Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣማኢት ስደተኛታት ዘጥሓለት መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተረኺባ

ኣማኢት ስደተኛታት ዘጥሓለት መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተረኺባ እታ ብ19 ሚያዝያ ኣስታት 900 ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ሊብያ ምስ ተበገሰት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰመጠት መርከብ ከምዝተረኽበት ሰበስልጣን ኢጣልያ ሓቢሮም:: ንሳቶም ነታ መርከብ ሰሜን ምብራቕ ገማግም ባሕሪ ሊብያ

ኣማኢት ስደተኛታት ዘጥሓለት መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተረኺባ

እታ ብ19 ሚያዝያ ኣስታት 900 ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ሊብያ ምስ ተበገሰት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰመጠት መርከብ ከምዝተረኽበት ሰበስልጣን ኢጣልያ ሓቢሮም:: ንሳቶም ነታ መርከብ ሰሜን ምብራቕ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ 375 ሜትሮ ማዕሙቕ ሓሙስ 7 ግንቦት ከምዝረኸብዋ ገሊጾም::

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማትዮ ረንዚ ነቲ ሬሳታት ንምውጻእ ዝከኣሎም ከምዝገብሩ ምግላጹ ወል ስትሪት ጆርናል ጽሒፋ::ካብታ መርከብ መራሒኣ ዝርከቦም 28 ሰባት ከምዝደሓኑን: ዝበዝሑ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ እታ መርከብ ብምንባሮም ንሓደጋ ከምዝተቓልዑ ተገሊጹ::

እዚ ዜና እዚ እቶም ነጋዶ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብ ዘለዎም ንዕቀት ዘረጋግጽ ከምዝኾነን ኣህጉራዊ መርመራ ከምዝካየደሉን ዳይረክተር ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት ዊልያም ለሲ ገሊጹ::

ኣብቲ ናይዚ ዘበን ዝዓበየ ሓደጋ ባሕሪ ተባሂሉ ዝተመዝገበ : ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ሂወቶም ከምዝሓለፈ ይዝከር::

ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ካብ ጭቆናን ኩናትን ኣምሊጦም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣስታት 2000 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት የመልክቱ:: ካብቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ኢጣልያ ማልታ ስፓንያን ግሪኽን ዝተመዝገቡ 60 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን: ሶርያውያንን ሶማልያውያንን ናይጀርያውያንን ከምዝኾኑ ይፍለጥ::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • GHEBRU July 29, 2016

    መደቀሲና ባልና ንወሰን
    ኩነታት ሃገርና
    ኣብ አድ ዩን ከመይ አሉ ወዲቅ ?

    ንስኒ ዝከውን ንቆ/ ዝከውን ምከር ይብሉ ወለድና !!!

    ብአይኒ ስትራተጂ ክንቲምቶ ከለና ባሊና ዘይንህዞ አንተ ኮይኑ ኣርክና ዝከነት ኢትዮ / ንዘባ ኣስመራ —ማሳዋ አንተሃዘቶ
    ረብሃና ዝሂሎ አሉ !!!

    ሰር ፊሊፕ ሚችል በኣልስልታን ብሪታኒያ ናብ ሚኒተር ወ/ ጉዳያት ዝለኣኮ ደብዳብየ።

    WO 230/246 6120460 12822.248

POST A COMMENT