ንግሆ ምስ ደላላይ ከራኽበካ’የ። ካብኡ ድማ ካብ ባንኪ ገንዘብ ከውጽእ’የ’ሞ ደቅኻ ቅድሚ ምምጽኦም ተለቪዥን ረድዮ ዝመስሉ ነገራት ካብ አክሶፖ ማለት ካብ ድኳን ናይ 09 ክንገዝእ ኢና በለኒ።
ሓቁ’ዩ መምህር ምሸት ምድሪ ኣብ ልበይ ዝነበረ’ዩ ቶግ ኣቢሉ ኣውጺእዎ። ዝኾነ ኾይኑ ንጽባሒቱ ከም’ታ ዝበለኒ ምስ ደላላ ኣራኸበኒ’ሞ ሰለስቴና ብሓባር ናብ’ቲ ቦታ ከድና። ጽቡቕ ገዛ’ዩ። ላዕለዋይ ንመንበሪ ታሕተዋይ ድማ ንድርጅት ክኸውን’ዩ ተሃኒጹ። ንኣይ ድማ ብፍላይ’ተን ኣብ ታሕቲ ዝነበራ ክልተ እስታንሳ’የን ዘገደሳኒ። ተሰሪሐን ተወዲአን’ሲ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝካረየን ደላይ ስራሕ ክጽበያ ማዕጾአን ኣርሕየን ተዃሒለን’የን ክጽበያ ጸኒሐናኒ። ከም’ዛ ጸገመይ ንኸቃልላ ምእንታይ ዝተሃንጻ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ ድማ ሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን።
ስለ’ዚ ብምሉእ ተስፋ ምስ መምህር ተተሓሒዝና ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጥዕና ኸድና’ሞ፣ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ሓሳበይ ኣካፈልኩዎም። እንተ ኾነ ግን ናይ ፋርማሲ ፍቓድ ኣብ ሰለስተ እስታንሳ፣ ነፍሲ ወከፍ እስታንሳ ድማ ክንድ’ዚ ብኽንድ’ዚ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ገዛ’ዩ ዝፍቀድ። ከም’ዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ክልተ እኹል ኣይኮነን ዝብል ዘየማትእ መልሲ ሰማዕኩ።
ካብኡ ኣዝዩ ገሪሙኒ፣ ኣብ’ዛ ንእሽቶ ዕዳጋ ናየ’ስመራስ፣ ሓዲሽ ናይ ፋርማሲ ስራሕ ንምጅማር ሰለስተ ኽፍሊ ኣብ ዘለዎ ገዛ ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ ትብሉ’ለኹም። እሞ በዛ ሰዓት’ዚኣስ ኣበ’ስመራ ነዚ ትሓትዎ ዘለኹም ብቕዓት ዘማልእ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ገዛ ይርከብ’ዩ ማላትኩም ድዩ። እንተተረኸበ’ውን ክራዩ ብዓቕሚ ናይ ፋርማሲ ንግዲ ክሽፈን ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን’ኮ’ዩ እንዳበልኩ ክከራኸር ፈተንኩ። ኣየስለጥኩን ግን ሰለስተ ኽፍሊ ዘለዎ ገዛ ክሳብ ዝረክብ ክጽበ ከምዝግብኣኒ ተሓቢረ ተመለስኩ።
ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ፍሉይ ተስፋ ዝህብ ፍሉይ ንፋስ’ውን ክነፍስ ጀሚሩ ኔሩ’ዩ። ማለት’ሲ ካብ ናይ ዓለም ባንክ ድዮም ካብ ናይ ዓለም ናይ ገንዘብ ድርጅት ዝተላእኩ ሰባት ደሃይ ስጉጓት ክገብሩ መጺኦም ኔሮም’ሲ፣ ንሳቶም ብዘቕረብዎ እማመ መሰረት፣ መብዛሕትኦም እዞም ስጉጓት ካብ ስራሕ ዝተፈናቐሉ ስለዝኾኑ ሓሳቦምን ድላዮምን ብውዕዩ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ድማ ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ናይ ስራሕ ዓይነት ምእንቲ ክጅምሩ መጽናዕቶም የቕርቡ። ካብኡ ገንዘብ ዝልቅሑሉ ሜላ ክንከፍተሎም ንኽእል ኢና ዝብል ቅዱስ ሓሳብ’ዩ ኔሩ።
እዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ከም ዓቢ ደገፍ ናይ እግሪ ምትካል ተወሲዱ ድማ ኣብ መንጎ ስጉጓት ብሩህ ተስፋ ዘማዕደወ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ክካየድ ጀሚሩ ኔሩ። ነቲ መስርሕ ዘሳልጡ ቅጥዕታት ዘለዎ ወረቐት ከኣ ኣብ ጥቓ ክፍሊ ትምህርትን ቤት ትምህርቲ ጥልያንን፣ ዝርከብ ናይ ሓንቲ ድርጅት ቤት ጽሕፈት ይዕደል ኔሩ። ኣነ’ውን ነዛ ኣጋጣሚ’ዚኣ መሰረት ብምግባር ስራሕ ክቕይር’የ ብምባል ኣማራጺ ክሓስብ ጀመርኩ።
እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ’ዚ ኹሉ ተብተብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ማዘጋጃ ቤት ንስጉጓት ዝምልከት ዓቢ ኣኼባ ተጸዊዑ’ሎ ዝብል ሓበሬታ ሰሚዐ ክጎዪ’ከለኹ፣ ኣብ ጥቓ እንዳ ካንዘን ኣቢለ ምስበጻሕኩ ምስ’ቲ ደላላ በጋጣሚ ኣብ ጽርግያ ተራኸብና።
ርእይ ምሰ’በለኒ! ሰብኣይ ሓደርካ’ኳ ኣይበለንን። ብዘይንሕስያ “ንስኻ’ሲ ንኣይ እቲ ዘርኣኹኻ ገዛ ንፋርማሲ ኣይበቅዕን’ዩ ኢልካ ኣመኽኒኻ ኣፋኒኻንስ፣ ብድሕረይ ተመሊስካ ስራሕካ ክትጅምረሉ ትጓየ’ለኻ” በለኒ። ኣነ ድማ ብዝተኻእለኒ መጠን ከምኡ ከምዘይገበርኩ ሓሳበይ ክገልጸሉ ፈተንኩ። ኣይኣመነን ግን ጸር ጸር! እንዳበለ ድላዩ ተዛሪቡኒ ዕዝር’ዩ ዝበለ።
ብድሕሪኡ እንታይ ማለቱ’ዩ እዚ ሰብኣይ ብዝብል ሓሳብ እንዳተሃወጽኩ ጎቦ ልበይ ናብ’ቲ ኣኼባ ተሓውስኩ። ቅድሚ ሽዑ ኣትየዮ ዘይፈልጥ ገዚፍ ኣደራሽ ናይ ማዘጋጃ ቤት ካብ ጫፍ ንጫፍ ብሰብ ቅጽጽ ኢሉ መሊኡ ጸንሓኒ። ዝኾነ ኾይኑ ንኣይ ትኸውን ሰድያ’ውን ኣይተሳእነትን። ስለ’ዚ መንበረይ ሒዘ ከምሰበይ መራሕቲ ናይ’ቲ ኣኼባ ክሳብ ዝመጽኡ ምጽባይ ጀመርኩ።
ሰዓት ምስኣኸለ ድማ ብዙሓት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ’ዚ ኹሉ ካብ መደቀሲኡ ተሰጒጉ መዋዕሎ ሓርቢቱዎ ኣብ ጽርግያ ኾለል ክብል ዝውዕል ዝነበረ ህዝቢ መናብሮም ሒዞም ብኽብሪ ኮፍ በሉ’ሞ፣ ሓደ ብሓደ ተዛረቡ። ካብ ባንኪ ኤርትራ፣ ንግድን ኢንዱስትርን፣ ቤት ጽሐፈት ኢንቨስትመንት ከምኡ’ውን ካልኦት ተመሳሰልቲ ቅርንጫፋት ናይ መንግስቲ ትካላትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዝተኣኻኸቡ ሓለፍቲ’ዮም ኔሮም።
ቐንዲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣኼባ ብሓፈሽኡ ባዕልኹም ተጣየሱ፣ ናይ መንግስቲ ኢድ ቁሊሕ ኣይትበሉ። ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብጻዕርኹምን ድኻምኩምን ናብራኹም ንምእላይን ሃብትን ንብረትን ንምድላብን በቒዕኩም ዝነበርኩም፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ብጽፍርኹም ከምኡ ክትገብሩ ከምትኽእሉ ኣመስክሩ። ኤርትራዊ ንሓድሕዱ ዝደጋገፍ ቅዱስ ባህሊ ስለዘለዎ ድማ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኣዝማድኩምን ፈተውትኹምን ሓግዙና ኢልኩም ተበገሱ። መንግስቲ ድማ ሓሳብኩም ንምስላጥ ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ደገፍ ክገብረልኩም’ዩ፣ እንዳበሉ ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ተግባራት ናይ’ቲ ዝወከልዎ ናይ መንግስቲ ትካል ዘርዚሮም ገለጹ።
