Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።         2ይ ክፋል፡   15.07.15፡ ድሕሪ ናይ ዕለት 26 ሰነ 15፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝተገብረ ዓለማዊ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ስዒቡ”? እንተትብሉ እቲ ስ ርዓት ብሓያል ውቃዕ ከምዝተቦኽአ ብዝምስክር ሰምቢሩስ እንሆ ክሳብ ናብ ሙሉእ ለይቲ

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።         2ይ ክፋል፡   15.07.15፡

ድሕሪ ናይ ዕለት 26 ሰነ 15፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝተገብረ ዓለማዊ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ስዒቡ”? እንተትብሉ እቲ ስ ርዓት ብሓያል ውቃዕ ከምዝተቦኽአ ብዝምስክር ሰምቢሩስ እንሆ ክሳብ ናብ ሙሉእ ለይቲ ብተሌፎናት ዘሕሸኹሹኽ ማእለ ያ ዘይብሉ ማይ ዘይጠዓመ ናይ መምሰልን መዘንግዕን ጎስጓስ ከምዝለሓዄ ሰሚዕና’ሞ እቲ ብላዕሊ ላዕሉ ብስም ‘ኣሕዋት ኢ ና’ ተሻሒጡ ብውሽጢ ውሽጢ ሓውኻ ጡብ ኣደኻ ከምዘሕድገካ ክሰርጽ ዝድለ ዘሎ ጓና ‘ሕውነትስ’ ይትረፈና ዋላ’ቲ መሲ ሉ ከደናግር ዝፍተን እንተኾነ’ውን ቅንጣብ ሃገራዊ ፖለቲካ ስለዘይብሉ ክሉኹም ዜጋታት ሃየ ደጊምኩም ‘ይኣክል” ብዝብል ነድሪ ቁርጽኹም ደርጉሑሎም።

ወይ’ዛ እዝኒ! ወዮም ናይቲ ስርዓት ኣምባሳዶራት ድማ ድሮ ከካብ ዝተመደብዎ ቦታ ናብ ሃገር ከምተጸውዑ ሰምዐት። ከምቲ ጽኑሕ ስራሓት እንተኾይኑ መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጡር ኩነታት ንሹመኛታቱ ንስርሒት ሂወት ኣድሕን ዓሊሙ ከምዝጋባእ ንቡር ንበሎ። ግናኸ ”ስርሒት ሂወት ኣድሕን” ካብ በልናስ ከከም ኣተረጓጉማና ምዃኑ ድማ ነስተውዕል። መቸ ም “ኣምባሳዶር” ማለት ልኡኽ ከምዝኾነ እንተተረዳዲእና፡ ናይ ክልቲኡ ኣምባሳዶራት ከምዘለዉ ድማ ንረዳዳእ ኢና’ሞ በቲ ሓደ ስርዓት ኣብዝነቓቐሉ እዋን ዕምሩ ከናውሕ ምዙዛቱ ግድን ኢዮም ክቃለስሉ ዝፍትኑ። ስለዚ ከምቲ ኣብታ ብሕትቲ ኣ ኼባኦም ዝተማህርዋ ንሳቶም ብብሕትውና ‘ሓቀኛታት ኤርትራውያን’ ብዛዕባ ነብሶም ጥራይ ከምዝሓስቡን ዝከላኸሉን ፍ ሉጥ ኢዩ። ግናኸ ብመሰረት መትከሎም ንብጻዩ ክፈትዎ’ምበር ክኣምኖ ስለዘይብሉ ዕርዶም ዝከላኸሎ ድርዒ የብሉን። ድሮ ድማ ወዮም ቀንዲ ደገፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ውድባቱ ማዕቀብ ከርእዩ ስለዝጀመሩ ንሱድማ ነቲ ከምሓለፋ ዝሰርሕዎ ኣባይቶ ም ብቡልዶዞር ክድኩዖ ይርአ። ወረ ናይ ካብ ሓላፍነት ዝወርዱን ዝድይቡን’ውን ይስማዕ ኣሎ። ቀቀሊሉ፡ ገና’ምበር እቶም ብስም ተጋሩ ክጥቅኑና ዝጸንሑ ‘ደቀባት’ ድሮ ብተጋሩ ተሸቢጦም ካብ መዝነቶም ዝጓሓፉን ክሳብ ዝእሰሩን ልቦም ትዝልሓ ጦምን ከምንሰምዕ ፍሉጥ ኢዩ። በቲ ክልእ እቶም መሰል ጥራይ ስለዝሓተቱ ዝተፈንፈኑ ደቂ ህዝቢ ኣምባሳዶራት ብዛዕባ ብ ሃገራ፡ እንተላይ ብዛዕባ’ዞም ዝጠለሙን ኣብገበን ዝጠሓሉን ይነብዕ ከምዘሎ ይስነድ እንሆ። ንኺድ ጥራይ……

መቸም ኣብዛ ንእሽቶ ውዕሎና ብዙሕ ኢና ተዓዚብና። ካልእ ኩሉ ኣወንዚፍና ሎሚ ኣብ ቅድሜና ክልተ መሰረታውያን ሕቶ ታት ተገቲረን ንርኢ። በቲ ሓደ ድሕሪ ናጽነት ስለምንታይ ካብ ሃገር ንበታተን ኣለና? በቲ ካልእ ስለምንታይ ጉዳይና ዓለም ኢዳ ከተእትወሉ ንምሕጸን ኣለና? ዝብላ ሕቶታት ኢየን። ብዛዕባ ስለምንታይ ክንበርስ ተወጢኑ ክንዲ ምግፋሕ እንታይ እን ተገበርና ከምዝሓይሽ ምዝራብ ይበልጽ ኮይኑስ ዳርጋ ኩልና ዜጋታት ንከምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ንሰማምዓሉ ኢና፡-

1፡ ካብ ጥንቱ ንሕና ኤርትራውያን ንዓለም ናጽነታዊ ጠለብና’ኳ እንተኣቕሪብናላ በቲ ናይ ሽዑ መለክዒ ጠለብና ብዘይምምል ኡ ተጠያቒት ግድን ዩኤን (UN) ጥራይ ጌርና ኢድና ጠዊና ክንነብዕ ኣይመረጽናን። እቲ ዘገድስ ምቕላስ ጥራይ ብምንባሩ ተ ቓሊስና ዝተነፍገና ናጽነት ጨቢጥና ክንስና ንሕጋውነት ናብ ዩኤን (UN) ቀሪብና ብዘይፍታው ኢሳይያስ ብረፈረንዱም ናጽነ ትና ኣውሒስና። ዩኤን ድማ ከምሓዳስ ሃገር ተቐቢሉ ባንዴራና ከምዘውለብለበን ክግበረልና ዝኽእል ከምዝሓገዘን ንኣምን።

2፡ እቲ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ተልእኾ መራሒና ሰዊዱ ምስ ጎረባብቲ ዳግማይ ውግኣት ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን፡ ሃገርና ከም ኣባል ዩኤን መጠን ብጸትታና ዝመጸ ተጠቀምቲ መሰል ኣባልነት ክህልወና ስለዝነበሮ ልክዕ ከምቲ ሩስያ ብሂትለስ ኣብዝተወረረት ሉ ብዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ብዘይፍታው ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣትዩን ብዘይ ኣገባብ ድማ ወ ጺኡን። ከምሳዕቤኑ ኤርትራ ከምጀማሪት ናይቲ ግጉይ ውግእ ብምዃና ክሒሳን ገና ተጠያቒት ኮይናትልናን ከምዘላ ንዝክር።

