Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ምኩራት ናይ ኣየር ተክኒሻናት ኣብ እስራኤል ዑቕባ ሓቲቶም ።

ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክሰርሑ ዝጸንሑ ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ኣርባዕተ ምኩራት ናይ ኣየር ተክኒሻናት ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ እስራኤል ዑቕባ ሓቲቶም። እዞም ካብ 9 ክሳብ 20 ዓመታት ኣብ መንገዲ ኣየር ከገልግሉ ዝጸንሑ ስርዓት ህግደፍ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ

ኣብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ክሰርሑ ዝጸንሑ ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ኣርባዕተ ምኩራት ናይ ኣየር ተክኒሻናት ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ እስራኤል ዑቕባ ሓቲቶም።

እዞም ካብ 9 ክሳብ 20 ዓመታት ኣብ መንገዲ ኣየር ከገልግሉ ዝጸንሑ ስርዓት ህግደፍ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ እስራኤል ዝለኣኾም ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ 4 ሓምለ ብ I.A.A. BOING 667 ዝተባህለ ትካል ዝተዋህቦም ስለጠና ድሕሪ ምውዳእ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ክኢላታት፣

1.ኢንጂነር ሕድሩ ባርኖባስ

2.ዑመር ዓሊ

3.ተስፉ

4.ምኪኤለ ዝብሃሉ ኢዮም።

እቲ መሳርሒ ዓመጽ ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክምለሱዎ ብሃንቀውታ ክጽበዮም እኳ እንተጸንሐ፣ እቶም ጨፍላቒ ምሕደራኡ መሪሩዎም ዝጸንሐ ዜጋታት፣ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዝተጸበዩዎ ዕድል ብዘይነግፈረግ ተጠቒሞም ነቲ ስርዓት ከምዝራሕርሑዎ ይገልጹ። ክእለቶምን ብቕዓቶምን መሳርሒ ጭፍለቓ ናይቲ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ህግደፍ ክኸውን ሕልኖኦም ስለ ዘይፈቐደሎም ዑቕባ ክሓቱ ከም ዝተገደዱ ‘ውን ኣብሪሆም።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምሉእ ምትሕብባር ይገብሩሎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ‘ሎ።

ኣብቲ ስልጠና ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ቴክኒሻናት ብድምር ሽውዓተ (7) ክኾኑ ከለዉ፣ ብዘይካ ‘ዞም ዑቕባ ዝሓተቱ ኣርባዕተ፣ እቶም ሰለስተ ንኤርትራ ተመሊሶም ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Kalighe July 16, 2013

    “E , stands for Evil, R, stands for retarded , I, stands for insane ,, T , stands for trouble some , R stands for ruined, E stands for epileptic , A stands for arrogant bitch….spells Eritrea.”

    Weysebdeqey Mahbula (aka NEW HOPE ERITREA)

    https://www.facebook.com/weysebdeqey.mahbula

  • Genet July 18, 2013

    Good for them! I hope they become a voice to the voiceless Eritrean people they left behind.
    Genet

POST A COMMENT