Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አማን ብ አማን (ካልአይ ክፋል) አዝማሪኖ ዶስ አዝማ ሃገር?

ከተማ አስመራ ልዕሊ 700 ዓመት ዕድመ ከም ዘለዋ እዩ ዝንገረላ። እዛ ሕጂ እንርእያ ዘለና ዘመናዊት አስመራ ግና ካብ 1890 ዓ.ም እያ ክትህነጽ ጀሚራ። እቲ ናይ ሹዑ አመሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ ኢጣልያዊ ፈርናንዶ ማርቲኒ ምምሕዳሩ ካብ ምጽዋዕ

ከተማ አስመራ ልዕሊ 700 ዓመት ዕድመ ከም ዘለዋ እዩ ዝንገረላ። እዛ ሕጂ እንርእያ ዘለና ዘመናዊት አስመራ ግና ካብ 1890 ዓ.ም እያ ክትህነጽ ጀሚራ። እቲ ናይ ሹዑ አመሓዳሪ ኤርትራ ዝነበረ ኢጣልያዊ ፈርናንዶ ማርቲኒ ምምሕዳሩ ካብ ምጽዋዕ ናብ አስመራ ብምቕያር፤ ንአስመራ ርእሲ ከተማ ናይ ሙሉእ ኤርትራ ጌርዋ። ኤርትራውያን ድማ በቲ ኢጣልያውያን ዝኸፈትዎ ናይ ስራሕ ዕድል ንኽጥቀሙ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ናብ አስመራ ክውሕዙ ጀሚሮም። ኢትዮጵያውያን፣ ተጋሩ ከምኡውን የመናውያን ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብ አስመራ መጺኦም። ታሪኽ አዝማሪኖ  ድማ ሽዕኡ እዩ ዝጅመር። ኢጣልያውያን ንአስመራ ዝሃነጽዋ ንደቂ ሃገር ሓዚኖም ዘይኮኑስ ንነብሶም ክትኮኖም እዩ ኔሩ። ሓሳብ ልቦም ክሰምረሎም ስለዘይከአለ ግና አስመራ ከምቲ ንሶም ዝሓሰብዎ ንእሽቶይ ሮማ ዘይኮነትስ፡ አስመራ አደ ድኻ ኮይና ተሪፋ።

አስመራ እወ እዛ አደ ድኻ መለለይአ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ልግሲ፣ ጥዑም ክሊማ አየር እዩ። ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ አብ 1991 ዓ.ም ብዓወት አስመራ እንክአትው፤ አስመራ ነቶም ንዘመናት ዝተቐመጥዋ ነበርታ ደቀባት ኤርትራውያን፣ ተጋሩ፣ አምሓሩ፣ ኢጣልያውያን፣ ሓናፍጽ ጥልያን፣ መወለድ ደቂ የመን ሓቑፋ እያ መርሓባ ኢላ ዝተቐበለቶም። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ግና አይግድን፤ እቲ ናይ ቀደም ተጋዳላይ ናይ ሕጂ አገልጋላይ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፤ ከንቲባ ከተማ አስመራ ኮይኑ ምስ ተመዘዘ ደጊም ድኻ አስመራ ክቕመጥ ኢሉ ክሓስብ የብሉን ብምባል ነቲ ኮምፕሽታቶ ንኢጣልያውያን ጥራይ እዩ ዝብል ናይ ሰላቶ ትእዛዝ ደጊሙ አመሓላሊፍዎ። ቀስ ብቐስ ድማ አስመራ ናይ’ቶም  እንትርፎ ብማዕዶ ብቐረባ ዘይፈልጥዋ ካፒተናት፣ ሜጀራት፣ ኮሎኔላትን ጀነራላትን መንሃርያ ኮይና ተሪፋ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ከተማ አስመራ ክትጽብቕ ክትገፍሕ ንሲንጋፖር ክትመስል በልና እምበር ከምዚ ኮይናቶ ዘላ ክትከውን መን ሓሲብዎ። “ጫማኻ ማዕረ እግርኻ” ዝብሎ ዝሰአነ ከንቲባ ስብሓት ኤፍረም ንኮምፒሽታቶ አስመራ ብቢንቦሪ ገይሩ ብማይ ክሓጽባ ሪኢናዮ። ሎሚ ተመሊስካ እንክትርእዮ ከንቲባ ስብሓት ንአስመራ ካብ ርስሓት ዘይኮነስ ካብ ገባር ደንባር እዩ ዘጽርያ ኔሩ። ደቂ ገርሂ ልባ እቶም ማይ ቡንባ አብ ገዝኦም ዝነበሮም ወይለይ እዚኦም ንአስመራ ገና ናብ ፓሪስ ክቕይርዋ እዮም ዝበሉ እምበር፤ ብዛዕባ እቶም ዝስተይ ማይ ዝሽገሩ ዝነበሩ ሰፈር ድኻ ከባቢታት አስመራ አይሓሰቡን።

