Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣለዳ

ኣለዳ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) 01-01-2014 ኣሓና ክወፍራ ወጋሕታ ኣለዳ ሮማዲ ክበልዓ ፋሕ ኢለን አብ ሜዳ ገዛ ይምለሳ እንዳበላ እምባሕ ሰቲኻ ዘይውዳእ ክንሕንፍፎ በራሕ……. (ትብል መዝሙር ነይራትኒ 1975)   ሕጂኸ? ተዓዊትና ንምለስ ዶኾን ንኸውን? ከመይ ዘይንምለስ ምምላስ ተበሉኹምከ!   ከመይ ዘይንምለስ እንዳበልና ዕሰል ስመር ጭሖና ንቃለስ ንመሰል ንኽእሎ’ኮ ኢና ከመይ

ኣለዳ

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

01-01-2014

ኣሓና ክወፍራ ወጋሕታ ኣለዳ

ሮማዲ ክበልዓ ፋሕ ኢለን አብ ሜዳ

ገዛ ይምለሳ እንዳበላ እምባሕ

ሰቲኻ ዘይውዳእ ክንሕንፍፎ በራሕ…….

(ትብል መዝሙር ነይራትኒ 1975)

 

ሕጂኸ? ተዓዊትና ንምለስ ዶኾን ንኸውን?

ከመይ ዘይንምለስ ምምላስ ተበሉኹምከ!

 

ከመይ ዘይንምለስ እንዳበልና ዕሰል

ስመር ጭሖና ንቃለስ ንመሰል

ንኽእሎ’ኮ ኢና ከመይ ዘይንምለስ

ኣይ ጀጋኑ እንዲና ደቂ ጥዑም ምለስ

ሰብ ኣደራሽ ኢና ሰብ መደበ ንእዲ

ዝባን ሕጊ ልምዶም ኣብ ኣሬባ ዓዲ

 

ከመይ ዘይንምለስ…………..

ተመሊስና ’ንዲና ርኢናየን ኩለን

ተቐቢለናና ሕምባሻ ጽላለን

እወ ተመሊስና ርኢናዮም ኩሎም

ተቐቢሎምና ምርቓ ልሳኖም

 

ከመይ ዘይንምለስ…………

መኪትና ኣቲና ወላድ ተሓጒሳ

ይኣኽለና ’ልናዮ ናይ ጠያይት ቃርሳ

ንዓዲ መሪሽና ኣባይና ሰምቢዱ

ኣፍ ልቢ ሃሪምና ኮቦሮ ውሒዱ

 

ከመይ ዘይንምለስ………….

ዓቝረዮ ነይረ ወነይ ተላዒሉ

ኣይተባህለን ’ዲዩታ እምብልታ ’ቐብሉ

ተመሊሱ’ንድዩታ ዕርድታት ኣፍሪሱ

ጅግና ኤርትራዊ ባንዴራ ደበሱ

 

ከመይ ዘይንምለስ…………..

ከመይ ዘይንምለስ ደቂ መርሽ ክተት

ለሚድናዮ ’ንዲና ተጋዲልካ ዓወት

እንተዘንጊዕኩሞ ደብተርና ገንጽሉ

ዓይኒ ተሲኢንኩም ኣምብቡለይ በሉ

 

ከመይ ዘይንምለስ………….

ዘበን ግርምቢጥ’ዩ ማይ ንዓቐብ ኰይኑ

ሰብ ኪዳን ጥራዮም ከዳዕ ተኸዲኑ

ቀላጽም ጀጋኑ ዓለም ዘመስከረ

ምስ ደሙ ’ኮ’ለና ዘይተሓጽበ ስረ

 

ከመይ ዘይንምለስ………….

ኣለዋ’ኮ ’ዴታት ስንቂ ዘቐበላ

ተጋጊኹም ህግደፍ ኣይፋልኩምን ዝብላ

ኣለዉ’ኮ ’ቦታት ብሴፍ ዝደበሉ

ህግደፍ ጠሊሙዎም መሃይኦም አሉ

 

ከመይ ዘይንምለስ…………..

