Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንጹር ራኢ ንብሩህ መጻኢ – ዘተ ምስ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኮቨንትሪ (ዓባይ ብሪጣንያ)

ብምኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ኹሉ፣ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም፣ መበል 55 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ክንዛተ ብዝገበርኩምለይ ዕድመ ንመንእሰያት ኮቨንትሪ ኣዝየ አመስግነኩም። 55 ዓመት መቸም ዳርጋ ካብ ኩላትና

ብምኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ቅድሚ ኹሉ፣ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም፣ መበል 55 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ክንዛተ ብዝገበርኩምለይ ዕድመ ንመንእሰያት ኮቨንትሪ ኣዝየ አመስግነኩም።

55 ዓመት መቸም ዳርጋ ካብ ኩላትና እዞም ኣብዚ ተረኺብና ዘለና ኣሕዋት ይዓቢ ይኸውን። ምስኡ ካብ ሃገርና ኣሽሓት ማይላት ርሒቕና ኣብ ዓዲ ጓና እንነብር ስደተኛታት ምዃና ኣብ ግምት እንተደኣትዩ፣ ብምንጽር ዕድመ ናይቲ ፍጻሜ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንርሕቀት መገሻና ደሚሮም ዝዓጀቦም ጓኖት ተዓዘብቲ፣ “እንታይ ገደሰኩም” ኢሎም ምሕታት ዋላ እንተዘይደፈሩ፣ ክግረሙ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ እዋን’ ነዚ ብዝመሳሰል ዛዕባ ሓደ ንኤትራውያን ምስ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣወዳዲሩ ዝጸሓፈ ወጻእተኛ ጋዜጠኛ፣ መብዛሕትኦም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሓደ ሰሙን ኣብ ሆቴል ምስ ደቀሱ ሃገሮም ከምዝርስዑ ብምጥቃስ፣ ኤርትራውያን ግን ዋላ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስደት ምስ ስድርኦምን ሃገሮምን ዘለዎም ምትእስሳር ከምዘይበትኩ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይዝከረኒ። ነንሕድሕድና፣ እንተ ብመርዓ እንተ ብሓዘን ኣብ እንራኸበሉ ኣጋጣሚ፣ ዘይሩ-ዘይሩ ጉዳይ ሃገርና ዓብላሊ ኣርእስቲ ዕላልና ከምዝኸውን እንተዘኪርናዮ ‘ውን፣ እቲ ትዕዝብቲ ሓቂ ምዃኑ እዩ ዝምስክረልና። ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ብዕምቆት ንምፍላጥ ስነፍልጠታዊ ማሕበረሰብኣዊ መጽናዕቲ ዘድልዮ ‘ኳ እንተኾነ፣ ውጽኢት ናይቲ ስጡም ኮማዊ ጠባይ ዘለዎ፣ ብስድራቤት፣ ባህሊ፣ ሃይማኖትን ማሕበራዊ መነባብሮን ዝጽሎ ህይወትና ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ካብቲ ኩስቶ ንኹስቶ ወለደ እናበለ 7 ኣብሓጎታቱ ናይ ምጽብጻብ ያታ ዘለዎ ሕብረተሰብ ንዝመጽአ ወለዶ እምብኣር ዝኽሪ 55 ዓመታት ነዊሕ ኣይኮነን።

ሰብ ኣብ ዝኸደ ከይዱ፣ ስድራቤቱ፣ ህዝቡ፣ ሃገሩ ዘይርስዕ፣ ለዋህ፣ ፈቃር፣ ሃያብ እንተደኣኾይኑ፣ ንተጸባይኡ ጥራይ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሱ ‘ውን ሕልናዊ ዕግበት ይፈጠሉ እዩ። ስለዚ፣ እዚ ንኽልቲኡ ወገን፣ ንወሃብን ተቐባልን ዘርብሕ ያታ ‘ዚ ዓቢ ጸጋ እዩ። ክዕቀብ ከኣ ኣለዎ። ጎኒ ጎኒ ‘ዚ፣ ከም ወለዶና፣ ታሪኽና ‘ውን ምትእስሳር ስለዘለዎ ንኹላትና ይብጽሓና እዩ። ብሕልፊ እቶም ተቐቢልና ናይ ምስግጋሩ ሓላፍነት ዘለና መንእሰያት፣ ብንቕሓት ክንፍልጦን ክንመሃረሉን ይግባእ።

ከምዚ ዝጠቐስኩዎ፣ ሎሚ ምኽንያት መራኸቢና ዋላ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ታሪኽ ከየድሃብኩ ንሓደ ዝኣምነሉ ሓፈሻዊ ሓቂ ኣስሚረሉ ብምሕላፍ፣ ኣብ እዋናዊ ኩነታትናን ክንሕዞ ዘለና መጻኢ መኣዝንን ከተኵር።

ሃገርና ኤርትራ፣ ብመሪሕነት ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፣ ሰፊሕ ተሳታፍነት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን፣ ብ 24 ግንቦት 1991 ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ወጺኣ። ኣብ 1993 ብዝተኻየደ ረፈረንደም ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ድሕሪ ምርካባ ድማ፣ ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም ኮይና። ህዝባዊ ግንባር ኣብ መወዳእታ መስመር ናጽነት ረጊጹ ‘ኳ ጽዋእ እንተጨበጠ፣ ታሪኽ ገድልን ናጽነትን ኤርትራ ናይ ብሕቱ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣበርከቲ ኣለውዎ። ነዚ ኩነት’ዚ ከም ናይ ሪለይ ቅድድም ጉያ ኣመሳሲልና እንተተመልከትናዮ ምናልባት ብቐሊሉ ክርድኣና ይኽእል። ካብቶም ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ፣ እቲ ቀዳማይ ዝሑል፣ እቲ ናይ መወዳእታ ቅልጡፍ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። እንተኾነ፣ ኣብ መጨረሽታ እቲ ዓወት እንተደኣ ተረኺቡ፣ ድምር ውጽኢት ናይታ ኣርባዕተ ዝኣባላታ ጉጅለ ወይ ጋንታ እዩ። እምበር፣ ነቲ ዝቐልጠፈ ወርቂ ማዳልያ፣ ነቶም ካልኦት ድማ ከከም ፍጥነቶም ነሓስን ብሩርን ኣይትስልሞምን ኢኻ። ነቲ ሸደድ ካብቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ተቐዳዳማይ ብጽፉፍ ናይ ምርካብ ጥበብ ንርእሱ ማዕረ ‘ቲ ቅልጣፈ ሚዛን ኣለዎ። ነዚ ብመንጽር ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትርእዮ ከለኻ፣ እቲ ኣብ 1961 ተጀሚሩ ብተጋድሎ ሓርነት ዝተሳለየ ብረታዊ ተጋድሎ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ኣብሓጎታትና ዘካየዱዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት እዩ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተወልደ ውድብ እዩ። እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሰጋገረ ባህግን ዕላማን ናጽነት ከኣ፣ ልክዕ ከምቲ ሸደድ ወይ button ክምስል ይከኣል። ኣብ መወዳእታ፣ ከም ድምር ውጽኢት ናይዚ ተኸታተሊ ቃልሲ እያ ‘ምብኣር ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ንመጀምርያ ግዜ ነጻ ሃገር ክትብሃል በቒዓ። እዚ ሓደ ታሪኻዊ ጭብጢ እዩ።

