Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣብ ሰያትል ምስ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ብዛዕባ ምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራን ሰፊሕን ሃናጽን ዘተ ኣካይዱ።

ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ኣብ ሰያትል ብዝገበሩሉ ዕድመ መሰረት ትማሊ ቀዳም 20 መስከረም ኣብ ሰያትል፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ምድንፋዕ ህዝቢ ዝሰረቱ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ምቅልጣፍ

ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ኣብ ሰያትል ብዝገበሩሉ ዕድመ መሰረት ትማሊ ቀዳም 20 መስከረም ኣብ ሰያትል፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ምድንፋዕ ህዝቢ ዝሰረቱ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራን ሰፊሕን ሃናጽን ዘተ ኣካይዱ።

ንሱ ኣብ መእተዊ ናይቲ ዘተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ህዝቢ ኤርትራ ይጠፍእ፣ ኤርትራ ከም ሃገር ትወድቕ ምህላዋ ብኣብነታት ድሕሪ ምብራህ፣ እቲ ጠንቂ ውድቀት ሃገርን ህልቂት ህዝብን ኮይኑ ዘሎ ዝቦኽቦኸ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብጎነጽን ብምታላልን ናይ ህዝቢ ሓይሊ እናተጠቕመ ሃገር የዕኑ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ህዝቢ ኤርትራ፣ መንግስቲ ብዘይ ህዝቢ ሓይልን ክእለትን ከምዘይብሉ ብምንግዛብ፣ ስምረቱ ኣረጋጊጹ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ተሰሪቑ ኣብ ጥፍኣቱ ዝውዕል ዘሎ ሓይሉን ኣምሊሱ ናይ ድሕነትን ራህዋን መሳርሒ ክገብሮ ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ኩነታት ሃገርና ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ በጺሑ ተኣፋፊ ኮይኑሉ ዘሎ መድረኽ፣ ኤርትራውያን እንታይ ገደሰኒ ከይበሉን ከይተዛነዩን ቅድሚ ኩሉ ምእንቲ ድሕነት ውጹዕ ህዝቦም ከምኡ ‘ውን ምእንቲ ቅሳነት ሕልናኦም ኣብቲ ብኸተማ ደረጃ ተወዲቡ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተጠርኒፎም ብንጥፈት ክዋስኡ ኣዘኻኺሩ።

Seattle_5

ኩሉ ኤርትራዊ፣ ብጸቢብ ፍልልያትን ውልቃዊ ጠቕምታትን ካብ ቀዳምነቱ ከይተኣልየ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ተንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ ንምዕጋት “ኣነ እንታይ ይገብር ኣለኹ” ኢሉ፣ ኣብ ምስልሳል ‘ቲ ሓባራዊ ዕላማ እጃም ክህልዎ ከምዝግባእ ምስ ገዛእ ነብሱ ብሕልና ተወዓዒሉ ሓላፍነቱ ክስከም ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ኣብ ሰያትል ተመስሪቱ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ከም ኣካል ናይቶም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝጥጥዑ ዘለዉ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፣ ቅርጹን ኣወዳድባኡን ኣጽፊፉ ህዝቢ ብምጥርናፍ፣ ምስቶም ካልኦት ተመሳሰልቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ጋድማዊ ዝምድናኡ ኣማዕቢሉ፣ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝባዊ ድሌት ንለውጢ እንተደኣ ተኣሳሲሩ፣ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ዝግባእ መስርሕ ለውጥን ምርግጋጽ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገበር ከምዝኽእል እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፣ እዚ ህዝቢ ዝመሰረቱ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ነቲ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘሰላስሉዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ዘዐውት፣ ሰፊሕተሳታፍነት ህዝቢ ዘረጋግጽ፣ ለውጢ ኣብ ርእሲ ምድራኽ ደግሲ ጥልመትን ውልቀመላኽነትን ከየጋጥም ውሕስነት ክኸውን ዝኽእል ክምዕብል ዝግብኦ እዋናዊ ኣወዳድባ ምዃኑ ብምግንዛብ ከኣ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ክሳተፉ፣ ኣብ ከተማኦም ተመሳሳሊ መኣዲ ቃልሲ ክምስርቱ፣ እቶም ጀሚሮም ዘለዉ ‘ውን ብዕቱብነት ክሰርሑሉ ጸዊዑ።