ኰረሻ ጌርካዮ ዝባን መንእሰያት

ህግደፍ ዓመጸኛ መኻዚኖ ሓጥያት

ከመይ ዘይንምለስ ደቂ ነብሪ’ናብስ

ሰለም ስኢንናዮስ ንስኻ ክትድቅስ!

ከመይ ዘይንምለስ……………

ብቕልጽም ንቃለስ ብሕጊ ንፈርድ

ደይብና ጸኒሕና ብሰላም ንወርድ

ህግደፍ ደምሲስካዮ ’ቲ ዝነበረና

ብዙሓት ከለና ሒደት ተመዚንና

 

ከመይ ዘይንምለስ…………..

ተመሊስና ’ንዲና መምበር ዓዲልናካ

ደቂ ገርሂ ልባ ዓያሹ ረኺብካ

ታሪኽ ገናጺልና ኩሉ ረኺብናዮ

ውሻጠ ናይ ዲያብሎስ ተመኲሮ ዋህዮ

ከመይ ዘይንምለስ…………….

ካርሸሊ ንዓኹም ንዓና ዳስ ፍቕሪ

ከስዐ ተቓለስቲ ንሱ’ያ ትፈሪ

ኣብኣ ትጸንሓኩም ዓንቀፍቲ ታሪኽና

ክንደይ ከይሰደኩም ውሕጅ ደም ህዝብና

ከመይ ዘይንምለስ………………

ከመይ ዘይንምለስ እንዳበለልና ዕሰል

ስመር ጭርሖና ንቃለስ ንመሰል

ከመይ ዘይንምለስ ኣኺሉ ኣለዳ

ክትራኸብ’ያ’ደ ክትልሕስ ውሉዳ።

ረ.ክ. (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Habte Kifle January 1, 2014

    Dear Bashay,
    Well said!! Excellent poem!!
    Let us keep it up untill the bandits are wiped from our Holly Land!! A land of our martyrs and our Honest Heroes!!

  • aberhane January 2, 2014

    ይበል ይበል ወኒ ዘበረብር ውርዙይ ስራሕ ረድኢ ባሻይ። ብድሕሪዚ ኣኸለ። እዚኣ ትኹን ዕጥቕና ንመለስ ንገስግስ።። ዓጽምኻ ትኽበር ዝሓወይ ክብረት ይሃበልና። ምሃረና ወስኸና ኣበራብረና ኣጆኻ ኣJኦና

  • Mesinas January 2, 2014

    ርእይቶ፥

    ዝኸበርካ ሓው ቃናዪ (ገጣሚ) ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ብመጀመርያ ርሑስ ልደት፡ ዓመተ ፍትሕን ቅሳነትን ርሑስ ሓድሽ ዓመት እምነየልካ። ቀጺለ፥ ኣብዛ ኣብ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ኣሰና ኣቕሪብካያ ዘለኻ ናዕታ፡ ሕውነታዊ ርእይቶን ምኽረይን ከካፍለካ ፍቐደለይ? ቅድሚኡ ግን ስለ’ቲ ብቐጻሊ ኣብ ቓልሲ ሓርነትን ኣብ ምምዕባል ቋንቋናን ትገብሮ ዘለኻ ሓያል ኣበርክቶ ብልቢ ከመስግነካን ከድንቐካን። ብዝልዓለ ኪትቅጽሎ ድማ በዚ ኣጋጣሚ እላበወካ። ክቡር ሓው ባሻይ፡ እዛ ሎሚ ዓለቐይ (ርእይቶይ) ዝህበላ ዘለኹ “ኣለዳ’ ማለት ወጋሕታ ዘርእስታ ግጥምኻ፡ ብኣቀራርባኣን ትሕዝቶ መልእኽታን ከም ወትሩ ንእድቲ ግጥሚ’ያ። ከምኡውን እቲ ግጥሚ ንክትጽሕፈሉን ኣንባቢ ንክርደኦን ኣዝዩ ዝቐለለ ቅዲ ማለት ክልተ ረምታ ስለ ትጥቀም፡ መልእኽትኻ ኣብ ምትሕልላፍ ርሒብ ዕድል ኣሎካ። እዚ ዝዓበየ ብልጫ’ዩ።