3፡ ኣብዚ ሃገርና ብዓለሙ ዘለዋ ምስልን ብቀንዱ ኣብ ውሽጣ ብዘለዋ ሕሱም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ጽንተት ህዝብን ብዝ ፈጠሮ ቅልውላው ኩነታትና ናብ ከም ህዝብን ሃገርን ዘይንህልወሉ ኩነት ብምውራድና ነዚ ዘይንቡር ኩነት ንዝፈጠረ ክግበ ር ንእንደልዮ ለውጢ ዓለም ክትሕግዘና እንተጠለብና ንቡር ተጠቃምነት ፍትሒ’ምበር ካልእ ምስሊ ዘየብሉ ክንሱ ንኣፈታት ሓ ጸገምና ብኣውራኡ ካብ ውሽጥና ብ ”ኢድካ ምሃብ” ዝተገልጸ ተቓውሞ መጺእና። እዞም ኣሕዋትና “ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸ ገም ብሰላም ስለዘይከኣል ብረጽሚ ክፍታሕ ኣለዎ” ንዝብል ምርጫ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምቁርን ኣሳሒታን ክቕዝሑሉ ተራእዮ ም’ኳ እንተኾኑ፡ ከም ባህሪ’ቲ ስርዓትና ኣማስያኡ ናብ ጎነጽ ምምርሑ ስለዘይተርፎ ንሱ ከይኮነ ብዓለማዊ ሕጊ ንምፍታኑ እ ንተተጸጋዕናዮስ ኣንጻር ‘ተምበርካኽነትና’ ሴፍን ዋልታን ዓቲሮም “ጉዳይና ባዕልና” ኢሎም ከዳኽሩ ተዓዚብናዮም ።

እቲ ነድሪ ከምዘይቀስን ዝተሰምዖም ዘበሉ ብናይ ዓራቕነት ቃና ክሳብ “ንጹህነት ኢሳይያስ እናጋውሑ “ንሱ ንበደለኛታት ባዕ ሉ ይቕሕልሎም እንሀ’ንዶ” ኢልካ ነብሰ-ምቕሻሽ ርኢና። ከምኡ ድማ ንርእሳቶም ከይወፈሩ ብዛዕባ ወነንቲ ኮኑ ኣካየድቲ ናይ ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሓቱን ዝኸሱን ርኢና። “ምናልባሽዶኾን” ተባሂሉ ንዝተፈተነ ናይ ዘየሎ ጽገናዶ ለውጢ ዝበሃል ናይ ሕል ሚ ኣፈታትሓ’ውን ክንምነዮ’ውን ዝካአል ኣይኮነን። ክሳብ ኣብ ሃገርናስ ብዘይካፍታው ኢሳይያስ ዝኾነ ለውጢ ከምዘይመጽ እ ዝኣመኑ ወዲ ኣይተነቶም ዓዃሊሎም ክመሻኸኑን ክዘራብዑን ብግብሪ ርኢና። “ንኢሳይያስከ መንዶ መሪጹ ኣንቢርልኩም’ ዩ? ንሱ ምስሓለፈኸድኣ ሃገርና ምስኡ ክትቅበር ዲያ”? እንተትብሉዎም ከይሓፈሩ ክብልኹም ምፈተኑ። እቲ ዝኸፍአ ብው ዴታ ድዩ ብግዴታ’ዃ እንተዘይኣመትናሉ ህግደፍ ከምጸላኢት እናኣመኑ ግንከ ክሳብ ከምዛ ሰብ ድርብ ሹቶል “ንኢሳይያስ ባ ዕልና እንተዘይቀቲልናዮ ዝቐትለልና ኣይንደልን” ዝብል ኣረጊት ዕርዲ ፖለቲካ ንርኢ ኣለና። እዚ ብክትመስል ዝፍተን ምምስ ሳል መባልዕትና ኣይኮነን። ንስኻትኩም ባዕልኹም ክትቀትልዎ እንተመሪጽኩም ንሕና’ዞም ኣብ ጎድኑ ተሰሊፍና ዘገልገልናዮ ተጋደልቱ ግዳ ስለዝጠለመና’ምበር ክንቀትሎ’ኮ ኣይደለናን። ብዝኾነ ነገርና ናብ ረጽሚ ከይቕየር ስሉጥን ጥንቁቕን መገዲ ድ ሕነት ምምራጽ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዳግማይ ናይ 1952 ከይደግሰና ምጭራሕ ጣቛ የብሉን። ኩነታት ና ብተምሳል’ቶም ዝብኢ ኣባሪሮም ዝተመልሱ ኣኽላባት ክንምስሎ እንተንፍትን ድማ ገሌና ገና ጸላኢ እናኣባረርና፡ ገሌና ግዳ ፍጹም ከይተበገስና ድሮ ነቲ ናይ ሕልሚ ዓወት ኣዕጽምቲ ክንቆራጥም ክንርአ ዕጉብ ጥልመትን ውጹእ በለጽን ኢዩ።

