Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቕርቦ መጽሓፍ – ብዛዕባ ኣኳውና ደብዳቤታት ሰይጣን

ኣቕርቦ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣኳውና ደብዳቤታት ሰይጣን ካብ መወዳእታ ነሓሰ ጀሚሩ <ደብዳቤታት ሰይጣን> ዝተሰየመት መጽሓፍ ደሪሰ፡ ኣሕቲመ ናብ ኣንበብቲ ምስርጋሕ ጀሚረ ኣሎኹ። እቲ ኣርእስቲ‘ቲ መጽሓፍ ኣሰንባዲ እዩ።  ቈራቢ ኣማኒ እዬ ከም‘ዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ብኢደይ ኣይትንክፍን! ኢሎም ዝብርግጉን፣

ኣቕርቦ መጽሓፍ

ብዛዕባ ኣኳውና ደብዳቤታት ሰይጣን

ካብ መወዳእታ ነሓሰ ጀሚሩ <ደብዳቤታት ሰይጣን> ዝተሰየመት መጽሓፍ ደሪሰ፡ ኣሕቲመ ናብ ኣንበብቲ ምስርጋሕ ጀሚረ ኣሎኹ። እቲ ኣርእስቲ‘ቲ መጽሓፍ ኣሰንባዲ እዩ።  ቈራቢ ኣማኒ እዬ ከም‘ዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ብኢደይ ኣይትንክፍን! ኢሎም ዝብርግጉን፣ ከም‘ዚ ዝኣመሰልዎ መጽሓፍ ስለዘየንብቡ ከኣ ብጽንዓት እምነቶም ዝሕበኑን፡ ሰይጣናዊ እንተኾንኩ ክፈልጡ ዝደልዩን፡ ነፍሰይ ንዘልኣለም ኣብ ገሃነእሳት ከይትሳቐ ምንእንታን ክጽልዩለይ ዝመባጽዑን ኣይውሑዳትን። ንስለ ሓልዮቶም አመግን።

ሰይጣን ድኣ እንታይ ዝበሃል ሃልዪዎ ኴይኑ እዩ!? ቢሎም ዝተገደሱን ነቲ መጽሓፍ ከኣ ዘንበቡዎን ወጣማትን ደፋራትን‘ውን ብዙሓት። እቲ መጽሓፍ ብዘልዕሎም ሕቶታትን ዋዛዊ መልስታትን እውን ተመሲጦም። ነቲ መጽሓፍ ካብ ዘንበበ ኣሉታዊ ጸረ መልሲ ክሳብ ሔዚ ኣይሰማዕኩን።

ኣብ‘ቲ መጽሓፍ እንተድኣ ኣገዲስካዮ ዝግደስ ሳልሳይ ጠባይ ከኣ ኣሎ። እንታይ ክብል ዝደለየ መጽሓፍ እዩ‘ዚ ኣቐዲሙ ክፈልጥ ይደሊ። ደራሲ፡ ወርትግ፡ ነዚ ሕቶ‘ዚ ኣብ መቕድሙ ይምልሶ እዩ። እንተኾነ እዚ ዓይነት ኣንባቢ‘ዚ ነቲ መጽሓፍ ኣንቢቡ ርእይቶ ዝህቦ ሞያዊ የድልዮ። ብሰንክ‘ቲ ትሑትን ጸቢብን  ስነጽሑፋዊ ምዕብልና ግን ነዚ ዝገብሩ ሞያተኛታት ኣይነብሩን‘ሞ እቲ ደራሲ ባዕሉ ነፍሱን መጽሓፉን የፋልጥ። እሞ ምስ ነፍሰይን መጽሓፈይን ከፋልጠኩም። ብርቱዕ ስራሕ ኣይኮነን ነታ ቀዳመይቲ ገበር ምግንጻል ጥራሕ እዩ ዘድልየኒ።

ሰላማት። ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ እበሃል። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት <ሓላዊ‘ታ ወርቃዊት ገረብ፣ ዘፍጥረት ውልቀመላኺ> ዝተባህለት መጽሓፍ ጽሒፈ ነቢረ። ተፈጺማ። ኣይተፈጸመትን ከኣ። ሔዚ‘ውን <ደብዳቤታት ሰይጣን> ዝተባህለት መጽሓፍ ጽሒፈ ኣሕቲመ እዝርግሕ ኣሎኹ። ተፈጺማ። ኣይተፈጸመትን ከኣ። ትምህርተይ ኣይፈጸምኩን። ገድለይ ኣይፈጸምኩን። መጻሕፍተይ ኣይፈጸምኩን። ኣነ ኣይተፈጸምኩን። ‘እቲ ዘይተፈጸመ‘ ኢልኩም እውን ክትጽውዑኒ ትኽእሉ። ገና ቀጻሊ እዬ።

***

ሔዚ ገበር ገንጺለ።

መቕድም ንደብዳቤታት ሰይጣን

ንድፈ ጽሑፍ ‘ሓላው’ታ ወርቃዊት ገረብ ካልኣይ መጽሓፍ’ እንዳኣሰናዳእኩ፡ እቲ ቴክኒካዊ ድርሰታዊ ሽግራት  እንከጓንፈኒ፣ ብማርክ ትወይን ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ደብዳቤታት ካብ መሬት ክትርጕም ጀመርኩ። ኣብ’ዚ መቕድም እዚ ከኣ ብዛዕባ ማርክ ትወይን ገለ ክብል ክብረት ይስምዓኒ።

ሳሙኤል ላንግሆርን ክለመንስ (ሕዳር 30, 1835 – ምያዝያ 21, 1910) ብዝበለጸ ብስም ብርዒ ማርክ ትወይን ዚፍለጥ ኣሜሪካዊ ጸሓፋይን ተዋዛዪን ነበረ። ዕንደራ ሃክልበሪ ፊንን ቶም ሶውየር እተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተወርያ መጻሕፍቱ እየን። እተን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣሜሪካ ከኣ ዓቢዪ ጽልዋ ዘሕደራ። ንኣሜሪካዊ ስነ ጽሑፍ ዕንደራ ሃክልበሪ ፊን (1885) እያ ፈጢራቶ ዚብሉ’ውን ኣሎዉ። … ።

እቲ ዚዓበየ ኣበርክቶኡ፡ ማርክ ትወይን፡ ንእሜሪካ ፈለማዊ ኣሜሪካዊ ስነጽሑፍ፣ ንዓለም ከኣ ስሓቕን ኣሽሙርን ምሃቡ እዩ። ትወይን፡ ዘይቀስን ድልዬት ፍልጠትን ትኵር ክእለተ ትዕዝብትን ዚነበሮ ዓቢዪ ሰብን ደራስን ኣሽሙራዊን ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይውቱ ብ1910 ዚሓንጠጦም ንድፈጽሑፋት(manuscripts)፡ ደብዳቤታት ካብ መሬት፡  ንሃይማኖታዊ እምነታት ዘለምቲ እዮም ኢላ ክላራ ጓሉ ከይሕተሙ ከልከለት። ብ1962ዓም ሓሳባታ ቀይራ ከኣ ንፈለማ ጊዜ ተሓትሙ። ቅድሚ ገለ ሰላሳ ዓመታት ነቶም ጽሑፋት ኣንቢበዮም ሓያል ተመሲጠ። ብዙሕ ሓሲበ። ብዙሕ ስሒቐ። ሓደ መዓልቲ ከምዝትርጕሞም ከኣ ካብ ሽዑ እፈልጥ። ንበይነይ ክስሕቕ ጨካን ስስዕቲ ም‘ነበረ። እቲ ነገር ግን ስሓቕ ጥራሕ ኣይነበረን እቲ ጽሑፍ ንመንፈሳዊ ንቕሓተይ፡ ስለ‘ዚ ንነፍሳዊ ነጻነተይ ዓሚቝ ከምዚተኵቶኸ እፈልጥ።

