Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሽኮለለ በሎ!

ከበሮ ጣቕዒት እንተደኣ ሰሚዕካ ክትስዕስዕ ትጎዪ ንኹሉ ረሲዕካ ከም ኣጻብዕ ኢዱ *ባጉህ ፈሊጡካ                             *ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ እኖሆ ከም ክራር ወትሩ ይቓንየካ!   ሓሪስካን ነጊድካን ከይትኣቱ ገዛ ቆፎኻ ከይመልእ ምህርቲ ኣኸዛ ጎጎ ምስ ሕንባሻ ከይትዓጽድ ሃንዛ ሃገርካ ብኹላ መቊሕ ተታሒዛ ዕስራ ዓመት ኮይኑ ክትቅለብ ኣብ

ከበሮ ጣቕዒት እንተደኣ ሰሚዕካ

ክትስዕስዕ ትጎዪ ንኹሉ ረሲዕካ

ከም ኣጻብዕ ኢዱ *ባጉህ ፈሊጡካ                             *ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ

እኖሆ ከም ክራር ወትሩ ይቓንየካ!

 

ሓሪስካን ነጊድካን ከይትኣቱ ገዛ

ቆፎኻ ከይመልእ ምህርቲ ኣኸዛ

ጎጎ ምስ ሕንባሻ ከይትዓጽድ ሃንዛ

ሃገርካ ብኹላ መቊሕ ተታሒዛ

ዕስራ ዓመት ኮይኑ ክትቅለብ ኣብ *ታዛ!      *እንስሳታት ሓሰር ዝበልዕሉ ገዛ

 

ቁንጣሮ መሸላ ከም ደርሆ ክትተኩብ

መቑንንካ ክትጽበ ኣዋርሕ ትጽብጽብ

ካንድዩ ከም መጽዓኛ በሊዕካ ክትጋልብ

ወዲ ሰብ እንዲኻ ቊርብ ዘይትሓስብ!

 

ካብ ፈለማ ወርሒ ክሳዕ መወዳእታ

ስም እናቐያየሩ ዘየቋርጽ ፌስታ

ሕሉፍ ከዘንትዉ ዝዳጋገም ዛንታ

ዘይፍጸም መብጽዓ ወትሩ ንዓመታ

ኣብ ክቢ ትጓዓዝ ኣልቦ መወዳእታ!

 

ጸዲቑ ዘይዕምብብ ፈልሲ ተተኸሉ

ዝጠቕም ዘይጠቅም ሰሪሕና እናበሉ

ንመመረቕታ ኢሎም ጓይላ ይተኽልሉ

*እንተላም ሓፊሶም *ካዕቢ የጥፍእሉ!                            *1 ኩንታል  *2 ኩንታል

ካብታ ማሙቕ ቤትካ ናብ ቅርዓት ወጺእኻ

 

ክትዘልል ክትድብል ኣብ ጥሙይ ከብድኻ

ስለ ዘየፍቀደ ቅዩድ ሕልናኻ

ዓዲ እንተወዓልካ ዓጺፍካ ብርክኻ

ንምሸቱ ኣብ *ታዛ ምእታው ከይከልኡኻ       *መብልዒ ኣብዑር

ድሌቶም ትፍጽም ወትሩ ከይፈተኻ!

 

‘ከብድኻ ከይጠሚ ሓምሊ’ሞ ምልኣዮ

እቲ ዕሩቕ ዝባንካ ጓና ኣይርኣዮ’

ንዝብል ምስላ ብግብሪ ክትዓዮ

ብጥሙይ ከብድኻ ንዝለበስካዮ

ኣብ ቅርዓት ወጺእካ ተንጸባረቕካዮ

ህግደፍ ኣብታ ህሞት ቀሪጹ ብቪድዮ

ጽቡቕ ከም ዘለኻ ንዓለም የርእዮ!

 

እከለ ከይሕጐስ ኩስቶ ደስ ከይብሎ

እናበልካ ክትሓብእ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ

ሽግርካን ወጽዓኻን ወትሩ ክትክውሎ

*ዘለማ ከብቅዕ ዘይትብል ይኣኽሎ            *ጭቈናን ረገጻን

ርእስኻ ኣይተድንን *ኣሽኮለለ በሎ!           *ኣይሰዓርን በሎ

እኽለማይ ኣይኮነን ሓርነት’ዩ ህይወት

ቃልሲ ንናጽነት ግድን ከም ዝዕወት።

 

መን ኣሎ ዝፈልጦ ልዕሌኻ ኣታ ህዝቢ

ኣይርገጽን’የ በል። ኣይግዛእን እምቢ!

Esayram Geresus

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT