Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣመል ምስመግነዝ !

                          ኣመል ምስመግነዝ !     01. 01. 2015. ኣብዛ ዳሕራይ ዘይትድገም መወዳእታ መዓልቲ 2014 ኴይነ ንመላእ ዝብቢ ሃገርናን ዓለምን “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” ክብል እፈቱ። ብልምዲ ንበሎ ብባህሊ ከምዝዝውተር ናይ መወዳእታ ዕለት ናይታ ትወጽእ ዓመት ካብገዛኻ ኣይውጻእን ኢዩ ይበሃል። ክውጻእ

                          ኣመል ምስመግነዝ !     01. 01. 2015.

ኣብዛ ዳሕራይ ዘይትድገም መወዳእታ መዓልቲ 2014 ኴይነ ንመላእ ዝብቢ ሃገርናን ዓለምን “እንኳዕ ኣብጸሓኩም” ክብል እፈቱ።

ብልምዲ ንበሎ ብባህሊ ከምዝዝውተር ናይ መወዳእታ ዕለት ናይታ ትወጽእ ዓመት ካብገዛኻ ኣይውጻእን ኢዩ ይበሃል። ክውጻእ ኣድላ ይ እንተኾይኑ ኣብ ሰዓት ፍርቂ ለይቲ ዝግበር ስነ-ሰስርዓት ስንብታ ዝሓለፈት ዓመትን ምምርሓብ ዝሓደሰትን ኢዩ’ቲ ልሙድ። እዚ እ ቲ ብንኡስና ብምኽንያት ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ዝብላዕ ናይ ጋዓት ‘ግብጃ’ የዘክረኒ።

ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ከምቲ ዝተታሕዘ መደብ ኣብ ምሸት ናይታ ድሮ መዓልቲ ዛዛሚት ዓመት ተሓዲሱን ረጊኡን ናይ እንዃዕ ኣብጻሓና መልእኽቱ ከስምዕ ኣብ ሰዓቱ ከምተቐልቀለ ርኢኽሞ ኢኹም። ከይተኸስአ፡ ከይሓንገደ ምም ጽኡን ከይኮርነፈ፡ ከይነብሐ መልእኽቱ ምምሕልላፉን ገለ ካብቲ ነቲ ሓታቲኡ ጋዜጠኛ ኮነ ንተዓዛቢ ዝሓደሰ ተርእዮ ኮይኑ ሓሊፉ።

ንሱ ከምቀደሙ ክምድር እንከሎ ንሕና ድማ ከምቀደምና ኣብ ቅድሚኡ ተኾዲምና ነበርና።  ከምቲ ናይ ኩሉ ጊዜ ንሕና ስለ’ቲ ወግዒ ሓድሽ ዓመትድኣ ተኣኪብና’ምበር ካብ ዘረባኡ ዝኾነ ሓድሽ ነገር ኣይተጸበናን። ንሱ ድማ ከምቀደሙ ዝኾነ ዝቕይሮ ነገር ከምዘየለ ጥራ ይ ከምቲ “ላም ኣላትኒ ኣብ ሰማይ ጸባኣ ዘይርኣይ” ከምዝባሃል፡ በታ ምሸት ከም ጸወታ ጭርጭር ዓበደ ናይ ክልተ ጎራሓት ዝዓይነቱ ኣ ተሓባባእን ኣቀላላዕን ተጸመድና። ፍልልይና ንሱ ብክፍኣት ልቡ ዝኸሓነ ንሕና ብቕንዕና ዝተዛነና። ክሳብ መወዳእታ ነቲ ዓመት መጸ ዝ ደጋግሞ ኣብሖን መታለልን ቃላቱ ከይተሰከፈ ክንስንሶ ምስምዑስ ክጥዕም! ካልእ መገዲ’ኮ የለን።

ማንም ከይደለዮ ብዓለማዊ ኩነታት ዝጀመረ መራሒ መኣዝንና ከስሕተና’ምበር ንዓና ኣገዳስነት ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ቀንዲ መልእኽቲ ዛዕባኡ ድማ ነቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝውሕዝ ዘሎ መቃልዒ ዘይርጉእነት ስርዓቱ ምንም ከይቀጨጮ ንቡር ሂወቱ ይሰርሕ ከምዘሎ ን ምምሳል ዝዓለመ ኢዩ። በቲ ዘኻዕበቶ ብዙሕ ናይ ኣገዛዝኣ ብልሓት ኣየኖት ኢየን’ተን ናይ መታለልቲ ቃላት ንምማየን ብዙሕ ዘየጸግም ’ዃ እንተኾነ ብዛዕባ ኩሉ ንምጽሓፍ ግና ኣይከኣልን። ከመይሲ ኩላ ንሱ ዝጠቕሳ ንገለ ህልኪ ዝዓለመት ስለዝኾነት ግድን ድማ ምሽጥሩ ዘዝፈለጠ ምስኡ ምሕንባስ ኣሎ። ብሓሶት ምቑጣዕ ብጥልመት ምኽዓብ ማለተይ ኢየ። ዘይምፍላጥ ቅሳነት ዝኾነሉ እዋን’ኮ ኣይውሑድ ን ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ገለ ካብቲ ክወቕዖ ዝደለየ ዓላማን ምናልባሽ’ውን ዝተዓጀብናሉን ኮይኑ ዝተሰማዓና ከምቲ ንሱ ብዙሕ ምትንታን ከምዘጽልኦ ዝገለጸ ንሕና‘ውን ቅጭ መጺእና እንከሎ ኣዝዩ ብዝሓጸረ መልክዑ ንብሎ ከምዘለና ክገልጸሉ ምፈተኹ።

መራሒና ቅድሚ 5 ዓመታት በቲ ዝመረጾ ናይብሕቱ መገዲ ክሕንበብ ሓሊኑ 4ይ ማርሻ ከምዝደርገመ ገሊጽልና ነበረ። እንተኾነስ ሽዑ ብዝረኮዓ ማርሻ መኪናኡ ክሳብ ሕጂ ምንቕ ከምዘይበለት እናፈለጥና፡ እዛ ሓዳስ ዓመት ናይ ብሓቂ ናበይ ገጽና ክንነጥር ከምእንኽእል ወይ ክንከይድ ከምእንኽእል ከምተርእየና፡ ማለት 2015 ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋግረና ዓመት ምዃና ክገልጸልና ደፊሩ። እንተኾነስ ኣቐ ዲሙ ኣብዘን ክልተ-ሰለስተ ወርሒ ብዛዕባ ከረጋግጾ ዝደሊ ነገር ነቲ ዝዓበየ ትጽቢቱ ሓያል ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ድማ ኣብሪሁ። ስለዚ ጋዜጠኛ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ደጊሙ እንተሓቲትዎ ንጹር ስእሊ ናይዚሕጂ ደብዚዝዎ ዘሎ ምስሊ ከቕርብ ከምዝኽእል ኢዩ ገሊጹ።

እዚ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ’ዚ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እንታይ’ዩ ኣልዩ? ምናልባሽ ዶኾን ምስቲ ናይ ኢቲዮ ጲያ ምርጫ ዝተተሓሓዘ ገለ ነገር ኣልይዎ? ምናልባሽ ዶኾን ብሰበብ እዛ ዝሰለመት ነፋሪት ዝተተጠጅአ ውዲት ውግእ ኣልዩ? ምናልባሽ ዶኾን ከምቲ ዝሓለፈ መስርዕ ናይተን ካልኣይ ሳልሳይ ዝደረጃአን ማሽነሪታት ክንርኢ ኴንና? ምናልባሽዶኾን……

ኣይትትዓቡ!! ኢሳይያስ ዝበለ እንተበለ ዝእመን ኣይኮነን’ሞ ዋላ’ታ 2015 ብርግጽ መንጠሪትና ምዃና ምግላጹ፡ ንርእሳ ብቅድመኩነት ዝ ተቀየደት ስለዝዀነት ኣብ ክንዲ ናይ ኣሸበሸብ ተኣምር ንጥራ ንጽበስ፡ ክንዲ ካብ ወርቂ እናተጸበና ነሓሲ ወይ ጥራሕና ንተርፍስ፡ ባዶሽ እናተጸበና ነሓሲ ክንረክብ ሓላል ምዃኑ ንርዳእ። ንነገሩ ክንደይ ዓመት መጸ ኢና በቢዝበለጸት ዓመታዊት ኣቃጫጭ ክንታለል? ኣይዝከ ረኩም ድዩ ዓሚ ኣብ ኩሉ ዝነጠፈሉ ጽላት ዝኾነ ምዕባለ ከምዘየምጽአዶ ከይገለጸ? ሎሚድኣ ኣሻብና ቀላሲ ለውጢ ወኒንና?

ኣስተውዕሉ፡ መራሒና ኣብቲ ውዕሎ መጓሰ፡ ተጎሰይትን ተዓዘብትን ብዝቕበልዎ ዊንታ ንምብራቕ ከምዝወፍር ኣተስፍዩን ተበጊሱን ከመ ቅጽበት ንምዕራቡ ከምዝሰቱኽ ኩሉ ፈሊጥዎ እንድዩ፡ ምስቲ ኩሉ ነገር ብዘይ ናይገሊአን ሃገራት ጸቕጢ ባዕሉ ከምዝሰርሖ ዝገለጾ ብም ዝማድከ እንታይ ተዓዚብኩም? ድሓን ድማ በቲ ርኡይ ንምዝራብ እቲ ንዝና ተባሂሉ ዝንጠፈሉ ዘቤታዊ ህልኪ ብርግጽ መሳርሕቱ ብዘ ይ ፍታዎም መሳርሒ ጥራይ ብምዃኖም ነገራት ከምቲዝበሎ ብውልቁ ከምዝሰርሖ ከረድእ እንተዘይትዕብ ምሓሸ። ከምኣ ካብ መረጸ ግ ና ሓቁ። ፍትሒ፡ ተሓታትነት ሕጊ፡ ዝኣመሰልዎ ኣዕኑድ መንግስቲ ኣዳቒቑ ከምባህታኡ ከም ኲናት ይውልዕ፡ ሃገራውያን የባርር፡ ኣካላ ላት ሰብ ይሸይጥ…..ብዛዕባ’ዚሞ እንታይ ይዝረቦ! እስከበሉ ገለ ቁንጣሮ ካብዛ ዘቕረባ ቃለ-መሕትት ንምጥቃስ ዝኣክል ክፍትን።

ንፖለቲካዊ መንነቱ ብዝምልከት እናተቓለዐ ስለዝመጸ ክጸጋግኖ ዝኽእል እንተኾይኑስ ክፈታትኖ ክብል ዓውሎማ ከምዘይኣምነሉ ገሊጹ  ምስ መን ከምዝኾነ ንዝሓቶ ዘበለ ድማ ምስኩሎም ከምዘይኮነ መለሰልና። በየናይ ቀልብና ከይንርድኦ ኢልና’ምበር እቲ ፍልስፍና ዓው ሎማ’ኮ ህዝቢ ብጥምየትን ኲናትን ከምዝሑቈን እሞ መረበቱ ዛሕዚሑ ከምዝስደድ ምግባሩ ጥራይ ኢዩ። መራሒና ኣብ ቤተመንግስቱ ብኾፉ ኣመሪካን ወያነን ካብ ሃገርና እንተሰጎጉናስ ሕጂኸ እንታይ ከነመኽኒ ይደሊ ኣሎ? ምስ ኩሎም ዘይምዃኑ እሙን እንተዝነብርከ  ጠቓሚናዶ? ዝገበረ ካብ መዓስ ነዲኡ ነገረ? ከምቲ ናይ 1970 ሰነድ ናይ ቃኘው መእተዊ ወረቐት ዲና ክንጽበ። ምናልባት ሲኣይኤ ምዃ ን ከምነውሪ ከምዝሕሰብ ብዝወጠኖ ፕረፖጋንዳዊ ዘመተ መግለጺ ንጽህናኡ እንተቖጺርዎ እቲ ቻይናውን መሰሉን መርበባዊ ጽግዕምግ ዕከ ውሁብዶ? እንተብሪእቶና ምስ ሓዲኦም ካብ ዘይኮነ ካብ ኩሎም ከናግፈና ድማ ኣኻእሎኡ ኣይረኣየናን። ህዝቢ’ኮ ኪኖ ፖለቲካዊ ሻ ርነቱ ብውልቁ ንዝፍጽሞ ሕሉፍ ትሕተ-ሃገራዊ ምልክነት ኢዩ ዘእውየሉ ዘሎ። እንተ’ቲ ጣቛ መዓልቱ በሊዑ ኮይኑስ ዕዳጋ የብሉን።

