Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።        07.07.15፡ ወለድናስ “ንእሽቶ ውራይ’ሞ ግበር ሰብካ (ፈተውትኻን ጸላእትኻን) ክትፈልጥ” ክብሉ እንከለዉ ብተግባር ዘረጋገጽዎ ፈተና ከምዝነበሮም እንሆ ንዓና’ውን በጺሕና።ከምዚ ዘበለኒ ምኽንያት ነቲ ድሕሪ’ዚ ሓድሽን ኣብ ብዓለሙ ዝተወደበን ናይ 26 ሰነ 2015 ዝተገብረ ሓያል

ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን።        07.07.15፡

ወለድናስ “ንእሽቶ ውራይ’ሞ ግበር ሰብካ (ፈተውትኻን ጸላእትኻን) ክትፈልጥ” ክብሉ እንከለዉ ብተግባር ዘረጋገጽዎ ፈተና ከምዝነበሮም እንሆ ንዓና’ውን በጺሕና።ከምዚ ዘበለኒ ምኽንያት ነቲ ድሕሪ’ዚ ሓድሽን ኣብ ብዓለሙ ዝተወደበን ናይ 26 ሰነ 2015 ዝተገብረ ሓያል ሰልፊ ዝፈጠሮ ጥርዚነት ክጠቅስ’ምበር እዚ ዝቐነየ ናይ ‘ይኣክል’ ናዕብና ኣነኣኢሰዮ ኣይኮንኩን። ማለ ተይ ቅንያት ፖለቲካዊ ኩነታትና ምስእንዕዘብ በቲ ሓደ እቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ልዑል ባህጊ ለውጥን ባህርያዊ ሓደነትና ዝደመ ቐሉ ኩነትን፡ በቲ ካልእ ዓለም ድማ ነቲ እዋናዊ ብድሆናን ትጽቢትናን ዘተኣናገደትሉን ትዕዝብታ ዝሃበትሉን ቅንያት፡ በቲ ሳ ልሳይ ስርዓት ህግደፍ ዘርኣዮ ዓቕሊጽበታዊ ምድንባር፡ ብምንባሩ ካብ ዘስዓቦ ምስልታት ምጥቃሱ እንታይ ከይብለና።

እሾኽ ብእሾኽ ከምትወጽእ ንፈልጥ ዘበልና ሂወት ህዝብና ድማ ብኣና ብደቂ ህዝቢ ከምትድሕን ክንፈልጥ ኣየጸግምን። ሂወ ት ንምድሓን ክሳብ ሂወት ከምዝሓትት ከኣ ተመኩሮ ቃልስና ምስክርና ኢዩ። ኣብዚ ስርሒት’ዚ “መን ኢዩ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ዝቖመ” ንዝብል ሕቶ ኩልና “ኣነ፡ ኣነ’ምበር” እንተተበሃሃልና’ውን ምንም ኣበር የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ናብ “እሾኽ ብእሾኽ ዶ ወይስ ብመርፍእ”? ዝብል ናብ ናይ ኣፈታትሓ ምርጫ ጥራይ እንተኣንፊቱ ካብ ኩልኻ ጸጸጸርካ ምድርባይ ስለዘየካልፍ እ ንታይ በሃላይ። እንተኾነስ እዚ ናይ ለውጢ መድረኽ ልክዕ ብከምቲ ፖለቲካዊ ባህሪያቱ ስኽፍታ ናይ ኣይሕሱብ ውሽጣውን ግዳማውን ሳዕቤናት ድማ ይፈጥር ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ቃልስናስ ዓለም ከይትሰርቀና ዝሻቐል ሰብና ከምዘሎ ድማ ንሰምዕ።