ከምህጹጽነቱ “ስርሒት ሂወት ኣድሕን” ካብ በልናዮስ በቲ ሓደ እንኮላይ ንከም ወዲ በላዕ ጣዓዋ ዝኣመሰሉ ኣምባሳዶራትን እንኮላይ ከምቶም ኣብ ጽምዶ ‘ንጸጋግኖ’ ዘድሃቡ ምስኦም ዝምደቡ ከምዝምልከት ማለትና እንድዩ፡ ንሳቶም ዝምነይዎ ጽገና ታት መተግበሪ ባይታ ከምዘይብሉ ባዕሉ’ቲ ኩነት ይነግር ኣሎ። ብዛዕባ መን ከምዝመርሓና ንዝስከፉ ደቂ ሃገር ድማ እንተዘ ይስከፉ ከነፍእመሎም ንፈቱ። ማለተይ መራሕትና’ሞ ቀደም ተዳልዮሙልና ኣለዉ። “መን’ዩ መሪጽልና” በሃልቲ እንተኾይኖ ም ቀደሙስ ንኢሳይያስ መን ምስመረጾ ኢዮም ግዲ ክንድኡ ክኾሓሕልዎ ዝላህልሁ? እንሆ ድማ ገሊኡ ሰብ “ንግዜ ድኣ ተወ ንዚፉ ኣልዩ ’ምበር ‘ሳላ ኣመሪካ’ መራሕትናስ ቀደም ተመሪጾሙልና ኣለዉ” ኢሉ እንተመጎተ ተጋግዩዶ?

“እቲ ምርጫ ንጹር እዩ።  ወይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ወይ ምስ ሃገርካ ምውጋን” ድማ ኢልና መስከረም። መቸም ክኢለዮ ኢል ካ ዳዊት ከምዘይሕጸብ ልዕሊኩሉ ንሱ ይፈልጣ። ግናኸ ወይ ኣየስተብሃለሉን ወይ ተዋድዩ ግዲ፡ ንዓብደላ ጃብር ከጋልጽ ዝ ሓሰቦ ምስጢር መንግስቲ ምግላጹ ኣይትሓዙሉ። የግዳስ ብሰናይ ፍታውኩምን ብዘለኩም ዓቕምን ተልመዴን ፖለቲከኛታት ከምዘይምዃንኩም ግለጹሉ። ንበል’ቲ ናይ ዊኪሊኪ ኣኽባር ከምዘለዎ ንቀበሎ’ሞ ሽዑ ከምዚ ኢልና ሕቶ ነቕርበሉ፡-

“ኣንታ መስከረም፡ እዚ ንእኒ ዓብደላ ጃብር ከተጋልጽ ሓሊንካ ዘምጻእካዮ ጽሑፍ ድኣ ኣይብቀንዱ ንኢሳይያስና እንድዩ ዕር ቃኑ ኣውጺእዎ” ኢልኩም ግለጹሉ። እንተክሒዱኩም ድማ ኤርትራ ንኣልሸባብ ስለዝሓገዘት ሓንቲ ካብተን ምኽንያት መአገ ዲታ ምዃና ክኽሰስ እንከሎ ፕረሲደንትና ፈጺሙ ከምዘይወዓሎ ኢዩ ኣሉታ ዘቕረበ። ሎሚ ብመሰረት ቀላዒነት ዊኪሊኪን ኣቕራብነት መስከረምን ውዲት መራሒና ተጋሊጹ። ሕጂኸ ከሳሲ (UN) ድዩ ሓቁ መይስ ክቡር መራሒና? መስከረም መል ሲ ኣይሰኣኖን ኢዩ።