ኣብ መእተዊ ናይቲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣቦ ወንበር ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ኣብ ሰያትል፣ ኣቶ ኣሕመድ ኑር ብርሃኑ፣ ብዘይ ተሳታፍነት ህዝቢ፣ እቲ ኩልና እንደልዮ ለውጥን ልዕልና ሕግን ክረጋግጽ ስለዘይክእል፣ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ክነቕሓሉን፣ ንቕሓትና ናብ ምሉእን ስጡምን ውዳበ ክብ ኣቢልና ግብራዊ ስርሓት ብምስስልሳል ኣብ መስርሕ ለውጢ ተራና ከነዕዝዝ ይግባእ ክብል ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ።

እቶም እዋናዊ ሕቶታትን ሃናጺ ርእይቶታትን ብምቕራብ ነቲ ዘተ ዘሀብተሙዎ ግዱሳት ተሳተፍቲ ተቐማጦ ሰያትልን ከባቢኣን፣ ወጻኢታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ንምሽፋንን ድምጺ ኣሰና ንምስሳንን ብኡ ንብኡ ልዕሊ $7000 ዶላር ኣወፍዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • ahmed saleh September 23, 2014

    “At the end of the meeting Eritreans in Seattle contributed $7000.00 to ASSENNA foundation ” , fantastic move
    but that doesn’t surprise me . Because I remember how they also surprised in a meeting with HGDF official at
    BADME war time collecting enough money and they said we don’t support your policy but the care for our country .
    Section of Eritrean societies in diaspora who make you proud . UWUT HAWI YIHABKA AYTEBAHLEN DOO BIKEDEMU .

    • ahmed saleh September 23, 2014

      And for the respected brother Aman , you deserve hundreds fold of it . Even though the hearts and mind
      you gain from your people in general is worth more than anything comparable .

  • selamawit2 September 23, 2014

    d(^_^)b d(^_^)b d(^_^)b d(^_^)b d(^_^)b d(^_^)b !!!

  • selamawit2 September 23, 2014

    (Y) (Y) (Y) (Y) (Y) (Y)!!!

  • Eritreawit September 23, 2014

    That is what i’m talking about. Bravo seattle we are pround of you !! Eritreans are coming back to thier sences. Genourose, brave unapologentic being nationalist. AJOKHUM ANTUM JEGGANU.

  • tarikh September 24, 2014

    ኣነስ ምናልባት ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ሓሳባት አለን። ነቶም ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ዘዋሃህዱን ዘዳልዉን ምስጋናይን ኣኽብሮተይን እንዳገለጽኩ ኛ ቁሩብ ስክፍታ ኣለኒ ፣ እሱ ኻዓ፣ ምንም እክዋ ብኹሉ መዳያት ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻብ ዝድገፍ እንተኾነ ፣ አዚ በየከባቢኡ ብመንገዲ ባዓል ወዲ ባካሮ ዝቖመ ስኒ ዘይብሉ ምጥርናፋት ፣ ነት በመንገድ ባይቶ (ENCDC ) ጽቡቕ ኣንፈት ናይ ምሕባርን ምጥርናፋትን ምውህሃድን ዘርእይ ዝነበረ ተቓውሞ ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። እዚ ኣበየ ቦትኡ ብዘይ ናይ ነዊሕ ጠመተ፣ ብስምዒት ዝተምስረተ ማሕበራት ሕጂ እውን ዳግመ ግምት ይገበረሉ። ህዝብ ስለ ዝታኣከበ ፣ ታኣክብካ ግዋይላ ስለዘካየድካ ቃልሲ ኣካይድካ ማለት ኣይኮነን።