ሰይጣን ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝለኣኾም ደብዳቤታት እዮም። ስለ’ዚ <ደብዳቤታት ካብ መሬት> ተባሂሎም። ካብ ቤት ጽሕፈት ሰነዳት መንግስተ ሰማይ፡ ክፍሊ ጥርዓናት፡ ናብ ሓደ ዓሚል (ኣማኒ) ኣብ ዓለም ዝተጻሕፈት ሓንቲ ደብዳቤ’ውን ምስ‘ኦም ኣላ።

ዓሰርተው ክልተ ብኢድ ዚተጻሕፉ፡ ትወይን ተመሊሱ ዘንበቦም ዘይመስሉ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝተኣታተዉን ዝደጋገሙን ፈለማዊ ንድፊ ጽሑፍ እያቶም። ሕድሕዳዊ ምድግጋሞም ኣልጊሰ ምስ ተርጔምኩዎም ከኣ ናብ ዓሰርተ ደብዳቤታት ተጸሚቖም ብቍጽሪ ገጻት ኣዝዮም ውሒዶም ከም ርእሱ ዚኸኣለ ጽሑፍ ክቐርቡ ከምዘይክእሉ ረአኹ። ብቐደሙ‘ውን ምስ ሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳም‘ን ካልኦት ጽሑፋትን ተደሪቦም እዮም ተሓቲሞም። ድሕሪ ምጽሓፎም ስነፍልጠት ብዙሕ ማዕቢሉ ስነፍልጠታዊ ሓቅታት’ቶም  ከዓርዮምን ከመሓይሾምን ነቢሩኒ። ንኣሜሪካዊ ኣንባቢ ዝቐረበ ኣስሊ ጽሑፍ ንኣንበብቲ ትግርኛ ብዝስሕብ ቢለ ዝሓሰብኩዎ መንገዲ ከኣ ከጻርዮም ጀመርኩ። ሓያሎ ጊዜ፡ እንዳሰዓረኒ፡ ነቲ ስነሞገት ዋዛን ላግጽን ቁምነገርን ትወይን ከይሰሓትኡ፣ ካብ’ቲ ኣስሊ ሓሳባቱ ከይወጻእኩ ከስፍሖምን ከዕምቖምን ጀመርኩ። ነቲ ዘይተደምደመ ንድፈ ጽሑፍ ክምዝምዞን ብመገደይ ከኣ ከጓዕዞን ከይሰድዕ ኣይከኣልኩን። ናብ ትግርኛ ከኣ ኣርዓምኩዎ። እንተኾነ ገና ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ኪኸውን ኣይከኣን። ስለ’ዚ ንሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳም’ውን ክትርጕም ነቢሩኒ። … ወይ ከኣ … ሓደ ሓዲስ ሓሳብ መጻኒ። ንሰይጣን፡ኣብኣሜሪካጥራሕዘይኮነስናብምልእቲዓለምዘየዛውሮ! ሓሰብኩ። ጊዜን ክእለትን እንተዝነብሮ፡ ማርክ ትወይን፡ ናብ ምልእቲ ዓለም ከም መዛወሮ ርግጸኛ ኮንኩ። ካብ ጽሑፋቱን ታሪኽ ህይወቱን ብዙሕ ኣንቢበ ነቲ ሰብኣይ ደሓን ዝፈልጦ ኴይኑ እስምዓኒ። ንመንፈስ ኣጸሓሕፋኡን ስነሞገት ዋዛኡን ብዝተኻእለኒ መጠን ተኸቲለ ከኣ ንሳጥናኤል ናብ ዝሰፍሐ ዓለም ኣዛወርኩዎ። ክሳብ ናብ ኤርትራ ድማ ኣብጻሕኩዎ። ካብ ዚረገጾ ዘበለ መሬት ከኣ ዓሰርተው ኣርባዕተ ናተይ ደብዳቤታት ኣጽሓፍኩዎ። እዚ ድማ ስለምንታይ ንክርስትና ጥራሕ ትወቅስ ንዝብል ክሲ‘ውን  ከምዝምልስ ሓሰብኩ። እቲ መስርሕ ኣይሓድግን ኢሉ ብክሳደይ ሓኑቑኒ ከኣ ነቶም ደረቕ ጻልጣ ደብዳቤታት ማሕበራዊ ድሕረ መሬት ኣንጸፍኩሎም። ከይዶም ከይዶም ከኣ እቶም ጽሑፋት ናብ‘ቲ ሓዲስ ቅርጻ ጽሑፍ ተዋሃዱ። ንሰይጣን ከኣ ታሪኻዊ ድሕረመሬት ሰራሕኩሉ።  ከም‘ዚ ኢሉ ከኣ እቲ መጽሓፍ ኮነ።