በዚ ሃንደበታዊ መግለጺ ኩሉ ሰብ ስለዝሰምበደ ድማ ርእሱ ካብ ምድናን ሓሊፉ፣ ብዙሕ ዝሓትት ኣይነበረን። ንማለቱ ሓደ ኽልተ ሰባት ግን ብሸነኽ ባርካን ባሕርን ብዛዕባ ዝጀመርዎ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክት ከም ኣብነት ጠቒሶም፣ ኣጆኹም እንዳበሉ ነቲ ስምባደ ከቃልሉን ከተባብዑን ፈተኑ። ውሑዳት ድማ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ባዕሉ ከጣይሰኩም’ዩ ዝብል ቃል ኣስሚዑና ኔሩ። ስለምንታይ’ዩ መንግስቲ ቃሉ ዝዓጽፍ ዘሎ ክሳብ ምባል በጺሖም ኔሮም። እንተኾነ ግን ብዝሒ ናይ’ዚ ዝስጎግ ዘሎ ህዝቢ ካብ ዓቕሚ ናይ መንግስቲ ንላዕሊ’ዩ፣ ዝብል መልሲ ብምሃብ ካብ’ቲ ሽዑ ዝተነግረ ዝሓይሽ ኣማራጺ ክህሉ ከምዘይክእል ኣነጺሮም ሓበሩ።
እታ ምስ ናይ ዓለም ድርጅታት ተቛሪና ፈኸም ክትብል ጀሚራ ዝነበረት ናይ ተስፋ መንገዲ ድማ ቀልጢፋ ቀሃመት። ነዛ ስጉምቲ’ዚኣ ታሪኽ ዘረጋግጾ ምኽንያት ክሳብ ዝቐርበላ፣ ሽዑ ከም ምኽንያት ዝተወርየ ምስ ምጥያስ ተጋደልቲ ዝተተሓዘ ምኽንያት’ዩ እቲ ሓሳብ ተሰሪዙ ዝብል ሕሜታ’ዩ ኔሩ።
ዝኾነ ኾይኑ ኣኼባ ምስተወድአ ወዮ ደላላ ዝበለኒ ጉዳይ ምእንቲ ከጻሪ፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኸድኩ’ሞ፣ ነቶም ወሃብቲ ፍቓድ እቲ ደላላ ዝበለኒ ዘረባ ነጊረ ኩነታት ከጻርዩለይ ሓተትኩ። ዝገርም’ዩ እቲ ደላላ ዝበሎ ሓቂ’ዩ። ኣብ’ቲ ኣቐዲመ ኣነ ዝሓተትኩሉ ቦታ ንኻልእ ሓታቲ ተፈቒዱሉ ዝብል መልሲ ሰማዕኩ። ቀጺለ ድማ እሞ’ቲ ሓዲሽ ፍቓድ ናይ ፋርማሲ ኣብ ሰለስተ ክፍሊ’ዩ ዝፍቀድ ዝብል መምርሒ ተቐይሩ ማለት’ድዩ ክብል እንተሓተትኩ ግን፣ ብዘይቃል ዓለም ኣይተቐየረን ዝብል መልሲ’ዩ ዝተዋህበኒ።
ኣነ ድማ ንኣይ ሰለስተ ኽፍሊ ከይረኸብካ ፍቓድ ኣይወሃበካን’ዩ ትብሉኒ ንኻልእ ድማ ኣብ ክልተ ክፍሊ ፍቓድ ትህቡ፣ እንታይ ይበሃል’ዚ ብምባል ክከራኸር ፈተንኩ። እንተኾነ ግን
ከም’ታ ናቱ ትመስል ወረቐት እንተ’ምጺእካልና
ወላ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ’ውን ፍቓድ ክንህበካ ንኽእል ኢና ዝብል ኣዋጅ ኣስምዑኒ። ርኣይዎ’ምበኣር እዚ’ዩ ሕጊ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን!
ደሓርከ እንተበልኩም! ደሓር’ሲ ወረቐት ስለዘይተረኽበት’ሲ ሰለስተ ክፍሊ ክሳብ ዝረከብ ኮለል ምባል ቀጸልኩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብድሕሪት ጽብብ ዝበለት ኣጉል ቦታ ዝነበረታ ብዓልቲ ክልተ እሳታንሳ ሓዳስ ህንጻ ረኸብኩ’ሞ፣ ምስ ዋና ገዛ ተሰማሚዕና፣ ሙኒቺፕዮ ከይርእዩና መሬት ኣጸልሚትና መንደቕ ኣፍሪስና ነቲ ጋህ ኢሉ ዝነበረ ክፋል ዓጻጺና፣ ናይ ማይ መስመር ዘርጋሕናሉ። ከም’ዚ ጌርና ድማ ነታ ሓዳስ ህንጻ ካብ ፕላን ወጻኢ ሳልሰይቲ ክፍሊ ወሰኽናላ’ሞ መስተርሆት ተረኽበ። …. ንዝጨነቖ መስተርሆት ይፍጠረሉ።
ካብኡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ኮለል ኣብ ኮምቢሽታቶ! ካብ ካናዳ ካብ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተዋጽአ ኢንተርናሽናል ርእሰ ማል፣ ናይ ዓመት ክራይ ገዛ ተኸፊሉ ብሪቕሪቕ ዝብል መቐመጥን መርኣይን ናይ መድሓኒት ተዓዲጉ ቦትኡ ሒዙ ተዳለወ’ሞ፣ ከም’ቲ ዝተባህለ ወረቓቕተይ ኣማሊአ ናይ ንግዲ ፍቓድ ወሰድኩ። ካብኡ እስቤዛ ኽገብር ናብ’ታ እንኮ መድሓኒታት ተከፋፍል ዝነበረት ናይ መንግስቲ ትካል ማለት ፋርሚኮር ዋህዮ ሙሉእ ጥረ ገንዘብ ተሰኪመ ኸድኩ። …. ከም ድላይካ’ይኮነን ከም ዓቕምኻ’ዩ!