    ካልእ ዝብሎ፣ ኩልና ቤት እነድማዓሉ ኣብዚ ቃልሲ እንተንሳተፍ ኣዝዩ ደራኽን ኣበራታዕን ተራ ምተጻወትና ። ኣማንኤል ወናም ጻሓፋይን ኣዝዩ ክኢላ ምብህሃላትን ሙኻኑ ምንም ምስክር ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። ኣቡውን ኣዝዩ ኣድማዒ ተራ ይጻወት ምህላዉ ኩልና እንፈልጦ ክውንነት እዩ። እንተኾነ ካብዚ ሓሊፉ፣ ቃልሲ ክመርሕ፣ ወይውን፣ ንቃልሲ ዘባራትዕ ኣኼባታት ክመርሕ ይኹን ኣንፈት ቃልሲ ዝድርኽ መድረኻት ክመርሕ ዘለዎ ተኽእሎ ኣብ ተሞክሮ ስለ ዝረኣናዮ ብዙሕ ክብል ኣይደልን። ግን ብዙሓት ነዚ ብዙሕ ንዋታውን ገንዘባውን ወጻኢታት ተገርዎ ዝካየድ ኣኼባታት ክመርሑን ነዚ ምትእኽኻባት እዉን ናብ ዘድሊ ሸቶ ከብጽሑ ዝኽእሉ ወናማት ከምዘለዉ ንኽሕዶ ኣይኮነን። ስለዚ ንኹሉ ነናቱ ንሃቦ። ንክኢላታት ዕድል ናሃብ ፣ ንሓደሽቲ ሓሳባት ክፉታት ንኹን፣ controversial ውልቀሰባት ኣድነቕቲ ኣይንኹን። ተመሊስና ኩሉ ነገር ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ኣሸክምና ዳሕራይ ኢሰያሳት ከይንፈጥር። ዘንትእለትና ውልቀ መለኽቲ ክንቃለስ ከይንነብር ።

    • Nur September 24, 2014

      tarikh,
      what you are saying does not even make sense. however, there is nothing new in what you say. And as brother Amanuel Iyasu rightly said some wudbat or mahberat do not like the idea of Eritreans coming together because naturally they are only thinking of their wudub or mahber. that is sad. Remember: ENCDC was long dead before Wedi Vacaro started the initiative. as to what you say about Amanuel Iyasu: you are entitled to your opinion but i can see where you are coming from. after all you are calling him a dictator. Amanuel Iyasu and a dictator? hmmm. you are full of contradictions.

    • meron September 24, 2014

      aye kileyo malet beal amselu! nezi ktgita do trihxa ybu abotat. mskinay tarik akli xbet entay zeygebr. as far as i know Ema never said he was interested in leading any one group. that is what makes him great. he is for unity. but the are people who are threatened by unity like tarikh and they are the ones who are holding us back from going forward. Ertrawyan ageb belu ahwat!

    • ኣርዓዶም September 24, 2014

      ኣብዚኣ`ሞ
      ኣነ ምስ ዋሃብ ርኢቶ ታሪኽ ኣብ መብዛሕትኡ ዝበሎ የስማማዕ ኢየ።
      ክቡር ሓው ታሪኽ ዝብሎ ዘሎ ሓቑ ኢዩ፡ ከም ኣብነት ብወዲ ቫካሮ ዝተመስረተ ውድብ እንታይን ኣበይን በጺሑ ኣይተራእየን፡ ቢ ኣለና ዝተመስረተ ውድብ ኣበይን እንታይን ገይሩ ኣይተራእየን፡ ከምኡ`ውን ብዙሓት ናይ ሓሶት ውድባት ተፈጢረን ነረንን ክሳብ ሕጂ ኣለዋን። ስለዚ ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ምሽቓጥ ይኣክል።