ነቲ ውጽኢት ጠሚተ ድማ እንታይ‘ዬ ገቢረ? ን <ደብዳቤታት ካብ መሬት>  ተርጕመዮ ድዬ? ኣርዒመዮ ድዬ? ወይ‘ሲ ደጊመ ምሂዘዮ እዬ? ኢለ ሓሰብኩ። ተራይን ዝምድናይን ምስ‘ቲ መጽሓፍ ከኣ እንታይ‘ዩ ክውስን ሸገረኒ። ነቶም ደብዳቤታት ክትርጉም ተበጊሰ ብርግጽ ልዕሊ ንቡር ምትርጓም‘ዬ ከይደ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ነቲ ሓዲስ ውጽኢት ደብዳቤታት ካብ መሬት ኢለ ክሰምዮ ኣይከኣልኩን፡ ኣይክእልን። ሽሕ‘ኳ ንመንፈሱን ማእከላዊ ትሕዝቶኡን እንተዘይቀየርኩ፡ ንመልክዑን ኣቀራርብኡን ቀዪረዮ እዬ። ነቶም 12 ደብዳቤታት ናብ 10 ደብዳቤታት ጸሚቖዮም፣ ስነሞጎታዊ ኢለ ብዝሓሰብኩዎ ኣቀማምጣ ከኣ ኣቐማሚጠዮም። ምዕማቝን ምግላጽን የድልዮም እዩ ቢለ ንዝሓሰብኩዎም ሓሳባት ድማ ኣስፊሐዮምን ኣዕሚቘዮምን።

 

እቶም ጽሑፋት ክጻረዩ ፈለማኦም ኣይኮነን። በርናርድ ደ ቪቶ፡ ኣሰናዳኢ Saturday Review of literature ዝነበረ፡ ካብ 1000 ንላዕሊ ካብ ዝኾኑ ንድፈ ጽሑፋት ትወይን፡ ካብ 1932 ክሳብ 1939 ኣብ ዝነበረ እዋን ደብዳቤታት ካብ መሬትን፡ ሰነዳት ቤተ ሰብ ኣዳምን፡ ዳብዳቤ ናብ መሬትን፡ ዓቢዪ ጸልማትን  ቢሉ ዝኸፋፈሎም ጽሑፋት ንማሕተም ኣጻረየ። ክላራ፡ ጓል ትወይን፡ ግን ምሕታሞም ከልከለት። ብ1960፡ ሓሳባ ቀይራ፡ እቶም ጽሑፋት ክሕተሙ ኣፍቀደት። እቲ ኣነ ደጊመ ኣጻርየ ዝተርጎምኩዎ ጽሑፍ ከኣ እቲ ብደ ቪቶ ዝተጻረየን ንማሕተም ዝተቐረብን እዩ። እቶም ደብዳቤታት ኣብ ነዊሕ እዋን ስለዝተጻሕፉ ዝደጋገሙን፡ እንሓንሳብ እውን ሕድሕዶም ዝጓነጹን ነበሩ‘ሞ ብዘይካ ምጽራይ ደ ቪቶ ይትረፍ‘ዶ ከም መጽሓፍ‘ስ ከም ንጽል ጽሑፋት‘ውን ክሕተሙ ኣንበይተኻእሉን። ኣሰራት ናይ‘ቲ ዘይተወደብ ፈለማዊ ንድፍዊ ኣጸሓሕፋ ትወይን ድማ ኣብ‘ቲ ዝተጻረየ ጽሑፋት ደ ቪቶ‘ውን ይርኣዩ። ሕድሕዳዊ ምድግጋማትን ግርጭታትን ትሕዝቶ ደብዳቤታት ብምልኣት ኣዓርዩ ክውግን ዘይምፍታኑ፡ ደ ቪቶ ብዝተኻእለ መጠን ንትወይን ምስ ጉድለታቱ ከቕርቦ ከምዝደለይ እርዳእ።

እቲ ደ ቪቶ ዘይገበሮ ኣነ ዝገበርኩዎ።

ሳጥናኤል ኢለ ንዝሰመኹዎ ሰይጣነይ (ትወይን ብደፈንኡ ሰይጣን እዩ ዝብሎ) ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ሰሪሐሉ። ኣብ መጽሓፈ ቅዱሳት ዝጥቀሱ ሰይጣውንቲ ብዙሓት እዮም። ኣነ ነቲ ከይዱ ከይዱ ናብ ሰይጣን  ዝተሰርሐ ሳጥናኤል ኣተኵረ። ዘፍጥረቱ/ኣከዋውንኡ ከኣ ክገልጽ ፈቲነ። ጽውጽዋዩ ከኣ ካብ ኣቦ ሓጎኡ ቅሮኖስ/ሳቱርን ጀሚረ።

 

ንኵሎም ጻልጣ ደብዳቤታት ማሕበራዊ ድሕረ መሬት ክፈጥሮም ፈቲነ። ፈጢረሎም። ነቲ ትወይን ዝሰርሖ ሰይጣን ከኣ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ናብ ካልኦት ክፍለዓለማት ኣዛዊረዮን  ብዛዕባ‘ቶም ዝተጓነፍዎ  ኣህዛብን እምነታትን ከኣ ርእይቶ ከጥርን ብዛዕብኦም ክጽሕፍን ገቢረ። ነተን 10 ደብዳቤታት ትወይን 14 ካልኦት ናተይ ደብዳቤታት ወሲኸለን።  ብዘይካ እተን 14 ተወሰኽቲ ደብዳቤታት ከኣ  በቲ መጽሓፍ ኣቢለ ክብሎ ዝደለኹዎ ብምልኡ ኣይምበልኩን።

 

ነተን 14 ደብዳቤታት እንክጽሕፍ ኣብ ፍሽጢ ነፍሲ ማርክ ትወይን ክኣቱ ፈቲነ። እንተዘንብበን‘ውን፡ ብዝወሓደ፡ ጽቡቕ ፈተነ ኢሉ ፍሽኽ ም‘በለ። ምናልባት ድማ ሽፍታ! ሕግን ልምድን መልክዕን ዘይግድሶ ግደኣልቦ፡ ዕዋላ ስነጽሑፍ  ኢሉ ኣመልካቲት ኣጻብዕቱ መወጣወጠለይ። ናብ ነፍሱ ክኣቱ ብምፍታነይን፡ ናብ‘ቲ ንሱ ናብ ዝምኸዶ ግን ዘይከዶ ገሚተ ናብኡ ክኸይድ ብምፍታነይን ብምድፋረይን ድማ ዝምተሓጎሰ እመስለኒ።

 

ሓደ ሓሳብ ካልእ ሓሳብ እንዳፈጠረ፣ እንዳተጫለደ፣ እንሓንሳብ ከኣ እንዳተገራጨወ፣ ነቲ መስርሕ ጽሑፍ ምቍጽጻሩ ብርቱዕ ነበረ። ኣብ ገለ ነጥቢ ናይ‘ቲ መስርሕ ከኣ እቲ መጽሓፍ ተቈጻጺሩኒ ከም ሰይጣን ዝዓሰሎ ጸሓፍኩ። ጸሓፍኩ። ንመጠረስትኡ ከኣ ነቲ ዝኾኖ ኴይኑ እንሆ። እቲ እንክጽሕፍ ብዛዕባ ስምን ገበርን መጽሓፍን፣ ሕጋውን ስነጽሑፋዊ ስነምግባርን ኣይሓሰብኩን። እቲ መጽሓፍ ተወዲአ ምስ በለ ከኣ እንታይ ዝኾነ መጽሓፍ እዩ‘ዚ በልኩ? ናይ መን‘ዩ? ተራይ ኣብ‘ቲ መጽሓፍ እንታይ‘ዩ? እንታይ‘ዩ ዝምድናና? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ እቲ ቃንዛ ሕርሲ ኮነ።

