Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣባይቲ ኤርትራ ፈሪሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኣመኖ መሪሕነት ተባሳቢሱ

ኣባይቲ  ኤርትራ  ፈሪሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኣመኖ መሪሕነት ተባሳቢሱ   ቃል ናይ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ፤              ቍጽሪ ፩።                ግንቦት 6, 2015 Eritreans for Facilitating National Dialogue (EFND)   ኣብ ዝሓለፋ ሰሙናት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ማአከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ዓለም ይዛረበሉ ኣሎ።

ኣባይቲ  ኤርትራ  ፈሪሱ፡

ህዝቢ ኤርትራ ብዝኣመኖ መሪሕነት ተባሳቢሱ

 

ቃል ናይ ኤርትራውያን ንምጥጣ ሃገራዊ ዘተ፤              ቍጽሪ ፩።                ግንቦት 6, 2015

Eritreans for Facilitating National Dialogue (EFND)

 

ኣብ ዝሓለፋ ሰሙናት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ማአከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ዓለም ይዛረበሉ ኣሎ። ብዕለት ሚያዝያ 19, 2015 ማዕረ 350 ዝኮኑ ኤርትራውያን ጢሒሎም ከም ዝሞቱ ማዕከናት ዜና ሓቢረን ኣለዋ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ርሓትን ሰላምን ስለዘይረከበ ካብ ፖለቲካዊ ጸቅጥን ወተሃደራዊ መግዛአትን ክሃድም ኣብ ዝፍትነሉ ጊዜ እውን ኣደዳ ሸቀጢ ሰብ ኮይኑ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ይጠፍእ ኣሎ። ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ንምውታት መንግሥተ ሰማይ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ጊሂሱ ንሃገር ኣብ ሓደጋ ዝሰጥሔ ምዃኑ ብዙሕ ዘካትዕ አይኮነን። ምኽንያት ነይዚ መንድዓት ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ  ብወልቀ መላኪ ዝምራሕ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኢሉ ባዕሉ ዝሰየመ፡ ግን ከኣ፡ ፍጹም ናይ ደሞክራሲ ይኹን ናይ ፍትሒ ባህልን ኣሰርን ዘይብሉ፡ ናይ ውሑዳት ከዳዓትን ጠላማትን ጉጅለ አዩ።

         

ህግደፍ ብዘይ መንግሥታዊ ምምሕዳር፣  ቅዲን ቅጥዕን ዘይብሉ ፋሉል መደባት፣ ዝርግርግ ዝበዝሖ ስጉምቲታት፣ ብዘይተማዕረየ ኣቓልቦ፣ ብብሱል ሓሳባት እውን ዘይተኣመመ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ልዕልቲ ኤርትራን ድቕድቕ ጸልማት ከዝንም ከሎ ሳዕቤኖም ኣይግንዘቦምን እዩ።  ተጸብዮ ህዝቢን ተልእኮ መንግሥቲን ተዋሃሂዶም ንልዕልነት ኤርትራን ንተበጅዎ ኤርትራውያንን ክንዲ ዘደንፍዕ፡ ናይ ውልቀ-ሰብነት ፋሉልነት ዘትርር፡ ናይ ሕሶትን ቅጥፈትን ኣመሉ ተጠቒሙ ንሃገረ-ኤርትራን ህዝባን ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ሸሚሚምዋ ይርከብ።  ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ህግደፍ ግህሰትን ኣሕሳሪ ተግባረ-ጠባይን ብዓቐን ዘይብሉ ዓቕሊን ህድኣትን ተጻዊሩዎ።

