Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣማውታ መሓመድ ሓጐስ

ኣማውታ መሓመድ ሓጐስ መሓመድ ሓጐስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክነብር ዝጸንሐ ምሁርን በዓል ርእሰማልን ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ብምምላስ፡ ርእሰማሉን ፍልጠቱን ኣብተን ሽዑ ናብ ብሕታዊ ዋኒን ዝሰጋገራ ዝነበራ ፋብሪካታት መንግስቲ ከዋፍር ብምውሳን፡ ኣብ መዓርፎ

ኣማውታ መሓመድ ሓጐስ

መሓመድ ሓጐስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክነብር ዝጸንሐ ምሁርን በዓል ርእሰማልን ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ብምምላስ፡ ርእሰማሉን ፍልጠቱን ኣብተን ሽዑ ናብ ብሕታዊ ዋኒን ዝሰጋገራ ዝነበራ ፋብሪካታት መንግስቲ ከዋፍር ብምውሳን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከይበጻሕካ ተደኵና ንእትርከብ ፋብሪካ ኦሞን ሳሙናን ክዕድጋ ክኢሉ። ሽዑ እቲ ግዜ ርጉእን ኢሳያስ ድማ ከምዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ዘይኮነ ብመጠኑ ከይፈተወ ስነስርዓት ገይሩ ክኸይድ ተቐሲቡ ነይሩ። ፋብሪካ ሳሙናን ኦሞን ቀይሕ ባሕሪ ብመሐመድ ሓጐስ ክትወነን ምስ ጀመረት ኣብ ምዕባለ ቴክኖሎጂ፡ ዓይነትን ብዝሕን ምህርትን ሰራሕተኛታትን ደርማስ ዝኾነ ለውጢ ከም ዘርኣየት እቲ ተፍርዮ ዝነበረት ምህርቲ ምስክራ ነይሩ። ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ምብራቓዊ ሱዳን ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። መሓመድ ሓጐስ ስነቀመም ወይ ኬሚስትሪ ዝተማህረ ሰብ ስለ ዝነበረ እቲ ስራሕ ናቱ እዩ ነይሩ። ኣን ትፈልጦ ዓውደፍልጠት ክትሳተፍ ከለኻ ድማ ተድምዕ ኢኻ። ብኸምዚ ክሳብ 2005 ጽቡቕ ክጐዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጭፍራ ህግደፍ ንዅሉ ምንቅስቃሳት ንግዲ፡ ፍቓድ ምምጻእን ምልኣኽን፡ ብሕታዊ ስራሓት ህንጻን፡ ሸርፊ ባጤራን ብኣዋጅ ምስ ከለከሎ፡ ከም ኣብ ኵሉ ትካላት ዋኒን ኣብ ፋብሪካ ኦሞን ሳሙናን’ውን ጸገማት ክርአ ጀሚሩ።

እንተ ኾነ፡ መሓመድ ሓጐስ ነቲ መንግስቲ ዝፈጸሞ ደንደላ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸርፊ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነበረ ባጤራኡ ክጥቀም ስለ ዝኸኣለ ንውሱን ግዜ ከቢድ ጸገም ኣየጓነፎን። ስለ ዝኾነ፡ ዝበዝሓ ፋብሪካታት ኤርትራ ክዓጽዋ ወይ ድማ ብኣዝዩ ውሑድ መጠን ክሰርሓ ክግደዳ ከለዋ ፋብሪካ ኣኦሞን ሳሙናን ቀይሕ ባሕሪ ግን ብዘይ ጸገም ትቕጽል ነይራ። መሓመድ ሓጐስ ነቲ ዝነበረ ሕጽረት ናይ ጥረ ነገራት ተጣቢቡ ክፈትሖ ምኽኣሉውን ተወሳኺ ብልጫ ነይሩ። ንኣብነት ነቲ ዝነበረ ናይ መዕሸጊ ባኮ ሳሙናን ኦሞን ንምፍታሕ፡ ነቲ ፈሳሲ ሳሙናን ኦሞን ዓዳጋይ ሒዙዎ ኣብ ዝመጽእ ጋሎን ወይ ጀሪካን እናቐድሐ ንዓማዊሉ የዕግብ ነይሩ። እዚ ግን ነቶም ብሕታውያን ፋብሪካ ክዕወታ ዘይደልዩ መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ደስ ኣየበሎምን። ብመንግስቲ ዝውነና ዝነበራ ፋብሪካታት ናብ ብሕታዊ ክፋል ምስግጋረን ስለ ዘጣዓሶም፡ ብፍላይ ነተን ጽቡቕ ኣታዊ ኣለወን ዝበሉወን ከም በዓል ፋብሪካ ኦሞን ሳሙናን፡ ምቕጻል ምስ ጸገመን ምስምስ ፈጢሮም ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከእትዉወን ነይሩ ዕላማኦም። ኣብዚ ግዜዚ ንገለ ካብኣተን ድሮ ናብ ቍጽጽሮም መሊሶመን ከም ዝነበሩ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ሓንቲ ካብኣተን ፋብሪካ ሕብስትን ፓስታን ኣልፋ ክትከውን ከላ፡ ከም ፋብሪካ ሽምዓን ክርቢትን፡ ፋብሪካታት ሳእኒ፡ ፋብሪካ ክሻ ጠቕሊለን ደው ብምባል መጻኢአን እንታይ ከም ዝኸውን ክፈልታ ቀንፈዘው ይብላ ነይረን። እታ ኣዝያ ዓባይም ህብብትን ትካል ኮካ ኮላ ከይተረፈት ጨሪሻ  ደው ኢላስ ሰራሕተኛታት ተፋኑ ነይራ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ነቲ ብግጉይ ፖሊሲ ጭፍራ ህግደፍ ከይተንበርከኸ ንትካሉ ለይትን መዓልትን ዝሰርሖ ዝነበረ መሓመድ ሓጐስ 50% ብሽርክነት ከእትዎም ሓተቱዎ። ከም ሽርካ ክቕበሎም ግን ኣይደለየን። ዳግማይ ትርር ኢሎም ምስ ቀረቡዎ፡ “ኣነ ሽርክነት ዝብሃል ኣየድልየንን’ዩ። ግድን ትብሉ እንተ ዄንኩም ግን ብምሉኡ ጠቕልሉዎ፡” ብዝል መልሲ ሂቡዎም። እቲ ትካል ንበይኖም እንተ ሒዞሞ ጽቡቕ ከስርሑዎ ከም ዘይክእሉ ስለ ዝፈልጡ ግን ንግዜኡ ኣይተቐበሉዎን። ስለዚ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸቕጢ ብምፍጣር ሕራይ ከብሉዎ ፈቲኖም። ስለ ዘይኮነሎም ድማ ከጥፍኡዎ ብምውሳን ካብ ኣስመራ ናብ ምጽዋዕ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ከባቢ ዓርበረቡዕ ቀቲሎም ብመኪና ኣጽዲፎሞ። ኣቀታትላኡ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ።