 

ነቶም ናብ 32 ገጻት ዝጸመቝኩዎም ደብዳቤታት ትወይን ናብ 58 ገጻት ነፊሐዮም። እቲ ዝተረፈ ክልተ ሲሶ ናይ‘ቲ መጽሓፍ ኣነ ዝጸሓፍኩዎን፡ ኣነ ጥራሕ‘ውን ዝሕተተሉን እዩ። ነዚ እንታይ እበሎ?  እንታይ‘ዬ ፈጢረ? እንታይ‘ዩ ተራይ? ነቲ መጽሓፍ ዘንበበ ክብለኒ እደሊ። ምትርጓም ምትርጓም‘ዩ። ነቲ ኣስሊ ጽሑፍ ከምዘሎዎ ብልክዕ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም‘ዩ ንዝብለኒ፡ እወ፡ ሓቅኻ! ጥራሕ‘ዬ ክብሎ ዝኽእል ስለምንታይ ሓቁ እዩ። ኣነ ግን ሓደ ማዕድን ወርቂ ረኺበ ሰዲዐ ክሳብ ዝከኣለኢ ኵዒተ። ሓጢአ። ምእንቲ እቲ ዝገበርኩዎ ክሓጥእ ከኣ ሕጉስ እዬ። ማርክ ትወይን ከምዝምሕረኒ ከኣ ርግጸኛ እዬፕ

 

እቲ መጽሓፍ ዘይኮኖ ሓደ ነገር ግን ከረጋግጸልኩም። ስነጽሑፋዊ ዘረፋ ኣይኮነን። ኣብ መቕድሙ ኣፍ ልቡ ቀሊዑ መሰረቱን ኣገባብ ኣከዋውንኡን ዝገለጸ መጽሓፍ ተሰሪቑ ክበሃል ኣይክእልን።

 

እቲ መጽሓፍ ዝኾኖ ሓደ ነገር ድማ ክነግረኩም። ኣብ ልዕሊ ልሙዳዊ ኣተሓሳስባን ደብተራዊ ኣረዳድኣ እምነታትን  ዝተደርበየ ነታጕ እዩ።

 

ነቲ ሕቶ ዝምድናይ  ምስቲ መጽሓፍ ምሰልዓልኩ ንመሰል ደራስነትን ስነምግባር ስነጽሑፍን ዝምልከቱ ጽሑፋት ኣንቢበ። ተርጓሚ እውን ደራሲ ናይ‘ቲ ዝተርጎሞ ጽሑፍ ምዃኑን፣ መሰል ደራስነት‘ውን ከምዘሎዎን ተረዲአ። ደራሲ ናይ‘ቲ <ደብዳቤታት ሰይጣን> ቢለ ዝተሰየምክዎ መጽሓፍ‘ዬ፡ ነቲ መሰረታዊ ተራ ማርክ ትወይን ከኣ ኣብ መቕድም እገልጾ ቢለ ሓሰብኩ። እዚ ግን ነቲ ‘ዘረባታት‘ ብዛዕባ‘ቲ መጽሓፍ ካብ ትሕዝቶ ናብ ሕቶታት መልክዕን ሕግታት ስነጽሑፍን ከይኣልውዮ ፈራሕኩ። ድሒረ ከኣ ከም ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ከሕትሞ ወሰንኩ። ንነፍሰይ ማዕረ ትወይን ክሰርዕ ድማ ኣፍርሓኒ። ንመጠረስትኡ ተርጕመን ናተይ ድርሰት ከኣ ጸንቢረን እዬ( ክልተ ሲሶ ናይቲ መጽሓፍ) ቢለ ‘ደራሲ ትርጕም‘ በልኩ። ዘይተለምደ ገለጻ። እቲ ዝገበርኩዎ እውን ዘይተለምደ እዩ።