ለሚቑነ ከምቲ ልሙድ መዳህለልቲ ወራራት ተፈንየን ነይረን። ሓንቲ ካብአን ብዛዕባ ቅዋም ትምልከት ኢያ። መቸም ዓሚ ኣብ መዓልቲ በዓል ናጽነት ቅዋም ክነድፍ ምዃኑ ገሊጹ ከምዝነበረ ንዝክሮ ኮይኑ፡ ሎሚ ድማ ንእግረመገዱ ዘይእዉጅ ሞት ናይታ ገዲም ቅዋም ኢዩ ከይንጽበያ ምእንቲ ኣርዲእና። ነታ ሓዳስ ክትሰርሕ ዝተመዘዘት ኮሚተ’ውን ስራሓ ትሰርሕ ከምዘላ እንተዘይኮይኑ ዓይነታን መዓስ ከም ትውድእን ደባዲብዎ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ጣቛ’ዃ ተራእዩ ነይፈልጥ። ቅዋም መቸም ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ምርጫ፡ ባይቶ፡ መሰል፡ ምርጫ ፡ ማዕርነት ….ኢያ ትምገብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መሰላት ድማ ንወዲ ኣፎም ቀታሊኡ ኢዩ። ‘ሞ በሉ’ስከ ኢሳይያስ ዝፈትዋ ወይ ዘዳልዋ ቅ ዋምሲ እንታይ ዓይነት ኢሳያሳዊት ሰነድ ክትርእዩ ትጽበዩ? እምበርከ ሞት ናይታ ከይተኣወጀ ዝተቐብረት ገዲም ቅዋም ከምዛዋዛ ኣምሲ ሉ ካብ ኣርዳኣና ወያ ካብትጅመር ዓመት ከምዘቑጸረት ዝተሓሽሎኸላ ሓዳስ ቅዋሙ ድማ ኣይተአወጀን ኮይኑ’ምበር ሞታስ ድሮ ርጉጽ ስለዝኾነ ግድን ምእዋጁ ኣየድልየናን። ነገር ዕንኪላሎ፡ ከምቲ ዝበሎ ቅዋም ቁርኣንዶ ወንጌል ከቕርበልና ንጸበ?

ብዛዕባ ንምውሳኽ ደሞዝ ሰራዊት ሓሊኑ ዝተናፈሰ ወረ ንምብርዓን ዝመደሮ ተንኮል እንኮላይ ንጀነራላት ምክልኻል ዘላደደ ዳርባ ከም ዝኾነ ብሩህ ኢዩ። ከምቲ ኣብእዋኑ ንቡር ጀነራል ተኣልዩ ብሓድሽ ክትካእ እንከሎ ነቲ በዓል ሓድሽ መተርኣስ “ጠፋእካ” ዝበልናዮ፡ ሽ ዑ ተሃሚሉ እንተነይሩ ሎሚ ክጠፍእ ይቀራረብ ከምዘሎ ክስቆሮ ብማለት ኢዩ’ቲ ዘረባ። ንነገሩ ሓድሽ ጀነራል ፍሊጶስ ከምቲ ዝበሃል ብርግጽ ተጻራዲ ፕረሲደንት ዲዩ ኢደበይዛ? ከምቲ ኣብ ግዜ ሓለፋታት ዝተወርየ፡ ብዙሕ ግዜ ዘይተጨበጠ ፕረፖጋንዳ ጽርድነት ይና ፈስ’ዃ እንተኾነ ብግብሪስ ኣይከምኡን። ንበል ኣብ መዓልቲ ዛዛሚ ኲናት ብዘጋጠመት ሃንደበትነት ዕጥቂ ስብሓት ዘሊቓ ዕጥቂ መስፍነ -ፍሊጶስ ከምዝኸረረት ዝመስል ላሕኲ ደርጓዕጓዕ ኣጽሚምና ነበረ። መቸም ማንም ግሩህ ነቲ ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ዝፈጥሮ ናይ ንቁልቁል ፡ ንዓቐብ ኮነ ጋድማዊ ምፍጣጥ ስለዘየቕልበሉ “እዞም ብጾትን ደቂ ሓንቲ ዓድንስኒ መዓስ ኢዮም ዝሳነዩን ዝናጎዱን? ኢሉ እንተሓሰበ ን ቡር ባህሪ ግርህና ኮይኑ፡ እቲ ብገለ ሳዕቤናት ዘንቆልቆለ ዝምድናታቶም ብከቢድ ረብሓታት ስለዝምእዘን ዳግማይ ክጫነዉ ምርኣይ ድ ማ ንቡር ነገር ኢዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ንግዳዊ ውግእ ፍሊጶሰ- ውጩ ከምዝዓመረ ነበረ’ቲ ዝሰዓበ ኣክባር። ዝተሓቖነ ተ ሓቝኑ ሕጂ መሬት ኣብ እዚ ፍሊጶስ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ ንሱ ዓንቲሩ ግዲ መሬት ክፈሓትር ጀሚሩ፡ ንዝኾነ ደብዳበ ብዘይ’ቲ ናብ ፕ ረሲደንት ዝወሃብ ዝነበረ ቅዳሓት ክመጾ ከምዝኣዘዘ ተወርየ። ነዝን ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእን ሓድሽ ትንፋስ እምቢታ ዝሰኩዐ ዝመስሎ ም ምናልባሽ ከምእኒ መድረኻውያን ድማ ብኡነቶም ተስፋ ዕልዋ እንተኣልይዎም፡ ክቡር ፕረሲደንት ኢሱ ከኣ መደባቶም ንምብርዓን ምንም ከምዘይኮነ ከበሽር ክብል ንስዉራን ጉዳያቱ ዝበቅዕ ኣድቂቑ ዝሓሰቦ መደረ ኢዩ ኣብድሮ ሓድሽ ዓመት ዝደርጎሖ።