እንተ ብዛዕባ’ቲ ዘቃልዕ ዘሎ ቴክኖሎጂ ዝመጸ’ሞ፡ ዘመንነት ኣንጻር ብሕታዊ ናጽነት ምዃኑስ  ፕረሲደን ት ኢሳይያስ ኣጸቢ ቑ ስለዝፈልጦ ኢዩ ጥቓ ኮምፒተር ክቐርብ ዘይደሊ። እታ ጨረር ድማ ትልሑኽ ትኸውን። ብዓል ስዉእ ወዲዓሊ እንተዘይ ምክቱ ውግእ ወያነ ወሊዑ ክንሱ ተጋደልቲ እናሃለቑ ከምቀደሙ ኣብ ቀምሽ ዓምበርበብ ክውሸብ ስለዝበሃገ’ኮ’ዩ ናጻ ሃገርና ኣረኪብና ከነንሳሕብ ኣዚዙ ዝነበረ። ሰበብ ዘመንነት ስለዝፈልጥ’ዩ’ኮ ኣገልግሎት ቫይበረ-ኮምቲተር ገዲብዎ ዘሎ። መዘዝ ዘ መንነት ስለዘስግኦ’ዩ’ኮ ነታ ከተማ ድኹዒ ቀይሩ ሰባ ናብ ማይ ክውሕዘሉን ክብሕትን ዝተቓለሰ። ንሱ ምዃን ምስኣበዮ’ዩ’ኮ ንባጽዕ ግዒዙ ዝነበረ። ኩሉ ምስጠርጠሮ ድማ ከም ክሳድ ዓዲ ሹሩም ኣብ ዕርዲ ዓዲሃሎ ዝዓስከረ። ክቡር መራሒና ሎሚ ሓንቲ ፈተነ ጥራይ ተሪፋቶ ትኸውን። ኣብ እምባ (ደብሪ) ክድይብ ባቃ! እንተኾነስ ኣብ እምባሶይራ፡ እምባ ገደም ኣይክድይ ብን ኢዩ። ኣብ እምባ ኮይታ፡ እምባህራን ካልኦትን፡ ኣብ ከም ደብረ-ቢዘንን መሰልቱን ኣይክድይብን ኢዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ዋናታት ከምዘለዉዎ ክመስሎ ኢዩ። እታ ‘ኮንዶኾን’ ኢሉ ሓንቲ መዓልቲ ከምዝሰፍራ ተተስፍዩ ዝተጸጋዓ እምባ ጠቐራ’ውን ኣይክድይባን ኢዩ። ወዮ ብዙሕ ዓለማዊ ትሕዝቶ ዝገበተን ብጭካነን ምልክን ምድረ-ኤርትራ ዘንቀጥቀጠን መራሒ ንሱ ዝ ውንና ናይ ንዘልኣለሙ ጭራም መሬት ዘይብሉ ብምትራፉስ እንታይ ኮን ይስምዖ ይህሉ? ባውሬቶ ወዲ ኣፎም ብሪ!

