Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝኽሪ 24 ግንቦት ማዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ብ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ማሕበረኮም ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ብ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ዝቐረበ ቓል።

ንዝኽሪ 24 ግንቦት ማዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ብ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ማሕበረኮም ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ብ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ዝቐረበ ቓል። እንኳዕ ናብ መበል 24 ዓመት፣ዕለተ- ነጻነትና ኣብጸሓና! ዮሃና “ ን ጸ ዋ ር ” ህዝብና!! እዛ ሎሚ

ንዝኽሪ 24 ግንቦት ማዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ብ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ማሕበረኮም ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ብ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ዝቐረበ ቓል።

እንኳዕ ናብ መበል 24 ዓመት፣ዕለተ- ነጻነትና ኣብጸሓና!

ዮሃና ን ጸ ህዝብና!!

ዛ ሎሚ መዓልቲ እነብዕላ ዘሎና፡መበል 24 ዓመት ዕለተ ነጻነትና፥ ንካብ’ተን ካልኦት፡ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዘብዓልናየን ዕለታት ነጻነትና፥ ሉይ ብዝዀነ ኵነት፣ ስቲ ሎሚ መናእሰያትና ፈቐዶ ባሕሪን ምድረበዳን ዝጠፍእሉ ዘለዉ፡ስቲ ኣሕዋትና ክሳዶም ዝብተኽሉ ዘለዉ፡ ስቲ መንእሰያትና ካብ ዓዶም ዝነፍጽሉን ዝብርግግሉን ዘለዉ፡ደሞም ምስ ማያት ባሕሪ ዝሕወሰሉ ዘሎ ግዜ ስለተጋጠመ፥ቲ ዝተለምደ ስለ መዓልቲ ነጻነትና ኢልና፡ ንመግለጺ ሓጐስና፡ ብመስተን ሳዕስዒትን እነብዕሎ ዝነበርና ተሪፉ፣ኣብ ክንዳኡ፡ ነቲ ዝወርደና ዘሎ መከራታትን፣ ጥፍኣት- ሃገራውያንን ብጥልቀት እነስተንትነሉ መዓልቲ ኰይኑ ኽውዕል፣ንወሰኑ፡ ኣካየድቲ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ማሕበረኮም ኣብ ጆርጂያ፡ ክብ ዝበለ ምስጋናን ኣድናቖትን ከነቕርበሎም ይግበኣና።

ብዚ እዋን’ዚ፣መንእሰያትና ከም ጤለ-በጊዕ ሕረድሉን፣ሽጣዊ ኣካላቶም ዝምዝሓቐሉን፣ዘሎ ጸልማት ግዜ፣ኣብ መላእ ዓለም እናተቓልሐን፣መራሕቲ ሃገራት ነዚ ጥፍኣት’ዚ ከመይ ገይርና ንዕገቶ እናበሉ ፍታሕ ንምርካብ ዳም-ዳም ዝብልሉ ዘለዉ እዋን፣ብርእዮ ኣእዝንና ኣናሰምዐን ኣዒንትና እናርኣየንሕጂ ዝላን ሳዕሳዒትን ዝረኣየና ሰባት እንተሊና፡ብርግጽ ኤርትርዊ ሕልናን ኒሕን ኣስሓኮን ኣጥፊእና፥ኣብ ልዕሊ’ቶም መከረኛታት ዜጋታትና ነሽካዕልል ምህላውና ዝገልጽ ኢዩ።

ዚ እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ክፉእ ፍጻሜታት፣ ናባና ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንተልዩዎ፣ ናይቲ ዝወርደና ዘሎ መከራን ዝርወትን፡ ሓድሕድ ምጽልላእን ምፍልላይን፡ጠንቁ እንታይ ኢዩ ኣለሊና፣ነቲ ሽግር ሓቢርና ክንፈትሖን፣ብሕብረት ክንለዓልን ዝጽውዓና ዘሎ ኢዩ።