ሰራዊት ደሞዝ ክውሰኽ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ዓመትን መንፈቕን ክምለስ ምዃኑ፡ ታዕሊም ህዝባዊ ሰራዊት ክሽለል ከምዝኽእልን….. ንዝዓይነቱ ዘሰክፎ ነገር ንምብርዓኑ ዘቕረቦ መደረ ክልተ ዓላማታት ነይርዎ። በቲ ሓደ እቲ ሓድሽ ጀነራል ምክልኻል ብዝጀመሮ ጎስጓስ መነባብሮ ሰራዊት እንተኣመሓይሹ፡ እዚ ብመሰረቱ ምስቲ ቀንዲ ስዉር ዓላማ ንመተካእታ ኣልቦነቱ ዝተወጠነ መደብ “ሃገራዊ ባዶነት” ስለዝጋጮ ኣሸበሰብ ድማ ጀነራል ተቐባልነት ኣጥርዩ ከይሸብዕ ምእንቲ ኣቐዲሙ ከቘምጥዖ ስለዘለዎ ብነድሪ መን ተሓዝ ካሳ መንግስቲ ከምዝገበሮን መፍትሕ ከምዘረከቦን ኣምሲሉ ኣሸምቢብሉ ከይኣክል “ኣይተደናግር” ክብል ድማ ኣጠንቂቕዎ ኣሎ። በቲ ካልእ እቲ ኣብ ጽ ርግያ ከምዝተደርበየ ዝገለጾ ኣገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ምምላሱ ዘይኮነስ እ’ዃድኣ ዋላ’ቲ ብ’ማሞስ’ ዝወሃብ ስልጠና ግቡእ ቁምነገር ስለዘይተረኽቦ ድሕሪ ሕጂ ኣገልጋሊ ትኽ ኢሉ ኣብ ሰራዊቱ ክጽመድ ከምዝኾነ ኢዩ ኣብሪሁ ዘሎ። ባቃ ለውጥን ተጸበይቱን ቅበጹ!!