ዓቃል ህዝቢ ኤርትራ: ነዚ ቀንዲ መለለይኡ ንዕቀትን፡ ሓሶትን፡ ስርቅን ዝኾነ ስርዓት ዝጉሕፈሉ ሰዓት ኣኺሉ’ዩ።  ገበን ኣብ ልዕሊ ገበን ተደራሪቡ፡፡ “ሎሚ ዶኾን ኣብ ልቦም ይምለሱ ይኾኑ” እናበልና ድሮ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ። እቲ ኣረሜናዊ ባህርያቶም ግን ናህሩ ድኣ ወሲኹ ምበር ኣይጎደለን። ንዝተለገሰሉ ፍቕርን ክብረትን ኣስተብሂሉ ተመስገን ዘይብል ስሱዕ ስርዓት፡ ነቲ ዝመንዝዖ ስልጣን ከይተረፈ “መንዶ ኩንትራት ሂቡኒ’ዩ” ኢሉ ተጃሂሩሉ። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ደረት ዘይብሉ ንዕቀቱ ድማ ግሁድ ጌርዎ። ንባዕሉ ሓሲሩ፡ ኣሕሲሩና። ከም ተራ ናይ ጽርግያ ሰራቒ፡ ንጸጋታት ኤርትራ ዘሚቱ ዋኒኑ ጌርዎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወርቂ ኣበይ ተሸሪቡ ንዝብል ሕቶ፡ በጀካ ክልተ ሌባታት ካልእ ዝፈልጥ ዘይብላ ድኻ ሃገር ኮይና ተሪፋ።  ምስ ሃብትና፡ ድኽነትን መከራን ኮይኑ ዕጫና።

ናይ ዝሓልፈ ከይኣክል፡ ሕጂውን ብጻዕሪን፡ ብትግሃትን ስድራኦም ከናብሩ ብዝጀመሩ፡ ሃርኮትኮት ኢሎም ኣንተ ብስድደት፡ ኣንተ ብለዉሃትን ትግሃትን ዝተሰደዱ ድቆም ዘጥረዩወን ንኣሽቱ ገዛውቲ ኣስርሑ። ህግደፍ ሕውየት ኤርትራን ቅሳነት ህዝቢ ኤርትራን ክርኢ ኸሎ ዓይኑ ደም ስለዝመልኦ፡ ብቕጥፈት ትም ኢሉ ብሕጊ ዓዶምን፡ ብምምሕድዳር ከተማታቶምን ክስርሑ ሓደጎም። ኣብ ዝጸንሓ-ጸኒሑ ግን፡ ሕጂ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ህግደፍ ብዙሓት ገዛውቲ ስድራ  ቤት የፈርስ ኣሎ። ገዛውቲ ክስራሕ ከሎ ብዘይ ፍቃድን ሕግን እንተ ኮይኑ ማዛጋጃ ቤታት ኣንታይ ይገብራ ነረን? ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ግን ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ ክንዲ ዝምልስ ዋላ ነቶም ብፍቃድ ተሰሪሖም ዝብሃሉ እውን መቅጻዕቲ ገንዘብ እንተዘይተከፊሉ ገዛኩም ክፈርስ እዩ ኢሉ ንህዝቢ ራዕድን ፍርሕን ኣእትይሉ ይርከብ።  ከምዚ ዘኣመሰለ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ንምርዳኡ ዘጸግም፡ ሓቂ ድዩ ወይ ሓሶት ኢልካ ትጣራጠረሉ፡ ግንከ ሓቂ ስለዝኾነ ኸኣ ብኽፍኣቱ ልክዕ ብልክዕ ክፍኣትን ድፍረትን ንዕቀት ህዝቢን ናይ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገልጽ ተግባር ኣብሪሁ ዝገልጽ ብምዃኑ እቲ ሓንዛም  ፍረ ምዃኑ የረጋግጽ።