 

እቲ መጽሓፍ ኢእምነት ንምትብባዕ ዕላማ የብሉን። ኣመንቲ ኣምረ ኣምላኾም ደጊሞም ክምርምሩን ከዕምቑን ግን ይትኵቱኵ። ንመጽሓፈ ቅዱሳትና ንስጋውን መንፈሳዊ/ኣእምሮኣዊ ምዕብልናን ንቕድሚት ዚደፍኡ ትርጕማት ክንመርጽ ይደፍእ። ነቶም በዚ መጽሓፍ’ዚ ዝስንብዱን ዝጽየኑን ዕጹዋትን፡ ጸበብትን፡ ፈራሓትን፡ ህዉኻትን ከኣ፡ እቕረታ፡ ካብ ሰይጣን ድኣ እንታይ ትጽበዩ እብል። ሃ! ሃ! ሃ!

 

ንመደምደምታ፡ እዚ መጽሓፍ‘ዚ ብመሰረቱ ባጫ (Satire) ምዃኑ አዘኻኽር። ነዚ ረሲዕካ ምንባቡ ናብ ዘይምርዳእ ትሕዝቶ መልእኽቲ መጽሓፍ ከብጽሕ ይኽእል። ዓሚቝ ኣፍልጦ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን መንፈሳዊ ተሞክሮታትን ዘሎዎም ነቶም ኣብ ውሽጢ‘ቲ መጽሓፍ ዝዘሓቑ  ጸለምቲ ዋዛታት ብዝበለጸ ከም ዝርድእዎም እግምት።

ግሩም ምንባብ ይግበረልኩም።

 

ዳ. ሰ. ተስፋይ

25.09.2013

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • COW FACE September 26, 2013

    Kalighe ,

    Brother Kalighe stated: I Quote……………………………….

    Dear Cow Face (aka NewHopeLess)

    You have started to reform yourself, that is not bad !!

    But please, tell me a bit about your new name (i.e. Cow Face), is it because you are suffering from Mad Cow disease ?. In the past, you had told me you were suffering from “Megalomanicum Deformantis Ethiopicum”, an endemic disease in Shoa.” END OF QUOTE

    May God bless you & thank you for your concern ,Indeed I had mental disorder ..Deep depression & anxiety..including was diagonized with bipolar disorder..I also have adult ADDH ,on top of all this :

    1)I am Diabetic
    2)High blood pressure,
    3)Hypothyroidism
    4)Anemia
    However with positive attitude & clear identity..Natural fats & herbs (not marijuana) and kind ppl like yourself ,I beat almost all the illnesses.

    You asked if I have Mad Cow disease or “Megalomanicum Deformantis Ethiopicum”..I was not diagonized with those ,but ,I suffer when Eritrean young men are being sodomized by Bedouin & Eritrean women infront of their kids & husband are being gang raped.
    I know you do too.

    Thank you for your concern & I hope you direct your energy towards healing our people.

    God Bless You Kalighe

  • COW FACE September 26, 2013

    Fellow Eritreans ,

    My point is not look how Ethiopia is developing under EPRDF ,no ,I am happy for Ethiopians…But my interest is ,my own people in Eritrea ,Please go to AIGA FORUM & watch “የህዳሴው ግድብ አዲስ ምዕራፍ በ2006″….Even if you do not speak the “alien” language of Tigray ,Amhara & others, but you would appreciate the suyper sonic speed development ..You may say..SO, WHAT THE HAKE DOES THAT HAVE TO DO WITH ERITREA”…
    Well ,in his recent interview ,President ISAIAS AFEWORKI ABRAHAM of our country brought the possibility of Eritrea buying electricity from Ethiopia…THAT IS WHY I AM HAPPY.

