Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቤል ወደይ!

ቆልዓ ከለኹ ከይዓበኹ ጌና ከየስተማቐርኩ መቐረት ስድራና ኣቦይ ምስ ከደ ኣገልግሎት የዕብያትና ኣደይ ብኸርተት   ኣይተዓደልኩን… ከም ቆልዓ ክስሕቕ ክጻወት ክሸይጥ ስለጀመርኩ ማስቲካ ሓለዋት እንዳሓወስኩ ሽጋራ ምስ ሶፍት እንዳኣተኹ ፍቖዶ እንዳ ባራት   ሓደ እዋን ኤምፒ ሒዞምኒ እንዳቐጥቀጡ እንዳሰዓል ዳጎኑኒ ኣደይ ብኣይ ተሻቒላ ብዙሕ ለመነቶም ከዉጽኡኒ፡ እንዳነብዐት ዝርንዛሕ   ንሶም

ቆልዓ ከለኹ ከይዓበኹ ጌና

ከየስተማቐርኩ መቐረት ስድራና

ኣቦይ ምስ ከደ ኣገልግሎት

የዕብያትና ኣደይ ብኸርተት

 

ኣይተዓደልኩን… ከም ቆልዓ ክስሕቕ ክጻወት

ክሸይጥ ስለጀመርኩ ማስቲካ ሓለዋት

እንዳሓወስኩ ሽጋራ ምስ ሶፍት

እንዳኣተኹ ፍቖዶ እንዳ ባራት

 

ሓደ እዋን ኤምፒ ሒዞምኒ

እንዳቐጥቀጡ እንዳሰዓል ዳጎኑኒ

ኣደይ ብኣይ ተሻቒላ ብዙሕ

ለመነቶም ከዉጽኡኒ፡ እንዳነብዐት ዝርንዛሕ

 

ንሶም ግን ኣይደንገጹን

ወድኺ እንተደሊኺ ኢሎማ ገንዘብ ክፈልሉ

በለቶም ካበይ 10 ሽሕ ከምጽኣሉ

ኣቡኡ ምሳኻኹም እንዳኣልሉ

 

ድሕሪ ነዊሕ ስቓይ

ወጽየ ወዲአ ማእሰርተይ

ግን ኣቓሪጸ ትምህርተይ

ንዳሕራዩ’ኳ ቁሩብ ከይወግሓለይ

 

ዓቕለይ ጸቢቡኒ

ነደይ ብኸመይ ከምዝሕግዛ ስለዝጨነቐኒ

ንሱዳን ክወጽእ ሓሰብኩ እንተቐደወኒ

ጸሎኹ ናብ ፈጣሪ…

ካብ ኢድ በደዊን እንተሰወረኒ

 

መሬት ሱዳን ምስ ረገጽኩ

ብታሕጓስ ጭድድ ፍንጭሕ በልኩ

ልክዕ ካብ ገሃነም ገነት ከምዝኣተኹ

ሓድሽ ህይወት ክጅምር ተተስፈኹ

 

እንተኾነ …ከሰላ ክንኣቱ ቁሩብ ምስ ተረፈና

ኣጋጣሚ ሓደጋ ኣጓነፈና

ሓንቲ ፒክኣፕ መጸት ስለስተ ሰባት ጽዒና

ብረቶም እንዳወጣወጡ `ኣርከብ’ ምስ በሉና

ፈለጥኩ ሽዑ ከምዝተጨወና

 

ሓንሳብ እንዳቐጥቀጡ ሓንሳብ እንዳጸረፉ

ግብጺ ኣእተዉና እንዳተሃንፈፉ

ኣብኡ ምስ ጸንሑና ሓያለ ሰባት

ተሰቆረኒ ከምዝኣተኹ ካብ መዓት ናብ መዓት

 

ኣካላትና ሓዊ እንዳንደዱ

በሉና 30 ሽሕ ዶላር ወለድኹም ይስደዱ

ዘይበትከለይ ኣነ ድኻ’ዚ መደኽደኽ

ዝብለለይ ዘይብለይ ሓደ’ኳ ጸደፍደፍ

እቲ ኣቦይ ዝተጨውየ ብህግደፍ

እታ ኣደይ እንተኾነት ብሙኒቺፕዮ እትጭርገፍ

 

ህይወት ናይ ቋሕ ሰም ኮይና

ንሞት ምስ ተፈረድና

ኣይተጋደፈናን ፈጣሪ….

