Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ንፍቕሪ ኮስኳሲት ”

“ ንፍቕሪ ኮስኳሲት ” መጋቢት 08 - 2013 ቅድሚ ኩሉ ንኹልኽን ደቂ እንስትዮ ኤርትራውያን እንቋዕ ነዛ ዕለት መሰልክን ትኽበረላ መዓልቲ ብሰላም ኣብጻሕክን። ከምቲ ኩሉ ልሙድ ዓመታዊ ናይ ደቂ እንስትዮ መዓልቲ ዝኽበር፣ ሎሚም ተዘኪሩ ይበዓል እምበር፤ ኣብ ሃገርና

“ ንፍቕሪ ኮስኳሲት ”

መጋቢት 08 – 2013

ቅድሚ ኩሉ ንኹልኽን ደቂ እንስትዮ ኤርትራውያን እንቋዕ ነዛ ዕለት መሰልክን ትኽበረላ መዓልቲ ብሰላም ኣብጻሕክን። ከምቲ ኩሉ ልሙድ ዓመታዊ ናይ ደቂ እንስትዮ መዓልቲ ዝኽበር፣ ሎሚም ተዘኪሩ ይበዓል እምበር፤ ኣብ ሃገርና ብሓቂ መሰል ደቂ እንስትዮ ናብ ውልቀ ከደምትን ናይ ዕቡዳት ሓለፍቲ ህግደፍ መዘናግዕቲ ካብ ዝቕየር ነውሕ ኮይኑዎ። እቲ ዝገደደ ዘየድሊ ዓመጽን፣ ናይ መጻኢ ህይወተን ዘበላሽው ተግባራት ስለዝፍጸም ብዙሕ ዘሕዝን’ዩ። መሰለን ንማዕርነትን ምዕባለን ብውሑዳት ተቖጽዩ ኣብ ዘይደለይኦን ዘይሓለምኦን ጥንስን ውላድን ብዓመጽ ይጋሰስወን አለዋ።

እዚኸአ ብዘይ ሐደ ሓላፊነት ንእስነተን ጥራይ ከይኮነስ ሙሉ ህይውተን ንድኽነት ናብራ ብዘይ ናተን ገበን ይፍረዳ አለዋ። በዚ ተግባራት ዘይሓዝንን ዘይትሓዝን ዜጋ እንተሎ ካብቶም ገበን ፈጸሚቲ ዝፍለይሉ መገዲ የሎን። ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ኣብ ወጻኢን ዝርከባ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣብ ሊዕሊ ደቂ ኣንእስትዮ ኣሓትን እታይከ ይብላ ይኾና? እንታይከ ይስምዐን ይኸውን? ኢልካ ምሕሳብ ንቡር ኢዩ። እታ ኣጣቃዒት ግፍዒ ወላ ንሳ ኣይትኹን ተበዳሊት እምበር፣ ሓፍታ፣ ጓል ሓፍታ፣ ጓል ሓትንኣ፣ ጓል ኣሞኣ፣ ጓል ኣኮኣ፣ ጓል ሓውብኣ፣ ጓል ዓርካ ክትኸውን ትኽእል። ብዓቢኡ ግን ኤርትራዊት ሓፍታ፣ ጓል እንስተይቲ ከምኣ ምኻኑ’ዶ ዘንጊዓቶ ትኸውን። መሰል ደቂ እንስትዮ’ኸ ብኸመይ ይርድኣን ተብዕሎን? ብጓይላን መደረን ጥራይ ክኸውን ይኽእል።