ኣቤት ጉድ! እቲ ሓደ ካብ’ቲ ሓደ’ዩ ዝገድድ። ሽዑ ክሽምቶ ዝኽእል እስቤዛ ክመርጽ ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶ ሓላፊ ቐረብኩ። እተን ሽዑ ለቢሱወን ዝነበረ ጻዕዳ ካምቻን ኮንጎ ጫማን ክሳብ ሎሚ’የን ዝረኣያኒ።
ዝኾነ ኾይኑ ዘድሊ ዝበልኩዎ መሪጸ ምስወዳእኩ፣ ወዮ ሓላፊ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣቢልካ ደሃይ ግበር በለኒ። ኣነ ድማ ገንዘብ የብሉን’ዩ ዝኸውን እዚ ሰብኣይ ለቓሕ (ናይ ወርሒ ክረዲት) ምሕታቱ ኣይተርፎን’ዩ፣ ክብል ዝደሊ ዘሎ መሲሉኒ፣ ላላ! ገንዘብኮ ተማሊአ’የ ብምባል ነታ ብኣማኢት ናቕፋታት ተዋጢራ ዝነበረት ዋህዮይ ኣብ ጠረጴዝኡ ኮፍ ኣበልኩዋ። ካብኡ ወዮ በዓል ሞያ ክምስ እና’በለ፣ ገንዘብካስ ነታ ተቐባሊት ገንዘብ ኢኻ ትኸፍላ። እንተ እዚ ዝኣዘዝካዮ መድሓኒታት ግን ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ክትወስዶ ኢኻ’የ ዝበልኩኻ ዝብል ቃሉ ደገመለይ። ኣነ ድማ ገሪሙኒ ወይለይ! ካብ ወጻኢ ዲኻ ክትእዝዞ እንተበልኩዎ፣ ገጹ እሱር ኣቢሉ! ኣንታ ሓውና ንኽንቅርበልካ’ምበር ሰለስተ ሰሙን ከድልየና’ዩ በለኒ። ኣነ ድማ ዋእ እንታ’እኻ’ታ ትብል ዘለኻ እዛ፣
ካብ ስካፋለ ኣውርድ
ኣብ ባኮ ኣቐምጥ
ናብ መኪና ጽዕን’ሲ ……
ሰለስተ ሰሙን ክትወስደልካ’ያ በልኩዎ። ካብኡ ሰብኣይ ሓሪቑ ካብ መንበሩ ተንሲኡ እና’ተበገሰ፣ በል ደሓን ንኣኻ ክልተ ሰሙን ጌረልካ ኣለኹ በለኒ። ኣነ ድማ ካብ ኦፊሱ ክወጽእ እና’ተበገስኩ ፋርሚኮር ናይ ኢትዮጵያስ ንእግረ መንገድኻ ዘድልየካ ሸሚትካ ተማሊእካዮ ከምትኸይድ ኣልሚዱና’ዩ ጸኒሑ። ሕጂ ድማ ኣብ’ዛ ቕድሚ ምስጓግና ዘድልየካ እስቤዛ ብተለፎን ትእዝዝ’ሞ ባዕሎም ናብ ስራሕካ ከብጽሑልካ ክጅምሩ’ዮም እና’ተባህለ ኢና ገዲፍናዮም። ደሓር ከኣ ከም’ዚ ዝርእየኩም ዘለኹ’ሲ ንሽኻትኩም ብውሑዱ ኣብ ወርሒ ትሸጥዎ ንሳቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ’ዮም ዝሸጥዎ ማለተይ ኢየ እንተበልኩዎ ሰብኣይ ሓሪቑ በጃኻ ግደፈና እዚ ኢትዮጵያ ኣይኮነን እና’በለ ቐዲሙኒ ካብ ኦፊሱ ወጽአ። እዚ ንግዜን ሃብትን ናይ ሰባት ኣብ ግምት ዘየእቱ ኣሰራርሓ ድማ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ።
ኣነ ድማ ዋህዮ ሙሉእ ገንዘብ ከፊለ፣ ንበየነይ እና’ተማጎትኩ ኣስቢዳለ እንዳዓይኒ ንየማነይ ቤትምኽሪ ነጋዶ ና’የስመራ ድማ ንጸጋመይ ገዲፊ ከይተፈለጠኒ ዓቐብ መሰስ በልኩ። ትኽ ኢለ ድማ ናብ ሓደ ፋርማሲ ኸድኩ’ሞ ነቲ ፋርማሲስት ዘጋጠመኒ ኩነታት ገለጽኩሉ። ሻቡ ናብራና ንሱ’ዩ ዝ’ሓወይ! ንኺድ’ሞ ቡን ክንሰቲ እና’በለ፣ ምናልባት ሕጂ እዚ ናትኩም ኩነታት ርእዮም እንተተለወጡ ደኣ እንድዒ’ምበር ካብ ሎምዘምን ዓሚ ትሓይሽ ክንብል ኢና ንነብር ዘለና በለኒ። (ክቕጽል’ዩ)
ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።
Daniel T Teclegiorgis
Ewandt54@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • zemen beraki January 7, 2012

