Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ለንደን፣ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ምዕዛዝ ሕድሕድ ምትእምማንን ምህናጽ ሓያል ማሕበረሰብን ዘተኮረ ናይ ክልተ መዓልታት ኮንፈረንስ ተኻይዱ።

  ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝተዓደሙ ኤርትራውያን ተነጣጠፍቲ ካብ 2-3 መስከረም 2017 ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ተራኺቦም ብዛዕባ ምዕዛዝ ምትእምማንን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ከምኡ ‘ውን ምህናጽ ሓያል ሕብረተሰብን ክፉትን ሰፊሕን ክትዓት ዝተኻየደሉ ኮንፈረንስ ኣካይዶም። እቲ ብግዱስ ተነጣጣፊ

 

ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝተዓደሙ ኤርትራውያን ተነጣጠፍቲ ካብ 2-3 መስከረም 2017 ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ተራኺቦም ብዛዕባ ምዕዛዝ ምትእምማንን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ከምኡ ‘ውን ምህናጽ ሓያል ሕብረተሰብን ክፉትን ሰፊሕን ክትዓት ዝተኻየደሉ ኮንፈረንስ ኣካይዶም።

እቲ ብግዱስ ተነጣጣፊ ሓው በረኸት ካሕሳይ ተወዲቡ ኣብ ኣዳራሽ Initiatives for Change ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ኮንፈረንስ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሽወደን፣ ጀርመን፣ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ንጡፋት ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ንምምዕባል ሕድሕድ ምትእምማንን ምህናጽ ቅርዑይ ሕብረተሰብን ብዝተፈላለየ መዳያቱ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮ ዝተመርኮሰ ገምጋም ብምግባር፣ ነቲ ጽቡቕ ድሌት ኣብ ተግባር ንምውዓል ክውሰዱ ዝግብኦም ግብራዊ ስጉምታት ኣሚቱ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዋዕላ ሓው በረኸት፣ ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ እዋናውያን ኣርእስታት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ወዲብካ ብዕምቆት ምዝታይ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጥቃስ፣ ነቶም ዕድመ ኣኽቢሮም ካብ ርሑቕን ቀረባ ዝተርኽቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ከምኡ ‘ውን ነቲ ኣዳራሽ ዘአንገዱ Initiatives for Change ኣመስጊኑ። ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ዝተዓደመ ምሓዛን ፈታውን ህዝቢ ኤርትራ ሚስተር ጂም በርናንድ-ስሚዝ ብወገኑ፣ እቲ ምቕሉል ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ ንናጽነት እንደገና ኣብ ደልሃመት ምእታዉ ከምዘሕዝኖ ብምግላጽ፣ ራህዋን ነባሪ ሰላምን ክጓናጸፍ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።

ሓው ኣብርሃለ መብራህቱ ካብ Initiatives for Change ድማ፣ እቲ ትካል ምትእምማን ብምዅስኳስ ዓለምና ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰላ ንኽትከውን ሕልናዊ ግብረመልሲ ናይ ምሃብ ራኢ ከምዘለዎ ሓጺር መብርሂ ብምሃብ፣ ኣብ ሊባኖስ ሓድሕድ ግጭት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፣ ካብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ንምስፋን ናይ ዝጸዓሩ ክልተ ኣብነታውያን ተቓለስቲ ተመክሮ እተንጸባርቕ ዶኩሜንታሪ ፊልም ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ።

ቀጺሎም፣ ተነጣጣፊ ሓው መሓሪ ኣብርሃም ካብ ሽወደን፣ ብ ቪድዮ – ሊንክ፣ “ተመክሮ ሲቪካውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ምዕዛዝ ምትእምማንን ምሕያል ሕብረተሰብን” ብዝብል ኣርእስቲ፣  ካብ ኒውካስትል (ዓዲ እንግሊዝ) ዝምጽአ ዶክተር ሲራክ በርሀ ከኣ፣ ብዛዕባ “ምህናጽ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ኤርትራዊ ማሕበረሰብን ምድላብ ሰብኣዊ ዓቕሚ መንእሰያት ኣብ ስደት ዝረጋገጸሉ መንገድን” ኣብ ቀጥታዊ ተመክሮኦም ዝተመርኮሰ ሰፊሕ መግለጺታት ኣቕሪቦም። ብመልክዕ ሕቶን መልስን ‘ውን ምስ ተሳተፍቲ ክፉት ዘተን ክትዓትን ኣካይዶም።

ንጽብሓይቱ ሰንበት 3 መስከረም ድማ፣ ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፣ “ተራ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ለውጥን ምምዕባል ሓድሕድ ምትእምማንን፣ መዋእል ቅልጡፍ ሓበሬታ ዝፈጥሮ ዕድላትን ብድሆታትን” ብዝብል ቴማ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽአ ዶር በረኸት ብርሃነ ብወገኑ፣ “ኣብ መንጎ ንጡፋት መንእሰያት ምኽንያት ፍልልያትን ቀጻሊ ዘይምትእምማንን ብዛዕባ ዝኾኑ ጠንቅታትን ኣፈታትሓኦምን” መግለጺታት ድሕሪ ምቕራቦም ‘ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ክፉት ዘተን ክትዕን ቀጺሉ ውዒሉ።

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ተሳተፍቲ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናውያን ዛዕባታት ብምልዓል ክፉት ዘተን ክትዕን ዝካየደሉ መድረኽ ኣድማዕነት ከምዘለዎ ብምጥቃስ ቀጻልነት ክህልዎ  ከምዝግባእ ተላብዮም። እቲ ዝቐረበ ሓሳባት ግብራዊ ዝኾነሉ ባይታ ንምጥጣሕ መርበብ (ኔትዎርክ) ከምዘድሊ ‘ውን ኣስሚሮምሉ። 

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ዝርዝር ትሕዝቶ ኮንፈረንስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብሰፊሑ ክቐርበልኩም እዩ። 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Gezae September 5, 2017

    It looks like family unification

    • k.tewolde September 5, 2017

      Indeed it is,family reunion,were you expecting a gangsters round table huddle with the kingpin presiding at end and a projector in the middle.See, hgdefites are all about visual effects,shallow,easy to manipulate. Remember,Jesus was born in a stable not in a high tech maternity ward with oscillating incubator and he preached his profound generational message under a tree.How about that for the visually inclined,go be mesmerized by the pictures ‘hagerawi dihnet’ displays of arberebue,quhaito,selemuna….as if we never trekked through it,as if hgdef just created it. It is just like selling ice to the Eskimos,quoting dear friend of mine.

      • kokhob September 6, 2017

        Our beautiful world must be coming to an end when the most ugly diablos ELF criminal thief/robber starts reminding us where our Jesus was born!!!!!!
        It is so scary and unbelievable to read old savage criminals acting as fake angels, political experts, “medical doctors!!!”, bankers, philosophers, priests/shiekhs and etc,..
        Once born as savage criminal killer, robber, thief then always the same, they never change. They remain the untrustworthy poisonous enemies of man kind/humanity.

        • k.tewolde September 6, 2017

          Yes indeed your fictitious world is coming to an end as we know it,you subliminally spoke the truth,decades of lies ,deceit and misleading took its toll on the people,they can’t stand you anymore,even the innocent little ones are leaving you in droves away from the grotesque,monstrous being that you are,they chose your presumed archenemy as a safe haven.

POST A COMMENT