Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝገበረ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ፡-ዝናታት ከተማ ሳንድየጎ!

ንዝገበረ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ፡-ዝናታት ከተማ ሳንድየጎ! ኣብ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓተታይ ብመጀመርያ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፣ ብዛዕባ እዚ ካብ 15-19 ታሕሳስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጸዊዕዎ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ መሰረት ብምግባር ኣብ ሳንድየጎ ዝቕመጡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ዲሞክራስያዊ

ንዝገበረ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ፡-ዝናታት ከተማ ሳንድየጎ!

ኣብ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓተታይ ብመጀመርያ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፣ ብዛዕባ እዚ ካብ 15-19

ታሕሳስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጸዊዕዎ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ መሰረት ብምግባር

ኣብ ሳንድየጎ ዝቕመጡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣባላት ዝተፈላልዩ ፖለቲካውን፣

ሲቪካውን ማሕበራት፣ ንዓይን ንኩሎም ኣባላት ባይቶን ንምትብባዕን፣ ንምድጋፍን ድራር ሳስዮም፣

ዝገበሩለይ ኩሉ’ንተናዊ ሓገዛት-ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ነገረሉ እዩ’ሞ ንደለይቲ ፍትሒ ከተማ

ሳንድየጎ ብስመይን ብስም ኤሃባደለን ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጽሓዮም። ኣብዛ ከተማዚ’ኣ ምርር

ዝበለ ተምኵሮ ዘሕለፈ ደላይ ፍትሒ፣ ኣብ ነንሕድዱ ይኹን ምስቶም ገና ዘይተረድኡና ዘለዉ ውሑዳት

ዜጋታት ኣሕዋት ኤርትራውያን ዘሎና ናይ ርእይቶታት ምክብባርን ምትሕልላይን ዝምድና ኣዝዩ ዝለዓለ

እዩ እንተበልኩ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን። እዚ ከተማ’ዚ ብክልቲኡ ሸነኽ መርገጻት ብናህሪ ዝተፈላለየ ደኣ

ይንበር’እምበር ኣብዚ እዋን እቲ በዳሊና ኣብ ምልላይ ዝተቐራረበ ኣረኣእያ ከምዘለና ብሩህ እናዅነ

ይኸይድ ኣሎ። ተቓውሞ ዘዋሰነ መስርሕ ቅዋምን፣ ድሕሪ ምውድኡ ምስ ጉድለታቱ’ውን ይኹን ኣብ

ግብሪ ንኸይውዕል፣ ዝተወልዐ ናይ ዶብ ኵናት ደው ክብል ሰራዊትና፣ ብሰላም ናብ ዶብና ክስሕብ

ከምዘለዎ ብትብዓት ንመራሕቲ ህግደፍ ዝመከተ ከም ከተማ ሳንድየጎ ከምዘየለ፣ ሓውና ስዉእ

ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብ ዝነበረሉ ሕጂ ብህይወቱ ዘሎ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ክዝክሮ ዝኽእል ሓቂ

ይመስለኒ። እቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረ ታሪኻዊ ጠለብ ሓወልቲ ናይ

ኩልና ተቐመጥቲ ሳንድየጎ ምዃኑ ክምስክር እፈቱ።

ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኤርትራ ዘይሓዝንን ዘይፈርህን ኣሎ

እንተተባህለ “ስሑው” ወይ ብጥቕሚ ምስቲ ስርዓት ዝተኣሳሰረ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል ።

ቀደም ኣብ ሶማልያ ዝተረኽበ ቅልውላው ኣብ ኤርትራውን ከጋጥም ይኽእልዩ እንተበልካ “ኣፍካ

ከልቢ ……..” ተባሂሉ እዩ ዝርገም ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ ተረኽቦ ሊብያን፣ ሶርያን፣ ዒራቕን ግን

መለለዪ ሕላገት ናይ ብምልኪ ዝተገዝኡ ኣህዛብ ኣብ ዝሕረርሉ ዘጋጥም ተርእዮን፣ ሓባራዊ ረቛሒን

ኮይኑ ኣሎ። ጽቡቕ ክንምነ እንተደሊና፣ ኣብ ኤርትራ ድሮ በዳሊና እቲ ስርዓት ምዃኑ ኩልና

ኤርትራውያን ኣለሊና ስለ ዘለና፣ ኣብ ምውዳቕ ናይቲ ስርዓት ለባማት ኤርትራውያን ስለዘይሰኣኑ ብሓደ

ወገን፣ ብኻልኣይ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ታሪኻዊ ተርኦም ክጻወቱ፣ ህይወት

