Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣለኹ ኣደ በላ!

ሬሳ ከይትቐብር *በድኒ ናይ ሃገርካ         *ካብ ዝመውት ነዊሕ ዝገበረ ሬሳ ኣብ ስደት ክትመውት ካብ ፌራ ሃዲምካ ኣንታ ሓዊ ስውእ ናጽነት ዘምጻእካ ኣንታ ወዲ ስውእ'ወ ዶባትካ ዘውሓስካ *ንዘላሚ ስርዓት ብበትሩ ቀጺዕካ              *ንረጋጺ፡ ንጨቋኒ ታሪኽ ዘይትደግም ቅያ ኣያታትካ!   ሕድሪ ስውኣትና ቃልካ ከይትፍጽም ጸላም ተጎልቢብካ ካብ ሬሳ

ሬሳ ከይትቐብር *በድኒ ናይ ሃገርካ         *ካብ ዝመውት ነዊሕ ዝገበረ ሬሳ

ኣብ ስደት ክትመውት ካብ ፌራ ሃዲምካ

ኣንታ ሓዊ ስውእ ናጽነት ዘምጻእካ

ኣንታ ወዲ ስውእ’ወ ዶባትካ ዘውሓስካ

*ንዘላሚ ስርዓት ብበትሩ ቀጺዕካ              *ንረጋጺ፡ ንጨቋኒ

ታሪኽ ዘይትደግም ቅያ ኣያታትካ!

 

ሕድሪ ስውኣትና ቃልካ ከይትፍጽም

ጸላም ተጎልቢብካ ካብ ሬሳ ክትሃድም

ክሳዕ መዓስ ኢኻ ብስደት ክትሓልም

ተበራበር’ንዶ ስቓይና ከኽትም!

 

እቲ ኣብ *ዙይን ዘሎ ዝማጣላዕ ሬሳ      *ዓራት ሬሳ

ሃገርካ ምስ ህዝባ ወትሩ እናሓመሳ

ሓፋሽ ኤርትራዊ ወዲ ቆላ ከበሳ

ዝሓዘነት ኣደ ልባ ክትድብሳ

ነዚ ጨካን ስርዓት ሃገር ዝደነሳ

ኣዕሚቚካ ቅበሮ ወላዲት ክሕሳ!

 

ኣንታ ግዳይ ምልኪ ናይ *ደማሒ ጊላ   *መላኺ

ነታ ህይወትካሲ ንበል ጨኪንካላ

ንወላዲትካ ግን ዘይትድንግጸላ

‘ውላደይ’ ክትብል ብሓዘን ቆምሲላ

ድምጽኻ ክትሰምዕ ‘ኣሎ’ ተባሂላ

ንኹሉ ክትሓትት ተሌፎን ደዊላ

ካብታ ትፍለያስ መዓስ እፎይ ኢላ!

 

ልቢ ወላድ ኮይኑ ከይረኣየ ዘይቀብጽ

ሞይቱ እናበሉዋ ‘ኣሎ’ ከተድምጽ

ኣሰርካ ንምርካብ ኣበይ ዘይትረግጽ

እኽለማይ ተሓሲማ ከም ቆጽሊ ክትነቅጽ

ረይረይ እናበለት ንንፋስ ክትጉንጽ

ኣቤት ተትርእያ ተሐዝን ተደንግጽ!

 

ጸጒራ ተደርሚማ ዝርንዛሕ ክትነብዕ

ህግደፍ ኣብ ቅርዓታ ብጓይላ ክስስዕ

ከመይ ጌራ’ያ እሞ ሓዘና ክትርስዕ

ፍጹም ተሸሪብካ ቃልካ ከይትሰምዕ

ኣለኹ ዘይትብላ ልባ ንኽጸንዕ!

 

ውሉድ ሕሱም ኮይኑ ንኣኻ ትናፍቕ

ምዝራብ ስኢና ክትብል ሕንቕንቕ

ንሓንቲ መዓልቲ ዋላ ሓንቲ ደቂቕ

ድምጽኻ ሰሚዓ *ብሽንሆት ክትስሕቕ   *ብደስ ዘብል ነገር

ኣለኹ ኣደ በላ ስምዓያ ኣታ ሕንቁቕ!

 

ዝዓረበት ጸሓያ’ወ ደጊማ ክትበርቕ

ወላዲት ቀሲና ልባ ከተውድቕ

ነዚ ጠንቂ ሕሰም መላኺ ክትጭፍልቕ

መጻእኩ ኣደ በላ መገድኻ ኣይተርሕቕ!

 

ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 15-08-2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Messinas August 16, 2014

    እርማት፥

    ፌራ ዚብል ቃል ብውስጠዘ ክልተ ትርጉም ሒዙ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። 1ይ ትርጉሙ፥ ረስንን ውጽኣትን ዚመለለይኡ ተላጋቢ ሕማም ኪኸውን ከሎ፣ ምስጢሩ ድማ፥ ዘይረብሕ፡ ሰነፍ ሰብ ማለት’ዩ።

    ‘ውላደይ’ ክትብል ብሓዘን ቆምሲላ፡ እዚኣውን ‘ውላደይ’ ክትብል ብሓዘን ቀምሲላ፡ ተባሂላ ክትእረም ይግብኣ። የቐንየለይ።

  • Habte K. August 16, 2014

    Dear Mesinas,

    Very timely and meaningful. GREAT POEM!!!! Please keep it up!!!!

POST A COMMENT