Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሓሞኽሽቲ ምልኪ፡ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትህነጽ ኢያ

ኣብ ሓሞኽሽቲ ምልኪ፡ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትህነጽ ኢያ ነቲ  ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ሸገራብን ሲናይን ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ ንምኹናንን ንስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንምምጋስን ኣብ ኦስሎ ብ15ጥሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዘሐብን ነይሩ፡፡ ሰልፈኘታት ካብ 15ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን  70 ዝረገጹ

ኣብ ሓሞኽሽቲ ምልኪ፡ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትህነጽ ኢያ

ነቲ  ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ሸገራብን ሲናይን ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ ንምኹናንን ንስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንምምጋስን ኣብ ኦስሎ ብ15ጥሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዘሐብን ነይሩ፡፡

ሰልፈኘታት ካብ 15ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣዋልድን ኣወዳትን  70 ዝረገጹ ኣቦታት ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይን ካብ ሽወደንን  ተጋዒዞም ኣብ ማእከል እታ ከተማ  በቲ ዝተታሕዘ መደብ 10.15 ንግሆ ተረኺቦም፡፡ኣብ ቅድሚቶም ሰልፈኛታት፡ ፖሊስ ኖርወይ ኣፍራስ ተወጢሖም ብዝግታ ዓጀብዎም፡፡ሰልፈኛታት መስርዕ ሓልዮም ብሓባር ምንቅስቓስ ፎርቶ ንድግፍ፡ዕድመ ንጀጋኑ ፎርቶ፡እሱራት ይፈትሑ ጨርሑ፡፡

ባንዴራ ኤርትራን ኖርወይን እናንበልበሉን ስእሊ እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ዘለዎ ታቤላታት ኣልዒሎም  ብቀንዲ ጎደና ከተማ ኦስሎ (ካርል ዮሃን ጋታ) ክሓልፉ ከለው ወጻእተኛታትን ኖርወጅያውያንን ደው ብምባል ሰልፊ ክሳብ ዝሓልፍ ብኣንክሮ ይዕዘቡ ነበሩ፡፡ጎድኒ ጎድኒ እዚ፡ ሰልፈኛታት ንዕላማ እቲ ሰላማዊ ዝገልጽ ጽሑፋት እናዓደሉ ጎደናታት ኦስሎ ቃላት ጽንዓትን ጻዋዒት ንፍትሕን ኣቃልሐ፡፡

ሰልፈኛታት ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ ብዝበጽሑ  ብክቢ ተሰሊፎም ብትግረ ትግርኛ ዓረብ  ጨርሑ፡፡ ደቀንስትዮ ኣብ ማእከል ኣትየን ጽንዓትን ተወፋይነትን ብዘንጸባርቕ ድምጽን ገጽን ተራአን ኣጉልሓ፡፡ቅዋም ይተግበር፡እወ ንዲሞክራሲ፡ውልቀምልኪ ካብ ኤርትራ ይወገድ፡ህግደፍ ይጎሓፍ፡መሰል ወዲ ሰብ ይተሓሎ፡ንግዲ ሰብን ምምዝሓቕ ኣካላትን ደው ይበል ዝብል ጭርሖ ብነድሪን ብዘይዕረፍትን ተሰምዐ፡፡ብኖሽክ ድማ ኖርወይ ንምልካዊ ስርዓት ምድጋፍ ደው ተብል፡ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ደው ተብል፡ምስ ቀንጻሊ ምትሕብባር ደው ተብል ዝብል ጭርሖታት ተቓሊሑ፡፡ ንተቓለስቲ ዘሞግስ፡ንምልኪ ዝኹንን ግጥምታት ቀሪቡ፡፡

ኣሉታ 6 ዲግሪ ዛሕሊን በረድን ንሃገራዊ ወኒን ውዑይ ደምን ሰልፈኛታት ዝብድህ ኣይነበረን፡፡ኣባል ባይቶ ኖርወይ ብሰልፈኛታት ተኸቢቡ፡ ነቲ ሰልፊ ዝኾልዐ ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላለፈ፡፡

ንሱ ኤርትራ ብሓደ መሰል ወዲ ሰብ ዘየኽብር ውልቀምልኪ ትግዛእ ከምዘላ ጠቒሱ፡ኣብታ ሃገር ሓሳብ ብናጻ ምግላጽ ከምዘይሕሰብን ኣብ ዓለም ብዘይቅዋም እትመሓደር እንኮ ሃገር ኤርትራ ከምዝኾነት ሓቢሩ፡፡ኣስዒቡ ኤርትራውያን ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ብበደዊን ጂሆ ተታሒዞም ብዝፈልሐ ማይን ሽጋራን ኣካላቶም ከምዝቃጸሉን እዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራን ምስርን ከምዝፈልጥዎ ብምቅላዕ እቲ ተግባር ቅቡል ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ፡፡እቶም ጂሆ ዝተታሕዙ እናእወዩ ብተለፎን ምስ ኣዝማዶም ከምዝዛረቡ ብምግባር ገንዘብ ንክኸፍሉ በደዊን ከምዘገድድዎምን ከምዘሳቕይዎምን ኣብሪሁ፡፡ሰብኣዊ መሰል ኣድማሳዊ ብምኻኑ ሓደ ዝህበካ ወይ ዝኸልኣካ ከምዘይኮነ ኣስሚሩሉ፡፡ኖርወይ ኣብ ጎድኒ ፍትሕን ዲሞክራስን ንክትስለፍ ዝከኣሎ ከምዝግበር ቃል ብምእታው  እቲ ኣባል ባይቶ ንራእይን ትጽቢትን ኤርትራውያን ብምጉላሕ፡ ኣብ ሓሞኽሽቲ ምልኪ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትህነጽያ ብምባል መደረኡ ብጣቓዒትን ተሰንዩ ዛዘመ፡፡ብዘይካዚ ካልኦት ሰለስተ ኣባላት ባይቶ ኖርወይ ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቦም ብወደብቲ ሰልፊ ዝቐረበ ምሕጽንታን ንህልው ኩነታት ኤርትራ ዘብርህን መግለጺ ሰሚዖም፡፡

ወደብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኦስሎ ንፖሊተከኛታትን ኣባላት ባይቶን ኖርወይ ብምዕዳም ዘስረጽዎ ጽልዋ ኣብ ዲፕሎማሲን ምህናጽ ዲሞክራሲን ሰጉሞም ከምዘለው ዘመልክት ኢዩ፡፡ካብ ተሞክሮታቶም ብምምሃር ድማ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ዝግበር ቃልሲ ንመጻኢ ኣብ ኖርወይ ዝግበር ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፊን ምስ ጊዜ ዝስጉም ስልጡንን ብዲሲፕሊን ዝልለ ውዳበ ክገብሩ ሓላፍነት ኣለዎም፡፡

ኖርወይ ኣብ ሰሜን ኤውሮጳ እትርከብ  200ዓመት ብዝገበረ ቅዋም እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ሃገር ኢያ፡፡እዛ ሃገር መደበር ኣህጉራዊ ዋዕላ ሰላም ጥራይ ዘይኮነት ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀሰባት ሽልማት ኖበል ትዕድል።ኖርወይ ክሳብ እዚ ቀረባ እዋናት ንጉጅለ ህግደፍ እትህቦ ዝነበረት ቁጠባዊ ሓገዝ እውን ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን፡፡ኣብዛ ብቑጠባ ዝማዕበለት፡ሓያል ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ጽልዋ ዘለዋ ሃገር፡ንፍትሒ ብዝቃለሱ ኤርትራውያን ዝግበር ምንቅስቓስ ምስ ጊዘ እናማዕበለ ክኸይድን ኣብ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ተሰማዕነት ክረክብን ጽፉፍ መጽናዕትን ዘይሕለል ጻዕርን ምግባር ኣገዳሲን እዋናውን ኢዩ፡፡ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ብገምጋም ኣብ ዓመት ልዕሊ 1500 ይበጽሕ።ኣብ 2012 ንኣብነት ኣብ ኖርወይ 1710 ዑቕባ ከም ዝሓተቱ  ጸብጻባት የመልክቱ።ነዞም በብእዋኑ ዑቕባ ዝሓቱን ኣብታ ሃገር ዓሰርተታት ዓመት ዝተቐመጡን ምውዳብን ኣብ ጎድኒ ፍትሒ ደው ከምዝብሉ ምግባርን ዝተፈላለየ ብድሆታት እካ እንተለዎ ዘይክኣል ግን ኣይኮነን። ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ካብ ተራ ነጋዳይ ዝሓልፍ ዕማም የብሉን፡፡  እቲ ጉዳያት ህግደፍ ዘሳልጠሉ ቦታ ኣብ ከባቢ መሸጣ ክዳውንቲ ብምኻኑ ሰብ መሪሑ እንተዘይወሲዱካ ምልክት ቤት ጽሕፈት ይኹን ባንዴራ የብሉን፡፡ ስለዚ ድማ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ እቶም  ንባህልን ቃንቃን ኖርወይ ዝፈልጡ  ነዚ ድኹም ጎድኒ ህግደፍ ሰጊሮም ኣብታ ሃገር ሓያል ጽልዋ ከሕድሩን መሰረት ዝምድና መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራን ኖርወይን ዝህነጸሉ ስትራተጂ ክሕንጽጹ ሓያልን ዘየቃርጽ ጻዕሪ ይሓቶም፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Salih February 21, 2013

    Agenae Norway! Well done, keep moving!

  • Hagos Berahne February 21, 2013

    Ajokhum Ajona!! bebi Zelenaio nekedmit!!! Seb’ai kebahah eu zebel zelo mes korkhuroo!!!
    Keep on going!! Viva FORTO 21 vamos (nekhid …behan u kidmenna!!!) Let’s harness the spark lit by our heroes and EDF on January 21st for the rescue of our beloved people and country from this tyrant and his DEMHIT mercenaries. All it needs is a push and we’re right there!!!! The dictator is on the verge of collapsing to meet his brother GADDAFFI!!!!

  • Hagos Berahne February 21, 2013

    Ajokhum Ajona!! bebi Zelenaio nekedmit!!! Seb’ai kebahah eu zebel zelo mes korkhuroo!!!
    Keep on going!! Viva FORTO 21 vamos (nekhid …berhan u kidmenna!!!) Let’s harness the spark lit by our heroes and EDF on January 21st for the rescue of our beloved people and country from this tyrant and his DEMHIT mercenaries. All it needs is a push and we’re right there!!!! The dictator is on the verge of collapsing to meet his brother GADDAFFI!!!!

  • David February 21, 2013

    Which democracy are you talking about? The democracy of Hawassa?

  • Yikun Selam February 21, 2013

    Ezi uuwwaalla sakram jeganuna haridu wediuuwom. Tebaraber delay Selam eritrawi !!! Telaaal !!!

Post a Reply to Salih Cancel Reply