Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ካልኣይ ክፋል)

ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ካልኣይ ክፋል) እዚ ጽሑፍ፡ ኣብዚ ብዘይካ ጠንቂ ናይዚ ሓዘን ዝኾኑ ውሑዳት ሰብ ገበንን ከምኡውን ከም እንስሳ ክምርሑን ክግርሑን ባህ ዝብሎም መጣቓዕትን እንተዘይኮይኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ይጽሓፍ ብምህላዉ፡ ብመጀመርያ

ኣሕዋት ኤርትራውያን!
(ካልኣይ ክፋል)
እዚ ጽሑፍ፡ ኣብዚ ብዘይካ ጠንቂ ናይዚ ሓዘን ዝኾኑ ውሑዳት ሰብ ገበንን ከምኡውን ከም እንስሳ ክምርሑን ክግርሑን ባህ ዝብሎም መጣቓዕትን እንተዘይኮይኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ይጽሓፍ ብምህላዉ፡ ብመጀመርያ ነቶም ካብ ገሃነም ኣምሊጦምን ዓቐን ኣልቦ መስገደል ሰጊሮምን ናይ ባዕዲ ብርሃን እናኣማዕደዉ፡ ብሃንደበት ኣብ ማዓሙቕ ባሕሪ ብከንቱ ዝጠፍኡ ህጻናት፡ ኣደታት፡ ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ደጊመ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም! እናበልኩ፡ ነቶም ይቕረብ ይርሓቕ መቕርቦም ዝተቐዝፎም እሞ ሬሳኦም ኣብ ዓዶም ሓመድ ኣዳም ኣልቢሶም ዘይቀበጹን ብግቡእ ሓዚኖም ዘይተደበሱን ወለዲ፡ ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያንውን ደጊመ ጽንዓት ይሃብኩም እብል።
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕልና ዘሎዎ ሰብ፡ ንበኣስን ዕግርግርን ምስ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ኣዕቆብቲ፡ በቲ ዝገበሩዎ ሓገዝ ይውሓድ ይብዛሕ ምትሕብባሮም ጥራይ ክምስገኑ’በር ክኽሰሱ ከም ዘይግብኦም ገሊጸ ኔረ። ንሎሚ ድማ ካልአይ ክፋል ናይቲ ጽሑፍ ይቕጽል፥
እቲ ንዓመታት ‘ሎሚዶ ጽባሕ ይዘንብ’ እናበልና ብሃንቀውታ ንጽበዮ ዝነበርና ሰርቢ፡ ኣብ ግንቦት 1991 ብሃንደበት ክዘንብ ምስ ጀመረ፡ ድሕር ደጊም ኣኸዛ ክኸውን’ዩ! ንመሬትና ራሕሲ፡ ንማልና ጠጥዒ ስለ ዘይስኣን፡ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ ተባሂሉ፡ ደኳዕኳዕ ኣቢልና ዝሓረስናዮ ሽዕበት (ማይ ዝጸገበ ስቡሕ መሬት) ብምህርቱ ከብድና መሊእናስ ነቶም ኣብ ግዜ ትቅሳም (ቀውዒ) ኣብ ዓውድታትና ቅልቅል ዝብሉ ስደተኛታት ኣሕዋትናውን ኣብ ክንዲ ሓደ ንፍቂ (ኣርባዕተ ርብዒት) ክልተ ንፍቂ ብምሃብ፡ ንሳቶምውን ጸጊቦም ከም ዝሓድሩ ክንገብር ኢና በልና’ምበር ከምዚ ጌሩዶ ሮሶብ (ጸሊም ደበና) ብወቕዒ በርቅን በረድን ጨፍጨፉ፡ መሬትና ብምብዳም፡ ካብ ዓድታትና የሰድደና ኢልና!? ነዚ ዝሓሰበን ዝተጸበየን ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ናጤባ’ዩ።
ኤርትራውያን ጌና ሕጂውን ካብ ሕሉፍ ጉድለትናን ጌጋናን ዝተማሃርና ኣይንመስልን። ምኽንያቱ፡ ሎሚውን ከም ወትሩ፡ ናይ ውሽጥና፡ ማለት ናይ ገዛእ ርእስና ጉድለትን በደልን ሓቢእና፡ ናብ ካልእ ምውጥዋጥ ኣይገደፍናዮን! እዚ ዘለናዮ ኩነታት ከኣ ጠንቁ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕመቕን ጉድለትን ግልጺ ብምግባር፡ ነቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ኣእላፍ ፋህማትን (ለባማትን) ዓበይቲ ዓድን ጉድለታትና ንኽእርሙን ንኽመኽሩን ዕድል ስለ ዘይሃብናዮም’ዩ ኩሉ ተባላሽዩና ዘሎ! ብኣንጻሩ ሕመቕና ንምሽፋን፡ ዋላ ኣብ ደምበና እንተ ተዓንቀፍናውን ናብ ኣመሪካን ወያነን ብምውጥዋጥ፡ ብሰንኮም’ዩ ክንብል፡ ቁስልና ንዓመታት ስለ ዝሓባእና፡ ሎሚ በልዝዩ (በሽራዕራዕ ኢሉ) ኣብዘይሕከመሉ ደረጃ ብምብጽሑ፡ ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ዝብሃል ግዜውን እንተኾነ፡ ኣብ ታሪኽና ጌርናዮ ዘይንፈልጥ፡ ናብ በረኻታት ትግራይ ተሰዲድና፡ ቴንዳ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ምጽወታ ከም ንነብር ጌሩና ኣሎ።
ስለዚ ንሕና፡ ከምቲ፥ “ቅኑዓት መሰኻክር ሓደ መልሓሶም፡ ፍቑራት መጻምዲ ሓደ መልሶም!” ዝብሃል፡ ነጋሪትና ሓቂ ከይሸፈነት ብጋህዲ፡ ሓንቲ ቃል ከተድምጽ ኣለዋ በሃላይ እየ። ምኽንያቱ፡ ሓቂ ኣብ ብርሃንን ጸላምን ሓንቲ ስለ ዝኾነት። እዚ ተበግሶ’ዚ ኸኣ ደጋፍን ተቓዋምን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ደላይ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት’ዩ። “ተጠንቀቕ ዚብለካ ፈታዊኻ፡ ኣጆኻ ዚብለካ ወደቦኻ!” ካብ ዝብል ምስላ ወለድና ብምብጋስ ከኣ ኣነውን ከም ሓውኹም መጠን፡ ንበኣስን ንነገርን ኣጆኹም ዘይኮነስ ንዕርቅን ሰላምን’የ ተዓጠቑ ክብለኩም ዝደሊ። “ዓሻ፡ በትሪ ለባም፣ ድኻ፡ ጉልበት ሃብታም!’ ከም ዝብሃልውን መሳርሒ ተበለጽትን ሞራ (ምልምል ስላዕ) መላኺን ከይትኾኑ ሓደራ ተጠንቀቑ! እወ፡ መፍቶ ሓንከርቲ ከይትኮኑስ ብልቢ ከተስተውዑሉ ከም ዘለኩም’የ ደጊመ ደጋጊመ ከዘኻኽረኩም ዝደሊ። ከምቲ “ከይኮነ ለብም፡ ከይተሰብረ ጸግን!” ዝብሃልውን ብኣግኡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ኣካይዳና ነማዓራሪ በሃላይ እየ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። ከምቲ “ዘይስንኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ!” ዝብሃል፡ ኣብ ገምገም ሩባ ጠጠው ኢልካ፡ ነቲ ህይወቱ ንምድሓን ምስ ውሕጅ ዝቃለስ ዘሎ ሰብ መክቶ! ምባል ቀሊል ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይዘንጋዕኩዎን። ግን ግዜ፡ ቦታን ኩነታትን ከተዛምዱ ከም ዘለኩም’የ ርእይቶይ ዝህብ ዘለኹ።
ክቡራት ወለደይ፡ ኣሓተይን ኣሕዋተይን፡ ግዳይ ናይ ክልተ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ዝህባ መድያታት ከይትኾኑውን ተጠንቀቑ! ምኽንያቱ፡ “ጃልባን ንፋስን ዝበኣሳ፡ ባሕረኛ ንኸጥፍኣ!” ከም ዝብሃል፡ እታ ሓንቲ ደጋፊትኩም፡ እታ ሓንቲ ድማ ተጻባኢትኩም መሲሉኩም፡ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ብትሰምዑዎ ወረታትን ሓበሬታታትን ተደናጊርኩም፡ መገድኹም ከይትስሕቱ ሓያል ጥንቃቐ ከድልየኩም’ዩ። እቲ ክሕግዝ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከኣ ነቲ ትፈልጡዎ ሓቂ ኣራቢሑ ብምግላጽ ዘይኮነስ፡ ንበደልኩም ማለት ንቑስልኹም ዝፍውስ ኣሶት (መድሃኒት) እንተሃበ’ዩ ሓጊዙ ክበሃል ዝከኣል። ብቐንዱ ግን ከምቲ ደራሲ ዮናስ ሃይለ ዝበሎ፥ “ህይወትካ ኣብ ውድቀት ኣብ እትርከበሉ እዋን፡ እቲ ብምስትውዓል ክትሓስበሉ ዘለካ ጉዳይ፡ ሰባት ዘይሓገዙኻ ከይኮኑ ዘይኮነስ፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ዘይሓገዝካያ ከይትኸውን ምጥንቃቕ’ዩ!” ስለ ዝኾነ ኸኣ ትጽቢትኩም ካብታ ኣብ ዝኾነ እዋን ክትጠልመኩም ዘይትኽእል ገዛእ ርእስኹም ደኣ’ምበር ካብ ካልኣይ ኣካል ኣይኹን። ብተወሳኺ ከምቲ ግዜጠኛ ኦፕራ ዊንፍረይ ዝበለቶ፥ “ንገዛእ ርእሰይ ከረጋግጸላ ዘለኒ ነገር ብዙሕ ኣሎ፤ እታ ቀዳመይቲ ግን ብዘይ ፍርሒ ክነብር ምኽኣል’ያ!” ብምባል ናይ ኩሉ ጉዕዞ ኣፍላ (መጀመርያ) ትብዓት ምዃኑ ኣተንቢሃ። ብሓቂ ንነብስና ካብ ፍርሂ ናጻ ክንገብራ ክንክእል ኣለና። ፍርሂ ንሓይልኻ ኣምኪኹ ኣእምሮኻ ስለ ዝደፍን።
ኤርትራውያን፡ ብሓቂ ብሓቂ ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ብዓይንና ዘይኮነስ ብልብና ክንርኢ’ዩ ግዜ ብህጹጹነት ዝጠልበና ዘሎ። ምኽንያቱ፡ እዚ ብሓንቲ እግሩ ኣብ መሬትና ደው ኢሉ፡ ኣብ ገደል ኣንጠልጢሉ ዘሎ ዓምቢ (ብደዉ ዝቦኽቦኸ ቆልቋል) ሕጂውን ካልእ ሄባል (ህውከት) ንምፍጣር፡ ምስታ ርጉእ መንግስቲ ዘይብላ ብባሕሪ እትዳወበና ጎረቤትና ዝኾነት ሃገረ የመን ይታዃቶኽ ከም ዘሎ ይዋዛዕ (ወረ ይብተን) ኣሎ። ገለ የዋሃት ከምቲ ይኸውን ተባሂሉ ብማዕከናት ዜና ዝግለጽ ዘሎ ‘የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ክሊ ባሕሪና ኣትዮም ዓሳ ስለ ዝገፈፉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ሉኡላውነት ባሕርና ንምኽባር ኢሉ ዝኣሰሮም ዝመስሎም ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እዚ ቂመኛ ጉጅለ’ዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ምስ ጅቡቲ ዝገበሮ፡ ሎሚውን ምስ የመን ዝደግሞ ዘሎ ምትኹታኽ፡ ካብ ሰራዊትና መራኽብ ሒዞም ባሕሪ ብምስንጣቕ፡ ናብ የመን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስለ ዘለዉ፡ መንግስቲ የመን ኣሲሩ ከቐብሎ ሓቲቱ ስለ ዘይሰለጦ’ዩ ተቐይሙ ዝጻብኦም ዘሎ።
ሓንቲ መዓልቲ ኸኣ ከምቲ ኣብ 1998 ዝተኸስተ ሃንደበታዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምስ የመንውን ከምኡ ብሃንደበት ነጋሪት ኲናት ከርድኣና ምዃኑ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ነገር እዩ። ነቲ ለዋህ ከም እንስሳ ዝቖጽሮ ፈታው ሃገሩ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ከም ኣመሉ፡ ኣብ ዝኣጎዶ ሓዊ ንኽጠብሶ፡ ‘ሃገርካ ተወሪራ!’ ብምባል፡ ‘ክተት!’ ክብሎ’ዩ። ስለዚ፡ እዚ ከይኮነ ከሎ፡ ሎሚ ኣብ እዋኑ፡ ስጉምቲ ክንወስድ ናትና ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሓላፍነት’ዩ። ሙዃን ጃንዳ ህግደፍ ነዚ ህዝቢ ከም እንስሳ ርእዩ ብኣጋባብ እንስሳ፡ ማለት ብጥምየት ከይመቶ፡ ቁንጣሮ እኽለ ማይ ፈይ እናበለ፡ ኣይምውት ኣይስሩር ጌሩ፣ ብሕማም ከይመቶውን ውሱን ሕክምናዊ ረድአት ሂቡ፣ ብገደል ጸዲፉ፡ ሰንኪሉ ዓዲ ውዒል ከይኮኖ ኸኣ መገዱ ጸሪጉ፣ መልእኽቱ ወይ ድማ ትእዛዙ በቲ ዝደልዮ መገዲ ወይ ኣጋባብ መታን ክፍጽመሉውን ኣብ ሳዋ ገሪሑ ወይ ድማ ዓሊሙ፡ ብዘይክፍሊት፡ ብፍርቂ ከብዱ፡ ያላ ውፈር’ንድዩ ዝብሎ ዘሎ። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገበረሉ ነገር ኣሎድዩ?