ሕጂ ኸኣ ስድራቤት ኤርትራ ኣብ ኩሉ ኣውራጃታት፡ እንታይ ክጸብሓና’ዩ እናበሉ፡ ደቆምን ክብረቶምን ስኢኖም፡ መዕቆቢ ገዘውቶም ብልኡኻት ህግደፍ ክፈርስ ከሎ ብንብዓትን፡ ብጓሂን፡ ብዓቕሊ ጽበትን ለይቲን መዓልቲን፡ ይጭነቑ ኣሎዉ። ገለ ኸኣ ደቅና ተሰዊኦም፡ ዝተረፉ ተሰዲዶም፡ ሕጂ ኸኣ ካብ ገዛእ ገዛና ኣይንፍንቀልን ኢና ብምባል ነብሰ-ቕትለት ይፍጽሙ ኣሎዉ። ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ኣንስቲ ስዉኣት ደቀን ደቂ ስዉኣት ኣብ ኢደን ከሎዉ፡ ገዛውተን ፈሪሱ፡ ኣብ ዳዕሮ ቃውሎስ (ጳውሎስ) ምሉእ ማይ-ቤት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ዝውንንዎም ገዛውቲ ፈሪሶም። ኣብ ዓዲ ቐይሕ፡ መንእሰያት ንድርኩኺት ዓዶምን ንጎረባብቶምን ካብ ናይ ህግደፍ ክፍኣት ክብረትና ዝግህሶ፡ ነብስና ክንውፊ ንመርጽ ኣሎና ብምባል ኣብ ቅድሚ ጥይት ህግደፍ ብትብዓት ብሓቀኛ ኤርትራዊ ጅግንነት ጠጠው ብምባል ከምቶም ናይ ማይ ሓባር፡ ናይ እምባደርሆ፡ ናይ ዒራዒሮ፡ ናይ ሳዋ ሓርብኛታት ኤርትራ ብጥይት ህግደፍ ሓሪሮም።

እቲ ዝወሃብ ዘሎ ምኽንያት፡ እቶም ገዛውቲ ብዘይ ሕግን ፍቓድን ዝተሰርሑ ስለ ዝኾኑ ንምፍራስ ተመዲቦም ይበሃል። እንተድኣ ኣብ ኤርትራ ብዘይሕጊ ዝካየዱ ክእለዩን ክግለፉን ተፈሪዶም፡ ህግደፍ ብዘይ ሕጊን ብዘይ ፍቓድ ህዝቢን ንኤርትራ ይዕንድረላን፡ የዕንዋን ከምዘሎ፡ ክፈልጥ ምተገብኦ። ካብ ሕጊ ህግደፍ፡ ሕጊ ናይ እቶም ገዛውቶም ዝፈርስ ዘሎ ክቡራት ኤርትራውያን ተቐባልነቱ ይረዝን።

ቤትካን ግራትካን ዝግህስ፡ ኣብ ሃገርና ጽዩፍ ገበን ከም ዝፈጸመ እዩ ዝፍረድ። ሕጊን ስርዓትን  አድግና ተገለባ ክፍሊ ፴፩ ኣቦታትና ዝሓንጸጽዎ ሥርዓት ከም ዝሠርዖ፡ መሬት ዓዲ ብዓዲ ዝመረጾም ሽማግለታት እዩ ዝሕንጸጽን ዝዋረድን (ዝመቓራሕ)*።

ቍጽር ፪፻፶፯ ከኣ ይብል፡ “ቤት ዘማስሑ (ዝዕድሉ) ቅርዓት፡[1] ባይቶ፡ ዓውዲ፡ሓውጺ[2]፡ጎዱፍ፡ መንገዲ፡ ክልኩል ቦታ ከይስራሕ ከይባላሾ፡ ዝሕልዉ፡ ፫ተ ሽማግለ ደቀባት ጉቡኣት፡ ዓዲ ዘውጽኡዎም እዮም”። እቲ ዝማሳሕ ቦታ ኸኣ እቶም ሰለስተ ሽማግለ ቤት ዘማስሑ፡ስለ ኣድልዎ[3] ኸይገብሩ፡ዓዲ ሓጊጎም ፈልዮም ዝወሰንዎ እዮም ዘማስሑ። በቢ ዓመት እውን ይለውጡ። ቤት ዝማሳሕ ሰብ ምስ ተመርዓወ እዩ ዝግብኦ። ምስተቐበለ ካብታ እተቐበለላ ጊዜ ክሳብ ፫ ዓመት ጨሪሹ ዅዒቱ፡ መንደቕ እነተሰረተላ ንዑኡ እያ። እዙይ ከይገበረ እንተጸንሔ እቶም ፫ ሽማግለ መማሳሕቲ ኣሕዲጎም ንካልእ መጻውር ዝቐረብ የምስሕዎ።