ሎሚ ናብ አስመራ ደዊልካ ኩስቶ አበይ አሎ ምስ እትብል፤ ብዛዕባ ወዲ ገዛውትኻ ወይ ወዲ ትምህርትኻ ምስ እትሓትት ንሱዳን ወጺኡ፣ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፣ ገዝኦም ሓደ ኮሎኔል አትይዎስ ናበይ ከምዝኸዱ አይፈለጥናን፣ ወይ ተአሲሩ፣ ወይ አብ ሳልሳይ ወራር ተሰዊኡ ይብሉኻ። መን ደአ አሎ ምስ እትብሎም ዋላ ሓደ የለን ይምልሱልካ። እቶም አዝማሪኖ ዝበሃሉ ዝነበሩ ደቂ አስመራ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ተበታቲኖም ፍቖዶ በረኻታት ኤርትራ ተደርብዮም ሞራሎም ተሰይሩ ንረኽቦ። አዝማሪኖ እትብል ቃል’ውን ከም ጨርቂ ተቐዲዳ ካብ ትድርበይ ዓመታት አቑጺራ። እቲ ዘገርም እዛ ዝዓበናላን መግለጺ መንነትናን አዝማሪኖ እትብል ቃል አብ ሃገረ አሜሪካ ተሰዲዳ ትርጉማ ቀይራ ካባ ድሑርነት ለቢሳ፤ ብዘይ ዋናታታ ተታሒዛ ክርእያ ስለዘይተዋሕጠለይ እየ ነዚ ጹሑፍ ክጽሕፍ ዝተገደድኩ።

እቶም ኦሪጂናል አዝማሪኖ ደቂ አስመራ ምስ ስርዓተ ምሕደራ ኢሰያስ ቅድሚ ሰብ እዮም ተጻሊኦም። አብ ሞንጎ ቀዳማይ ዙርያን ተጋደልትን ዝነበረ ምትፍናን ድማ ናይዚ አብነት እዩ። ነዞም ምንም አበሳ ዘይነበሮም ደቂ አስመራ ስርዓት ኢሰያስ አጆኹም አይትሕመቑ ተማሃሩ ስርሑ ኢሉ ዘይኮነስ፤ ደርጊ ዘበላሸዎም፣ ዓዋሉ ስራሕ ዘይፈትው እንዳበለ አብ ልዕሊኦም ዓቢ ናይ ጸለመ ጎስጓስ አካይዱሎም’ዩ። አዝማሪኖ ብባህርያቱ ሃይማኖት፣ አውራጃ፣ ዓሌት፣ መቦቆል አይፈልን እዩ። ንአብነት አብ ቤት/ትምህርቲ ሓደ ተማሃራይ በደል ምስ ዝፍጽም አሕሊፍካ ምሃብ የልቦን። ኩልኻ መን ከም ዝተጋገየ እንዳፈልጥካ ልዕሊ ሓምሳ ተመሃሮ ብሓባር ትቕጻዕ የሕሊፍካ ንኸይትወሃሃብ።