ውሻጠና ምስ እንርኢ በቲ ሓደ ከምቲ ብላዕሊ ላዕሉ ዝመስሎ እንተኾይኑ፡ “ጉዳይና ባዕልና ክንውንኖ ኣለና፡ ከምቲ ናይ 50 ታት ሎሚ’ውን ናብ ዝኸፍአ ናይ ምቕልን መሰሉን ትልሚ ከይንወሓጥ” ዝብል ስኽፍታ፡ በቲ ካልእ “ለውጥስ ምደለና ግና ዝተዳለወ ውዱብ መሪሕነት ስለዘየለ መን’ዩኸ ክመርሓና” ኢሉ ብዝስከፍ ንዝተፈነወ ርኢቶ ምፍታሹ ኣይምከፍአን። ግናኸ ብመሰረት ኩነተ- ፖለቲካ ብዛዕባ’ቲ ካብ ጻዕዳ ዜግነታዊ ባህሪ ዝብገስ ስኽፍታ ኣይተጓዳእን’ኳ እንተኾነ ከምትዕዝብተይ መ ሰረት ናይዚ ሓሳብ በቲ ህግደፍ ዝፈጠሮ ሳዕቤን ስግኣት ‘ባዶነት’ ተሰኪፎም ኢሳይያስ እንተወዲቑ ሃገርና ተምሳል ሶማልን ኣ ራግጽ ዳዕሽን ከምትኸውን እናዘከሩ ዝራትዑን ስለዚ ኢሳይያስ ጥራይ’ዩ ኣብ ሃገርና ክሳብ ሃመማ’ውን ዶላር ከፊሉ ከምዝወ ጽእን ዝኣቱን ቀጥ ኣቢሉ ሒዝልና ከምዘሎ ብዝብል ኣበሃህላ ክሳብ ንዘየለ ዕብየትን ልምዓትን ዝምጉሱ፡ ነዚ ዓለም ትርእዩ ዘላ ውዱብ ብርሰትና’ውን ከምዘየለ፡ እንተኣልዩ ድማ “ብጽጋቦም ብውዲቶም” ብዝብል ፖለቲካዊ ምስሉይነትን ዝጭርሑ።

“ኢሳይያስ ከየብቅዕ” ካብ ዝብል ስግኣት ብኮፍካ ምሕዳር’ሞ ምረቱ ልዕሊ’ቲ መስኪን ‘ደጋፊኡ’ ወዲሃገር ጎረቤትና ኢቲዮጲ ያ ስለዘስተማቐረቶ ንሱ ከይጸድፍ ክትርሮ ትሓድር ምህላዋ ንሪኦ ሓቂ ኢዩ። ቃላት ኣቶ ስብሓት ነጋ ተዓዚብኩም ምጉብዕባ ዕ ጠ/ሚኒስተር ሃይለማርያም ምስትሰምዑ ጉልቡብ ምርቓነት ወዲ ኣፎም ክትበርሃልኩም ኢያ። አእ፡ ግና እንታይ’ሞ ይገበር ኢሱ ድማ ብመንእሰያት ደቂ ኤርትራ’ምበር ተሓኒቑ! ኣንዊሑ ክኣስረና ክብል ንርእሱ ብሓጺር ተቐፊዱ መስኪን ወዲ ኣፎም!

ወዲ ሰብ ኣብዛ ዓለም ክፍጠር ኣዝየን ክትተርፎኦ ዘይብለን ትጽቢታት ኣለውኦ። ንሕና ኤርትራውያን መንእሰያት ግዳ ኩሉ ዓለማዊ ትጽቢታትና ድሕሪ ሃገር ብምስራዕ ክንስዋእ ወፊርና። እንና ሎሚ እቶም ቀዳሞት ጸሊም ጸጉርና እንታይ ከምዝመስ ል ከየስተብሃልናሉ ብስቤትን ብርሕን ዝተወረስና ኣረጋውያን ዜጋታት ግደፍ ባህግታትና ክማላእሲ ካብዛ ምእንታኣ ዝወፈር ና ገዛእ ሃገር’ውን ተሰጒጉና። እዞም ናይ ሎሚዘመን ካድረታት ህግደፍ ድማ በዞም ኣፍ ዘለና ስዉኣት ዘይቀጨጮም ብመዓ ልቲ ስዉኣት ክወራዘዩ ይረኣዩ። ዋላ’ኳ ውዲት ህግደፍ ግዳም ብምውጽኡ እንተተቓልዐ ኣመሪካስ ብርግጽዶ ጸላኢት መራ ሒና ከምዝኾነት ከየረጋገጹ ከምቲ ንሱ ዝተጣበበሎም ብሃውሪ ተበጊሶም ንኢሳይያሶም ከይትትንክፈሎም ይኸቡዎ። እንኮላ ይ ሕ/መንግስታት ብዛዕባኡ ቅንጣብ ከይትዛረብ ይማጎቱ። ብዛዕባ ነዞም ዝጭፍልቑና ዘለዉ ፍንጫሕ መሰንገለኦም’ሞ ድማ ፋዕራ’ውን የብሎምን። እኳድኣ ሰባዊ መሰል ብምሕታትና ፖለቲከኛታትን መሳርሒ ተጋሩኮነ ሃጸይ-መጸይን’ዮም ዝጥምቑና።