ናይ ሓደ ሰብውን እንተኾነ ከይትጠፍእ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ኢና ክንብል እንኽእል። ብኣንጻሩ

እውን ንሕና ኤርትራውያን ካብቶም ነንሕድሕዶም ዝፋለሱ ዘለዉ ዜጋታት ሃገረ ሊብያን፣ ሶርያን፣

ዒራቕን ብምንታይ ንምዕብል፣ ከምኡ ከይንደግም ኣይንኽእልን ዘብለና እንታይ ኣሎ፣ እንተልካ ከኣ፣

ዘተስፉ ብሩህ መልሲ ትረኽበሉ ኣይኮነን።

ግን’ከ ህይወት ሰብ ኣዚና እነኽብር ሕብረተሰብ ምዃና፣ ከም ምልክት ፍሉይ ባህሊ ኣብ ዞናና ዝርአ

ዘመን ኣምጽኦ ጥሩፍነት ናይ ሃይማኖታት ዘይጸልወና ምህላዉ ኣብነታዊ መግለጺ ናይ ሓያል ጕድንና

ኢዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ነዚ ሰናይ ትንቢት ናይ “ደምኣልቦ” ምስግጋር ናይ ደሞክራስያዊ

ለውጢ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሓሉ ሲቪካዊ ግዴታ ኣለዎ። እቲ ስርዓት ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቍላ

ብማለት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ከብዲ ገዛና ብምዕጣቕ ብሓይሊ ክፈታትነናን ከፋልሰናን ስለ

ዝኽእል ሰብናን ጥሪትናን ንምክልኻል ድልዋት ክንከውን ይግባእ። ምክልኻል ሃገር ካብ ነፍስኻን፣

ስድራኻን፣ ጕረቤትካን ምሕላው ስለ ዝብገስ፣ እዚ ዕጥቂ’ዚ ብህዝባዊ ቅጽርና ተራቢሑ ኣብ ሃገርና

ሰላም ከንግስ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ድማ ተራ መንፈሳዊ ኣስተምህሮታት ክልቲኡ

ዓበይቲ እምነታትና ኣገዳሲ ምዃኑ ከየስመርክሉ ክሓልፍ ኣይደልን።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ መስርሕ ናይቲ ዲሞክራስያዊ ዘተ “ዳያሎግ” እናተባህለ ብጽሑፋት ኩሉ

ዘዕልለሉ ብተግባር ግን ካብ 1998 ብዝተኣትወ ምሕዝነት ናይ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብተግባር

ዝተመከተሉ መድረኽ ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እዚ ኪዳን’ዚ ድሕሪ ናይ 2010 ምስታፍ

ሲቪካዊ ማሕበራትን ወከልቲ ህዝቢ ወጻኢ ከተማታትን ሃገራዊ ጉባኤ ተሰላሲሉ ሓደ ዓቢ ትካል-

ሃገራዊ ባይቶ ምስ ኣቝመ። እዚ ትካል’ዚ ግን ብመትከል ወድዓውን ታሪኻውን ተራ እናሃለዎ ከሎ፣

ብባዕላዊ ድኽመታትን ዘይብቕዓት ኣመራርሓን፣ ንህዝብና ክምስጥስ ይትረፍ ክስሕብ እውን ኣብ

ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ’ዩ ብ 44 ኣባላት ባይቶ ዓሚ ዝተጠልበ ኣኼባ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት፣

ሎም’ዘመን ብፈጻሚት ሽማግለ ተጸዊዑ ዘሎ። ሃገራዊ ባይቶ ምግባእን (assembly)፣ ምዝታይን

መዓልታዊ ዕማሙ ገይሩ ተዘይሒዝዎ፣ ኣብ ካልኣዊ ዛዕባታት ተሺኺልካ ደው ምባል ከምዘስዕብ

ብተግባር ዝተዓዘብናዊ ውጽኢት ኢዩ።

ካብ’ዚ ባይቶ’ዚ ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ብዝተፈለለየ ፖለቲካዊ ምኽንያታትን፡ ባዕላዊ

ድኽመታት ናይ’ዚ ትካልዚ እናገለጹ ምቕጻል ምስ ሃገርናን ህዝብናን ዘለዎ ኩነታት ኣዝዩ ዘይሳነ’ዩ።

ምስ ዝመስለካ ኣረኣእያ ጥራይ ምዝታይ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝዓበየ ጽላል ክካየድ ዝኽእል ታሕተዋይ

ደረጃ ዘተ ኢዩ። እቲ ዝኸበደ ብድሆ ናይ ዘተ እቲ ምሳኻ ዘይሰማማዕ፣ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን እምነቱ

ክትቀርቦ’ስ ግደፍ ንክትሰምዖ ኣውን ዘጽላዕልዓካ ግን ከኣ ብግዜን፣ ዘተን፣ ኣዎንታዊ ተሳትፎን

(engagement) ገስጋሲ ውጽኢታት ከመዝግብ ዝኽእል ስራሕ ጥራይ’ዩ ዘተ ተባሂሉ ዝምስከረሉ።

እቶም ናይ 1998 ዝተዛመዱ ናይ ኪዳን ሓይልታት፣ ምስ 2010 ዝተወስኽዎም ወከልቲ ህዝብን፣

ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ 2014 ካብ ቀደም ንላዕሊ ይፋለጡን፣ ዝያዳ ነንሕድሕዶም ዝተመሃሃሩን፣

ዝከባበሩን ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ጭቃ’ዚ እንታይ ኣእተወና ኢልካ፡ ኣብ

ዘዝጠዓመን፣ ዝምቅረካን ዞና-ምቾት (comfort-zone) ተቐሚጥካ ጥራይ ክትዋሳእ ምድላይ ግን

ምስ “ዘተ” ዝብል ኣምር ብዙሕ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን።

ኣብ መደምደምታ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ ነቲ ትጽቢት ህዝቢ ብዝግባእ ዘየሰላሰለ ባይቶና፣ ባዕላዊ ነቐፌታ

እናቕረብኩ፣ ትማሊ ካብ ተቐማጦ ሳንድየጎ ዝተቐበልኩዎ ሓደራ፣ ባይቶ ካብ ሓድሕድ ምውንጃል

ወጽዩ፣ ቀንዲ ትዅረቱ ኣብ ጸላኢ ኵርኒዑ፣ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክሰርሕ ከምዘለዎ ዝብል ለበዋ

ብቅሉዕ ደብዳቤ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እናመሓላልፍኩ መልእኽተይ እዓጹ።

ሃይለማርያም ተ.ተስፋይ

ኤሃባደለ-ሰኣ-ኣባል

12-10-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • THE NOBLE TEACHER December 12, 2014

    “እቲ ስርዓት ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቍላ……ብማለት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ከብዲ ገዛና ብምዕጣቕ ብሓይሊ ክፈታትነናን ከፋልሰናን ስለ ዝኽእል ሰብናን ጥሪትናን ንምክልኻል ድልዋት ክንከውን ይግባእ።”…..
    ቅድሚ ሕጂ ወያነ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ሰራዊቱ ምስ ሻዕብያ ኣእትዩ ንጀብሃ ኵድ ኦም ከሎ ኣገዳሲ እዩ ንእስላማዊት ጀብሃ ንምጥፋእ ተባሂልና።ሕጂ እውን ደምሒት ኢትዮጵያውያን እዮም ኣትዮም ዘለዉ፣ስለዚ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ ፧ ኣብታ በቕሊ ተሳማሚዑ ኣብ ኮረሻ ዝጻላእ ተማጓታይ ዕቡድ ዝስዓሞ እዩ። ኣንጻር ቶርዓ ዝነበረ ሻዕብያ ሕጂ ድማ ኣንጻር እቶም ኣብ ዙፋን ዘቐመጥዎ ጸረ ቶርዓ ክልዓል ከሎ ዓገብ ክብል ዘየሕንኾ ሰብ እንተሎ__ሃየ ፈረስ ሃየ ጉራዴ____።ባባ ኢሳያስ ግን ብፌስቡክን ብ ኣኼባን ዝወርድ ኣይመስለንን።እንተወረደ እውን ኣ ሳግላ ምስ ተቐልዔት ክንደይ ሓሳኹ ወጺኦም ነብስና ከመሽምሽዎ እዮም።
    If Eritreans have to solve our problems ,Eritrea has got to go ,where ,I do not know ..Definetely not to Ethiopia,..Ethiopians would not agree to be the Garbage bin.

  • Sol December 13, 2014

    Mr. Ignoble,

    No one is dancing on your old drum beat.

  • kidane December 13, 2014

    kab akeba intai lewti ymex? zserh imber zekeb iykonen zedlya neritrea. sleziu HGDEF kab sru kmho tekoynu kedka mklas iyu

  • asfaha December 13, 2014

    ቅድሚ ስለስተ ሰሙን ካብ አስመራ መጽኤ ኢስያስ ዕላምኡ እገብር አሎ ህዝቢ ኤርትራ እዳሞተ ሞተ ንሞት ይፈርህ አሎ ኢሰያስ አይኮነን እቲሽግር ንሕና ኢና ፈራሀት ደቅና ንሸይጥ አብ ዓድና ዘሎ ሂወት ንምግላጹ ዘሸግር እዩ

  • THE NOBLE TEACHER December 13, 2014

    Asfaha ,

    thank you ,if you are young ,I do not blame you ,I blame myself & the 50+++ years olds of my age bracket.

  • ogbai December 13, 2014

    “ኮሓሒልካ ኣይኸውን ዓይኒ መዋዊጽካ ኣይኸውን ስኒ” እቲ ኣየርኢ እቲ ኣይቐኒ፡ ከምዝባሃል ከይኾነና፡ ሕጂውን እቲ ፈተናታት ጻዕርንካ ዝምስገን እንተኾነ። ሰናኒዕካ ሰናኒዕካ ዝመጽእ ዓውት የለን ለማ ቕነ። ገለን ብጉርሓ ገለን ብገርሀ ፍትሕን ዲሞክራስን ፈጺማ በዝን በትን ተረሲዓ ኮለል በዚሑና ሪሒቑ መገሻ። እቲ ቀንዲ ወድቅትና ኣብ ጉዕዞ ሰውራናን ኣብቲ መሪር ታሪኽ ቃልስና ንዲሞክራሲ ረጊጽናያ ረሲዕናያ ኢና ሓሊፍና ተዝንጊዕና። ውጺኢቱ ከኣ፡ እነሆ ብምልኪ ትምክሕቲ ኣስመራ ኣቲና፡ ዘይዘርእናዮ ክርዳድ ካኣ ሓፊስና። እቶም በዚ ብዱዕ ስርዓትን መሻርኽቱን፡ ኣብ ዘይጥጡሕ ፖለቲካ ሃዋህው ተሸሚምና ተሪፍና፡ ገለ ምዕብልና ናይ ምጽውዋር ናይ ዲሞክራስይስ ልምምዳት ከየጥረና፡ ኣብ ነንሕድናውን እንተኾነ መሰረታዊ ለውጢ ከይተኸተልና ስዓብ ጥራሕ ዘብ ዘብ ክንብል ንዲሞክራስያ ኣይተጥቐምናላን ክባሃልውን ይካአል። እረ ገለ ወድባትናስ ካብቲ እንቃወሞ ስርዓት ብዘይ ሓይሽ ብውልቀ ስባት እንዳተጸዋዓን እንዳተመርሓን ትልኽ ክብላ እየን ጸኒሔን። በዘን ክንድዝንውን ህዝቢ ክስዕበንስ ይትረፍ ክስምዔንውን ኣይተራእየን። ሕጂውን ነቲ ድሑርን ጉጉይን መሰረታዊ ባዕላዊ መስመራትና ከየዔረና፡ ናብ ቅኑዕ ደንበ ዲሞክራስያ ክንኣቱ ዝካኣል ኣይመስልን። መዛናግዒ ከም ሜክ ኣብ ‘make up’ ዝተቓናጀወት ሰብይቲ ልዕሊ 70 ዝዕድሜኣ ኮይና ምቕራብ ጥርሕ እዩ ትርፉ።
    ሰውራና ኣብ 1991 ናጽነት ከረጋግጽ እንከሎ ካብ ክልቲኡ ወድባት ብዝፈረየ ሓይሊ ዲሞክራሲ ንመንግስቲ ኤርትራ ክትክእ ኔይርዎ። ኣብ ክንድኡ ሐደ ምኩሕን ብዱዕን ስርዓተ ኢሳያስ ተተኪኡ፡ ነዴኺ ማይ ውረድላ ከኣ ኮይኑ ውጽእቱ። ኣብ ክልቲኡ ደንበ ዝዓንበበ ዲሞክራስያ ሓቒቁ ተሪፉ። በሉ ናይ ዝሓለፈስ ሓሊፍ ኣይትድገሙኒ ብዝተረፈ ንእትብለና ዘላ ሃገርና ኤርትራ ክንስምዓን ካብ ሕሉፍ ታሪኻትና ተማሂርና ነቲ ዓቕምና ዘፈቕዶ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ኣቐርዲምና፡ ንቕድሚት ክንምርሽን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ካብ ስሩ ቦርቂቕና ያዕ ክንብሎ ንመትከል ዲሞክራሲ ከኣ ሕጂ ክንለማመዳ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ይኹን። ነበረያ ነበረ እንዳልና ኣብቲ ክቱር ምልኪ ክይንነብር ካብ ኮለልን ክንቱ ውዳሴን ንውጻእ። ሰናይ ኣሳልጦ ነዚ ሓዲሽ ጉዕዞ።
    ብሕግን ፍትሕን ምልኪ ክትካእ
    ብመስርሕ ዲሞክራሲ ይተካእ!

POST A COMMENT