ከምዝፍለጥ እቲ ንይምሰል ዝወደሶ እቶት ርሁው ቀውዒ ኣይፍታዉን ብምዃኑ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ብጉልባብ ናይቲ ዘየለ ስግኣት ሃገራዊ ጸ ጥታ ድቁስ ሓይሊ የንቀሳቕስ ከምዘሎ ኣመኽንዩ ዕድመ ኮነ ጾታ ዘይፈሊ ግፋ ዝዓይነቱ ዓንቃፊ መንግስታዊ ግፈጣ ብዘይጥርጥር መርኣ ያ ናይቲ ንድኽነትና ዝዓለመ ዝኸፍአ ውጥን ናይ ንህዝቢ ብኸብዱ ምሓዝ ዝተጠበበ ብልሓት ምዃኑ ኣይተሳሕተን። ካብ መንግስታዊ ስራሕ ዝሓከለ መላኺ ነብሱ ኣብ መጓሰ ሰራሕተኛታት ዲጋ መዲብዋ ንእግረ-መገዱ ብኣዒንቱ ብጹሕ ምህርትን ዝተኾመረ ቅሚጦታት ን እናራአየ ክንዲ ብዝከኣል ዘበለ ባዶ ቆፎታት ክመልእ ዝጓየ ስግንጢር ካብ ማይ ቀውዒስ ኣንበጣ ቀውዒ ከምዝኸፍእ እናመሰለ ፈተና ዮ ጸላእናዮ ህዝቢ በፍንጫ ናብ መዓስከራት ክወርድ ከምዘለዎ ምእዋጁ ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነ ባዕድነት መራሒና’ውን ኣነጺሩ ኣ ሎ። ከመይሲ ቀውዒ ጻማ ቃልሲ ሓረስታይ ዝሕፈሰላ ወቕቲ ብምዃና ብቀንዳ ውሕስነት ጽባሕ ኢያ። ንምንታይ ኢዩ ግን መራሒና ብ ክንድኡ ሸንኮለላት ንጻማ ሓረስታይ ክጻረዳ መሪጹ? ንነገሩ ብዛዕባ ጻማ ዝመጸስ ሰብ ገለ ክጽበ ከምዘይብሉ ደጊሙ ሰሊሱ ኣብርሂልና ኣሎ። ብዛዕባ ዘይማዕርነት መነባብሮዶ ናይ ሓዋሩ ትምኒት ራህዋዶ እንታይዶስ ኣበይዶስ ….እዚ ኩሉ ዓጀውጀው ብጽሞና እንክስማዕ ብዛዕባ እንታይ ሕልናኡ ፈቒድዎ ክትግብሮ ዝውጠኖ ይዛረብ ከምዘሎ ዝስቆሮ ሰብ የለን። ብርግጽ ድማ ነቲ ክሓብኦ ዝደሊ ባህርያቱ ኢዩ ዘነጽር። እቶም ኣባዲምዎም ዘሎ ናይ ትማሊ ተጋደልቱ፡ ስንኩላቱን ሃገራዊ ኣገልግሎቱን ጻማ ዘይረኸቡስ መን ጻማ ይጽበ?

ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምቀደሙ ኣብ ሰራዊት ክኣቱ ነይርዎ በሃላይ ኢዩ። ሰብ ናብ 18 ኣዋርሕ ተመሊሱ ኢሉ የውሪ ንሱን ማእከል ሞያዊ

ስልጥና ማለት ማሞስ ዘሰልጠኖም ኣገልግሎት ንከተማታት ኢዩ ዝምድበቦም ዝነበረ። እዚኣ ንኢሳይያስ ዓባይ ስግኣት ኢያ። ማለት ንሱ ምእካብ ትበሃል ነገር ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኩነት ከምትፈጥር ካብ ታሪኽ ሰራሕተኛታት ተማሂርዎ ኢዩ። ስለዚ ናይ ኣተሓሳስ ባ ሓድነት ክፈጥር ንዝኽእል ምትእኽኻብ መዘዝ ናዕቢ ብምዃኑ ንውጥን ባዶነት ዝጻረድ ኢዩ’ሞ ክሕሰብ የብሉን። ኢሳይያስ ምእንቲ ሰብ ከይእከብ ክብል ንጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከምዘይሕሰብ ገይርዎ ኣሎ። ክሳብ ድማ መታን ንምእጋዱ ምኽኑይ ክኾነሉስ ተጻወቲ ብጅም ላ ከምዝሃድሙ’ውን ከምዝገብር እንተነዕልለኩም ክትጸልኡና ትኾኑ። በሉ ድሕሪ ሕጂ ሰልጠንቲ ትኽ ኢሎም ናብሰራዊቶም እንተዘይኮ ይኑ ገገዝኦም ክጸንሑ ከምዝተረፈ ይነግረና እንሆ። ኣገልግሎት ድማ መዋእሉ ሓለው ወሰን ክኸውን እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ኢልካ ነ ገር ኣይሕሰብን። ዝበርር ዘበለ እንተነፈጸ ድማ ንግዲ መሸጣ ሰብ ዓመረሉ። ሕልና ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ!!

