Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቡን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ብዘይ ሕጊ ቤተክርስትያን ካብ ስልጣኖም ተወጊዞም ዝጸንሑ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንበረ ጵጵስና ተመሊሶም መሪሕነቶም ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣቡን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ ኣንጋልዮስ ብምኽንያት ዕረፍቲ ናይቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት  ዝዓረፉ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ተሽይሞም ዝጸንሑ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ቤተክርስትያን

ኣቡን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ ኣንጋልዮስ ብምኽንያት ዕረፍቲ ናይቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት  ዝዓረፉ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ተሽይሞም ዝጸንሑ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ቤተክርስትያን ካብ ስልጣኖም ተወጊዞም ዝጸንሑ ልዑል ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንበረ ጵጵስና ተመሊሶም መሪሕነቶም ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቦም።

ንሶም ኣብ መግለጺኦም፡ እዚ ኩነታት `ዚ እቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዝተኸበሩ ኣቦ፡ ፓትርያርክ እንጠንዮስ ምስታ ተፈንቲታቶም ዝጸንሐት ቤተክርስትያን ዝራኸበሉ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ብሓቂ ዓሚቚ እምነት እዝግኣቢሄር ዘለዎም ኤርትራውያን ከስምሮም ከምዝኽእል `ውን ብሩህ ተስፋኦም ገሊጾም።

ስለ `ቶም ብሰንኪ ማሕዩር ኣብ ጥዕና ስኢኖም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቦ ኣቡነ እንጠንዮስ ኮነ ስምረት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ጸሎቶም ከምዝቕጽሉ `ውን ተመባጺዖም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Memhr December 24, 2015

    ንብጹእ ኣቡነ ኣንጋልዮስ፤ ኣቡን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ፣ ዝለዓለ ምስጋናይ ይብጸሓዮም። ስለቲ ንሰላም ርግኣትን ዕርቅን ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ዘቕረብዎ ጻውዒት እግዚሄር ይባርኮም።

    ንብጹእ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣምላኽ ይሓልዎም። ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ እግዚሄር ይቀበሎም።

    ርሑስ በዓል ልደት መድሃኒና እየሱስ ክርስቶስ ይግበረልኩም፤
    ርሑስ ሓድሽ ዓመት፤ ዓመተ ሰላምን ዕርቅን ይግበረልና።

  • Semharr December 24, 2015

    ብጹእ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ

    God has your comeback planned and it’s glorious!

    ርሑስ በዓል ልደት ምስ ሰናይ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።

  • AHMED SALEH !!! December 24, 2015

    ABOTATNA KEM ZIBLUWO ;
    ” AB ZEYSEMEAKA DEBRI AYTIMAHLEL “. izi wedahankum
    HAPPY HOLIDAYS TO YOU ALL !

  • Berhe Tenesea December 27, 2015

    This Papas was appointed by the Satan, The Eritrean orthodox church was independent and affiliated with the Egyptian Coptic church.
    Any church leader that is appointed by the sinner mafia leader must not be respected and recognized as such.

    The mafia regime even asks church offerings to be given to pfdj.
    I wish the Tembenay rot in his final resting place -the hell.

  • gerima December 27, 2015

    What about if abuna Antonius doesn’t like it?

  • wedibarka December 28, 2015

    kubur abona abun antonos kemti tselotikumn mihilelakumn abti ziabekumlun ms hakena amlkum tirakeblu gedam enda abune endirias sefia bselam emleskum. kab bhigdif setawinti zimahadera abiate kirstian yegelaglkum, btsurukum nab eti bmulue emnetikumn akimukumn zegelgekumo amilaki bselam kitmilesu.

POST A COMMENT