Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሳይያስ ንባዕሉ ክኸይድ ኣለዎ ዓዲ ወርሒ!

ኢሳይያስ ንባዕሉ ክኸይድ ኣለዎ ዓዲ ወርሒ!   ዲክታቶር ኢሳይያስ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ተሓቲቱ ኣብ`ቲ ቅኑዕ መልሲ ኣብ ክንዲ ዝኣቱ ንዕኡ ሰጊሩ ካብ ኣርእስቱ ናብ ካልእ መዓዝን ቀይሩ ኣንፈቱ ነዊሕ ተጓዒዙ ከም ዕቡድ ሃውቲቱ፣   እቲ ዝነበረ ክውን ሕቶ ኣብ`ዛ ሃገር ስርዓት ዲሞክራሲ ንኽተኣታቶ ዝብል ወኸሰ`ዩ ብእኡ

ኢሳይያስ ንባዕሉ ክኸይድ ኣለዎ ዓዲ ወርሒ!

 

ዲክታቶር ኢሳይያስ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ተሓቲቱ

ኣብ`ቲ ቅኑዕ መልሲ ኣብ ክንዲ ዝኣቱ

ንዕኡ ሰጊሩ ካብ ኣርእስቱ

ናብ ካልእ መዓዝን ቀይሩ ኣንፈቱ

ነዊሕ ተጓዒዙ ከም ዕቡድ ሃውቲቱ፣

 

እቲ ዝነበረ ክውን ሕቶ

ኣብ`ዛ ሃገር ስርዓት ዲሞክራሲ ንኽተኣታቶ

ዝብል ወኸሰ`ዩ ብእኡ ዘይፍቶ፡

 

ንሱ ዝሃቦ ቃል ብኣሽካዕላል

ዲሞክራሲ ዝደሊ እንተ`ልዩ ይኺድ ዓዲ ወርሒ`ዩ ዝብል።

 

ናይዛ ዘለናያ ዓለም ሕጊ ኾነ ፍትሒ

እቲ ዘይኣምን ስግንጢር መራሒ

ንባዕሉ ኢሳይያስ ክኸይድ ኣለዎ ዓዲ ወርሒ!

 

ኢሳይያስ ዲክታቶር

ሕዝቢ ዝደለዮ ካብ ኰነ ዘይገብር

ናይ`ዛ ዓለም ሕጊ ዘየኽብር

ናብ ካልእ ፕላነት ከይዱ ከመሓድር

ምስ`ቶም ዘይተፈልጡ ፍጥረታት ክነብር

ብገታር ሓሳቡ ንዕኦም ከነባብር

ንዓዲ ወርሒ ባዕሉ ይኺድ ብዘይ ወዓል ሕደር።

 

ነቓፊ

 

ምሕረተኣብ ገብረሚካኤል ተስፋሓዋርያት

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ስቕሲ ትዕግስቲዶ ሕመቕ?

 

ሓውኻ፡ ጓልካ ወድኻ፡ ሓብትኻ፡ብዓል ቤትካ ተኣሲሩ ጠፊኡ ሓቒቑ

ንባዕልኻ ተዳጕንካ ተኸትኪትካ ትንፋስካ መሊቑ

ወድኻ ካብ ኢዶም ሃዲሙ ሞይቱ ወይ ዓዲ`ርሒቑ፡

 

50 ሽሕ ናቕፋ ትኸፍል ወይ ትእሰር ብዘይ ምሕረት

ንሃገርካ ተጋዲልካ ልዕሊ 20 ዓመት

ብዘይ ሕጊ ደስኪልካ ተባሂልካ ካብ ስራሕ ተባሪርካ ትብል ጀጕነን ከርተት

ናይ መንግሥቲ ገበን እትፈልጦ እናሃለወ ብሓላፍነት

ሃገርካ ገዲፍካ ወጺእኻ ተቐሚጥካ ኣብ ስደት፡

 

ጥርቅም ኣጽቂጥካ ስቕ

ትዕግስቲዶ ንብሎ ወይሲ ሕመቕ?

 

ብማእሰርትን ቅትለትን

ብጭውያን ብስለያን

ብበለካ ለኽዓካ ሓሶትን

ንዓኻ ዘርዕድ ብዓል ስልጣን

መፈጠርካ ዘጽልእ ሕማቕ እዋን

እናሃለወ ትም ኢልካ ክትርእዮ ንኽሻድን

ናይ ሕመቕ ሕመቕ ድኣምበር ትዕግስትስ ኣይከውንን።

ግቡእ እዩ እቲ ውጹዕ ሕዝቢ ብሓባር ክቃለስን ክምክትን

እቲ ዲክታቶር ምእንቲ ከልግስ እንካብ ስልጣን

ዲሞክራስን ሰላምን ንኽሰፍን፣

 

እቲ ስቕን ትዕግስትን እንተቐጺሉ ኣብ ዘይ ቦትኡ

ወዮ ዲክታቶር ምስ ጕጅልኡ

ሃገር ከዕንዉ ሕዝቢ ከጥፍኡ

ዕጡቓት`ዮም እንካብ ንጕህኡ፡

 

ከምዚ ንኸይከውን ኣብዛ ሃገር

ጸላኢና ኣለሊና ብሓባር ንበራበር

ስልጣን ናይ ሕዝቢ`ዩ ኣብ ኢድ ሕዝቢ ንኽኣቱ ንጽዓር

ከምቲ ዝተጸልአ መራሒ ኣብ ስልጣን ጥራሕ ኣይንመጣጠር

ስልጣን ናይ ሕዝቢ`ምበር ናይ ውልቂ ከም ዘይኮነ ብኣእምሮ ንመራመር።

ነቓፊ

ምሕረተኣብ ገብረሚካIአል ተስፋሓዋርያት

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • aus 17 June 24, 2014

    If you scrutinize his face contour, his dry skin, his eyes without any light, his overall facial features seems a dying person who has already reached his last limit in this world. A dying leader with no hope of paradise but hell as he has on earth. “No peace no war” on earth(by Meles Zenawi) and never peace and never ending war hereafter. (by God) We se a denied soul of rest and serenity, the worst picture to manifest his inner conditions at the present.

  • Berhe Tensea June 24, 2014

    He is in his last stage, he is already dead. He is going to hell in his everlasting home. Iseyas the Tembenay will not be remembered or missed by any Eritrean. He has tarnished his image forever,
    The modern day Wube must be removed before Eritrea is declared a failed state.

POST A COMMENT