እዚ መድረኽ ‘ዚ ግን ሓደ ደረጃ እምበር ጥርዚ ወይ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኣይኮነን። ናጽነት መጀመርያ ናይ ሓደ ነባሪ ጉዕዞ እዩ። ከምዚ ብስፖርት ዝመሰልናዮ፣ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባን ምትእምማንን እንተዘይተወሲኹዎ ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ዘሰጋገር ውሑስ ድልድል ክኸውን ኣይክእልን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብተን ክልተ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፋ ውድባት ዝነበሩ ዝብዝሑ ተጋደልቲ፣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕርቅን ምትሕቝቛፍን ኩነታት ክፉት ሽውሃት ነይሩዎም። ገና ቃልሲ ናጽነት ክይተዛዘመ ኸሎ ብዙሓት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፎም ዘርኣዩዎ ተወፋይነት ኮነ፣ እቶም ኣብቲ ደረጃ ‘ቲ ዘይበጽሑ ተጋደልቲ ነበር፣ ድሕሪ ናጽነት ነቲ ክዉንነት ብኣውንታ ምቕባሎም ከኣ መርኣያ ሃገራዊነቶም እዩ።

ይኹን ‘ምበር፣  ናይ ዕርቂ ባይታ ብምጥጣሕ ናይ ምትእምማን ሃዋህው ከንግሱ ዘይመረጹ ምግባት ስልጣንን ዕብለላን ዘቐደሙ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ዝነበሩ መራሕቲ ህግደፍ፣ ምስቲ ካብ ሰፊሕ ልቦና ህዝብና ዝበቖለ ምዕቡልን ኣርሒቑ ዘማዕዱን፣ ፍቕሪ ዝመበገሲኡ ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ  ናይቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ዝዳረግ ዘንጸባርቕ ኣማራጺ ብምውሳድ ሃናጺ ባይታ ኣይፈጠሩን። እዚ ድማ ዘይተሓከመ ቁስሊ ገዲፉ እዩ።

ኣብዚ ካብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ክንመሃረሉ ዝግባእ ጭቡጥ ተመክሮ፣ ውድባት ክም መሳርሒ ዕላማ ናጽነት ተራእየን፣ እቲ ናይ ድሕረ ናጽነት ኩሉንትናዊ ጉዕዞ ህንጸት ኣብ ክንዲ ውድባዊ ሃገራዊ ክኸውን፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ክሓቍፍ ከምዝነበሮ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ሸደድ ሒዙ ዝኣተወ ፖለቲካዊ ሓለፋ ክምነ ብዓቢኡ ድማ ስልጣን ክምንዝዕ ምርኣይ ምስ መንፈስ ህዝባውነት ናይቲ ቃልሲ ዝጋራጮ ስሱዕ ውሳነ ኢዩ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ እዋን ክሳብ ‘ዚ ዘለናዮ ግዜ (ካብ 1993 ክሳብ 2016)፣ ኤርትራ፣ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኣይበቕዐትን። ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጭፍርኡን እትግዛእ ዘላ፣ ጻማ መስዋእቲ ተጋዳላይ ዘይተኸፍለት፣ ባህጊ ህዝቢ ንሓርነትን ራህዋን ዘየርወየት፣ መጻኢኣ ዘየተኣማምን ብፍሹል ስርዓት እትምራሕ ሃገር ‘ያ ኮይና። እዚ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ‘ዚ ኣውራ ጠንቂ ኮይኑ ዘስዓቦ፣ ብደረት ኣልቦ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ዝጎልሐ ሰብኣዊ ፍልሰት፣ ብምረት መነባብሮ ህዝብን ድኽነትን ዝልለ ማሕበራውን ቁጠባውን ወድቀት፣ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ጥሕሰት ሕግን ዝግለጽ ፖለቲካዊ ፍሽለት ተሓኒቓ፣ ብስቱር ውሽጣዊ ነውጽን ኣህጉራዊ ተነጽሎን እናተጠቕዐት ብሕሱም ቅልውላው ትሕመስ ኣላ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ድማ ሓደ ካልእ ጭብጢ እዩ።

እዚ ክዉንነት’ዚ ኣብ ቅድሚ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ኤርትራ ተገቲሩ ዘሎ ብድሆ ስለዘኾነ፣ ከም ሓደ ዓቢ ግድል ብንቕሓት ከጽንዖን ብጥበብ ክፈትሖን ኣለዎ። እዚ ዝጠቐስናዮ ኩነታት ከይተቐየረ፣ ማለት፣ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ከይነገሰ፣ እዚ ውልቀምልካዊ ወተሃደራዊ ኣሰላልፋ፣ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ፣ ግልጽናን ተሓታትነትን ዘረጋግጹ ተሓላለውቲ ትካላት ብዘቖሙዎ ዲሞክራስያዊ ማሕደራ ከይተተከአ፣ ሰብኣውን ቁጠባውን ሓርነት ህዝቢ ውሕስነት ከይረኸበ፣ ኤርትራ ሰላም ረኺባ ክትቀስን፣ ክትምዕብልን ክትስልጥንን ኣይትኽእልን እያ።

ነዚ ኩልና እንፈልጦ፣ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ዝብህጎ ለውጢ ኣብ ምምጻእ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ፣ ጉዳይና ኣብ ምትሕልላኽ ‘ውን ኣሉታዊ ተራ ዘለዎ ዓቢ ሽግር ግን፣ እቲ መምስ ዝቐርበና ብሕሽዅሹኽ እንዛረበሉ፣ ከም ህዝቢ ብጋህዲ ተዛቲና ክንፈትሖ ዘይከኣልና ሕድሕድ ናይ ዘይምትእምማን ወይ ብዓይኒ ጥርጣረ ናይ ምርእኣይ ጸገም እዩ።

ንማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ኣብ ዘራኽብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ሃገርና ኤርትራ፣ ጽልዋ ሃገራት ዓረብን እስልምናን ንምስፍሕፋሕ ብሓደ ወገን፣ በቲ ኻልእ ድማ፣ ነዚ ጽልዋ’ዚ ንምግታእ በታ ከም ናይ ክርስትያን ሃገር እትፍለጥ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምቍጽጻር ናይ ዝተኻየደ ክርክር ዓውዲ ኮይና ንነዊሕ ዓመታት ከምዝተሳቐየት ሃገር መጠን፣ እቲ ክርስትያናውን እስላማውን እምነታት ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ መርገጺታቱ በዚ ክልተ ዝንባሌታት ተጸልዩ፣ እቲ ሓደ በቲ ኻልእ ከይዕብለል ብዘለዎ ስግኣት ልቡ እናተፈርራረቐ፣ ሓደ ስጡም ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ክፈጥር  ኣይከኣለን። ዋላ ድሕሪ ‘ቲ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ብምስዓር ዝተረኽበ ናጽነት፣ “ኤርትራ መን ‘ያ” ዝብል ሕቶ፣ ሓደ ቁርጺ መልሲ የብሉን። ካብ ወግዓዊ መድረኻት ግልል ኢልካ ብቕንዕና ዝወሃብ መልሱ፣ ካብዚ ዝጠቐስናዮ ክልተ ጽልዋታት ሓራ ኣይኮነን።

እዚ ንዜግነትካ ከም ኤርትራውን ኣስላምን፣ ከም ኤርትራውን ክርስትያንን ናይ ምግላጽ፣ ዕብለላን ስግኣትን ዘንጸባርቕ ማንታ-ኣተሓሳስባ፣ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኤርትራዊ ሃገራውነት ብዘበናዊ መልክዑ ክቀላቐል ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ጎኒ ጎኒ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ክጓዓዝ ዝጸንሐ ዝንባለ እዩ። ሕልፍ ሕልፍ ኢልና እንተርኣናዮ፣-