ብዛዕባ እቲ ናይ ብሓቂ አዝማሪኖ ቡዙሕ ምስተባህለ ግና አድላይነቱ ቡዙሕ ስለዘይተራእየንን መበገሲ ጹሑፈይ’ውን እሱ ስለዘይኮነ ናብ’ቶም ንነብሶም ከም አዝማሪኖ ዝቖጽሩ ምንም ባህርያት አዝማሪኖ ዘይብሎም አብ ሃገረ አሜሪካ ዘለው ሓደ ሓደ ክብል። እዞም አብ አሜሪካ ዘለው አዝማሪኖ ኢና ዝብሉ ገሊኦም ብንእስነቶም ትምህርቲ እዝምርና ከይወድኡ (drop out) ኮይኖም ንአሜሪካ ዝመጹ ክኾኑ ከለው፤ እቶም ገሊኦም ግና ነቲ ፈተና ዝሓለፉ እዮም። እቲ ዘገርም ገለ ካብቶም አዝማሪኖ እንዳበሉ ስውር ውዲት ህግደፍ ዝጠናንጉ ንአስመራ ምስ ኮራርምቶም ዝመጹ ምኻኖም እዩ። እዞም ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ደአ እንታይ እዩ አኪቡዎም ምስ እትብል መልሱ ኑጹር እዩ። አብ አሜሪካ ዘሎ ኤርትራዊ ድማ ዳርጋ መብዛሕትኡ ይፈልጦ’ ኳ እንተኾነ፤ ዘይፈለጠ ድማ ክፈልጦ ይግባእ።

እዞም አዝማሪኖ ኢና በሃልቲ መን’ዮም ምስ እንብል መልሱ ብጥቕምን ረብሓን ምስ ህግደፍ ዝተዛመዱን በቲ ናቶም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ዝተደናገሩ ግዳያትን ኢልካ ብሓጺሩ ክምለስ ይከአል። አድላዩ እንተኾይኑ መን ንምንታይ ይድግፍ ምዝርዛሩ ከቢድ አይኮነን። እዚአቶም ሰባት አብ ኤርትራ ገባርን ሓዳግን ወላዲ ወይ ቀረባ ቤተሰብ ስለዘሎዎም ናብ ኤርትራ ከም ድልየቶም ይአትውን ይወጹን። ካብ ግዴታ ሃገራዊ አገልግሎትን ክልተ ካብ ሚእትን ነጻ እዮም። ናብ ዓዲ ሸርፊ ዶላር ይምንዝሩን ካልእ ሸቐጣትን የሰላስሉ። ብሓጺሩ እቲ ንደቀባት ኤርትራ ተሓሪሙና ዘሎ ሓርነት አብ ኢዶም እዩ ዘሎ።

እምበአርከስ እዚአቶም እዮም ንመንእሰያት ኤርትራ ብወገን ዓሌት እንዳፈላለዩ፤ መዳኽርቲ ዝኾኑዎም አስመራ ዝዓበዩ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ጉራማይለ ሓዊሶም ንሃጸይ ኢሰያስ ግሕግዙ ህርዲግ ክብሉ እንርእዮም ዘለና። እዞም ጉጅለ ምንም እኳ ዓቕሚ እንተዘይሃሎዎም ንማንም ደላይ ፍትሒ ተቓላሳይ ክንጽሉን ከነጽሉን ከም ሜላ ክሰርሕሉ ፈቲኖም እዮም። ንመሰሉ ክቃለስ ንዝደለየ፤ አዝማሪኖ አብ ፖለቲካ አይአቱን እዩ እንዳበሉ ክድህልዎን ከደስክሉዎን ይፍትኑ። እንተ እቲ ንሶም ናብ ኒው ዮርክ ከይዶም “ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን” ንዲክታቶር ዝምነ ካናቴራ ወድዮም ዝገበርዎ ደገፍ ንቐታሊ ሰብ ፖለቲካ አይኮነን፤ ዲበርቲረ ወይ ፓሳጆ ዶ ንበሎ።

እዞም ወግዓዊ ማሕበር ዘይብሎም ብሰበብ መርዓ እዮም ፍቐድኡ ዝራኸቡ። አብታ ብመርዓ አምሲሎም ዝተራኸቡላ ከተማ ድማ ኩነታት አብ ቁጽጽሮም ምዃኑ እንተአረጋጊጾም ወዲ አፎም  እንዳበሉ ዲስኩር ይወቕዑ። ሓንቲ መንእሰይ ጓል ሄዋን ንሓደ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ሰብ ምስ እትፈቱ፤ አንቲ እንታይ ኮንኪ ሰብ ዶ ስኢንኪ ኢኺ አንዳበሉ ድኹም ጎኒ መዝሚዞም ሰባት ንኸይፋቐሩ ይዕንቅጹ ወይ’ውን ንዝተፋቐሩ የፈላልዩ። ነዚአ እከይ ካብቶም ዓበይቲ ህግደፋውያን ከም ውርሻ ወሪሶማ እዮም።