ሕዋት ደቂ ኤረ፡ካብ ጥንቲ ብስምረትን ውህደትን ዝጸናሕና ህዝቢ ኢና። ከምኡ እንተ ዘይንኸውን’ሞ ነቲ ንምሉእ ዓለም ዘስተንክረ፡ ን30 ዓመታት ዘካየድናዮ ደማዊ ቃልሲ፡ ኣብ መፈጸምታኡ ከነብጽሖ ኣይምተኻእለናን ነይሩ።  ጂ’ንከ ዓዲ ምስተረኽበ፡እቶም ካብ ሓደ ከርሲ ኤርትራ ዝወጻእና ኣሕዋት፡ ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ፣ሓድሕድና ክንረሓሓቕን ክንናኸስን ብሕማቕ ዓይኒ ክንረአአን ንርከብ ኣሎና ። ዚ ከመይ’ሉ ይኸውን? ዚ ምስ ልምድናን ሰርዓትናን ወግዕናን ዘይኸይድ፣ ገለ ውሑዳት እከያት ንጥቕሞም ዝመሃዝዎ ኢዩ። ዚ ምሕዞ’ዚ እንሆ ክሳብ ምጽናት ከብጽሓና ይደናደነናን ይጻብኣናን ኣሎ። ዚ ዓቢ መንቅብ’ዚ ኣሕዋት ሓቢሮም ክእርምዎን፡ነቲ ጠንቁ ክፈልጥዎን መድሃኒት ክረኽብሉን ይግብኦም። ኣሕዋት ናይ ግድን ተቐራሪቦም ሓድሕዶም ክጣጐሙ ይግብኦም። ኽንያቱ ኣሕዋት ሓቢሮም እንተ ዘይወጢጦም ህልውና ሃገርን ፡ባህጊ ህዝብን ክረጋገጽ ኣይክእልን። ለዚ ኣርሒቕና ንጠምት፣ኣይንዓሹ፣ገበጣ ክሳዕ ዝውዳእ ኣይንጻወት። ፍና ዘዝሃበና ናይ ምፍልላዪን ምርሕሓቕን ኣሉታዊ ድምጺ ኣይነስምዕ። ኽኒያቱ ኣሕዋት ኢና። ስዕትን ሃርጎምጎምን ካብ ቅዱስ ምድርና ሓቢርና ከነርሕቖ እንተ በቒዕና፡ካልእ ዘባእስ የብልናን ። ብኣስን ጽልእን ብኡ ኣቢሉ ክስነነናን ክተዓዛዘረናን የብሉን። ቢርና ነታ እትሸርወና ዘላ ምድዋ ደው ነብላ። መን ክሕሾ ኢልና ኢና እንመናጨት ዘሎና። ክሳዕ ሕጂ ፋሕ ጪንግራሕ ዝበልናዮ ይኣክል ንበል። ንምዕሻው፣ንምፍልላይ፣ንምጽልላእ ይኣክል ንበል።ንምጕጅጃል ንምጥቕቓን፡ንምጽልላም ይኣክል ንበል። እንታይ ዘባእስ’ከ ኣሎና፣እቲ ባእሲ ምህዞ ተንኰለኛታት ምዃኑ ኣይ’ን’ስ’ሓቶ። ኣሕዋት ሓቢርና ብዘይ-ኣፈላላይ፡እቶት ሓንቲ ግራት ጸባ ሓንቲ ላም ኰይና ከምቲ ለበዋ ጀጋኑናን ባህጊ ህዝብና ክንሰርሕ ንለዓል።ዅልና ነቲ ዘይተፈጸመ ሕልሚ ህዝቢና ሸለል ኣይንበሎ። ካብ ጥንቲ ጀሚርና ደቂ ስሙር ህዝቢ ኢና። ኣብ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመርናሉ ቀንዲ ምኽኒያት፥ቲ ዝነበረና ሓጋጊ ኣካልና (ፓርሊያመንት)፣ቲ 99 ዓበይቲ ዓናቕጽ ዝሓዘ ስልጡንን ዲሞክራሲያዊን ቅዋምና ስለ ዝፈረሰና፣ሉ ናይ ምንቅስቓስን፡ ናይ ምጽሓፍን ናይ ምዝራብን፡ናይ ምምላኽን፡ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባርን መሰላትና ስለ ዝተፋሕቈና፥ነቲ ዝጠፍአ መሰላትና ክንመልስን፡ናይ ገዛእ ርእስና መንግስቲ ክንእውጅን ስለ ዝወሰና ነይሩ።

ይ ዝሓለፈ ሓሊፉ፣ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽኒያት፣ንተ’ስ ብዕሽነትን ኣርሒቕካ ዘይምርኣይን፣ንተ’ስ ብጕርሕን፡ስስዕትን ብሃርጐምጕምን ሃነፍነፍን ሓድሕድና ብቐጻሊ ክንተሓናፈጥ ወርቃዊ ግዜና እነጥፍእ ዘሎና ኢና። ሚ’ሞ ከኣ ወዮ ቀንዲ ውራይ ተረሲዑ፣ኣብ ክንዲ እንተሓቛቚፍን ቑምነገር እንሰርሕን፣ቀደም ዘይነበረን፣ብኣቦታትና ኣቦሓጎታትና ዘይጸንሓና ናይ ኣውራጃ ምፍልላይ እናምጻእና፡ነቲ ብሕብረትን ዓወትን ዝተጓዓዝናሉ ጐደና ሰላምን ሓድነትን፣ጐደና ሓቦን ኒሕን እንሆና ኣእሻዅ ኣሜከላን ድንጉርን ክንዘርኣሉን ከነንጽፈሉን ንርከብ ኣሎና።ስለዚ፡ንኸሉ ከነተዓራርዮ፡ ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ሽግ ፍቕርን ስኒትን ኣብሪህና፣ነቲ ናይ ጥንቲ ውርዝነትና፡ ልቢ ምዕባይን ፡ ሕድገታት ምግባርን ፡ምስምማዕን ፡ምጽውዋርን ከነሐድሶ ኣሎና። ኵሉ ዘዕወድውደና ዘበለ  ሓቢርና ከነለልዮን ኣጸቢቕና ክንሓስበሉን ክንገጥሞን የድልየና።ሓደራ ንድሕሪት ኣየነንቀልዕጥ።ኤርትራና ትሰሓግ ኢያ ዘላ።ሃየ ንርደኣያ!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና!!

ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትንንገስ!!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • sussun May 28, 2015

    Kubur Tegadalay FIKREMARIAM Raza nay abuo haza Mudokan amiq tsesetkan ablibna yehdro.Entay emo kemaka bihigin zengin zeykiyedu wihidom seb betrin zeregtin dima bezihom gin mewedaeta betri fithi bolok kem tibil zeteratir aykonen.Alena ajoka Wedi WELdie ZEBEDO ni fithi temazazi ni amez nesaghi. Fikre hawey abatawin hiwinetawin miedotatka etkinfinanin silezikone aytifeleyena.Abdas fithin riten yerakibena.

POST A COMMENT