“ተመሊስካ ትረድኦስ ገዲፍካዮ ኣይትኺድ” ኢሎሙና ነይሮም ወለድና። እሞ ተመሊሶም ስለዘይረድኡና ዲዮም ገዲፎሙና ክስድሩ ብሂጎም? እዞም ሰባት ክሳብ ክንደይ ዓሻታትን ናይ ሕልናን ፖለቲካን ሽዩጣትን ኮን ኮይኖም ነዚ ትምኒት ብሕትውና ን ጥልመት’ዚ ዝወዓልዎ? ስለዚ ብጠመትኦም ፈጣሪ ከይተረፈ ን’ከዋኒቶም’ በዓቲ ህግደፍ እንተተንኪፍሎም ኣብኣ ትደዮ!!!

ስለ’ቲ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካ ንዝኣመኑሉ ክድግፍዎ መሰሎም እንተኾይኑ፡ (ግዳስ ኤርትራዊ ብርግጽዶ መሰል ምርጫ ተዋሂ ቡ’ዩ) ንሳቶምን ከምደቂ ዓይኒ መዓር ክሕረዩን ክሰብሑን፡ ንሕና’ዞም ካብታ ሓንቲ ዓለማዊት ትጽቢትና (ሃገርና) ተተመዝ ሒቕና ክንስደድ ካብተመንዩ ስለ’ቲ ዘጓነፈና ጥልመት ክንነቕፎምን ንዓለም ክንጠርዕን ኣይግባእን ዲዩ? ብሓጺሩስ ሕቶ ሰብ ኣዊ መሰላትን ፖለቲካዊ ምርጫን ተጸናቢርዎም ወይ ድማ ከምዝጠለሙ ስለንርዳእ “እንታይ ስለዝኾነ ኢዩ ግዲ ሰብና ዝሃድ ም ዘሎ? ኣበየናይ ፖቲካዊ ስራሓት ኢናኸ ውዒልና” ናብ ዝብል መባእታዊ ፖለቲካ ወሪድና ክንምጉቶም ንግደድ ኣለና።

ብንፈልጦ ንምዝራብ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ መሰልና ስለዝተነፈግና ጥራይ ኢና ናብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስራሓት ዝኣተና ። ኪኖኡ “ንሕና ኣብ መስርዕ ዴስነት ኢና ንስራዕዶ፡ ትንፋስ ኣመሪካ ኣይመኣዘናንዶ፡ ዓረበ-ክርስትያን ኢናዶ ይሁደ-ፈላሻ”… ዝብል ቅጽል መንነተ-እምነት ከነኽርር ኣይተረኸብናን። ብኣንጻሩ ናብ ዘይንፈልጦን ዘይእምነትናን ትሕተ-ሃገራዊ ፖቲካዊ ጉ ጅለታትን ፍልልይ ዓሌተ-መበቆልን ክንጎዛዘ ብዘንቀዱ’ኳ ክንውዕሎ እንተተቐሰብና ንእዋኑ ድኣ ተጎዲእና’ምበር ኣማስያናስ መሊስና ከምዝጸናዕና ኢና ንዝክር። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ኣውራ ፈተናና ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰውራና ከምዝነበረ በሪህልኩም ኣሎ። ሕጂ’ውን በቲ ንፈልጦ ውድብና ክንዛረብ ንበረኻ ዘውጻኣና ትርፎ ጉዳይ ናጽነት ንካልእ ፖለቲካዊ ምርጫ ዝዓለመ ኣይነበረ ን። ኣብኡ ግና ሳላ ስርሒት መራሕትና ብዙሕ ዘይሓሰብናዮ ፖለቲካዊ ጥልፍታት ርኢና። ኩሉ ዝስራሕ ዝነበረ ፖለቲካ ዘየ ሎ ክንሱ ከምዝነበረ ዝተገብረሉ ምኽንያት ጥበብ ኢሳይያስ ጥራይ ነበረ። መዓስ ዝያዳ ከምዝተጋህደ’ውን ኣሕጺረ ክጠቕሶ፡-