    yes!

    • alex January 7, 2012

      Truth hurts. That was the only way they know how. After independence nobody
      could do nothing except the ones connected. They freeze the bussiness people
      by alleging corruptions and other tactics just only for their greedy manners. That
      is why we end up on shortage of experienced and professioal workers. They freeze
      our experienced elders and they are getting old, dying before they train their expertise to youngsters. Thinking deeply to the situation only brings tears to my
      eyes, we love our country ready to build it but what can I say, they chase us out.

      • alex January 8, 2012

        The funny part after few years in our adobted countries, I think we
        will end up like others in diaspora stuck raising kids and paying bills.
        If change did not come urgently, Eritrea will loose a huge number
        of man power in future. PRDF in power will push the youngs to look
        the other way. The only reason which might bring back to the country, to invest or some projects for development is a democratic
        system with fresh, righteous and capable leaders.

      • sara January 8, 2012

        do not give up…. love your country, don’t tread your love to hatred and by that to treasonous.
        sorry to this guy, but loosing a business opportunity has nothing to do with hawasa mischievousness.

        • Alex January 8, 2012

          Sara
          Nobody hates his people and country, the only we hate is those SHEFATU in Asmera. It is
          obvious to all of us they lack credibility, substancial message, mandate or a clear road for
          improvement. DIA has no desire to improve his standing toward you and me from the time
          he step in to the city. What we got the last 20 years is only hopelessness and punishments.
          Remember we paid lifes and lifes to gain and sustain our freedom and soverignity. We people
          are the owners of Eritrea not those thugs (tenkolegnatat). Despite frequent reminders of
          rampant injustices to my people, I can not close my eyes and keep silent as those cowards.
          Last, before you teach about love and hate why do not check your posting. I expect you to
          be more matured and respected less than name callings. By the way the question of treason
          ask our youth, to get the answer who sold them out.

  • sol January 8, 2012

    As time goes the Eritrean case will be complicated and would be hard to get a simple solution such as change of regime.We should be able to craft constitutions and other documents to look the Eritrean fabric in every angle, geography, trade, history, regional politics, the culture and trend of all ethnic groups, religion.These documents will help us in building a prosperous,peaceful,and Democratic nation ,which respect the rights and freedom of its citizens. It is also imperative to consider the geopolitics of the region and we should able to have in ensuring peace and stability in the region.Unless these points are not raised discuss among ourselves we do not have any guarantee to continue as a nation and people.

POST A COMMENT