    Thank You President Isaias..

    • Daniel Tewelde September 27, 2013

      COW FACE, Renaisence dum is for the hodam not for the people. Do u recognize that 21000 Ethiopian babies are daying daily.

  • COW FACE September 27, 2013

    ርሑስ ብዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ጎረባብትና ።ከም ኤርትራውያን መጠን ምሳኹም ዝኾነ ርኽብ ስለ ዘይብልና እዚ ብዓል እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኣይመስለናን።እንተሃለወውን ኣብ ቦሎኛ ኴንና ከም ሳንታ ክሮቸ ኢልና ኢና ነብዕሎ።ክሳዕ ሕጂ ግን ኣብ ፪፻፮ ዓመተ ምህረት ኣለኹም ፖቨሬቲ ተደንግጹ ።

    ብዝኾነ ፣ኦሮማይ ፓሳቶ
    ቺ ቬድያሞ ኢን ኢ ምባጋልያኖ ፎርቶ።

    መሳኪን ጣልያንኛ እውን ኣይርድኣኩምን እዩ ይመስለኒ ።ብሓቂ ኢኹም ተደንግጹ።

    ጎረቤትኩም፣ገጽ ላም aka FAKE COUNTRY COLLAPSING

  • ሰላምይንገስ(ወዲደባስ) September 27, 2013

    ተዓወት ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ጅግና። እቲ ብመጽሓፉ ጌሩ ንሓቂ ዝነገረ እንኮ ሰብ እንተብልኩዎ ከማን ኣውሒደሉ እምበር ኣየብዛሕኩሉን።

  • senay September 27, 2013

    Selam Daniel Tesfay,

    I always enjoy your writing. I especially admire your first book (Halaw ta Worqawit Gereb) for its historical and literary content. And I look forward to reading part two.

    The release of another book is also a good news. I look forward to reading it too. Please send a distribution center or an address where we can place an order.

    Thank you,

  • Keren September 27, 2013

    ዳኒኤል ተስፋይ፣
    ሓደ ካብቲ ብነፍሲወከፍ ክፍለጥ ዘለዎ ናይ ስነጽሑፍ፣ ቋንቋን ልበወለድን፣ ክኢላን ደራስን ኤርትራዊ። ብፍልስፍና ታሪኻዊ ስነ ጽሑፍን ዝበሰለ፣ ክንበብ ዝግበኦ፣ እንመክሓሉ ናይ ወለዶና ግኑን ሰብ።

  • kifle September 29, 2013

    I have tried to get in touch with u thru your e_mail from 2010 in vain. Please inform us how we can get your new book.

  • Daniel September 29, 2013

    Merhaba Daniel!
    I have read your first book and it is a good one.
    Where can I buy your new book?

  • Meretse Asmelash September 30, 2013

    ዳኒኤል-ሰናይ ንዓካ
    ንጽሑፍካ ካብቶም ጥብቅ ኢሎም ዘንብቡ ኣካላት ክከውን ጸዓሪ ኢየ፡
    ማርክ ትወይን ብሓቂ ከምቲ ዝገለጽካዩ እዩ ብኣክል ዝነበረ፤ ብኣእምሮ’ዃ ክሳብ ሕጂ ዘሎን ገና’ውን ዝቕጽልን። ካብ መንጎ ጽሑፋቱ ጎሊሔን ዝረኣኣያ- ሓንቲ ብተንቀሳቃሲ ፊልም “ቶም ሶውየር” እትፍለጥ ኮይና እታ ካልኣይቲ ከኣ “ግልባ እንቑረዕብ” ኮይኑ ዝስሞዖም ብዙሓት እዮም። ስለ ቶም ሶውየር ግዲ የሎን፤ ስለ “ግልባ እንቑርዕብ” ግን ከመይ ሪከብካዮ? ንቅሎይ ምስ ህርፋን ጽሑፍ ትግሪና ዝተኣሳሰረ እዩ፡

POST A COMMENT