ተጸባይ ምዃን’ኮ ምጽባይ ጥራይ ኢዩ። ንሕና ድማ ሰሪሕና ነምጽኦ ለውጢ ክሳብዘይሃለወ ተጸበይቲ ጥራይ ምዃንና ድሮ ተዋሒጣትል ና ትመስል። መጥሓን ዘየምጽእሲ ይርከባድኣ ኢላሎማ’ታ መርዓት!! እንተ ኣነ ደጋጊመ ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ክጽሊ ኣብሂግኒ ኣሎ’ሞ እስ ከ ተጸንበሩኒ። “ኣብዛ ሓዳስ ዓመተ-ትእምርቲ፡ ብዘይቁልፊ ዝዕጠቕ ስረ፡ ብዘይዕጥቂ ዝመጽእ ዓወት ኣርእየና ጎይታይ”!!

ክስራሕ ዘይኮነ ክመስል ዝተደልየ ነገር ቌቋጺሩ መጺኡ ብሁልን ዘይብሁልን ምንስናስ ናይ ወትሩ ስራሕ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ መን ዘይፈልጦ። ከየርሓቕና ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ማሽነሪታት ኣትየን ተባሂሉ ዝተራእየ ወደኽደኽ ትንግርቲ ክርአ ተባሂሉ ትጽ  ቢት ተገይርሉ ነበረ። ብግብሪ ግና ትኽ ኢለን ናብ ጋራጅ ዝኣተዋ ከምዝበዝሓ፡ ወይ’ውን ከምቲ ኣብ ተሰነይ ዝተራእየ ብክፉእ ተንኮል እሳይያስና ዝናብ እናዘነበ ኩለን ትራክተራት ከየገልግላ ከምዝተዘርዓ ተረሲዑ መሲልዎ ድዩ ቋንቋ ቀይሩ ተቀልቂልና?

እዛ ዓሚ’ኮ ዓሚ ጥራይ ኢያ። ሽዑ ኣብኩሉ ዘዝተፈተነ ጽላታት ባዶ ከምዝተረፈዶ ኣይገለጸን ኣሻብናን ብምንታይናን ኢና ድሮ ሂወት ከ ምዝመለስና ክምድር ዝተሰምዐ? ኣብዘን ክልተ-ሰለስተ ኣዋርሕ ዝጽበዮ እምነ-ኩርናዕ ፍጻመ ኣረጋጊጹ ኤርትራ ከመይ ከምትራኣዮ ክገል ጸልና እንተተጸቢና፡ ብዘይካ ብርሰትን ዕንወትን ፍጹም ክልእ ከምዘይብሉ ድኣ’ሞ ናይ ትማሊ ቅዝፈት 13 መንእሰያት ርኡይ ኣብነትዶ ኣ ይኮነን? እዞም ኣብ ገደናታት ከተማ ጊንዳዕ ዝተቐትሉ መንእሰያትሲ ከምቲ ናይ ኣመሪካን ወያነን ኣልሸባብ ወይ ኣይኤስ ኣይኤስ ኣትያዶ ቀንጸለቶም?

እዛ “ኣመል ምስ መግነዝ” ትብል ምስላናስ ከምዚ ከማይዶ ትዓጅበኩም? ፍርቂ ዘመን ሙሉእ ሰብ ዝቐተለ ሰብ ከምስል እንተኣኽመስ መሰስ ከምቲ ሻርሙጣ ንርእሳ እንተመሓለት ተማጽእ፡ ምምጽዳቕ ፕረሲደንትናኸ ብምንታዩ ትኣምንዎ? ድሮ ሕዱር ወልፊ ደም ሳጽይ ዎ’ምበር ፈትዩ’ኮ ኣይኮነን። ከይቀተለ ከምዘይነብር’ኮ ተወሊፍሉ ኢዩ። ኢድ መሳርሕቱ ኣብ ደም እንተዘይተኣሊኸን’ኮ እሙናቱ ኣይኮ ኑን ። ‘ዋሕስነት ናብራ’ኮ ብዘይዋሕዚ ደም ርጉጽ ኣይኮነሉን። ከምቲ ናይ መንግስቱ “ብዘይደም” እናጨርሐ ደም ንጹሃት ክዛርስ እንታ ይ ዝበልዎ ረኽቢ ረኸበና? እምበር “ኣመል ምስ መግነዝ” ወዲ ኣፎም በራድ!!