    እምበኣርከስ ንሎሚ ዘሎኒ ብወገነይ ንጽፈት ግጥምኻ ምጡን ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል’ዩ ዝብሎ ሓደ ክልተ እርማት ወይ ድማ ርእይቶ ክህበካ ፍቐደለይ። ንስኻውን ኣብ ብተመሳሳሊ ኣነ ኣብ ዝጽሕፎም ራዕታታት ይኹኒ ካለኦት ጽሑፋት ዓቕምኻ ዝፈቕዶ እርማት ክትህበኒ ማለት ብልፍንቲ ክንሰርሕ ኣቐዲመ እላበወካ። ምኽንያቱ፡ ኣነ ዝፈልጦ ንኣኻ፡ ንስኻ እትፈልጦ ድማ ንኣይ እናተኣራረምናን እናተመላላእናን ነቲ ሓደ ዕላማና ሓርነትን ምዕባለ ቋንቋናን ንምዕዋት ክንሰርሕ ስለ ዝግባእ። በል ናብተን ብወገነይ ክእረማ ኣለወን ዝበልኩወን ስታንዛታት ራዕታ በብሓደ ቀጺለ ከቕርበን ክፍትን፥

    “ሰብ ኣደራሽ ኢና ሰብ መደበ ንእዲ
    ዝባን ሕጊ ልምዶም ኣብ ኣሬባ ዓዲ”

    ኣሬባ ማለት ባሻይ ምስ ዳኛ ዚቕመጡ ነባሮ ወይ ድማ ንዳኛ ዘማኽሩ ሽማግለታት ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብዛ ናዕታ ትርጉማ ከመይ ኣላ ትብል? ዋላ’ኳ ብዙሕ ናይ ትርጉም ፍልልይ እንተዘይብላ ምጥዓም ግን ኣብያትኒ። እስከ ደጊምካ ረኣያ?

    “ከመይ ዘይንምለስ እንዳበልና ዕሰል
    ስመር ጭሖና ንቃለስ ንመሰል”

    እንዳበልና ኣብ ክንዲ ምባል እናበልና ኪብሃል ይግባእ! ምኽንያቱ፡ እንዳ ንዋንነት ጥራይ ስለ ዘመልክት። ንኣብነት፥ እንዳ ባሻይ እንዳ መሲናስ ወዘተ. ክንብል ንኽእል።

    “ከመይ ዘይንምለስ ደቂ ነብሪ’ናብስ
    ሰለም ስኢንናዮስ ንስኻ ክትድቅስ!”

    ነብሪ’ናብስ እዚኣ ብጭረት ክትፍለ ኣይግብኣን’ዩ። ነብሪ፡ ኣናብስ ተባሂላ፡ ተፈላልያ ክትጽሓፍ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ንስም ብጭረት ክንቆርጾ ስለ ዘይፍቀድ።

    “ታሪኽ ገናጺልና ኩሉ ረኺብናዮ
    ውሻጠ ናይ ዲያብሎስ ተመኲሮ ዋህዮ”

    ዋህዮ ማለት ንእሽቶ ለቘታ ወይ ድማ ናይ ሓደ ውድብ ንእሽቶ ክፋል ኣሃዱ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብዛ ናዕታኻ እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ? ተመክሮ ህግደፍ ንእሽቶ ኣይኮነን።

    “ዘበን ግርምቢጥ’ዩ ማይ ንዓቐብ ኰይኑ
    ሰብ ኪዳን ጥራዮም ከዳዕ ተኸዲኑ”

    ጥራዮም ማለት ትሕዝቶ ዘይብሎም ወይ ድማ ንውልቆም ማለት’ዩ። ጥራሖም ማለት ከኣ ክዳን ዘይለበሱ ጥራሕ ነብሶም ማለት’ዩ። ክልቲኡ ትርጉሙ ይፋለለ’ዩ ባሻይ፡ ብልምዲ ግን ንሓዋውሶ ኢና። ስለዚ፡ ናዕታኻ “ሰብ ኪዳን ጥራሖም ከዳዕ ተኸዲኑ” ክትከውን ኔሩዋ። ጥራዩ ማለት ጥራይ ኢዱ፡ ወይ ንውልቁ ማለት ክኸውን ከሎ፣ ጥራሑ ማለት ድማ ጥራሕ ነብሱ ክዳን ዘይለበሰ ማለት’ዩ።