      ብዛዕባ ኣማኒኤል ኢያሱ ተኾይኑ ግን ብልቢ ክምስገን ዝግብኦ ሓቐኛ ተቓልሳይ ኤርትራዊ ኢዩ። ንሱ ጋዜጠኛ ኮይኑ ጥርይ ኣይተረፈን፡ እንሆ ኩሉ ስብ ብሳላ ናቱ ጻዕሪ ወብሳይት ብምኽፋትን ራድዮ ብምውሳክን ኩሉ ህዝቢ ብዛዕባ ህግደፍን ግዝኣቱን ክርዳእ ኪኢሉ። ስለዚ ኣማኤል ከምዞም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ናይ ሓሶት ውድባት ኣይኮነን። ንሱ ተባዕ ኢዩ፡ ሃገረይ ባሃሊ፡ ብሞይኡ ኩሉ እቲ ዝድለ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ፡ ሕጂ ድማ እዘን ናይ ሓሶት ውድባት ምንቕ ምባል ምስ ኣበያ፡ እንሆ ህዝቡ ከንቕሕን ክውድብን ብሰሚናራት መልክዕ ይቓለስ። ስለዚ መዋእል ይሃቦ። ከምቲ ናቱ ሓልዮትን ድንጋጸን ትብዓትን ዘለዎም 10 እንተዝህልዉ፡ብልክዕ ነዚ ኩሉ ሽግር ሓሊፍና፡ ሃገርና ኣብ ምሞባልን ምህናጽን ምሃለና።
      ስለዚ ታሪኽ ዝብሎ ዘሎ ሓቑ ኢዩ። ንሕና ብወብሳይት ዘይኮነ፡ ከም ደምሒት ብተግባርን ብሓድነትን ምስ እንቓለስ ዘይዕወተሉ ምኽንያት የለን።