ሃገራዊ ቃልስና ጽቡቕ እናሰጎመ እንከሎ ድሕሪ ምትእትታው ደምበ ማሕበርነት ብዝሰዓበ ምቕያር ሚዛን ሓይልን ምዝላቕን “ንሶቬት ንኾንናዶ ኣይፋል” ኣብ ዝብል ናይ ፖሊሲ መርገጺ ገፊሕ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ተፈጥረ። ኣብቲ ውድብ ኣቐዲሙ ታሪኽ ኢሳይያስ ዘዝፈለጠ ዘበለ ምስ ዘዝኣመኖ ይዘራረበሉ ከምዝነበረ ንምጥቃሱ ዝኣክል ብውሽጢ ውሽጢ ንሱ ኣመሪካ ነ ቲ ቅድም ዝገበረቶ መንጸግቲ ናጽነትና ክትእርም ንሰውራና ከምዘይትጻባኣና (ምናልባሽ’ውን ከምትሕግዘና) ተመሲሉ ምስ ዘ ልሓኾ ዘረባ ምስቲ ዳሕረዋይ ንምንታይ ንሶቬት ዘይምኹናኑ ክርአ ንከምስል ዲዩ ኣንጻር ኣመሪካ ክንድኡ ጽልኢ ከምዝነበሮ ዝምድረሉ ዝነበረ ዋላስ ዝተመስጠረ ውዲት ነይርዎ ተቐላዒ ብዘይምንባሩ ነገራቱ እናሓደረ ዘደናግር ኩነት ፈጠረ። እቲ ጸበ ባና ዝተረድኦ ተጋዳላይ ድማ ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ኣብ መራሒኡ ኢሳይያስ ዝነበሮ እምነት ፈጺሙ ኣጥፍአ። ነዚ ዘዝፈለ ጡ ድማ ነበሩ’ቶም ‘መናክዕ ሕሉፋት የማናውያን ኮኑ ጸጋማውያን’ ብጃምላ “ዝንቡላት”እናተባህሉ ዝተቐፈዱን ዝተደከሩን።

ግዜ ገስገሰ። ኤርትራዊ ሃገራውነት ድማ መመሊሱ ጠጥዐ። እንኮላይ “ደርባዊ ቃልሲ” ዝበሃል ፍልስፍና ብታሕቲ-ታሕቲ ከ ምሕሱም ተባርዐ። እንተኾነስ ሓቂ ንምዝራብ እቲ ንናጽነት ዝወፈረ መንእሰይ (ብፍላይ’ቲ ዝተማህረ) ትርፎ ጠመተ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ከምዚ ድሒሩ ዝፈተነና ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ስራሓት ንክሰርሕ መበገሲኡ ኣይነበረን። ሰውራ ድማ ብማዕዶን ኣ ብ ውሽጡን ክሳብ ዘይራኸብ ክልተ ጫፍ ናይ ሓደ መስመር ክሕሰብ ዝዕድም ኩነት ፈጠረ። ግናስ ስረ ንዘይምፍታሕ በቲ ሓደ ብደርባዊ በትሪ እናተጸፋዕካ፡ በቲ ካልእ ብመግዛእታዊ ጽፍዒት እናተለኻዕካ ምቕጻል እታ ሓንትን ዘይተገላብጥን ምር ጫ ቃልሲ ኮነት። ወያ ናይ ሽዑ ፖለቲካዊት ወጥሪ ሎሚ እንክትዝከር ከምዛ ዋዛ ጥራይ ትመስለኩም፡ ወይ “ይርዳኣና ነይሩ” ብዝብሉ ትፈኩስን ትቃለልን ትኸውን። ግናኸ ኲናት ዘይወዓለ ኩሉ ኣይበሊሕን’ዩ’ሞ  ሽዑ ብፍላይ ዓይኒ ዘንቁሐን ከንቁሕ ዝኽእልን ብጸላእን ብኢድ መራሒናን እናተቐንጸልና ብዝኾነ ዋጋ ናብ መዓልቲ ናጽነት ምብጻሕ ጥራይ ነበረ’ቲ ምርጫ ባቃ!