ነቲ ምቕታል መታን ንቡር ክመስለሎምን መታን ከይጥርጠሩን ቅድሚ ገለ መዓልታት ናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀነቭ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣስራሕቲ ወይ ወነንቲ ትካል ፈደረሽን ኣኼባ ክሳተፍ ሰዲዶሞ። ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ ጕዕዞኡ ንኽገልጽ ኣብ ቲቪኤረ ኣቕሪቦሞ። ኣብ ራብዕቱ ኣቢሉ ሓደ ሰብ ናብ ገዛኡ ብምምጻእ ሓንሳብ ከም ዝደለዮ ይሕብሮ። ንሱ ግን ከም ዘይጥዕሞ ብምግላጽ ይከራኸሮ። ኣብ መጨረሽታ ኣገዲዱ ኣብ መኪናኡ ከም ዝድይብ ይገብሮ። ምስዚ ዝጥቀስ ዘሎ ሰብ ክብገስ ከሎ ዝረኣዩዎ ሰባት ኣለዉ እዩ ዝብሃል ድሒሩ ክስዕብ እዩ። ንጽባሒቱ ገለ ሰባት መኪና ጸዲፋ ከም ዘላ ኣስተውዒሎም እንተ ወረዱ ሬሳ ናይ መሓመድ ሓጐስ ይርከብ። ብኡንብኡ ኣብ ኣስመራ መሓመድ ሓጐስ ናብ ባጽዕ እናወረደ ከሎ ኣብ ከባቢ ዓርበረቡዕ ጸዲፉ ተረኺቡ ዝብል ወረ ተነዝሐ። ተዋረዱ ኢሉዎም ድማ፡ “ሬሳ መሓመድ ሓጐስ መርመራ ምስ ተገብረሉ ኣብ ርእሱ ብሓጺን ተሃሪሙ ጸኒሑ፡ ኣማውታኡ ድማ ቅንጸላ እዩ፡” ዝብል ክቈጻጸሩዎ ዘይከኣሉ ወረ ብሕሽዅሽዅ ተሰምዐ። ምሉእ ህዝቢ ኣስመራ በቲ ፍጻሜ ብምሕዛን መዛረቢኡ ብዛዕባኡ ጥራይ ኮነ። መሓመድ ሓጐስ ቅድሚ ሞቱ፡ “ኣነ ኣብ ዝደለኹዎ ሃገር ክነብር ዝኽእል ሰብ’የ። ናብ ኤርትራ ዘምጽኣኒ ሃገረይ ስለ ዝፈቱምበር ገንዘብ ደልየ ኣይኮንኩን። ነዛ ሃገር’ዚኣ ግን እፈትዋ እየ፡”  እናበለ ይዛረብ ከም ዝነበረ ብቐረባ ዝፈልጡዎ ሰባት ይዛረቡ። መሓመድ ሓጐስ ኣብ ዱባይ ይኹን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብቐሊል ዘይግመት ሃብቲ ከም ዝነበሮ እዩ ዝዕለል። ከም ሰብ ምቕሉል፡ ንውጹዓት ክሕግዝ ዝደሊ፡ ፈታው ሃገሩ፡ ኣዝዩ ህርኩት ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይዛረቡ። ብወገነይ ካብ ቤትማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ ወኪላት ክንከውን’ሞ ካብ ፋብሪካኡ ሳሙና ክወሃበና ዝከኣል እንተ ኾይኑ ክንሓትት ምስ ካልኣየይ ኬድናዮ ኔርና። ከም ካልኦት ወነንቲ ትካል ቈጸራ ሓዙ ከይተባሃልና ብኣካል ረኺብና ኣዘራሪብናዮ። በጋጣሚ ግን ዕድል ኣይገበርናን ካልኦት ቀዲሞምና ጸኒሖም።

መሓመድ ሓጐስ ብሓደጋ መኪና ከም ዘይሞተ ድሮ ብሓኪም ተረጋጊጹ’ኳ እንተ ነበረ፡ ህግደፍ ዘይተጸበዩዎ ተወሳኺ ሓበሬታታት ክውሕዝ ቀንዩ። እቲ ሓበሬታታት ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ።

–      መሓመድ ሓጐስ ከም ልምዲ ናብ ባጽዕ ምሸት ፈጺሙ ገይሹ ኣይፈልጥን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝኾነ ሰብ’ውን “ናብ ባጽዕ ክትወርድ እንተ ዄንካ ምሸት ዘይኮነ ኣንጊህካ ክትብገስ እዩ ዘለካ፡” ዝብል ለበዋ እዩ ዝህብ ነይሩ። ስለዚ ምሸት ምድሪ ናብ ባጽዕ ክብገስ ዝከኣል ኣይነበረን።

–      ቅድሚ ሞቱ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሓደ ሰብ፡ “ሎሚ ብሓደ ዘይንድረር” ምስ በሎ፡ “ሎሚ ኣይጥዕመንን’ዩ ምኽንያቱ ኣቦይ መጺኡ ስለ ዘሎ ምስኡ ብሓደ ክንድረር ተረዳዲእና ኣለና፡” ዝብል መልሲ ሂቡዎ ነይሩ። እዚ’ውን ነቲ መገሻ ዘፍርስ ካልኣይ ነጥቢ እዩ።

–      ንጽባሒቱ ንግሆ ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ናይ ስራሕ ቈጸራ ስለ ዝነበሮ ብድሮኡ ንጸሓፊቱ፡ “ጽባሕ ሰዓት ትሽዓት ናይ ንግሆ ምስ እከለ ቈጸራ ከም ዘሎኒ መዝግቢ ኢኺ፡” ብምባል ካልእ ቈጸራ ከይትሕዘሉ ሓቢሩዋ ነይሩ።