ንሱስ ድላዩ ይሕሰብ። ኣሓስ ምስ ቀታሊአን ማይ ከምዝሰትያ እንፈልጥ ዘበልና ብናይቶም ሂወቱ ከድሕኑ ዝኸበብዎ ኣምባሳ ዶራት ከይተወጠርና ኣይተረፍናን። ህላወና መመስሪሖም ንበላዕተኛ የጋልጹና ከምዘለዉ ምርዳእ ስኢኖም ጋዶ ኮይኑ። ቅድ ም ቀዳድም መልክዕ ኣተሃላልዋና ብዕምቆት ንተዓዘብ። “ከምሃገርን ህዝብን ንሃሉዶ ንብረስ”? ኢያኮ እዋናውነትና። ብምዃና ብዛዕባ ሃለዋትና ማንም ክነግረና ኣይንጽበን።

ይብሉና ኣለዉ እኒ ወዲ በላዕ ጠዓዋ እታ መርማሪት ሽማግለ ትበሃል ዋላ ሓን ቲ መዓልቲ ኤርትራ ከይኣተወት (ኤርትራ ክትኣቱ ስለዘይፍቀዳ) ንዘይትፈልጦን ኣብ ሃገርና ዘየለን ነገር ኣኻኺባ ንመንግስቶ ም ከምዘጸለመቶ። ንኣብነት ገለ ካብቲ ክሲ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናይ ዕደና ቢሻን ጠቒሱ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ሃገርና በቢ ቁሩብ ቁጠባአ ተመሓይሽ ስለዘላ፡ ሓድሽ ቁዋም ተዳሉ ስለዘላ፡ ካብ ‘ኢቲዮጲያዊያን’ ብዝኣከበቶ ሓበሬታ ካብ ምዕባለና ከተካልፈና…….

ኩሉ ጽቡቕ ኣሕዋትና። እንተኾነስ እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ሸራፋት የስሕቕ ስለዘሎ እቲ ዝፈልጥን ንሕና’ዞም ተሓለቕትን ናይ ኩ ልና ጌርና ክንበኪ ንግደድ ኣለና። እቲ ቃልሲ ብነብሱ ቃልሲ ሂወት ኣድሕን’ምበር ዊንታ ወይ ምርጫ ዝደረኾ ከምዘይምዃ ኑ ኣብ ብዓለሙ ጎሊሑ እናሃለወ መራሕቲ ህግደፍ ግና ካብዚ ናይ ተራ ህዝቢ ዝኸፍአ ጎስጓስ ክፈሓትሩ ክርኢ ብወገነይ ነዚ ሓያል ሰውራ ዝተኸሎ ሓያል መንግስትናስ እሓፍረሉ። ይኹን ከኣ ሽዑስ ሂወት ሓፋሽ ህዝቡ ከድሕን ሂወት ሰባት እንተኣሕ ሊፉ፡ ሎሚኸ ነየናይ ንከድሕንን ናይ መን ሂወትድኣ ከጥፍእን ይህንደድ ኣሎ? ሎሚ ቅብጸት ኮይናስ ትርፎ ወገንካ ኣነጽር ዝ ምኽነዮ ነገር የለን። ዝኾነ ኮይኑ ከምኡ ድኣ ንዘይምቕባጽ ክብል ኢለ’ምበር መራሒናስ ንወዮም ፈለጥትን ሰራሕትን ምስጢ ር ኣብ ኢድ ህዝቢ’ውን ከብጽሖም ኣይኮነን።

ኣምባሳዶር እስቲፋኖስ (ወዲ በላዕ ጠዓዋ) ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሰሚዐ ነይረ። ወላዲኡስ ወተሃደር ብምንባሩ ይኸውን ጠዓ ዋ ከምዝቆርጠማ ዝተዋዘዩዎ። ወዲ በላዕ ጠዓዋ’ሞ ህዝቢ ከምዝወሓጠ ዝኸስስ ህዝቢ ከምዘለና እንተዘኪርና ድማ ጽቡቕ ኢዩ። ንኣፈታትሓኡ ክበሃል ንዘቕረብናዮ መድረኽ ሃገራዊ ዕርቂ ጎስይዎ ከይኣክል ሎሚ’ውን ንዝገብሮ ዘሎ ክሕደት ብዝኾነ መገዲ ከምዘይመሳመሰሉ ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ።

ንበል ብዛዕባ ቢሻ ካብ ዘከረ እንድየ፡ ክነግረና ኣይደልን ይኸውን’ምበር እታ ብጽጹይ መጽናዕቲ ክሳብ 330 ኩንታል ወርቂ ክትሕፈስ ዝተጸንዐት ዕደና፡ እቶታ ንከይፍለጥ ብዝተገብረ እልቢ ዘይብሉ ጥበባት ክሳብ ክኢላታት ደቂ ሃገር ግሒጥካ ካብ ስራሕ ምብራርን፡ ብቀንዱ እቶታ ካብ ምኒስትሪ ፋይናንስ ወጻኢ ብእኒ ክሻታት ከምዝተሓዝን ድሕሪ ምግባር እቲ ብዘመናዊ መዐቀኒ ዝጽናዕ ኩዕታ እንተበዝሐ ናይ 10 ኩንታል ልዕልን ትሕትን ክብል ከምዝኽእል ብክኢላታትና እሙን ክንሱ፡ ምህርቲ ቢሻ 170 ኩንታል ጥራይ ካብተሓፍሰስ፡ 160 ኩንታል (ፍርቂ እቶት) ኣበይ ከምዝኣተወ “በየናይ ቀልቦም ከይፈልጥዎ” ኢልና ይኸውን። ንርእሱ ፈሊጥዎ እንተኾይኑ ድማ ናበይ ክዓብጦ ኣቶ ኤምባሲ? ብተወሳኺ ብውሽጢ ውሽጢ ነቲ ሃገርና ዕዳከም ዘይብላ ኣምሲሎም ዝፍንውዎ መሐጎስ ዓያሹ ወረታት ሎሚ ብኣጋጣሚ ቢሻ ካብ ሃገረ-ጀርመን ጥራይ 160 ሚሊዮን ኦይሮ ከምተለቅሑ መጠን፡ ሕፍሳ ምህርቲ ካብ ተወድአስ ዕዳኦምከ ከፊሎምዶ ኣይፋሎምን ክምልስ ምኻኣለዶ ወዲ በላዕ ጠዓዋ?

ወይልኡ’ዚ ፈላጢኹም፡ ከም ሓደ ንጡፍ ልኡኽ ሰውራ ክትነጥፍ እንከለኻስ ኣብዚ ጥልመት ትስለፍ ትመስለና ኣይነበርካን ። ጉጅለ ጣልማያት ተኣኻኪብኩም እታ ወርቂ ትሓፍስ ሃገር እቶታ ኣብ ስዊዝ ንዋያ ተኾሚሩ እንከሎ ሽምዓ ስኢና። ሃገር ዘ ጽደቐቶ ቅዋም ብኾፉ ሓድሽ ትሕንጥጡልና ከምዘለኹም ድማ ገሊጽካ። ብልሽውና ድኣ’ሞ ዘይብንሱን ከምኡን’ዩ ዝግለጽ እሞ ካባኻትኩምሲ ካልእ’ዃ ኣይንጽበን። እንተ ውዕሎ ጀነቫ ኣማን ብኣማን ሓመድ ድበኹም ሓመድ ድበ ህግደፍ!!

እቲ ግዜ ብነብሱ ኣኺሉ’ዩ!

ዓወት ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ!

ጎደፋ፡

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Eritra July 17, 2015

    I think the reason why Higdef and its predecessor were not allowing people to express views about their identity is because, they had a huge and detailed profiling system, very often consulted to retrieve information to be used in political purging by Iseyas and his killing machine.
    From the archives, they knew very well who was who, their origin, they had records of even strictly personal things, like whether a young lady was a virgin or not. Obviously, they didn’t want people to know each other, because that would expose their plans and tactics of using one group against the another. Profiling and Bado-Seleste (03) are the most important tools of Iseyas.

  • Siyum July 22, 2015

    Bejaka kemzi aynet tsuhuf n anbabi ketekirib kelaka degagimka anbibo kidmi kan anbabi mibsuhu mikniyatu buzuh fah zibele kalat alewuwo emo aselchawi keykewin tetenkika akribo bi ziterefe ajoka kesilelu.

POST A COMMENT