ክሳብ 1993 ነገራት ብከምኡ ይሕለፍ’ምበር ኪኖኡ ክቕጽል ግና ኣይነበሮን። እሞ ዝሰዓበ እምቢታና ከምቲ ዝረኣኽሞ እናቀጸ ለ መራሕና ድማ ክሳብ 2001 ብጉልባብ ፖለቲካ ሃገራዊ ረብሓ ተሳልዩ። ኣብተን ዓሰርተ ዓመታት ክሳብ ንፖለቲካዊ ሰልፍ ታት ዝድርኽ ነገራት ከይስዕብ ስግኣት ስለዝነበሮ፡ ሰልፍታት ከምዘየፍቅድ ኣዊጁን ኩሉ ተጋዳላይ ነበር’ውን ክነብር እንተኾ ይኑ ግድን ኣባል ህግደፍ ከምዝኸውንን ኣገዲዱን ምርጫ ዝግበረሉ ኣጋጣሚ ምስ ዝርከብ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ቤተን ዘይ ኮናስ ከምናይ ብላዕሉ፡ ናይ ብሕቱ ትሕጃ፡ ከምዝመርጽኦ ኣሚኑ ሳንዱቑ ጥሪብሪብ ከምትብለሉ ርግጸኛ ነበረ። ኣድማዕነተን ክብሕት ተልእኾ ማሕበረን በታቲኹ ክሳብ ንብርሰት ሃገር ዝዕድም መርዚ ፖለቲካ ስድራ ዘርገሐ። ሃገራዊ ሃብቲ ብዝተጣየ ሱ ተጋደልትን ካልእ ስራሓት ማፍያን ኣዋፊሩ ንሃገራዊ ማዕከን ከንዘብ ጥርሑ ከምዘትረፈን፡ ውግእ ኣዊጁ ሰብናን ሃብትናን ኣዕሪቕና ከይኣክል ነቲ ዝፈጠሮ ኩነታት ከምጅሆ ሒዙ ናይ መሰጋገሪ እዋንን ኣተገባብራኡን ረጊጹ፡ ፍትሒ ሓኒቑ ናብ ቅትለ ት፡ ማእሰርትን ስደትን ከምንውሕዝ ገይርና። ኢሳይያስ እምባአር ድሕሪ 2001ሲ ብወረጃ ማዕዶ ወይ ሽብሉል መጋበርያ እን ተዘይኮይኑ ብመልክዕ ኤርትራውዊ ሃገራውነት ዝረኣየሉ ምስሊ ምስ በዓዶ ናብ ፍጹም ምልኪ ከምተሰጋገረ ንፍተዎ ንጽላኣ ዮ ታሪኽና ኢዩ። ኣብዚ ናይ 14 ዓመታት ዘመነ-ጸሊም ምልክን ብድሆታትንከ ከመይ ነበረን ኣሎን?

ነዚ ሓድሽ እዉጅ ምልኪ ዝሰማማዕ ሓድሽ ፖሊሲ ከምዝቀደደ ድማ ርኢኹሞ ኣለኹም። ብግዳሙ ዶብና ከይተሓንጸጸ፡ ጉ ዳይ ዘይሕጋዊ እገዳ እናተመኽነየ፡ ብውሽጢ እቲ ኣውራ ዝኸፍአ ኩሉ ትሕተ-ሃገራዊ ፖለቲካ ከም ኣውራጃዊ፡ ሃይምኖታዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብከላታት ፈቲኑ ክሳብ ነባሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ኳ እንታአወጀ መንእሰይ ኤርትራ ኣይተጻዕደን  ኮይ ኑስ ሎሚ ናብ ዘፍታ አንቆሊቝሉ ንሪኦ ኣለና። ቃልሲ ናይቲ ክሃድምን መበቆሉ ክበርስን ዝተወጠነ መንእሰይ ክዕወትን ዳግ ም መንፈስናን ጽንዓትናን ክንመልስን ንዝግበር ግጥም ንምዕዛዝ’ዩ እምባአር’ዚ ዓለማዊ ሰልፊ ዝተገብረ። ማለት ዓላማ ናይቲ ዓለማዊ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ስለምንታይ ኤርትራዊ መንእሰይ ይሃድም ከምዘሎ ንዝቀረበ ጸብጻብ ንምድጋፍን እንተተደልዩ’ሞ ብፍላይ’ቲ ብዕድመ ዝደፍአ ምኩር፡ መልክዕ ናይ’ዚ ሃዳምነት’ዝን ካልእ ጉድን ከምዘውጽእ ንምብራህ ነበረ ዝተሰለፈ።