እዚ ሰፍ ዘይብል ጭቡጥ መርትዖታት ከሎ እዩ’ምበኣር፡ መስኪናይ ነፍስሄር መሓመድ ሓጐስ ህይወቱ ብቅንጸላ ናይቶም ኣረሜናውያን ጭፍራ ህግደፍ ዝጠፍአት። እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ናይ ፍቕረ ሞት ይኹን ናይ መሓመድ ሓጐስ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ። መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ስልጣኖም መታን ከይድፈር ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ጸነተ’ውን ዝግድሶም ተዃሉ ኣይኮኑን። እዚ ዅሉ ንምሉእ ህዝቢ ኣስመራ ዝተንከፈ ፍጻሜ ተኸሲቱ ከብቅዕ፡ ኣብታ መደበር ሓሶት ዝኾነት ቲቪኤረ ወይ ድምጺ ጭፍራ ህግደፍ ሬድዮኦም ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ሓንቲ ነገር ኣይተዛረቡን። ድሕሪ ሞት መሓመድ ሓጐስ ኣብ ሳልስቱ፡ ንመሓመድ ሓጐስ ምስ ሓደ ሰብ ኣብ መኪና ክድይብ ርእዩዎ ዝነበረ ሰብ፡ “ብሓደጋ ሞይቱ ተባሂሉ ግን ብማህረምቲ እዩ ሞይቱ ይብሃል ኣሎ፡” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፡ ፍትሒ ዘሎ መሲሉዎ ናብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ፡ “ንመሓመድ ሓጐስ ኣብ መኪና ሒዙዎ ዝኸደ ሰብ ርእየዮ ነይረ፡” ዝብል ሓበሬታ ሃቦም። እቶም ኣገልገልቲ ጭፍራ ህግደፍ ዝኾኑ ፖሊስ ምስጢር መታን ከይቃላዕ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእሰርቲ ዳጕኑዎ። ሓዉ እንታይ ረኺቡዎ ብምባል ደሃዩ ክፈልጥ ናብቲ ነጊሩዎ ዝነበረ ቦታ ምስ ከደ ድማ ንዑኡ’ውን ከም ዝዳጐኑዎ ይፍለጥ። ድሒሮም እንታይ ኢሎሞም እዝግሄር ዋናኦም ክልቲኦም ኣሕዋት ግን ሓበሬታ ሂብኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ነይሮም። ርጕም ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጐልካ ይሰፍር ከም ዝብሃል፡ እቶም ገበርቲ ቅያ ሰለይትን ቀንጸልትን ጭፍራ ህግደፍ ጥዑያት ክመስሉ ኣብቲ ዝቐነየ ሓዘን ምስ በጻሕቲ ኮፍ ኢሎም ቀንዮም። እንታይ ይብሃል ኣሎ ክስልዩምበር ንመሓመድ ሓጐስ ሓዚኖምሉ ኣይኮኑን።