እንስሳኸ ዝተኣዘዞ ክፍጽም እምበር ምርጫኡ ክገልጽ ይፍቀደሉድዩ? ብዛዕባ’ቲ ዝነብረሉ ዘሎ ደምበ’ኳ ሓበሬታ ይኹን ምኽሪ ዘይዋሃቦ። እንስሳ ከም ዝገበርካዮ ጥራይ እኮ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ጸላኢ ክመጸካ ከሎ ሓዞ ትብሎ፡ ተናኺሱ ወይ ተራጊሑ ተጻባኢኻ ይከላኸለልካ። እምበኣርከስ ህግደፍ ብኸምዚ’ዩ ንህዝቢ ኤርትራ ዝመርሖ ዘሎ። ወረ ደሓን ተጸዓነና ንውደን፡ ተራግሑ እንተበለና ንራጋሕ፡ እዚ ኹሉ ምእንቲ ዕብየትን ብልጽግናን እታ ብኣእለፍ ጀጋኑ ሰማኣታትና ዝተረኽበት ፍቕርቲ ሃገርና ን23 ዓመታት ብዘይቶግላባነት ፈጺምናዮ። ከም እንስሳ ግን ካብ ጸሓይን ዝናብን ተዕቅል ምችእቲ ደምበስ ይትረፍ፡ ዋላ እናኮርኳሓትና ኣስተርሒና ንድቅሰላ ደምበኸ ረኺብናዶ ኣሎና? መልሱ ንልቢ ኩልና እገድፎ።
ህግደፍ ጽርግያ ብምስርሑ፡ ቤት ትምህርታት ብምህናጹ ወዘተ. ‘ሃገር ይሃንጽ ኣሎ’ እናበሉ ከማላኽዕዎ ዝፍትኑ ሰባት ንሰምዕ ኢና። ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ክብሃል ይከኣል’ዩ፡ ኣርእስትና ከይገፍሓና ግን ንሎሚ ክንሰግሮ። ቃቤላ፡ ማለት ዓንዲ ማእከል ትምህርቲ ግን ቅሳነትን ተስፋን ምዃኑ ከነዘኻኽሮም ንደሊ። ቅሳነትን ተስፋን ህዝብና ከኣ ጃንዳ ህግደፍ ኣቐዲሙ ቀቲሉ፡ ቀቢሩወን’ዩ። ዓሰርተ ግዜ ስርዓተ ትምህርቱ (curriculum) ዝቀያየር፡ ኣየውፍር ኣየአቱ ዓይነት ትምህርቲ፡ ብብግቡእ ናይ ኣማሃህራ ኣጋባብ ዘይቀሰሙ ኣገልግሎትን ብኣብ ሃገሮም ካብ ስራሕ ዝተባረሩ ብቕዓት ዘይብሎም ህንዳውያንን፡ ነቲ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩስ ኣበይን ንኽንደይን ኮን የገልግል ይኸውን ኢሉ ሓንጎሉ ዘናውጽ ዘይቅሱን ተማሃራይ፡ ኣብ ሓደ ሃንገር ኣኪብካ፡ መቓልሑ ምስ መንደቕ ተጋጭዩ ናባኻ ክሳብ ዝምለስ ዓንገረር እናበልካ ‘ይምህር ኣለኹ’ ምባል፡ ላግጺ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ብኸምዚ ኸኣ ሃገርና እከለ ኣሎ ዩኒቨርስት ዝወደአ ምሁር ኢላ ትጠቕሶ ዜጋ ዘይብላ፡ ጻንታ ጌሩዋ ኣሎ።
ኣብ 3ይ ክፋል ይቕጽል፥
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-11-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas November 2, 2013

    ልዕሊ’ዚ ሸሞንተ ዓንቀጻት ዝሓዘ ጽሑፍ፡ እዛ ኣሰንያቶ ዘላ ቅብኣ ትዛረብን ትገልጽን ኣላ። ብልብና’ሞ ንርኣያ። ንኡድ ሞያዊ ስራሕ ኣሰናውያን!

POST A COMMENT