ህግደፍ ድማ ብመገዲ ሰበ-ስልጣናቱ ነብሱ ክከላኸል ነይርዎ። ግይጽ ምይጽ ናይእኒ ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም እንተርኢ ኹሞ ካብኡስ ሰለስተ ዓይነት ሃዳምነት ከምዘሎ ከረድእ ኢዩ ዝሕልን ዝነበረ። ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ቲ ንኣምባሳዶር ግርማ ንምግ ራም ብጀነራል ስብሓት ዝቐረበ ንስርሒት ወዲ ዓሊ ዘቋሽሽ መደረ ከይዛረብ’ሞ ቆይቝ ፈጢረ ነዛ መከረኛ ነብሰይ ባርዕ ከ ይክዕወላ ምእንቲ፡ ጥራይ ነቲ ‘ወረጃ’ ኣምባሰዳዶርና ብዛዕባ’ዚ ዝበርስ ዘሎ መንእሰይ ህዝቡ ብጋዜጠኛታት ፖለቲከኛታት ተሓቲቱስ ብተምሳል ቆልዑ “ብላ ብላ ብላ” እናበለ ዝተገያየጸ ገያጽ ላግጹ ጠቓቒሰ ክሓልፍ።

ክቡር ኣምባሳዶር፡ ፈተናዮ ጸላእናዮ ህድማ መንእሰያትና ብቀንዱ ውጽኢት ናይ ጽንተት ውጥንኩም ምዃኑ መዓስ ተሰዊርካ፡ እንኮላይ ንብርሰትና’ውን ክንከፍለሉ ንግደድ ከምዘለናስ መዓስ ተሸፊኑልካ፡ እምበር ሃገር ጅሆ ዓትዒትኩም በቲ ሓደ ብው ጥን መስብሒ ዕሙር ዕዳጋኹም ተካይድዎ ስሩይ መሸጣ ሰብኩም ብምዃኑ፡ በቲ ካልእ ብጉልባብ ናይ ዘየሎ ስግኣት፡ ሰብና መዋእሉ ክግለ ኣዒንትኹም ከይሓሰኹም ክግበረልኩም ዘለዎ ሓለፋ ወዘተ ስለትቖጽሮ ቃላትካ’ውን መወራረዲ ክሳብ ትስእ ነሉ እንተለፍለፍካ ብዝኾነ ተኣምር ህድማ መንእሰያትና ትርፎ ፖለቲካዊ፡ ከምቲ ትብሎ ማሕበራዊዶ ቁጠባዊዶ ከተምስሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ንስኻስ ካን’ኮ በቲ ጉዱ ቀቢሩ ኣብ ዓለም ደሞክራሲ ‘ከምዘየለን’ ናጽነትን ሽሻይን ዘዝበሃገ ሶንኮፍ ዘበለ መንእሰይ ክኸደሉ ዝተመነየ መራሒ ተጠቢርካ ኢኻ ከም ዕጡቕ ኣባ ጓይላ ክንድኡ ዘውደኽደኽካ። ካን’ኮ ነቲ መበገሲኡ ዘ ይትፈልጦ ፈተነ ወዲ ዓሊ፡ ናይ ዓብደላ ኮነ ካልኦት ከምእስልምናዊ ፖለቲካ ከተጠምቖ ድሕር ኣይምበልካን። ካን’ኮ ነቲ ኣ ብ ጥቓኻ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ዝነበረ መሓመድ እድሪስ ጃውጂ ዝተባህለ ደላይ ፍትሒ’ውን ጽባሕ ን ጉሆ ብ “ካብ ዊኪሊኪ ዝለሓዄ ሓበሬታ” ኢልካ ከምዚ ናይእኒ ዓብደላ ጃብርን ካልኦትን ምስ ሃገራት ዓረብ ዝተመሳጠረ ሃ ይማኖታዊ ውዲተኛ ኣምሲልካ ክትጥቅኖ ኢኻ። ንነገሩ ዊኪሊክስ እንታይ ማለት ኢዩ? ዕዮኡ ብመንጽር’ቲ ሕጋዊ መሰል ዋን ነት ምስጢር ሃገር ክነጻጸር እንታይ ተሓታትነት ኣለዎ? ምስቶም ሎቢ (Lobby) ትብሉዎም ሰበ-ስልጣናት ነበር ሸምገልቲ ፖ ለቲካ ትገብርዎ ዘለኹም ርክባትከ ብሓቂዶ ንረብሓ ሃገርና ዝጠቅም ትሸማገሉ ትህልዉ ወይስ ንብሃገራ ትዋገዩላ? እንተኾነስ ዘይስንኹም ሑጻ ክትቁርጥሙሉ ከምትብህጉ ኩሉ፡ ብላሕኲ መረዃኹስ ዊኪሊኪ ተደጊፍኩም ክትቆሙ ምምናይ መን ከይ ከልኣኩም።