ካልአይ ኣብነት ካብቲ ክቡር ሕጊ አንዳባ ክንጠቅስ። ስርዓት ሎጎጭዋ ብዛዕባ ሕዝብን ሕግን ምምሕዳርን ከምዚ ዝስዕብ ይብል – “ሹም አሕዋት ደባትር እንዳቦ ዝሕዙ እዮም። እዚኦም ሹም አሕዋት ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት እንዳቦ መሪጾም ዝሸሙዎም አዮም። ነቲ ብደብተር ይግበአኒ ኢሉ ዝምጉት ሰብ ደብተር ቀሊዖም ዘናብሩ አዮም።”

ህግደፍ በዚ ኣብ ላዕሊ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓንቀጻት ተኸቲሉ ህዝቢ ኤርትራ ንምምህዳር ምምሕዳሩ እንተዘመዓራሪ፡ ህዝቢ ምደገፎ፡ ምኸበረ ኽኣ። ግንከ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ሕሱር እእምሮ ክቡር ሓሳባት፡ ምዕሩግ ቃላት፡ ውርዙይ ተግባራት ንኽፍጽም ክእለት የብሉን።

መንእሰይ ኤርትራ ብህግደፍ ተወጺዑ ብመሓዙት ህግደፍ ተዘሊፉ  ነዚ እናፈለጠ ህግደፍ ንስድራ ቤት ኤርትራ ብሕሱም ጭካኔ  የጋፍዖ አሎ። ግፍዒ ይቕጽል ኣሎ። ንኤርትርውያን ድርኩኺት ቤቶም ደፊሩ፡ ቅናት ኣዴታት ፈቲሑ፡ ወዘር ኤርትራዊት መንእሰይ፡ ንግዳም ተደርብያ፡ ኮበል መንእሰይ ኤርትራ ተኸላቢቱ፡ ሰብኣይ ዝኾነሉ ናይ ባህሊ ፍኖተ-ስብእነት ኣብ ቅርዓት ዓዱ፡ ዓውዲ ኣቦታቱ፡ ሓውጺ ዓዱ ከይምዕብልን ከይበጽሕን፡ ኣብ ስደትን፡ ወርደትን ኣደዳ ሕሱማት ኮይኑ።

 

መጸዋዕታ፡

ኩሉ ኤርትራዊ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ ኣስላማይ ክርስትያናይ፡ ዓቢ ንእሽቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ብሃንቀውታ ይጽበያ ኣሎ። ሽግር ህዝብናን ልዕልነት ሃገርናን ኣብ ሓመድ ፈፈው ኢሉ ተረጊጹን ተመከራኺሱን ከሎ፡ ንሓድሕድና ክንፋናፈን እሞ ክንረሓሓቕ ኣይግብኣናን እዩ፡፡ ኤርትራ ሓንቲ ሃገር’ያ፡ ንሕና ህዝባ ኸኣ በብዓይነቱ ሕልሚን፡ ሕልናን፡ እምነትን፡ ተስፋን፡ መደብን፡ ትጽቢትን ስለ ዘሎዉና፡ ኣብ ናይ ዜግነትና መሰል ዘይንሰማምዓሉ ክሳድ-ጕዕዞ ኽንበጽሕ ከሎና ንሰማምዓሉን ብስኒት ፍልልይ ሓሳብትና ነወሃህደሉን ንፈትሓሉ ሪምን ባህሊ ኣቦታት ኣሎውና። ሓደስቲ ሕግታትን ኣቅዲታትን ከነውጽእን ከነማዓራሪ ኣንተኣድልዩ ’ውን፡ ንቕድሚ ሕጀ ምሉእ መቐረት ኤርትራዊ ዜግነቶም ዘይተማዓራረየሎም ህዝብና፡ ምሉእ ዜግነትን ማዕረንት ኤርትራዊነቶምን ዝጓናጸፍሉ ሕግታት ክንሰርዕ ንኽእል ኢና። ብሓደ ሓቢርና ንህዝብና ብህጹጽ መንፈስ ረድኤት ከነምጽኣሉ ንሕበር።  ብምምያጥ፡ ብሕጋዊ ቅዲታትን፡ ብእንሠርዖም ድንጋጌታትን ሕጋዊ ዓንቀጻትን ፍልልያትና ኣብ እንሕጐሰሉን እንዓግበሉን መርገጽ ኸነብጽሖም ንኽእል ኢና.። ሎሚ ዘድልየና ዘሎ ሓደ ተጻዋርን ምዕቡልን ሓሳብ፡ ሐደ ዳንጋ፡ ሓደ ጭዋዳ፡ ሓደ ቕልጽም፡ ሓደ ሕቘ  ኴንና ብዝቐልጠፈ እዋን ንኤርትራ ራህዋ እነምጽኣሉ ናይ ሓባር ስጉሚት ክንወስድ ኤርትራን ህዝባን ይጽበዩና ኣሎዉ። እቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተቓሊስና፡ ምሰዋእቲ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ምስተኸፍለ ዝተጨበጠ ናጽነት ትርጉሙ ጠፊኡ። ሃገርና ንድሕሪት፡ ሕዝብና ኣብ ደቕደቕ ጭቆና የሕለሉ ኣሎ። ንርዳእ፡ ኣፈ-ርክቡ ናይ ኤርትራ የእዊ  ኣሎ።

