Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣምባሳደር ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ “ገንዘብ ጥራይ ሓግዙና እምበር ዋሕዚ ስደት ኣብ ምዕጋት ምሉእ ምትሕብባር ክንገብረልኩም ኢና” ክብል፣ ንሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ክሽሕጦም ፈቲኑ።

ኣምባሳደር ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ፍስሃጼን ጴጥሮስ "ገንዘብ ጥራይ ሓግዙና እምበር ዋሕዚ ስደት ኣብ ምዕጋት ምሉእ ምትሕብባር ክንገብረልኩም ኢና" ክብል፣ ነቶም ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃገራቶም ኣዕለቕሊቐን ብምህላወን ተሻቒሎም ዘለዉ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ክሽሕጦም ፈቲኑ። askanews

ኣምባሳደር ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ፍስሃጼን ጴጥሮስ “ገንዘብ ጥራይ ሓግዙና እምበር ዋሕዚ ስደት ኣብ ምዕጋት ምሉእ ምትሕብባር ክንገብረልኩም ኢና” ክብል፣ ነቶም ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃገራቶም ኣዕለቕሊቐን ብምህላወን ተሻቒሎም ዘለዉ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ክሽሕጦም ፈቲኑ።

askanews ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዓዲ ጥልያን ብዝዘርግሖ ዜና መሰረት፣ እቲ ልኡኽ ውልቀመላኺ ኣብ መግለጺኡ፣ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ተባሂሉ ክዝረብ ከሎ ብዛዕባና ማለት ስለዝኾነ፣ ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፣ ብፍላይ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ እንተተጌሩልና ነቲ መንእሰያት ኣብ ኤውሮጳ ክረኽቡዎ ዝሓልሙዎ ገነት ኣብ’ዚ ፈጢርና ስደት ደው ብምባል ካብ ደብዳብ ስደተኛታት ከነድሕነኩም ንኽእል ኢና ብምባል ባህ ክባላ ልባ ጽብሓላ ዝዓይነቱ መብጽዓ ነስኒሱሎም። ድኽነት ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዘሎ ግን ካብ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣይከተዕርፉን ኢኹም ብምባል ውን ኣፈራሪሑዎም።

እቶም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስደት ከም ዓለሙ እዩ፣ ስምና ንምኽፋእ የጋንኑዎ ኣለዉ እናበሉ ክኽሕዱዎ ዝጸንሑ ልኡኻት ውልቀመላኺ ኢሳያስ፣ ካብዚ ቀረባ እዋናት ቃንኦም ብምቕያር፣ ነቲ ሃገር ዘጥፍእ ዘሎ ስደት ኤርትራውያን ከም ዕድል ርእዮም በዚ ናይ ሸፈጥ ሜላ ገንዘብ ክምእርሩ ክፍትኑ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ኣብ ካርቱምን ሮማን ምስ ሰበስልጣን ጥልያንን ኤውሮጳን ዘካየዱዎ ርክባት ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

እቲ ኣብ ላምፐዱዛ ብጅምላ ንዝተቐዝፉ 367 ኤርትራውያን ፈለማ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እዮም ኢሉ ብምኽሓድ፣ ቀጺሉ ድማ ሬሳኦም ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ዝኸልከለ ጨካን ስርዓት፣ ሎሚ ንግዳያት ኤርትራ መኻዕበቲ ገንዘብ ክገብሮም ምፍታኑ ከኣ ሕልና ኣልቦነቱ ዘቃልዕ ተርእዮ እዩ።

ልዕሊ ኹሉ፣ ነቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ፍሽለቱን ዓማጺ ባህርያቱን ባዕሉ ዝፈጠሮ ስደት ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ጸገም ኣምሲሉ ብምትላል ብስም እቲ ብሰንኪ ሕሱም ዓመጹ ዝነፍጽ ዘሎ ውጹዕ መንእሰይ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ፣ ተጠቃሚ ሕሰም ኤርትራውያን ክኸውን ምፍታኑ ፖለቲካዊ ጥፍሽናኡ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ዝሕብር እዩ። መሰረታዊ ፍታሕ ናይዚ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኤርትራ ዘባድም ዘሎ ዋሕዚ ስደት፣ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ስደት ኮይኑ ዘሎ ዓማጺ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ምእላይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ተኽላይ ኣብራሃ February 16, 2015

    እዚ ሓበሬታ’ዚ ንሓደገኛ ትልሚ ህግደፍ ዘቃልዕ ዜና እዩ። በደዊን ኣማእታት ኤርትራውያን ዳጒኖም ራንሰም (Ransom) ክሓቱ እንከሎዉ፡ ህግደፍ ድማ ሃገር ብሃገራ ጅሆ ብምሓዝ ራንሰም ክሓተላ ይህቅን ኣሎ ማለት እዩ ዘስምዕ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ንኣረሜናዊ ተግባራት ህግደፍ ዘይፈልጥ ሃገር የሎን እኳ እንተተባህለ፤ መን ይፈልጥ ዝታለል ስለ ዘይሰኣን፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣቃሊልካ ክረአን ብዘይ ስጉምቲ ክሕለፍን ኣይግባእን። ብዝወሓደ ኤርትራውያን በብዘሎናዮ ንዝምልከተን መንግስታት ኣቤቱታና ከነስምዕ ይግባእ። መንእሰይ ኤርትራ ንህግደፍ ልክዕ ከም’ቲ ስጉኡ በሊዕካ ቆርበቱ ትሸጦ ጥሪትካ ኮይኑ ኣሎ።

  • Hail soura February 16, 2015

    hgdf is immoral and has no humanity, soon they have been in this market for long. The worst yet will come when they is now way to get money. the military have been in this big market for long now EU should hunt them legally rather than offering them what they need. issais must bring to justice.

  • gomera February 16, 2015

    PFDJ is nothing different than ISIS and also how dare they ask money while they hide Eritrean money over swiss banks let themuse it for the people to stop the Exodus! !

  • Dawit February 16, 2015

    ማሕጸ ብዘይ ላዓት፡
    ህግደፍ ብዘይ ብቕዓት
    ሕፍረቱ ዝወጸ ኣብ አደባባይ ቕርዓት፡
    ደጊም ቦታ የለን ሳዓቱ ኣኺሉ
    ሓንጋሪ የብልካን ሕማሙ ዝሮሩ፡
    ሱር ነቀል ለውጢ ካብ ውሽጢ ካብ ሱሩ፡
    ኢንቢ ንምልክነት ሓድነት ኣስሚሩ፡

    ኢግ

  • aklibeluye baeley February 17, 2015

    It is time to fall!!!

POST A COMMENT