ክቡር ኣምባሳዶር ግርማ፡ ዕጥቂ ወዲ ገራህቱ ድማ ርኢናዮ፡ ግና ከምቲ ድሕሪ እድያት ዝእለም ዘየሎ፡ ንዘረባ ሳልሕ ማሕሙ ድከ እንታይ ክውሰኾ። ተስፋማርያም ወዲ ባሻይ’ውን ስምና ከፊኡ፡ ቀተልቲ፡ ሓረድቲ፡ ጸየቕቲ ተባሂልና ንጽዋዕ ኣለና”  ክ ብል’ዩ ዝተሰምዐ። መልሱ ቀሊል ነይሩ ሳርያም ዓርከይ። “ኢሂ’ሞ እንታይ ኢኹም ግዲ? ንርእስኻስ ትማሊ ‘ንየማነ-ጸጋም ምስተሰናደልካ’ እንታይዲኻ ትብል ዝነበርካ” ኢልኩም ነታ ስንድቲ ናስትሮኡ ገልቢጥኩም እንተተስምዕዎ፡ ንእለታ ነብሱ ን ሕሉፋት ብጾታ ብምጥላማ ተግባራታ ገኒሕዋ ተሸምቲኹ ኣብ ቅድሜኹም ኩዕሶ ምተቐየረ ሳርያም። ከፍአ ግዳ ናይ ወዲ በ ላዕ ጠዓዋ። ካላእ ትፍለጥኩ ም ባኮታት ጓሶት ህዝቢ። ሰብኩም ካብ ተዋጋኢ ወዲ ላምኩም ዘየናገፍኩምሲ ክንድኡ ዓዶኽ ዓዶኽን ግይጽ-ምይጽን!!

ነዛ ትቕጽል ኣርእስቲ ከተንብቡዋ እዕድመኩም ኣለኹ።

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • the noble teacher July 8, 2015

    good observation.!

    • ALEM GEBRU July 17, 2015

      ፋሕፋሕ ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽልግልግ ዘእተዎ ስርዓት ህግደፍ ኣትሪሩ ተዘይተቃሊሱ ሎሚኮነ ጽባህ ኣብታ ክብርቲ አድና ከቢድ ፍርዲ ምሃብ እዩ ኮታስ ኮሉ ኣቅምና ጸረ-ስርዓት ህግደፍ ንቓለብ ንወደበ ምስ አሃት ኣፍሪቃ ዓድታት ጥሙር ስምረት ፈጢርና ኩሎም ማሕለኻታት ክንሰግር ይግባእ ተዘይኮኑ ግን ካብ ፋሕፋሕ ናብ ምላማስ ዓዲ ንኣትዉ ኢና ናይ ታሪክ ተሓተቲ ኣህና እቲ ጣሕሳውን ዘይወጽእ ሽግር ጸበባ ኮይኑ ክቕጽል እዩ፡፡
      ንወደብ ንቓለስ፨

  • qelchama July 9, 2015

    መን እዩ ኽመርሓና ዚብል ሕቶ መልሱ ሕጊ እዩ ዝመርሓና
    ድሕሪ ደጊም ሰብ ክመርሓና ኣይክእልን እዩ
    ኣብ ጊዜ ኣቦሓጎታትና ንበዓል በትርን ሓይልን ዝባን ሕጊ
    ኢሎም እዮም ጠጠዉ ዘብልዎ ዝነበሩ
    እዚ እንታይ ማለት እዩ ሕዝብና ናይ ሕጊ ምእዙዝ ከምዝኾነ
    እዩ ዘርእይ
    ስርዓት ህገደፍ ድማ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ሕጊ እምበር ብሕጊ
    ዋላ ሓደ መዓልቲ እዉን ከመሓድር ዓቅሚ የብሉን ምኽንያቱ
    እቲ ብደም ዝተለኽፈ ተግባራቱ ኣየፍቅደሉን

    • Sewrana. July 10, 2015

      Thanks. The solution is to implement our constitution and implement it.

  • Slehaki July 9, 2015

    Godefa,

    I read your article twice, but i understood little. I asked my self, If i am not able to fully understand, What about those who have born and grown up in diaspora?

    You have so many important points but you make it complicated.

    Godefa try to understand that all your readers are not fluent in tigrigna, so better to make it simple and readable.