ጸቢቑ ዕድልና

ካብ’ቲ ገሃነብ ንስክላ ኣምለጥና

 

ካብ ግብጺ ኢትዮጵያ ኣትየ

ተገላጊለ ካብ ስቓይ ዋይዋይ

ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ተጣይሰ

ገዛይ ሰሪሐ ከዕርፍ ተበጊሰ

 

ኣብኡ ጀሚርና ምስ ሄለን ሌላ

ምስ ተመነየትኒ ክኾና ንሓላላ

ኣዝየ ተሓጎስኩ….

ከም ብተይ ዘለልኩ

 

ግን ሓደ ቆልዓ ምስ ወለድና

ናብራ ካምፕ ስኢናሉ ተስፋ መጻኢና

ሄሉ በለትኒ ዘይንፍትን ብሊብያ ዕድልና

ኣይጥዕምን`ዩ ኢለያ ህጻን ቆልዓ ሒዝና

 

ዓቕላ ስለዘጽበበት ግን ብሓደ ተበጊስና

ከነዉሕስ መጻኢ ህጻን ኣቤል ወድና

ሱዳን ነዊሕ ከይጸናሕና

ምድረ-በዳ ኣቋሪጽና

ሊብያ-ትሪፑሊ ኣተና

 

እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ምስ ከፊልና

ክንጽበ ጀመርና መርከብ ትወስደና

ኩላትና ኣብ ሓደ መዝርዓ ተኣከብና

ነታ ናይ ዜሮ ሰዓት እንዳተጸበና

 

ሄለን ፍርሕ ፍርሕ ኢላ

ነብሳ ግዲ ብዓንተብኡ ነጊርዋ

ከምዘጋጥመና መሽኪላ

ግን ሞራል ሃበትኒ `ኣጆኻ ደሓን`የ` ኢላ

 

እታ መርከብ ተበጊሳ ልዕሊ 500 ነፍሳት ጺዒና

ኣብ ጥቓ ላምፔዱሳ በጽሐት ሽግር ከየጋጠመና

ደሓር ግን ኣይግድን

ምስ ጀመረት መርከብ ንየማን ክትቀንን

 

ሄለን ኣቤል ወደይ ሓቒፋ

እንዳረኣኽዋ ንዉሽጢ ባሕሪ ሃቲፋ

ኡይ ኢለ ወጪጨ ዝመልሶም መሲሉኒ

ንሶም ግን ምስ ባሕሪ ኣሻርዮም

ሓንሳብን ንሓዋሩን ገዲፎሙኒ።

ብቴድሮስ ኣብርሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde October 3, 2015

    An iconic Eritrean mother wailed for you in an Italian piazza, the whole world heard it, and it pierced into the heavens.Your redemption is inevitable.Good job Ted.

  • Guluhama October 4, 2015

    What a sad story!

  • AHMED SALEH October 4, 2015

    Three armed Rashaida kidnappers riding pick-up car inside Eritrean land controlled
    border region . Eritrean government is responsible to abandon its citizens for illegal
    human trafficking activities and their horrific intentions .
    Too bad every official refuse to listen the echo of their cry and do the right thing to
    stop it . But they prefer to kick people’s gut and then turn their back like nothing had
    taken place .
    HGDF and their blind supporters shameless arguments work together inside sinking
    ship and opponents must fix the hole beneath it’s bottom before flood with water .

  • aron October 31, 2015

    EWAY HATEYAT NAY MEN KON ALENA U WALAS HAREYAT NAY HEGEDEF ANES HATEYAT NAZOM HEGEDEF MEBELKU AMLAK NETA BEALTI BETKAN WEDEKAN MENGESTE SEMAY YEKEBELOM ENTE NEAKA TSENEAT YEHABKA FETARI KEA NETA BEREKTI ADEKA AMLAK TSEADA EDU YENBERELA NESEKA KEA HIJI AJOKA ZEHALEFE SHEGER NEDEHERT KEYREAKA BERETE NETA ADEKA KEA MORALEN TESFAN ENDAHABKA NENEBESEKA KETETSENANE FETEN

POST A COMMENT