Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳተፍ ተሰማሚዑ ምንባሩ ተገሊጹ::

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብናጻ ምንቅስቓስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ 1990 ኣንጻር ደርግ እተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳተፍ ብክታሙ ኣረጋጊጹ ምንባሩ ተገሊጹ:: ነዚ ዝገለጸ ብወጻኢ ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዝነበረ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ምስ ረድዮ ኢሳት

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብናጻ ምንቅስቓስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ 1990 ኣንጻር ደርግ እተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳተፍ ብክታሙ ኣረጋጊጹ ምንባሩ ተገሊጹ:: ነዚ ዝገለጸ ብወጻኢ ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዝነበረ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ምስ ረድዮ ኢሳት ብ8 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ኢዩ:: ሻለቃ ዳዊት ምስ ኢሳያስ ኣብ ዋሺንግተን:ኒውዮርክ: ለንደንን ናቕፋን ብምርኻብ ኣብ ዘካየዶ ዘተ: ብወገን ኢሳያስ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ከም ዘይተላዕለ ጠቒሱ: ሰራዊት ኢትዮጵያ ብውሽጢ ለውጢ እንተኣምጺኡ ኢሳያስ ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራ ኣብቲ ዝቐውም ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝዝተየሉ ከም እተሰማምዐ ሓቢሩ::በዚ መሰረት ድማ ህዝባዊ ግንባር ንምዕባለ እቲ ፈተነ ዕልዋ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ብምውጻእ ከም ዝደገፎ ሻለቃ ዳዊት ኣብሪሁ:: ብዘይካዚ ሻለቃ ዳዊት ምስ ኢሳያስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኤርትራ: ብፈደረሽን ይኹን ብኮንፈደረሽን ጉዳያ እንተተፈቲሑ: ንጽባሒቱ ምስ ኢትዮጵያ እትጽንበረሉ ኣገባብ ከም ዝዝተየሉ ከምዝገለጸሉ ኣፍሊጡ::

እቲ ፈተነ ዕልዋ ብምፍሻሉን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ወያነን ህዝባዊ ግንባርን ንቕድሚት ብምድፍኡን እቲ መደብ ከምዘይተዓወተ ሻለቃ ዳዊት ጠቒሱ: መራሒ ህዝባዊ ወያነ መለስ ዜናዊ ኣብቲ ብመኮነናት ኢትዮጵያ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ከም ዘይሳተፍ ኣቐዲሙ ከም ዘፍለጠ ገሊጹ::

ኢሳያስ ብውልቁ ንስልጣኑ ክብል ብዝወስዶ ውሳነ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ከምዝኽእል:እዚ ምስ ሃገራት ዓረብ ዝገብሮ ዘሎ ምስጢራዊ ስምምዕ ምስ እቲ ምስ መኮነናት ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዝፈሸለ ምስጢራዊ ስምምዕ ብምንጽጻር ምርኣዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ከባቢ የጠንቅቑ::


¨Isaias sees problems in independence and does not want to rush and create difficulties for himself¨ late Prime Minister Meles Zenawi.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • samuel May 16, 2016

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕላማኡ ብንጹር ዝገልጽ ሰብ እዩ፡፡ ካብ መጀመርያ ከይሓብአ ,, ጀብያ ንምሕቃቕ እዩ ኢሉ,, ብወግዒ ኣዊጁ ንተጋድሎ ሓርነት ኣጥፊኡዋ፡፡ ኣብ ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ናይ 2012 ከምኡ ድማ 2013 ,, ኢትዮጵያ ኣይገዝኣትናን ፡ ሞግዚት ናይ ኣመሪካ ኮይና እገልጊላ ኢሉ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ብወግዒ ኣዊጁ፡ ናጽነት አርትራ ግጉይ ከምዝኾነ ብተዘዋዋሪ ገሊጹ፡፡ እንታይ ግበር ትብልዎ ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ፡ ዝቃወም እንተሎ ድማ፡ ሃተፍተፍ ከይበለ ግቡእ ስጉምቲ ብግብሪ ይውሰድ፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ እቶም መንግስትና እናበሉ፡ ዘጣቕዑ ደቂ ሓማሴን ኢና በሃልቲ፡ ሽንቲ ኣቦታቶም ዘይፍለጥ ነገድ እዮም፡፡ ዝወረዳ ሓማሴን መኣከብ ጥፍራርያ ኮይና፡፡

  • Khalid May 17, 2016

    “Faild Nation/Cow[ard]Face, Teclay, Massawa, Kombishtato …etc”

    He is a Tigreyan who suffers from deep seated hatred of Eritrea. His main activity is Anti-Ghedli, which he persistently tries to de-legitimize.

    “Hade newram baal beless …iyo”

  • tesfamariam May 17, 2016

    hasot xubuk rikib kinfetir ena elu kemdimehalwlu eyu ditezarebw shaleka dawit

POST A COMMENT