  • Dala Ksha July 9, 2015

    Godefa
    Thanks again for exposing the snake.in my opinion our people have only one enmy,and that enemy is Isaias Afecherki abraham Mirach.please my people know your enemy and name him and give him a face.all the rest around him are disposable he always use them and trash them in garbage.

  • Habte July 9, 2015

    ክቡር ሓው ጎደፋ፣
    ብተኸታታሊ ንእተበርክቶ ኣርእስቲ ጽሑፋትካ ብተገዳስነት ንኽነቦ ይደሊ እየ። ይኹን’በር ምስዚ ኩሉ ዘለካ ልዑል ዓቕሚ ናይ ምጽሓፍ፡ ኣብ ክንዲ ብቐሊል ኣገባብ ኣንባቢ ከምዝርድኦ ጌርካ እትጽሕፎ፡ ብዙሕ ሸንኮለል ስለእትውስኸሉ ትሕዝቶ ጽሑፋትካ ሓርፋፍን ንኽትርድኦ ኣጸጋምን እዩ።
    ስለዚ ንኽትጽሕፍ ምድካምካ ዘይተረፈካ ንጹርን ብቐሊል ኩሉ ኣንባቢ ከምዝርድኦ ጌርካ እንተትጽሕፎ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ።

  • brhane July 9, 2015

    Nber gigna godefa hawey. Bzuhat keyahiti deki hizibi niaka zimeslu hakenatat halifom, tesewiom, kemti derhos bameut deka titsawet zibhal, hagrna Eritrea nezom hasewitn medelhakitin beal wedi gerahitu, tesfamicheal (wedi bashay) ,grma asmorom, yemane maki,Issaiasn hiza mtrafa btami zehizin eyu.

  • Bitibito July 9, 2015

    ሰላም ዝተፈተኻ ጎደፋ፤

    ብዛዕባ ከንቱነት ኣምባሳደራት ህግደፍ ዝጸሓፍካዮ ይሳማማዕ እየ። እንተኾነ ግና እተፈላልየ ጉዳያት ኣብ ሓደ ስለ ዝቐረበ ኣብ ገለ ኣይበርሃለይን እሞ ኣብ ዝመጽእ ጹሑፍካ ብዛዕባ እቲ “ዊኪሊክስ” ኢልዎ ዝበልካዮ፣ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ጽሑፍ ተረድእካ ወይ ኣትርጕምካ ጽማቁን ሓሳቡን ኣቕርበልና። ብድሕሪኡ ነቲ “ሽብሉል መጋበርያ” ዝበልካዮ ምእንቲ ክበርሃልና።

    የቐንየለይ፤

  • rezen July 9, 2015

    Dear Mr. Godefa,
    I am writing this short note to join others in the constructive criticisms of your Article. It is NOT for the sake of criticism but I want to understand the core of your messages. In that context, let me be frank and say it is hard to understand your articles — i.e. you need to work on the construction of your sentences, with the reader as the ULTIMATE recipient, without which it is just like speaking in the wilderness.

    Writing in Tigrigna is very admirable of you. I say it in all sincerity — and I have a reason. In my firm opinion, it is a worthy effort to correct the unforgivable historical blunder that modern educated elites have done on the ancient Habesha written language(Tigrigna), derivative of the ancient language of Geez. Instead of promoting it; instead of improving it; instead of using it on a daily basis, modern educated intellectuals abandoned it in favour of foreign ‘civilized’ languages, thus unknowingly creating the image that their own culture; their own civilization; and their whole lot of their anthropological aspect worthless — a perfect image that colonial forces were striving to paint a picture from the very beginning of stepping onto their diabolical adventure …. I better STOP.

  • formal July 12, 2015

    As indicated above, please follow the style of blogging inorder to make it readable that goes with modern times.
    No one could have such time to read all the story. For me I couldn’t bear it when my scroll was still not moving with all the text.

    Thus, though the content can have some importance, but you have to follow the style for blogging.
    I guess you need some help from the Editors, though this should have been their task from the beginning.

    all the best.

  • sagla adi July 12, 2015

    selam godefa teketatali tekrbo tshufka bi tegedasnet eye zenbbo bitaemi dma ymsteni memelise ksiebo dma ydrkeni ketsli dma ybleka maharin agedan slezkone gn ni hade hade kemzi kemay akmna tht zbele aemikuna knrdio yeshgr eu emo akll abilka kem zdaana tettshfo kndey siabin anbabin mrekebe neru mesleka yekeniyeley

POST A COMMENT