እንተኾነ መልኽተይ በዛ ሓጻር ግጥሚ ንምግላጽ ክፍትን። ከምቲ ንነብስኺ ትሓስብያን ትግምትያን ነቲ ግፋዓዊ ተግባር ክትኣምንሉ ከሸግረኪ ይኾውን። ብቦታኺ ነታ ውጽዕቲ ሓፍቲኺ ተኪእኺ፣ ንስኺ ኣብ ቦተአ ከምዘለኺ ማዕረ ማዕረ ሕሰብሉ እሞ፣ ብዛዕባ እታ ትግፋዕ ዘላ ኤርትራዊት ሓፍትኺ፣ ኩሉ ዝወረዳ ግፍዒ ተረዱኢኪ ንነብስኺ ትምነይላ’ዶ? መሰልን ማዕርነት ደቂንስትዮ ክኽበር’ከ እንታይ ጊደን ሕላፊነትን ከምዘለኪ ትርድእዮ’ዶ ይኸውን። ንስኺ’ውን አደ፣ ሓፍቲ፣ ብጻይ ብምኻንኪ ዓይንኽን ኣእምሮኽን ክኽፈት ተስፋ እገብር።

“ ንፍቕሪ ኮስኳሲት ”

ጓል ሃገረይ መዘና ዘብላ

ቅጭን ዲየ ክብል ወለላ

እርግቢት ሰላም መንጣሊት ሽላ

ኩሉ ዘይንሳ እንድአላ።

ቅጭን ብመልክዕ ብቑመና

ወለላ መዓር ምቁር ከናፍራ

እርግቢት ሰላም እድብቲ ጸባያ

መንጣሊት ሽላ ንዘፍቀራ ኣለልያ

ቃላ እንድዩ ዘይዕጸፍ ማዕተባ።

ክትስሕቕ ክትጻወት ትዕገስ

ኩራ ዘይትፈልጦ ለጋስ

ዕድመ ዘይድልዮ ናታ ዳስ

ንኹሉ ትእክብ ብታሕጋስ

ቀያሲት መገዲ ጽቡቕ መንፈስ።

ቅጭን ጓል ሃገረይ ኪኢላ

እርግቢት ሰላም መንጣሊት ሽላ

መጋቢት ፍቕሪ ኣካቢት ስድራ

ጸባይ ድዩ መልክዕ ዝጎድላ

ለዛ አንደበታ መዓር ወለላ።

አደ እንተኾነት ተኹርዕ

ሓፍቲ እንተኾነት ተሕብን

ስድራ ኣካቢት ዘይትብትን

ኮሪዓ ተኹርዕ ብሚዛን

ክብሪ ሃገር ደጀን ሓየት

ውላድ ህዝቢ ሓላይት

ንሰላም ንፍቕሪ ኮስኳሲት።

ጓል ሃገረይ መዘና ዘብላ

ቅጭን ዲየ ክብል ወለላ።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና – 03/08/2013 ”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • MEHRETU HABTE March 9, 2013

    (ከም መብጽዓይ ክሳዕ ዕለት ዓሰርተ መጋቢት ክጽሕፍየ።)

    ¨ክቡር መዓልቲ ደቀንስትዮ¨

    ኣንቲ ካብ ኣፍ ሓረስታይን ሰበይቱን ደቁን ምግቢ ከየግደፍኪ፣ሲቪላውያን ከየባሳጮኺ፣ኣቦኽን ኣዴኽን ርሂጾም ብዘፍረዩልኪ ምግቢ ዓቢኺ፣ብዘይረብሕ ፕሮፖጋንዳ ከይተዓሾኺ, ትምህርትኺ ቀጺልኪ, ኣብ ዝብጻሕ በጺሕኪ, ተመርዒኺ, ስድራኺ ትሕግዚ ዘለኺ__ኣንቲ ሸፋቱ ኤርትራ ብሓይሊ ሒዞም ¨ተቓላሲት¨ኢሎም ፋብሪካ ቆለውዕ ጌሮም ሂወትክን ዕድልክን ከየባላሽውዎ ,ብብልሓት ሱዳን ሰጊርኪ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ኴንኪ ደቅኺ ኣብ American ,Canadian,British ,Australian..etc schools እናምሃርኪ ካብቲ ጋሕማጥ ዝኾነ ናብራ ፖለቲካ ኤርትራ ተናጊፍኪ ደቅኺ ኣንኳይዶ ብሓይሊ መንዚዑ ከዋግኦምሲ ብዘይ ፍቓዶም ከማን ሰላም እንተበሎም ቤት ማእሰርቲ ዝኸደሉ ዓዲ ዝኣቶኺ መስተውዓሊት ኣደን ሓውትን ናይ ብሓቂ ተቓላሲትን ለባምን ጓል ኣንስተይቲ ንስኺ ኢኺ እሞ ክብረተይ ምስ እድያቱ ተቐበልዮ።
    እታ በረኻ ወጺኣ ንባዕላ ባህላ ኣረሲዖም፣ናይ ድሙ ድሙ መርዓ ጌሮም ዘታለሉዋ ንባዕላ ኣብ ዘይረብሕ ታኼላ ኣትያ ነተን ኣርኣያኣ ክኽተላ ትደልየን መንእሰያት ደቀንስትዮ ድማ ብቓልሳ ዘምጽኣቶ ነጻነት ዝሽሙ ግሃነም ናይ ኮረኔላት ባርያ ጾታዊ ርክብ (sex slaves) ኮይነን ዝሳቐያ ዘለዋ ከም ኣብነት ጅግንነትን ተወፋይነትን ዘቕርብ ,ንዓኺ ነታ ናይ ብሓቂ ተቓላሲት ጓል ኣንስተይቲ ንዕቀት ዘለዎ ጥራይ እዩ።ኣንቲ ዝኾነ ይኹን ኣብዛ ጎነይ ጽንሒ ኢልኪ ንጓልኪ ጸጕሪ እናቖነንኪ ይኹን ይኹን ልኻይ እናሸጥኪ ብጨቖቕ ጓልኪ ኣምሂርኪ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጻሕኪ ኣደ ንስኺ እንከለኺ ሓቀኛ ጓል ኣንስተይቲ ኣብዛ ማይ ንዓቐብ ዝፈሰላ ኤርትራ ግን እተን ብቓልሰን ውርደት ጓል ኣንስተይቲን ጾታዊ ምግሃስን ዘምጽ ኣ ደቀንስትዮ ከም ኣብነት ክጥቀሳ ከም ኣርባዕተ በርቂ ዝኾና ምሁራት ኣሓት ዘለውኦ ሓው ሓዘን ይስምዓኒ።
    ኣደ፣ወሊድኪ ንኤልሳ ጭሩም፣ኣደ ወሊድኪ ንሜሮን እስጢፋኖስ፣ኣደ ወሊድኪ ንዶክተር ኣልጋነሽ ፣ኣደ ወሊድኪ ንማርታ መብራህቱ__፡ኣደ ወሊድኪ ንኣሓተይ።

    ኤርትራዊት ማህጸን ንመድሓንቲን ምሁራትን ደቀንስትዮ እምበር ንቐተልቲ ብምውላዳ ኣይትኽበርን።
    ዓወት ንሓቀኛ፣ወጻኢ ዘላን ተማሂራ ጽቡቕስራሕ ዝሓዘትን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይትን

    • Mehret March 9, 2013

      Mehretu Hawey,
      On behalf of many, thank you.
      But HATSIRA ENDIYA EMO! I love to read what you write so before I knew it, it was over.
      Thanks again!!!!!
      How blessed I am to have a brother like you!!!!

  • MEHRETU HABTE March 9, 2013

    Mehret ,

    I see myself in the new Eritrea to sit on the yard of our or your house having siwa & getting to know all your family & laugh…for no Eritrean will weep again except the tears of joy.
    My dearest sister Mehret,I have various emotional & psychological challenges ..not to mention ..Diabetes, high blood pressure,hypothyroidism & chronic Anemia..all auto immune illness ,like the Eritrean issue.
    I follow & contribute Assenna & awate against the advice of my Psychiatrist. I am not a cu..cu..yet ,but i do suffer from mild bipolar ,Adult Attention deficit disorder ,somatization disorder & of course the sex ..generalized anxiety disorder.
    That is why I have to give it a rest until may 2013. When I write/type all my emotions are involved. Thanx for the vote of confidence. Tommorow ,is my klast day ..until may….I will try to type something long & brilliant of course.
    accept my brotherly love

    • MEHRETU HABTE March 9, 2013

      correction

      I meant to say the sexy generalized anxiety disorder ..and not sex ..thanx

POST A COMMENT