–       ኣብ 1940ታት ነቲ ብኣንድነት ዝፍለጥ ደምበ፣ እስላማዊ ሊግ ዝብል መቐናቕንቲ ነይሩዎ።

–        ኣብ 1960ታት ብእስላማዊ እምነት ዝነበሮም ኤርትራውያን ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ንኤርትራ ዓረባዊት ሃገር ንምግባራ ከም ዕላማ ሒዙ ከም ዝተበገሰ ኣብ ጥርጠራ ስለዝወደቐ፣ ብሰንኪ ክርስትያናዊ እምነቶም፣ ወይ ‘ውን ኣመንቲ ምስልምና ክንሶም ሚዛናዊ መርገጺ ብምውሳዶም መቃለሲ ባይታ ዝተነፍጎም ዜጋታት ኣብ ፈለማ 1970ታት ተፈንጪሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ክልተ ኣርኣእያትት ከኣ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ)፣ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ሻዕቢያ) ናይ ደሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ክልተ ተቐናቐንቲ ውድባት ፈጢሮም።

–       ጀብሃ ካብ ሜዳ ኤርትራ ወጺኣ፣ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ ‘ውን፣ እቲ ስምዒት በቲ ናይ ናጽነት ሃዋህው ተዓቢሱ ድኣምበር ኣይጠፍአን። ናጽነት ኤርትራ ብምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስን ህግደፍን ምስ ተዳኸመ ‘ውን እዚ ማንታዊ ኣተሓሳስባ መሊሱ ክጓሃሃር ይርአ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ብምቅዋም ኣብ ወጻእን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ድማ እዚ ቃራና ኣተሓሳስባ ‘ዚ ጎሊሑ ይርአ። ንኣብነት፣-

–       ኣብ ደምበ ተቓውሞ እዉጅ እስላማዊ ኣጀንዳን ኣስማትን ዘለወን ውድባት ኣለዋ።

–       ኣብ’ቲ ከም ጽላል ተቓወምቲ ውድባት ዝጸንሐ ብ ኪዳን ዝፍለጥ ምሕዝነት ኮነ ኣብቲ ኣብ 2011፣ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል ስም ዝተመስረተ ባይቶ፣ በቲ ዝጠቐስናዮ ድርብ ኣተሓሳስባ ርኡይ ናይ ዕብለላን ስግኣትን ምስሕሓብ ኣሎ።

ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ እቲ ብ ጀብሃ ነበር ዝዕብልል ደምበ ተቓውሞ እስላማዊ ዝንባለ ኣለዎ። ንኹሉ ‘ቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ምትእስሳር ዘለዎ ከም ናጽነት፣ ቅዋም፣ ባንዴራ ዝኣመሰለ ፍጻሜታትን ምልክታትን ከኣ ክነጽጎ ይፍትን።

እምብኣር ኣብዛ ሓንቲ ሃገር ክልተ ናጽነት፣ ክልተ ቅዋም፣ ክልተ ባንዴራ ይጥለብ ምህላዉ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ተመክሮ፣ ገና እቲ ክልተ-ጫፋዊ ናይ ዕብለላን ስግኣትን ኣተሓሳስባ ከምዘይሃሰሰ፣ ምስ ቀጻሊ ምድኻም ሃገርና መመሊሱ ክዓቢ ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ።

እዚ ወገናዊ ዝንባለ ‘ዚ በዞም ዝጠቐስናዮም ርኡያት ስጉምታት ጥራይ ኣይኮነን ዝረጋገጽ፣ ኣብቲ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝካየድ ክትዓት ዘሎ ዘይስርዑነት ወይ Inconsistency ‘ውን መረጋገጺኡ እዩ።

ንኣብነት “ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ሽፍታ እዩ ነይሩ” ተባሂሉ ብገለ ወገናት ምስ ተዘርበ እምባጋሮ ተላዒሉ፣ ነቲ ከምኡ ኢሉ ዝጸሓፈ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኩናማ ክሳብ ካብ ባይቶ ደምበ ተቓውሞ ከምዝእለ ዝገበሩ፣ “ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ እዩ ነይሩ” ክበሃል ከሎ ከጣቕዑ ክትዕዘቦም ከለኻ ዘየገርም ኣይኮነን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ቅድድም ጉያ ሪለይ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እንተደኣ ንኣምነሉ ኴንና፣ ከምቲ ንሞገሰ ብማዕረ እንምነዮ ንወቐሳ ‘ውን ብማዕረ ክንቅበሎ ወይ ክነጽጎ ‘ዩ ዝግባእ።

ካብዚ ንላዕሊ ዘደንጹ ነዚ ርትዓውነት ዘይብሉ ወገናዊ ምጉት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብምውዕዋዕ ወይ ከኣ ብምክልኻል፣ ሽፋን ወገናዊ ዝንባሊኡ ዝኾኑ፣ እንተ ንውሓት ዓመታት፣ እንተ ቅርሕንቲ፣ እንተ ጸቢብ ረብሓ መንነቶም ዘረሰዖም ውሑዳት መሳርሒ ምህላዎም እዩ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብቲ ብሃገራዊ ኣገልግልሎት ዝጽዋዕ ደረት ኣልቦ ባርነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጡ፣ መንነቱ ተናዒቑ፣ “ሓበሽ” ወይ ድማ “ዶላር” እናተባህለ ኣብ ሰሃራን ሲናይ ብራሻይዳን በደዊንን ዝተገፍዐ፣  ኣብ ሊብያ ካብ ማሕረዲ ኣይሰስ ዘምለጠ፣ ኣብ ስደት ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዘሎ መንእሰይ በዞም ንርእሶም መጋበርያ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝኾኑ መሳርሒ ተደናጊሩ፣ እንደገና መጋበርያ ናይቲ መንነቱ ንምድኻም ወይ ንምዕብላሉ ዝካየድ ኣጀንዳ ከይከውን ‘ውን ክጥንቀቕ ኣለዎ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት ኣብ ኣጋጣሚታት ተቓወምቲ በብእዋኑ ኣብ እንዕዘበሉ እዋን ንቃወሞ ‘ኳ እንተኾና፣ ንህዝቢ ከይፈላልዮ ካብ ዝብል ስክፍታ ብዓውታ ካብ ምዝራብ እንቝጠበሉ እዋናት ይበዝሕ። እንተኾነ፣ እቲ በቲ ስርዓት ቅሒሩ ዝተሰደደ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ንቕሓት ጉድለት ዘለዎ ገለ መንእሰይ፣ ነቲ ካልእ ገጽ ክርኢ ዝድርኾ ተጻራሪ ምጉት (Counter argument) ብዘይምርካቡ እቲ ካብቶም ጸበብቲ ኣጀንዳታት ዘለዎም ወገናት ዝሰምዖ፣ “ጀብሃ ኮ ቅንዕቲ ውድብ እያ ነይራ፣ እንተትዕወት ነይራ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ኣይምወደቐትን” ወይ ከኣ “ገድሊ ሽፍትነት እዩ ነይሩ፣ ብኻ ምስ ኢትዮጵያ ጸኒሕና፣ እንታይ ዝዓብስ ናጽነት እዩ” ዝብል ፕሮፖጋንዳ ሓቂ ኮይኑ ተራእዩዎ ገርሂ ኣእምሮኡ ክብከል፣ ኣብ ፈተነ ክኣቱ ጸኒሑ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምስ ዓረብን ኢትዮጵያን ኣተኣሳሲርና ዝጠቐናዮ ናይ ስግኣትን ዘይምትእምማን ጋግ ኣግፊሑ ንምህናጽ ሃገራዊ መንነት ዝኾልፍ፣ ዕድመ ናይዚ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዘናውሕ ተርእዮ እዩ።