አብ ዝሕለፈ ጊዜ አብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ምስ ተገብረ መዓንጥ ከብዶም ሓሪሮም። አብ ፈይስ ቡክ ድማ ናይ ጎይትኦም ስእሊ ለጢፎም ናይ ርድኡና አውያት የእውዮም። እዞም ብስም እታ አደ ፍቕሪ፣ አደ ሓልዮት፣ አደ ስኒት ከም ስማ ንኹሎም ደቃ አስሚራ ሓቑፋ ዘዕበየትና አስመራና ዝሽቅጡ ዱሑራትን ፈላለይትን ዝፈተኑ ይፈትኑ ደቂ አስመራ ዊዒልና ሓዲርና የሕዋት ደቂ ሓንቲ ስድራ ምዃንና አይተርፈናን እዩ። እዞም አዝማ ሃገር ድማ በዚ ዝገብርዎ ዘለው ጸሊም ታሪኽ ጽባሕ ክሓንኩን ክዋረዱን እዮም። ደቂ አስመራ ግና ምስቶም ካልኦት አብ ገጠር ይኹን አብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ዝዓበዩ አሕዋትናን አሕትናን ኤርትራውያን መንእሰያት ወገን፣ ዓሌትን ሃይማኖትን ከይፈለና፤ ተኸባቢርናን ሰሚርናን ናይ ሓርነት አየር ከነስተንፈስ ቀሪብና ኢና።

ሎሚ ዘይሰመረ ብህይወቱ ከምዝተቐብረ!

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ- ኦክላንድ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • fullsimpak@hotmail.com February 6, 2012

    I feel you man, I think you are one of the original Asmarinos. Even though I don’t necessarily agree with you 100%, I believe that this is an urgent issue in most parts of the world where Eritreans reside and needs to be addressed accordingly. All lot of this people I know have identity crisis or they are early drop outs who lack awareness.

  • Abraham February 7, 2012

    ….አስመራ ነቶም ንዘመናት ዝተቐመጥዋ ነበርታ ደቀባት ኤርትራውያን፣ ተጋሩ፣ አምሓሩ፣ ኢጣልያውያን፣ ሓናፍጽ ጥልያን፣ መወለድ ደቂ የመን ሓቑፋ እያ መርሓባ ኢላ ዝተቐበለቶም… If these are the people you call Original, I wonder if you are one of them.

    • Ephrem mehari February 7, 2012

      abreha :ምሽ “ኣብ 1998 ምስቶም ኢትዮጵያውያን ካብ ኤርትራ ተሰጊጉ” ኢልኩሞ :: እንታይ ድኣ ሕጂ ተገርምካ! ነገራትኩም መቸም “….ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ ” እዩ::

  • Ephrem mehari February 7, 2012

    ብሓቂ መሳጢ ጽሑፍ :: እወ ኣዝማ ሃገር ::

  • Ephrem mehari February 7, 2012

    “አዝማሪኖ ብባህርያቱ ሃይማኖት፣ አውራጃ፣ ዓሌት፣ መቦቆል አይፈልን እዩ። ንአብነት አብ ቤት/ትምህርቲ ሓደ ተማሃራይ በደል ምስ ዝፍጽም አሕሊፍካ ምሃብ የልቦን። ኩልኻ መን ከም ዝተጋገየ እንዳፈልጥካ ልዕሊ ሓምሳ ተመሃሮ ብሓባር ትቕጻዕ የሕሊፍካ ንኸይትወሃሃብ።”

  • Tesfamariam Weldegiorgis February 8, 2012

    Norway
    ሰለሙን ገብረኢየሱስ ፣ ኣዝማ ሃገርኳ ክውሕዶም እዚኦም ፣ መንሽሮ ሃገር ፣ዓሶ ሃገር፣ ጉልሓይ ሃገር ከም ሕማም ኤይድ እኦም፣፣

POST A COMMENT