    “ከመይ ዘይንምለስ ኣኺሉ ኣለዳ
    ክትራኸብ’ያ’ደ ክትልሕስ ውሉዳ።”

    ክትልሕስ ውላዳ ንእንስሳ ጥራይ እዩ ዝምልከት። ንሰብ ድማ ክትስዕም ውላዳ ኢና ንብል። ኣብ ርእሲኡ ክልተ ጭረት ክልተ ቃላት ብምልጋብ ደራሪብካ ኣለኻ፡ ማለት፡ “ክትራኸብ’ያ’ደ ክትልሕስ ውሉዳ።” እዚውን ብሕጊ ሰዋስው ኣይፍቀድን’ዩ። “ክትራኸብ’ያ ኣደ ክትስዕም ውላዳ።” ኪኸውን ኔሩዎ በሃላይ እየ። ብዝተረፈ ሓው ረድኢ ክፍለ ደጊመ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ብምምናይ፡ ኣብ ቀጻሊ የራኽበና ዝብለካ ሓውኻ ተ/ማርያም ገረሱስ (መሲናስ) እየ።

    “ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!”

    ርሑስ ልደተ ክሩስቶስን መቕሰኒና ዓመተ ሓርነትን ይግበረልና! ኣሜን!!!

    ካብ ሓውኻ መሲናስ 02-01-2014

  • Redi Kifle (bashay) January 2, 2014

    kibur mesinas,

    abti riiytokha bzuh kibehal yikeal iyu. Nay Quanqua liqawinti kof ilom ztemaaekele azerariba kimihruna yikeal iyu. ilamay intay kibl kem zidelekhu terediayo. mlhas nlam kem mikhuanu atsebikhe yifelt iye. Gin ade kisa kindey fqar mikhuana kigelts sile zidelekhu iye. nigiziu abti message malet melikhti inteatekorka mefetekhu. abti kali zibelkayo ewn riiyto aleni gin nriiytokha ykhbro iye.Ilamay kitridiani gin yilabeweka. indihiri ttsabatsibka hadarey keteresiani ikha imo nabti ilamna netekur nigizieu izi hawey.Niabinet areba bayto malet iyu.Ziban higi mibal misu aykeydn diyu? bzikhone Rihus aude amet niakhan nibetesebkan.My dear brother, I am sure you have understood the message. Editing is a different story. we can come from different corners and measure to come up to relatively compromised conclusion.Thank you.

    Niritokha yeqeniyeley,

    Hawikha Bashay

  • ER ITRAWIT January 2, 2014

    Dear Redi,
    Kemey zeynmles Knmles ena Kubur haw Eritreana Jeganu keydom Jeganu alekum teweledom eyo ajoka Kemey zeynmles knmles ena!!!!!!!!!!!!!!!

  • waEro January 4, 2014

    I am glad to see two good tgrina writers learning from each other. We are also learning. Keep up the good work.

  • Mesinas January 4, 2014

    ሓው/ሓብቲ ዋዕሮ፡ ስለቲ ዕላማና ብግቡእ ተርዲእካ/ኪ ዝሃብካዮ/ክዮ ርእይቶ ብልቢ አድንቀካን/ክን አመስግነካን/ክን። ምኽንያት ብቕሉዕ ምንቕቓፍና ዕላማኡ ንሕናን ኣንበብትናን ብሓባር፡ ናይ ቋንቋ ኣፍልጦና ንምዕባይ እዩ። ንስኻትኩም ኣንበብቲውን እትፈልጡዎ እርማት ክትህቡና ተስፋና ልዑል’ዩ። ደጊመ ሓው/ሓብቲ ብልቢ አመስግን።

POST A COMMENT