መደምደምታ፡ መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ንዝኾነ ብቍጠባ ይኹን ፖለቲካ ዝደናደኖም ሰብ፡ ወይ ድማ ነብሱ ክኢሉ ብርእሰ ምትእምማን ኣፍልቡ ነፊሑ ዝኸይድ ሰብ መባልዕቶም ኣይኮነን። ስለዚ፡ ምስ ሃገር ናይ ምጽናትን ምድምሳስን ኣጀንዳኦም ስለ ዘይከይድ ነቲ ሕይል ዝበለን ተሰማዕነት ዘለዎን ብስዉር፡ ነቲ ከምዚ ኸማይ ድኽም ኢሉ ድማ ብማእሰርትን መግረፍትን ይሰሃሉዎ። ናይ መሓመድ ሓጐስ ገበን ድማ ናብኣቶም ከይተጐናብሐ፡ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከይለመነ ትካሉ ብዘይ ጸገም የንቀሳቕሶ ነይሩ። ልዕሊ ኵሉ ግን ምስኣቶም ንየውነጀው ይብል ኣይነበረን፡ ናብኣቶም ተጓናቢሑ’ውን ኣይፈልጥን። ስለዚ፡ ጭፍራ ህግደፍ ካብኡ ተረፍ መኣዲ ዝብሃል ነገር ስኢኖም። መሓመድ ሓጐስ ነቲ ምስኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተማህረ የማነ ቻርሊ፡ ዓው ኢሉ፡ “የማነ፡ ኣነ ንዓኻ ዝኾነ ነገር ክልምነካ ናብ ቤትጽሕፈትካ ኣይመጽእን’የ። ሓንቲ ዝደልያ ካባኻ ሓንቲ ነገር ጥራይ’ያ ንሳ ድማ፡ ከም መማህርቲ መጠን ኣብ ገለ ቦታ ኮፍ ኢልና ቡን እናሰተና ናይ ኣዕሩኽ ዕላል ክነዕልል፡” ይብሎ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይዛረቡ። ንሳቶም ከም ዝብሉዎ፡ ቻርሊ ሕልናኡ ይወቕሶ ግዲ ኮይኑ ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ምስ መሓመድ ሓጐስ ኮፍ ኢሉ ኣይፈልጥን። እቲ ካልኣይን ድሒሩ ዝተሰምዐን ንህይወት መሓመድ ሓጐስ ኣብ ናይ ቅንጸላ ሓደጋ ዘእተወ ግን ፍልይ ዝበለን ክትኣምኖ ዘጸግምን ነይሩ። ንሱ ድማ መሓመድ ሓጐስ ምስ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ዝነበሮ ርክብ እዩ። ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኣቦኡ ንመሓመድ ሓጐስ ይሕግዙዎ ነይሮም ጥራይ ዘይኮነ ከም ወዶም ይርእዩዎ ነይሮም። ከም ሳዕቤን ድማ ምስ መሓመድ ሓጐስ ጽቡቕ ዕርክነት ነይሩዎ። ናይዝጊ ክፍሊ ምስ ኢሳያስ ዝነበሮ ዝምድና ምስ ተበላሸወ ድማ መሓመድ ሓጐስ ካብ ናይዝጊ ዝሰምዖ ምስጢር ኣሎ ስለ ዝተባህለ ክቕንጸል ብኢሳያስ ተወሲኑ። ቀንጻላይ ድማ ቀንዲ ተዋሳኢ ሃገራዊ ስለያ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ዝነበረን ዘሎን ሰብ ከም ዝኾነ ይዝረብ። ንመሓመድ ሓጐስ ዝቐንጸለ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ ካብ 1970 ኣትሒዙ ዝቐንጸሎም ንጹሃት መን ንመን ከም ዝቐንጸለ ግዜኡ ሓልዩ ክቐርብ ስለ ዝኾነ ትዕግስቲ ከድልየና እዩ።

ውልቀመላኺ ወዳቒ’ዩ!

ፍትሒ ይንገስ

ካብ ከባቢ ኣጂፕ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
40 COMMENTS
  • Kokob Abraham April 15, 2013

    Jeganuna haridu wediuuwom menaeseyat reshinu wediuuwom . Usurat bebihade ketiluwom . Nai dergi gerimuna Neitu emo nai Higdef gna zigedede koinu . Telaaal hizbina nihigdef enaatfaeka bjigninet tesewaae. Kuluuka Ab zezelejayo nihigdef enaatfaeka bikegninet tesewaeee . Ezi ken dilayu ziketil ziaseruka danna zeibilu shifta Higdef kuluuka Ab zezelejayo nihigdef enaatfaeka bjigninet tesewaae . !!! Telaal

  • Mebrahtu Tewelde April 19, 2013

    ከመይ ዝበለ ውሕሉል ጸብጻብዩዚ ሓወይ!
    ኢዚ ጸብጻብዚ ዳኣ ኣብ ግዚኡ ዜይዘርጋሕካዮ ኢንታዩ ኮንካ ኣያየ?
    ከምዚ ዝበለ ዝበለየ ወረታተ ላዲናሉ ስለዝኾና ካልአ ማይ ዘይጣዓመ ሓሶት አንትለካ ኮይኑ ጻሓፍ”ምበር አዚስ
    ኣይግድን ክኸውንዩ ብዓል ኣጂፕ!!

  • Lalmba April 19, 2013

    I have doubt that he was a victim of pfdj. It wasn’t just him, there are loads of questioned needs an answer for many Eritreans. Some of them are.
    Yemane Barya
    Abrham Afwerki
    Esaias Tsegai
    Alisaid Abdela
    and more ………

    This is simply what we have witnessed in the last 15 years. God knows how many innocent Eritreans have lost their life since 1970 just by conspiracy of the so called Esaias era.

    I am hoping some time in the future we will find out what happened,

POST A COMMENT