“ጥምየት ነይቀትል ዘይሸብዳዕዳዕ” ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ከብዱ ሓምሊ መሊኡ ዝባኑ ከይቅላዕ ስለዝቃለስ ብሰበብ’ቲ ፍብሩኽ ጥሜ ት ንሕስረት ኣይምተጋለጸን። ኢሳይያስ ግዳ ነቲ ዕሱብ ውጥናቱ ክጎላብብ ክብል ምስ ሃጸይ ኮነ‘ቶም ካልእ ከምዘየለ እናውረየ፡ ህዝቡ ተ ሰዲዱ ንናይ ቻሪቲ ተመጽዋትነት ከምዝተጋለጸ ክገልጽ ዓመት መጸ ከምኡ ዘሐጉሶ ነገር የለን። ኤርትራዊ ብቻሪቲ (ምጽወታ)ምንባሩ!

ብዓይኒ ህዝቢ ዓለም ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣዝዩ ክፉእ ደመኛ ሃገሩን ህዝባን ኢዩ። ክፍኣት ከምቲ ካልእ ተወራሲ ብምዃኑ እንሆ’ዚ ም ስኣሕዋቱ ብዱኳ ዝተዋጠጠ ድማ…. ብዝኾነ ግዜ ዝወለዶ ፍልሰት ካብ ሃለወ ግዜ ዝወልዶ ርግኣት’ውን ስለዘሎ  እዛ ኩሉ ትጸውር ሃገር ና ህዝባ ትጥውረሉ እዋን ግድን ኣሎ። እቲ ንደልዮ ከምዝስራሕ መጠን ጥራይ ኢደይ ኢድካ ምባል ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ!!

ደጊመ ነዛ ጋግ ከተጽብብ ጥራይ ዘይኮነት ጋግ ከይፍጠር ትጽቢት ዝግበረላ ዘሎ ዓመት ውሕስቲ ክትኮነልና እምነ። እንተ ኣመል ኩሉ ግዜ ምስ መግነዝ ኢዩ’ሞ ኣይንተዓሾ!!

ጎደፋ፡

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • ኣርዓዶም January 3, 2015

    ሕጂ`ኮ ኢሳያስን ሳዓብቱን ንደምሒት ስለዝኣምኑ ኢዮም ነብሶም ፈኵስዎም ዘሽካዕልሉ ዘለው። እቲ ሽግር ንሕና ኣመዛዚና ክንርኢን ፖለቲካዊ ኣንፈትና ኣብ ተባህለ ጥራይ ስለነዘንብሎ እምበር፡ እቲ ሓቒ፡ ንሱን ደገፍቱን ኣብ ደምሒት ዘለዎም እምነት ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንሱ ተዘይከውን`ውን ደምሒት ሓለውቱን ዝበለጸ መሳርያ ንዕኦም ክውሃብን ኣይምተገብረን።
    ንደገፍቱ ` ስለምንታይ ኢዮም ደምሒት ኣብ ህዝብና ሕማቕ ዝገብሩን ንሶም ካብ ሰራዊት ኤርትራ ብዝበለጸ ዝተሓዙን` ምስ እትብሎም፡ `ንሶም ኢትዮጵያ ክትወረና ምስ ትመጽእ ምሳና ኮይኖም ዝሕግዙና ኢዮም` ኢሎም ኢዮም ዝምልሱልካ። እቲ ዕሽነቶም ግን ኢትዮጵያውያን ደምሒት ንኸምስሉ ተዘይኮይኖም ንህዝቦም ጸሊኦም ኣይኮኑን። ንሶም ግን መጕበጢ ሃገር ስለዝጠቐሞም፡ ብምኽኒት ንህዝብን ሃገርን ከምድላዮም ይጻወትሉ ኣለው። ስለዚ እምነት ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ኣብ ደምሒት ዝተመርኮሱ ኢዩ ከም ድላዩ ዝገብር ዘሎ።

POST A COMMENT