ከምዚ ዝተጠቕሰ እቲ ጥሩፍ እስላማዊ ናይ ምዕብላል ጥሙሕ ትጉሽተትካ ከይተባህለ ዝቕጽል እንተደኣኾይኑ፣ ብኣንጻሩ ካልእ ጥሩፍ ክርስትያናዊ ዝንባለ ክፍጠር ባህርያዊ እዩ። እንሆ ድማ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኤርትራውያን ኣመንቲ ምስልምና ከም ካልኣይ ዜጋ ብምርኣይ፣ ኣብ ኤርትራ ዕብለላ ኣመንቲ ትግርኛ ወይ ክርስትና ዘረጋግጽ ኩነታት ክፍጠር ዝጉስጕስ ጋሻ ድምጽታት ክቀላቐል ንሰምዕ ኣለና። እዚ ‘ውን ዘይፍትሓውን ዘይክዉንነታውን ስለዝኾነ ሚዛኑ ዝሓለወ ተጻራሪ ምጕት ክንሕፎ የብሉን።

እንታይ ደኣ ‘ዩ ‘ሞ እቲ ፍታሕ?

ከምቲ ነዚ ዘተ ክንጅምሮ ከለና 55 ዓመታት ንድሕሪት ተመልሲና ዝፈለምናዮ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ሲንጋፖር ልዕሊ 7000 ሽሕ ኪ ሜ ርሒቕና ክንውድእ። ብብዝሒ ህዝባ፣ ምሕዳሳን ሓደ ሓደ ታሪኻዊ ተመሳሳልነታን ገስጋሳን ‘የ ከም ኣብነት መሪጸያ።

እታ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ ብ 1945 ካብ ጃፓን ተገላጊላ ከምታ ካብ ጥልያን ነጻ ዝወጽአት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ  ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ቁሩብ ዓመታት ዝጸንሐት ሲንጋፖር፣ ኣብ 1962 ፈደረሽን ኤርትራ ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን፣ በንጻሩ፣ እታ ብንእስነታን ዋሕዲ ጸጋታታን ከም ሃገር ምቛም ዘሻቐላ ሲንጋፖር ረፈረንደም ብምክያድ ምስ ማሌዥያ ብፈደረሽን ተጸሚዳ ነበረት።  ይኹን’ምበር ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ሲንጋፖርን ማእከላይ መንግስቲ ማሌዥያን ኣብ ሓያለ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስነሓሳባውን ጉዳያት ግጭት ስለዝተኸስተ፣ ፓርላማ ማሊዥያ ወከልቲ ሲንጋፖር ኣብ ዘይንበሩሉ ኣጋጣሚ፣ 126 ብ 0 ፣ ማለት ብምሉእ ድምጺ ካብቲ ፈደረሽን ክትስጎግ ብምድማጽ ኣባሪሩዋ። ብኣንጻር ‘ዛ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ዝወጽአት ሃገርና፣ እታ ከይፈተወት ካብ ፈደረሽን ማሌዥያ ዝተሰናበተት፣ ምስ ናይ ኤርትራ ዝዳረግ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ፣ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ብ 25 ዓመታት እትዓቢ፣ ከም ሃገር እትቝጸር ከተማ ሲንጋፖር፣ ኣብዚ ናይ 50 ዓመት ዕድሚኣ፣ ብባንክ ዓለምን ካልኦት ፍሉጣት ትካላትን “ኣብ ዓለም ቢዝነዝ ክትገብረላ ዝመቸአት፣ ብቴክኖሎጂ ድልውቲ፣ ዝበዝሑ ኣህጉራዊ ርክባት ዝካየዱላ ሃገር፣ ካብ ዓለም 2ይቲ ተወዳዳሪት ሃገር፣ 3ይቲ ማእከል ኣህጉራዊ ለውጢ ባጤራ፣ 3ይቲ ዝዓበየት ማእከል መጻረይን መናገድን ነዳዲ ዘይቲ፣ ካብ 1990 ኣትሒዛ ሓንቲ ካብተን ክልተ ዝጸዓቓ ናይ ኮንተይነር ወደባት፣ ካብ ክፍሊ ዓለም ኤሽያ ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዋ፣ ካብ ዓለም ድማ ራብዐይቲ ከተማ ኮይና ብኣድናቖት ትጥቀስ ሃገር እያ። … ናእዳ ናይቲ ኣብ ኣህጉራዊ ንግድን ኣገልግሎታትን ዝተመርኮሰ ቁጠባዊ ዓወታታ መወዳእታ የብሉን።  ልዕሊ ኹሉ ዝዓጅብ፣ 84 % ህዝባ ኣብ ሃገራዊ መንግስቱ፣ 85 % ከኣ ኣብ ኣብያተ ፍርድን ስርዓተ ሕግን ‘ታ ሃገር ዘለዎ እምነት ብድምጹ ምርግጋጹ እዩ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ረቛሒ ዓወት ናይዛ ብመጠን ምንኣሳ ኣዝዩ ዓቢ ናይ ቋንቋን ባህልን ብዙሕነት ዘለዋ፣ 5.5 ሚልዮን ህዝባ ኣብ ቡድሃ፣ ክርስትና፣ ምስልምና ከምኡ ሂንዱ ዝኣመሰሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ሃይማኖታት ዝኣምን ሃገር፣ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ ብዙሕነት ዘኽብር ስርዓተ መንግስቲ ክትተክል ምብቅዓ እዩ።

ንሕና እዞም ክልተ ሃይማኖታዊ እምነታት ጥራይ ዘለና ኤርትራውያን፣ ከምቲ ናይ ሲንጋፖር ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ እምነት ዘለዎ ራእይ እንተደኣ ኣማዕቢልና እምብኣር፣ ነዚ ብኣብነት ሲንጋፖር ነብሪ ኣፍሪቃ ክኸውን ተመባጺዑ ጭራ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምቕያር ይኹን ኪኖኡ ቀጻልን ነባርን ፍታሕ ካብ ምርግጋጽ ዝዓግተና ኣይክህሉን እዩ።

ናብዚ ንምብጻሕ ግን፣ ካብቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ኣብ ሃይማኖታዊ ወይ ኤትኒካዊ ፍልልያትና ተመርኵሱ ንሰሜንን ደቡብን ክመንዓና ዝከራኸር ዘሎ ጽልዋ ኣዕራብን ኢትዮጵያን ሓራ ኴንና፣ ነዚ ብቕልውላው መንነት ክግለጽ ዝከኣል ማንታ ኣተሓሳስባ ዝትክእ፣ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዝተመስረተ ሓባራዊ ሃገራዊ ኣተሓስስባ ከነማዕብል፣ ካብ ምጥርጣር ናብ ሕድሕድ ምትእምማን፣ ካብ ስግኣት ናብ ርእሰ ተኣማንነት ክብ ከንብል ኣለና።

እቲ ብኣዝዮም ውሑዳት መላገስቲ ዝዝውተር፣ ኣብ ክንዲ ንመጻኢ ዝኸውን ራእይን ውጥንን ሃሰው ምባል፣ ከም ገመል ምድረበዳ መጕስዕ ታሪኽ እናመለስካ ነገር ክትሓይኽ ምንባር መኣዛ የብሉን። ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ ውረድ ደይብን ሕልኽላኽን ዝነበሮ፣ ካብ ጌጋታት ሓራ ዘይኮነ ቃልሲ እዩ። ሓሪኻ ናእዳ ሓሪኻ እገዳ ገዲፍና ግን፣ ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ቃልሲ ነቲ ዘበገሶ ዕላማ ናጽነት ወቒዑ ብምህላዉ ስትራተጂካዊ ዓወት ምዃኑ ክንኣምነሉ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ፣ ከም ዓንዲ ማእክል ናይቲ ጠፊኡና ዘሎ ሕድሕድ ምትእምማንን ሃገራዊ መንነትንን ደኣ ክንጥቀመሉ ኣለና ‘ምበር፣ ሕነ ናይቲ ዝዕምጸና ዘሎ ስርዓት ብስምዒት ከነባኽኖ ኣይግባእን።

ኣብ ውሽጢ ‘ዛ ኤርትራ እትብሃል ፖለቲካዊት ካርታ ዘሎ ህዝቢ፣ ሃይማኖቱ ናይ ብሕቲ ሃገር ግን ናይ ሓባር ምዃና ኣሚኑን፣ ብዙሕነት ሕድሕዱ ኣኽቢሩን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕርነትን ፍትሕን ምንባር ከም ራእይ ክሃርፎን ክቃለሰሉን ምእንቲ ኸኣ፣ እዞም ኣብ ወጻኢ እንነበር ዘለና ኤርትራውያን ብጭቡጥ ክንገብሮም ካብ ዘለና ዕማማት ሓደ፣ ነቲ ንዝኾነ ዓይነት ፍልልያት ዕድል ዘይህብ፣ ብንጡፍ ህዝባዊ ተሳታፍነት ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝካየድ ኣወዳድባ ብምዕዋት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምዕንባብ እዩ።

ኣብ መእተዊ ወስ ከምዘበልኩዎ፣ እዞም ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን ብቐሊሉ ህዝብና ዘይምርሳዕና፣ ናይ ስድራቤትን ህዝብን ሓልዮት ምዝውታርና ጸጋነቱ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፣ ከምቲ ሕማም ክፍውስ ዝውሰድ መድሃኒት ከይተረፈ ጎድናዊ ጽልዋ ወይ Side Effect ዘለዎ፣ ኣብ ክንዲ ከም ግለ-ሰባት ኣብ ንቕሓት ዝተመርኮሰ ነጻ መስመር ዝህልወና፣ ንጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ‘ውን የቃልዓና ከይህሉ የሰክፍ እዩ። ሰብ ግን፣ ሰብ ምእንቲ ከይብሎ፣ ዘይኣምነሉ፣ ሕልናኡ ዝወቅስ ስጉምቲ ክወስድ ግቡእ ኣይኮነን። ብቕንዕና ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ንጹር ራእይ፣ ጽኑዕ መትከል ክሳብ ዝሃለዎ፣ ደላዪ ፍትሒ ወይ ሃገራዊ ንምዃን ካብ ማንም ልቸንሳ ወይ ወረቐት ምስክር ክጽበ የብሉን። ንዘፍቅሮ ሕብረተሰብ ሰናይ ባህጊ ዘለዎ ዜጋ፣ ኣውንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝወሰዶ ምርጫ ከዐውት ብትብዓት ደው ክብለሉ ኣለዎ።

ኣብ መደምደምታ ክጠቕሶ ዝደሊ ኣገዳሲ ነጥቢ፣ ልክዕ ከምቲ ሕድሕድ ዘይምትእምማና ግዳማዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዝዳህሰስናዮ፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንነባሪ ሰላምን ራህዋን ተመንዩ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነት ብፍሹል ውልቀምልካዊ ምሕደራ ዘባኸኖ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ውን ኣብ ኤርትራ ብዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ኣብ ቃሬዛ-ውድቀት ተጋዲሙ ‘ኳ እንተሎ፣ ናይ ግዳም ረቛሕቲ ብዝልግሱሉ ዘለዉ ደገፍ ወይ ኢንፊዩዥን እዩ ዝጻናሕ ዘሎ። ካብቲ ቃሪዛ ሸተት ኢሉ ናብ መቓብሩ ከይወርድ ከም መጻንሒ ሃንቀው ዝብሎ ኣብ ናይ ወጻኢ ስጉምታት ዝምርኮስ ተስፋታት እዩ። ካብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈሊፊሉ ብዝጎብአን ዘሎ ቀጻሊ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሰንበዳ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ደብዳብ ስደተኛታት መታን ከዕርፋ ብስም ጽምዶ ገጽ ምሃበን፣ ኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ምዕራብን መንግስታተንን ማዕድናዊ ሃብቲ ኤርትራ ንምምዝማዝ ብስስዐ ተደሪኸን ዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ምክያደን፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመንን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ናይ ሺዓዊት ኢራን ጽልዋ ንምክልኻል ምሕዝነት ሱኒ መሪሓ ኣብ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብዋጋ ወደብ ዓሰብን ደሴታት ኤርትራን ዝዓደጎ ደገፍ፣ ከምኡ ‘ውን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ቅርሕንቲ ንምውጻእ፣ ብደገፍ ‘ታ ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተጠቃምነት ፈለግ ኒል ያታዊ ጽልኢ ዘለዋ ምስሪ፣ ኣብ ኤርትራ ዝመልመሎም ተቓወምቲ ኣዋፊሩ ንነዊሕ ዓመታት ከሳውሮ ዝጸንሐ ሕድሕዳዊ ግጭት ኣንፈት ምርካቡ ከም ኣብነት ናይዚ ጥፍሽናት ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ስርዓት እምብኣር ካብዚ ብናይ ወጻኢ ድጎማ ዝረኽቦ ዘሎ መጻንሒ ሓሊፉ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘምጽኦ ፖለቲካዊ ለውጢ ፍጹም የልቦን።

እምብኣር፣ ሃገርና ስኒት ህዝቢ ኣብ ምውሓስ ኮነ ቅኑዕ መንግስቲ ተኺላ ኣድማዒት ሃገር ምእንቲ ክትከውን ኣብ ውሽጣዊ ሓይላን ሰብኣዊ ዓቕማን ዘተኮረ ሓያል ራእይ ከተማዕብል ኣለዋ። እቲ ብኣብነት ዝጠቐስናዮ ዳርጋ ምሉእ ህዝባዊ ዕግበት ህዝቢ ሲንጋፖር ኣብ መንግስቱ፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ዘድሃበ ሓያልን ጽኑዕን ራእይ ዝመንጨወ እዩ።

ኣብዚ ደጋጊመ ከስምረሉ ዝደሊ ነጥቢ፣ ነዚ እንጠቕሶ ዘለና ኣድማዕነት መሰረቱ ስኒት፣ ምትእምማን ህዝቢ እዩ። ውሑዳት ብግላዊ ረብሓታት ዝተደለሉ፣ ብጽልእን ቅርሕንትን ዝተመረዙ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ንህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖት፣ ኣውራጃን ካልኦት ጸበብቲ ፍልልያትን ብምንቛት፣ ብዋጋ ህዝቢ ናይ ስልጣን ህርፋኖም ንምርዋይ ዘይሓለኑ ኣይኮኑን። ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘረጋግጾ ግን፣ ጸግዒ ኣብ ዝስኣነሉ ፈታኒ እዋን ‘ውን ከይተረፈ ሳላ ልቦኑኡን ዓቕሉን መሳርሒ ተበለጽቲ ክኸውን ኣይተራእየን።  ሕጂ ‘ውን ነዚ ጸጋ ‘ዚ ክንከናኸኖ ስለዘለና፣ ትካላዊ ረኺቡ ነባሪ ክኸውን ኢና ነልዕሎ ዘለና ‘ምበር፣ ሳላ ‘ዚ ውህሉል ልቦና ‘ዚ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ እሳተጎመራ ከይነትጎሉ ዝፍራሕ ልሕሉሕ መላግቦ ዘይኮነ፣ ድልድል ሰናይ ጉርብትና ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ክኸውን ዓቢ ዕድል ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ነዚ ዕድል ‘ዚ ናብ ክዉንነት ክንቅይሮ ግን ዕቱብ ጻዕሪ ከነካይድ ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ;

ኮቨንትሪ ፣ ዓባይ ብሪጣንያ

3 መስከረም 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Wedi Hagher September 6, 2016

    “ካብዚ ንላዕሊ ዘደንጹ ነዚ ርትዓውነት ዘይብሉ ወገናዊ ምጉት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብምውዕዋዕ ወይ ከኣ ብምክልኻል፣ ሽፋን ወገናዊ ዝንባሊኡ ዝኾኑ፣ እንተ ንውሓት ዓመታት፣ እንተ ቅርሕንቲ፣ እንተ ጸቢብ ረብሓ መንነቶም ዘረሰዖም ውሑዳት መሳርሒ ምህላዎም እዩ።”

    ኣማኑኤል ኢያሱ;

    Your article lacks proper and objective assessment of important historical events..
    Neither the ELF was an Islamic oriented organization nor the PLF split was motivated by religious concerns, the conflict was mostly tribal or regional. Iseyas introduced religious narrative (with “we and our aims” manifesto) and he is still doing it as we speak,
    Amanuel you as a product of EPLF indoctrination school cannot be fair to ELF, and the above statement shows what you feel deep inside. You cannot bring any positive change to Eritrea before you drop not only Iseyas but above all his ideology.

  • Wedi Hagher September 6, 2016

    “ኣብ ስደት ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዘሎ መንእሰይ በዞም ንርእሶም መጋበርያ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝኾኑ መሳርሒ ተደናጊሩ፣ እንደገና መጋበርያ ናይቲ መንነቱ ንምድኻም ወይ ንምዕብላሉ ዝካየድ ኣጀንዳ ከይከውን ‘ውን ክጥንቀቕ ኣለዎ።”

    ኣማኑኤል ኢያሱ;

    These look like Iseyas’ words: ” ንምዕብላሉ ዝካየድ ኣጀንዳ”
    But who are these agenda owners ???
    Stop fear mongering and speak openly, please.

  • Wedi Hagher September 6, 2016

    “ነቲ ካልእ ገጽ ክርኢ ዝድርኾ ተጻራሪ ምጉት (Counter argument) ብዘይምርካቡ እቲ ካብቶም ጸበብቲ ኣጀንዳታት ዘለዎም ወገናት ዝሰምዖ፣ “ጀብሃ ኮ ቅንዕቲ ውድብ እያ ነይራ፣ እንተትዕወት ነይራ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ኣይምወደቐትን” ወይ ከኣ “ገድሊ ሽፍትነት እዩ ነይሩ፣ ብኻ ምስ ኢትዮጵያ ጸኒሕና፣ እንታይ ዝዓብስ ናጽነት እዩ” ዝብል ፕሮፖጋንዳ ሓቂ ኮይኑ ተራእዩዎ ገርሂ ኣእምሮኡ ክብከል፣ ኣብ ፈተነ ክኣቱ ጸኒሑ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምስ ዓረብን ኢትዮጵያን ኣተኣሳሲርና ዝጠቐናዮ ናይ ስግኣትን ዘይምትእምማን ጋግ ኣግፊሑ ንምህናጽ ሃገራዊ መንነት ዝኾልፍ፣ ዕድመ ናይዚ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዘናውሕ ተርእዮ እዩ።”

    ኣማኑኤል ኢያሱ;

    Are you saying all those advocate for ELF and Ethiopia are bad, so the new generation should take of that too. You speak of ELF as an Arab and Islamic organization. Well, if this is the counter argument you are offering to those who say ELF was better you hate Iseyas but you are still following his teachings. I feel sorry for you.

  • Wedi Hagher September 6, 2016

    “ኣብ ውሽጢ ‘ዛ ኤርትራ እትብሃል ፖለቲካዊት ካርታ ዘሎ ህዝቢ፣ ሃይማኖቱ ናይ ብሕቲ ሃገር ግን ናይ ሓባር ምዃና ኣሚኑን፣ ብዙሕነት ሕድሕዱ ኣኽቢሩን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕርነትን ፍትሕን ምንባር ከም ራእይ ክሃርፎን ክቃለሰሉን ምእንቲ ኸኣ፣ እዞም ኣብ ወጻኢ እንነበር ዘለና ኤርትራውያን ብጭቡጥ ክንገብሮም ካብ ዘለና ዕማማት ሓደ፣ ነቲ ንዝኾነ ዓይነት ፍልልያት ዕድል ዘይህብ፣ ብንጡፍ ህዝባዊ ተሳታፍነት ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝካየድ ኣወዳድባ ብምዕዋት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምዕንባብ እዩ።”

    ኣማኑኤል ኢያሱ;

    Thank you, now you are on the right direction.
    But please forget the twisted history lessons of ‘Biet Timhirti Sewra’.

  • Fikre September 6, 2016

    @Wedi Hagher,
    ELF and EPLF are two Eritrean organizations whose leaders used Eritreans to achieve their agendas. At this point in time it is widely known that the ELF’ chose to convince Arab countries that it was going create an Islamic country. probably to get the support that it needed which meant that others which wanted to avoid that had to come up with an idea to stop that happening. That is why they made sure it was infiltrated. As a result EPLF came into being. iseyas made sure Eritreans understood ELF’s agenda was to make Eritrea an Islamic country. So why are you reluctant to face the facts? Why does Mr. Emanuel Iyasu someone who is referring history need to fear-monger? It is unfair to applaud his efforts to expose EPLF’s wrong doing while trying to keep ELF’s heinous crimes under the the rug. It is time Eritreans started thinking about the people first.

    • Keren September 6, 2016

      Yes ,.. yes … you seem to be well informed….. so according to you the ELF was teaching Koran and was forcing people to abide by Sharia else they were going to be killed.
      What was this Islamic jihadist organization aiming to achieve ?
      Can you please tell us more of you first hand information on ELF ?
      You must be one of those dumb species who are drunk with Iseyasism, eve though the devil is dying while people like you are pushing their own people to face extinction at his bloody hands.

  • ኣርዓዶም September 6, 2016

    ኣቲ ጽቡቕ ነገር፡ናይ ኣቶ ኣማኒኤል ንጥፈታት (ሞቲቬሽን) ከርእን ገለጻ ክዝርግሕን ዘይሕለል ብምዅኑ ኢዩ። እንተኾነ፡ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላት፡ ታሪኽ ብግቡእ ዝርዳእ ኣይመስለንን፡ ነዚ ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ሓቒን ተግባራት ህግደፍን ክሸፋፍን ተኽኽ ክብል ግን ግቡእ ኣይኮነን። ባንዴራ ኤርትራ ቐያሕ፡ ደም ብጫ ወርቒ ኢሉ ክምህረና ምስ ፈተነ ጥራይ ኢየ ቐቢጸዮ። ታሪኽ ዘይፈልጥ ወይ ዘይብሉ ሰብ፡ ኣብ ሓጺር ኩነት ጥራይ ኢዩ ዝገልጽ።

    ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ግን ታሪኽ ኣቶ ኣማኒኤል፡ በቲ ሓደ ጻዕዳ ወዲ ህዝቢ፡ በቲ ሓደ ድማ ጸሊም ናይ ግዝእነቱ ማርክ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ክብል ከለኹ፡ ኣብዚ ኣስፊርዎ ዘሎን ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣስፊርዎ ዘሎን ኣመዛዚነ ክርእዮ ከለኹ፡ ናይ ሎሚ ይሓይሽ ክብል ኣይክእልን፡ ግን ኣብ`ታ `ዕብለላታት` ትብል ቓል፡ ናብ ኣስፋሕፋሕቲ ገይርዋ ኣንተዝኸውን፡ ምተሰማማዕና።

    ታሪኽን ተግባራትን ተ ሓ ኤ ክዝረብ ከሎ፡ ፍሽኽ-ፍሽኽ ዘብሎም፡ ኣጸያፊ ተግባራት ህ ግ ሓ ኤ፡ ክዝረብ ከሎን ኣመጻጽእኡን ክግለጽ ከሎ ድማ፡ ከምዚ ንርእዮ ኮጭኮጭ ዘብሎም ተኮይኑ፡ እቲ ግዙእነት ስላቨርይ ካብ ኣእምርኦም ስለዘይወጸን ንዕኡ ዝድግፉ ብምዅኖም ኢዩ ዝበርሃልካ።

    ቐደሙ፡ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ`ቲ ግዜ ፈደረሽንን ቅድሚኡን፡ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ፡ ነዚ ንምምላስ ክ ኣ ኢዩ ቓልስና፡ ማለት ንቅድም ስታቢሊትይ ጸጥታን ሰላምን ርግኣትን ሕግን ሕጋውነትን፡ ኣብ`ቲ ግዜ`ቲ እዚ ኣይነበረን፡ ዝብል ድማ፡ ብ ህግሓ ኤ ሓንጎሉ ዝተበከለ ጥራይ ኢዩ።

    ጉዳይ ኤርትራ፡ እቲ 30 ተቓሊስና ኢሎም ዝምክሕሉ ግዜ፡ ምናልባት በቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ካብ 7-9 ዓመታት ኣይምወሰደን፡ ኣዚ ኩልና ንረዳድኣሉ ጉዳይ ኢዩ። እቲ 30 ዓመት ወሲዱ ዝብሃል ግን ንህዝብን ደቂ ህዝብን ንምጥፋእ፡ ብ ኣስፋሕፋሕትን ብልኡኻት ሃይለስላሰን ዝተሃንደሰ ብምንባሩ፡ ኣብ ንሕድሕድ ክንበላላዕ 30 ዓመት ወሲዱ` ነዚ ድማ ንቓለስ ነርና፡ ክብሉኻ ዘሕፍር ኢዩ። እስኪ ነተን ወራራት ንቑጸረን ኣስታት 7-8 ኢዩ ብዝሐን፡ እዘን ወራራት ኢዚኤን ብህዝን ደቒ ህዝብን ምስ ባኸና፡እሞ ክኣ ገድሊ እዚ ኩሉ ንባዕላ እንዳተባልዐት፡ ኣብ`ቲ መጀመርታ እዋን`ውን እኮ ብስሙር ሓይሊ 5-8 ወራራት መኪትና`ውን 20-30 ዓመታት ትብልዎ ከይወሰደ ምተወድአ።

    ግን ከም`ታ ኣቶ ኣማኒኤል ዝበላ፡ ዕብለላ ኣነ ድማ ኣስፋሕፋሕቲ ተባሂለን ዘለዋ ቓላት ኢዩ ዝሕጸር፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈርቒ፡ ከምዚ ኣቦሓጎታቱ ክስዓሩ ኣይደለየን፡ ደይ መደይ ኢሉ፡ ንተቓለስቲ ኣትፊኡ። ኣቐዲሙ ግን ዓወተ ዶ ዋላ ካልእ ትብልዎ፡ ኮነ ኢሉ ካብ ግብጺ ብለኣኽቱ ትዓስኪሩ፡ ንህዝቢ ኩናማን ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ክርስትያን ኣበሳቢሱ፡

    ምስ እቲ ምትእትታው ሃይለስላሰን ተኣሳሲሩ፡ ህዝቢ ንሓርነትን ቓልስን ይሕንሕን ስለዝነበረ፡ እድሪስ ዓወተ ንምስፍሕፋሕ ኢሉ ዝወፈረ ክነሱ፡ ንግዚኡ ከም መሪሕነት ተጠቒምሉ። ጀጋኑ ክርስትያን ደቒ ከበሳ ናብ ኡ ክጽንበሩ ምስ ርኣዮም ድማ፡ ` ቃልስና ይጨውይዎ ኣለዉ` ብምባል ንኽነደይ ክርስትያን ደቒ ከበሳ ሓሪዱን ኣጥፊኡን። ልክዕ ድማ ንምስፍሕፋሕ ኢሉ ዝሓሰበ፡ ክርስትያን ተጸንቢሮም ንሓርነት ይሓስቡ ብምንባሮም፡ ኣይሰለጦን።
    እቲ ዝገደደ ግን፡ መሪሕነት ህግሓኤ፡ ቕኑዕ ብዘይምንባሩ፡ ነቶም ምእንቲ ሓርነትን ናጽነትን ዝቓለሱ፡ ቐንጺሉ፡ ጥሙሕ ናይ ሓድነት ምስ ኢትዮፕያ ዝደሊ ኢስያስ ሎሚ`ውን እንሆ ይቕጽሎ ኣሎ።

    እቶም ክም ከለ፡ ብተባህለ እምበር፡ ፖለቲካዊ ብስለት ዘይብሎም ግን እንሆ፡ ንህግደፍን ነቲ እንዳ ሓረደ ዝመጸ ዓማጽን ከም ታሪኾም ርእዮም ክከላኸሉ ይርኣዩ ኣለው። እቲ ዘይብሱላት ዘበለኒ ድማ፡ ኣብ ቕድሚኦም ካብ ነዊሕ ጥሙሕ ብግዜ ሃይለስላሰ ዝመጸን ዝሓሰብን ሎሚ ኣብ ቕድሚኦም እንዳደገሞ፡ ወራዙት ኮይኖም፡ ` እዞም ባንደራ ዘቓጸሉ፡ ኣንድነታውያን ኢዮም፡ እዞም ንገድሊና ዘቓሸሹ ኣንድነታውያን ኢዮም` ወዘተ እዚ ኢዩ ኣቲ ዘይብሱልነትን፡ እንዳፈለጥካ ሕልናኻ ዝወቕስ ምግባርን። እምበር፡ ሰማያውት ይኹኑ ካልእ፡ ብግዚኦም ጥጡሕ ግዝኣተ ሕጊ ዘትሓዙን፡ ብሰላም ህዝቢ ዝኣልዩ ዝነበሩን ክቡራት ኣቦታት ኢዮም።

    ሎሚ ዘለኹም ሕርኽራኽ ታሪኽ ቐንጭብና ኢልኩም ፈሊጥ ክትመስሉ፡ ህዝቢ ተደናግሩ ዘለኹም፡ ብሓቒ በቲ ቕኑዕ ሕልናኩምን ህዝቢ ዝቕበሎን እንተትዛረቡን ትትርኹን ጽቡቕ ምኾነ።

    ወድሓንኩም

  • k.tewolde September 6, 2016

    “Fair and balanced reporting’..Fox News,you heard that before.Is it fair and balanced? it depends on the consumer.I will praise work that need to be praised and will criticize the one that needs to be corrected.That is what freedom of speech is all about.I always appreciate the fair and objective comments of Wedihager and Araadom in this medium,thank you Lord we have so many who have fair and balanced mind like them,but they ain’t talking but listening and those who are doing all the talking be careful what you say. Here is a good tip for those of us who are trying to guide and harness the support of the youth.Before we deliver a speech,lets look at ourselves in the mirror and rehearse,if we sound like the ones who they just left behind back home,lets change the tune,otherwise,you will get that bewildered,’you look and sound familiar’ gaze from the audience you trying to capture.Please,lets not waste our natural gifts and efforts,lets not spend time sending subtle mixed messages and empty innuendos,Lets speak openly,clearly and loudly the truth nothing but the truth so hep me God, and that is when the young mind will start opening up like a beautiful spring flower.

  • ruth September 6, 2016

    ELF die-hard supporters would go as far as arming themselves to ‘defend’ ELF -the organization. As long as you keep opposing EPLF and stir clear of even mentioning jebha they would nod their heads. Dare to talk about the evilness of jebha which was as brutal and as inhumane as shabia then they start saying ‘oh you sound like Esayas Afwerki, you are the product of shabia ….blah…blah…blah.’ The jebha tegadelti and the shabia tegadelti were the same-good while both leaderships were evil. In DIaspora, just like this honest, reasonable guy said ex-jebha abay members have been doing everything they could to destroy what they see as EPLF legacy. Even when they are educated and highly enlightened, their mind just shuts down as soon as you start trying to talk sense into their heads. Trying to make Jebha what it was not is not going to help anybody. Get rid of your victim mentality. You are as Eritrean as any other Eritrean if you can summon the courage to see things for what they are. Stop being delusional and treating Eritrean youth and people as a morons. We know Esayas, PFDJ and kiadal ama and its doctrine are evil and they should be thrown away if we want to have an independent and secular nation. It is better if you could start seeing the Eritrean youngster who is more than willing to fight the dictator and you to make that happen. hade egrukum ab mekabr zatewe sebat ms nay kidmi 40 amet mebastkum neza brkti adi eshok mergem knkuma. Kudos asena and the one and only Ema!

  • Kaleb K. September 6, 2016

    K.tewelde is in fact a living example of what Amanuel Iyasu described as the dogmatic nature of ex-jebha member who is trying to confuse the youth. Sounding all reasonable and sane , aren’t you my friend k.tewelde? Only when jebha is defended.. Yes, sir! Go find your own slave. Can you honestly imagine that a person as bright and as brave as Asena’s Ema would be intimidated by your silly tactic and fall short of saying what he believes? You are simply dump and a coward for trying to youth Eritreans as a human shield. Eritreans are fed up of dictatorships and injustice. They don’t need another dictator with another name. Get real. If you are saying Eritrea can go to hell if jebha does not get hold of power this time round then you must be crazier than Isu. the dictator. When will people like you put the people first? It is always me, mine, myself, my organization. Shame on you.

    • k.tewolde September 6, 2016

      Kaleb,let me make something clear,I am not here to glorify jebha or to minuscule the contribution of shaebia, at the same time,I am not trying to intimidate or attack anybody personally.I give credit where credit is due,I give advice and constructively criticize when I see something that needs to be corrected.I am not pursuing to get the vote of the youth,rest assured in that department nor do I have any interest in confusing the youth. Regardless how you view my past role,I did my part early and gave everything I could for my country.Now it is the youth’s turn to make what went wrong right and preserve and build upon what is right.In order to achieve this unique generational identity,you need to be well informed,reasonably educated,independent minded,free of generation old biases and focused on resolving current burning social issues and drafting future constructive avenues,so that time is not wasted listening to ambiguous subtle messages being masticated by older mentors.Be you,find your identity or carve out one,fight the one who is humiliating,discarding,maiming,selling…and killing you.Prove to your people and the world that you are the better generation.Your fathers fought against each other and one is trying to prove to you he is better than the other, what do say? do you take sides? What is your role as the maker of the future? Youth,this is your platform,this is your time,you are the victim,you should be on the podium, don’t run from the coward,pick up your gun and fight the tyrant till the last drop of blood,free your people from the choke hold of brutality. This is how you going to cement your identity and prove everybody wrong.And this message is free of partisan motive.This is my message to you.

      • k.tewolde September 6, 2016

        statement worth mentioning,’….youth Eritreans as human shield…’ I am a lone ranger living in the west,the coward who is using 300,000 conscripted young Eritreans as human shield,you just left him sitting ab adi halo.

        • Wedi Hagher September 6, 2016

          K. Tewelde,

          Kaleb K. (actually he is Kaleab) a sick man who mostly writes comments at Asmarino.com and is known for his extremist and intolerant opinions, in particular on religion related issues. I have seen his comments in which he insults people of Seraye, Tigray, persistently calling Eritrean Muslims slaves …etc). He lives in UK. He is a half mad.

          • k.tewolde September 6, 2016

            Thanks for that info W.H,he got me going.

  • DESALEGN BERHE September 6, 2016

    ዕለት: 06/09/2016

    ኤርትራ “ቅዋም” ምቋም ደኣበር ተቓዉሞ ኣይኮነን ዘድልያ ዘሎ!

    ኤርትራን ህዝባን ኣብዛ ሕጂ እዋን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት እተድልዮም ጥራሕ ዘይኮነ እተገድሶም ቅዋም ምቋምን ስርዓተ ሕጊ ምሕደራን ጥራሕ እንተዘይ ኮይኑ ተቓዉሞ ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ 2015 ቅዋም ዝባሃል ነገር ኣብ ኤርትራ ንኽቐዉም ጊዚኡ ኣይኮነን ክብል ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ቅዋም ኣብ ሃገርና ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ድዩስ ካሊእ ምኽንያት ሃልይዎ ብዘየገድስ ቅዋም ንኽቐዉም መስርሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ብወግዒ ብመንገዲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቴለቪዥን ኤርትራ ገሊጹ ምንባሩ ንጹር ይመስለኒ። ንሕና ኣብ ዲያስፖራ ንነብር ዘለና ኤርትራዊያ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ከሙኻና መጠን ኣብ ሕብረተሰብናን ሃገርናን ዝረብሕሉ ቅዋም ኤርትራ ንኽቐዉም ኣብ ክንዲ ዓቲብና ብሰላማዊ መገዲ ንዘሎ መግስቲ ነእምንን ንሰርሕን ከምኡዉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መስርሕ ኣሎ ተባሂሉ ንዝተገለጸልና ቅዋም ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝበጽሐን ኣብ ጉዕዞ እንተሎ ኣብ መንገዲ ተዓንቂፉ ንኸይኹለፍ ኣብ ክንዲ ሓቢርና ንሰርሕ ኣብ ዘየድሊ ህውተታን ዕላምኡ ንዘይፍለጥ ጥራሕ ዘይኮነ እንታይ ከምንገብር ዘለና ዘይንፈልጥ፥ መንግስቲ ኣብ ምድጋፍ ይኹን ኣብ ምቋዋምን ከምኡዉን ዓሰርተታት ተቓወምቲ ኢና ዝብላ ጉጁለታት መሰረት ዘይብለን ፈጢርካ ኣብ ክንዲ ምህዉታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘርብሕ ቅዋም ኣብ ምቋምን ከምእዉን ኣብ ህንጸት ሃገር ክንሳተፍ ከምዘለና ከዘኸኽር እፈቱ።

    [ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራን ዘድልዮ ዘገድሶን “ቅዋም ምቋም” ኮይኑ ካሊእ ኩሉ ኣድላይ ዝኾነ መሰረታዊ ሕቶታት ድሕሪ ቅዋም ክዝረበሉን ክዝተየሉን ከምዘለዎ ከስምረሉ መሪጸ ኣለኹ። የቐንየለይ]

    Coventry, United Kingdom.

POST A COMMENT