      ዓወት ንደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ።

  • tarikh September 24, 2014

    ነቶም ከምዚ ኸማይ ቁንቁኣ ፈረንጂ ብዙሕ ዘይመለኽኩም ብዙሕ ብነጻ ኮነ ብክፍሊት ዝጸዓን ናይ ግዕዝ ሶፍትወየር ኣለኩም። ወይ እውን ኣብ ጉግል ኣቲኹም googledotcom ኢልኩም ኣቲኹም google transliteration tigrinya ኢልኩም እንተ ደሊኹም ናይ ግዕዝ መጽሐፈ ሰሌዳ ክትረኽቡ ኢኹም ብኡ ገርኩም ጸገማትኩም ኣቃልሉ የሕዋት። ጽቡቕ ጌርና እውን ክንበሃሃልን ክንረዳዳእን ንኽእል። የቐንየለይ።
    ተወሳኺት ንእሽተይ ሓሳባት ፣ ዘሕዝን ጉዳይ ኤርትራውያንን ሞት ኣብ ቀላያትን ዳርጋ ማዓልታዊ ዜናን መውጽእ ኣፍ መባሃሃሊ ብዙሃን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ቆጺሩ፣ ከምዝርዳኣን እውን ካብ ናይ ላምጴዱሳ መቕዘፍቲ ክሳብ ሎሚ፣ ካብ ናይ ላምጴዶሳ ኣዝዩ ዝዝያድ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ቀላያት ከምዝተቐዝፉ እዩ። ቲ ኣዝዩ ዘሐዝን ግን ከምዚ ዓይነት ተረኽቦን ፍጻሜታትን ተለሚዱ ፣ ብዛዕባ ሂወት መሳኪን ደይኮነስ ናይ ዕላልን ናይ ቁጽርን ሙኻኑ እዩ። ተለሚዱ ተለሚዱ ዝስደምም። ካብኡ ከይወጻና ሓደሽቲ መደርትን ወደብትን እንዳኣካከብካ ትርጉም ዘይብሉ ዑደታት ከም ቅድ ተወስዱ ተለሚዱ። ንህግደፍን ጓይልኡምን እንዳዋረድካ ንባዕልኻ ኣብ ህልም ዝበለ ጠገለ ኣልቦ ናይ ጓይላ ተጸምድካ ፣ ተለሚዱ። ምልማድ ሕማቕ ባህሊ፣ ከይሲ ልማድ።
    ባይቶ ኣብነት እዩ፣ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ንሓርነት ዝረኸብናዮ ዛዓበየ ምጥርናፍ አዚ ሎሚ ኣፍናን ብርዕናን ነወጣውተሉ ዘለና ባይቶ እዩ። እዚ ባይቶ እዚ ኩሉ ንሓርነት ኤርትራውያን ዝቃለስ ባእታ እንተዝትርነፎ፣ እንተዝውንኖ፣ ናተይ ኢልና ክደክም ከሎ ኣይግድን እንተንብል ናብዚ ዘለዎ ኣይማኣተወን። ብማዕዶ ኮይና ክወድቕን ክደክምን ንስልይ ነርና ምስ ደከመ ምጥቃዕ እንታይ ማለት እዩ? ሕጂውን ነዚ ባይቶ እዚ ንወንኖ፣ ናተይ እዩ ኢልና ቤት ንደልዮ መንገዲ ክኸይድ ንግበሮ።
    ንእሽተይ ካልእ ናይ ኤርትራ ጸገም ስእነት ሓርነትን፣ ስእነት ደሞክራስን፣ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት እምበር ናይ ሓድነት ኮነ ናይ ስምረት ጸገም የብልናን። ዝኾነ ናይ ተቓውሞ ባእታ እውን ነዚ መሰረታዊ ሕቶ ዝምልስ እምበር ናይ ዘየለ ጉአል መንገድ ዘላግጽ ክኸውን የብሉን። ነታ ዕንክሊል ክትምሕዙ ብዙሕ ግዜ ቃልሲ ኣይባኽን። ጸበባ ህዝብ ኣይነናውሕ።
    ምንሻው፣ ምጽራፍ ጥራይ ኣይንኹን።ግብረ መልሲ ዘድልዮ ኣይጸሓፍኩን ግን ግድነት እንተልኩም ግን ዝበሃል ዘሎ ቁሩብ ግዜ ሂብኩም ሓሲብኩም ግብረ መልስ ሃቡ።
    የቐንየለይ

    • ስባህቱ ተኽለ September 25, 2014

      እዝጊ ኣፍለጠካ ታሪኽ። ዘረባኻ ወይ ሃጠው ቀጠውካ መትሓዝን መእሰርን ስለዘይብሉ ግብረመልሲ ኣየድልዮን ኢዩ። እንተ ንሓው ኣማኑኤል ኢያሱ ዘሎካ ጽልኢ ግን ካብ ሓደሻብ ንላዕሊ ኣድሚቕካዮ ኣሎኻ። ታሓላቒ ናይ ባይቶ ኹን ናይ ካልእ ነቲ ኩላትና ንርእዮ ዘሎና ሓቂ ክትቀብርን ጻዕረኛታት ተቓለስቲ ከተካፍእን ኣይትትዓብ።

  • m September 25, 2014

    Zereb Tirah Koyna Alem Abey Bexeha Alla Nihna Dima lelelele Kinbel xehay Aribuna Hiji Sebay Koynka Messwati Kefilka Free wey Nexa Mukan Eyu Zereba Yiakill 30 Amet Lelelele Eilna 30 Akeba Geyrna 30 Festival Geyrna Hanti Tikmi Zey bulu Hateftef Kinibel Kulu Hizbina Tewdiou Hiji Zedli hade kem Wadi Ali Jigna Trah eyu

POST A COMMENT