 

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለና ህዝቢ ኤርትራ

ባህልን ሕግን ከለና ንቡር ሲኢና

ብውሑዳት ዘረግቲ ማይ ንርገጽ አለና

ንተንሰእ ንሪምና

ንተንስእ ንቤትና

ንተንስእ ንድሕነት ሃገርና

ንተንስእ ንመሰልና

 

*ሕግን ሥርዓትን ናይ መረት ዓደቦ ብ ዘርእ-ያዕቆብ እስቲፋኖስ፣ ወልደማርያም አብራሃም፣ ግሪማ ገብረመስቀል፣ 1990

[1] ቅርዓት ማለት፡ ኣብ ዓዲ ንመናባብሮ ገዛውቲ ንኽስርሑሉ ዝተኸለለ/ዝተመዘዘ/ዝተሓዝኣ መሬት። ኣብ ማእከሉ ግን፡ ንመርዓ፡ ንቐብሪ፡ ንተሓምበለ፡ ንኸብካብ ክኸውን ዝተፈልየ፡ ክማሳሕ ዘይሕንጸጽ ወይ ዘይእመት ቦታ እዩ። ኣብ ከተማታትን ዓዲታትን ኣሜሪካ (residential zone city ir or village sqyare) ይበሃል። ኣብ ገሊኡ ኣውረጃታት ኤርትራ ኸኣ መገሪብ ይበሃል’ዩ።

[2] ሓውጺ ማለት ኣግራብ ክዓብዩሉን ክጥጥዑሉን ዝተወሰነ መሬት ዓዲ እዩ። ኣብ ከተማታትን ዓዲታትን ኣሜሪካ ኸኣ forest reserve or wet lands ይበሃል። ኣብ ኤርትራ ግን ካብ ቅርዓት፡ጐደናታት ተፈልዩ፡ ጥቓ ዓዲ ዘሎ ኣእዋሙ ዝተሓዝአ መሬት ኣዩ፡ ሰራው፡ ቈልቋል፡ ታህበብ፡ ዳዕሮ፡ ሳግላ፡ ጨቖምጠ፡ መሞና፡ ኣውሒ፡ጋባ፡ ምልዖ፡ ዓየ ወዘተ… ኣብ ከበሳ ኸኣ ቀላሚጦስ ዝጥጥዑሎን ዝዓብዩሉን ሓውሲ በረኻ እዩ። ዓውዲ ማለት ከኣ፡ እኽሊ ዝኽየደሉን፡ ዝጫሎወሉን፡ ሓሰርን ጉርዲን ዝፍለየሉ ቅጻዕ መሬት እዩ።

[3] ኣድልዎ ማለት ሌላን-ጉለላን፡ ወይ ንሓደ ስድራቤት ፈቲኻ ንኻልእ ስድራቤት ምድላው ማለት እዩ። ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT