Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዘርግሐ ስእሊ ናይ ሓደ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ብባሕሪ ክሰግር ጥሒሉ ዝተገፍዐ ቆልዓ መርኣያ ናይቲ ንስደተኛታት ዝገጥሞም ዘሎ ዘስካሕክሕ ትራጀዲ ኮይኑ።

መዘኻኸሪ፣ ስእሊ ናይቲ ባሕሪ ዝገፍዖ ሶርያዊ ህጻን ኣብ ታሕቲ ስለዘሎ ምርኣዩ ዝኸብደኩም ኣንበብቲ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዜና ምንባብ ኣይትቐጽሉ።  ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዘርግሐ ስእሊ ናይ ሓደ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ብባሕሪ ክሰግር ከሎ ጥሒሉ፣ ትማሊ

መዘኻኸሪ፣ ስእሊ ናይቲ ባሕሪ ዝገፍዖ ሶርያዊ ህጻን ኣብ ታሕቲ ስለዘሎ ምርኣዩ ዝኸብደኩም ኣንበብቲ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዜና ምንባብ ኣይትቐጽሉ። 

ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዘርግሐ ስእሊ ናይ ሓደ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ብባሕሪ ክሰግር ከሎ ጥሒሉ፣ ትማሊ ረቡዕ ምስ ካልኦት 12 ሬሳታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ግሪኽ   ተገፊዑ ዝተረኽበ ቆልዓ መርኣያ ናይቲ ንስደተኛታት ዝገጥሞም ዘሎ ዘስካሕክሕ ትራጀዲ ኮይኑ ውዒሉ።

እቶም ሶርያውያን ስደተኛታት፣ ካብ ቱርኪ ናብብ ኮስ ዝተባህለት ደሴት ግሪኽ ክሰግሩ ክብሉ እዮም ሓደጋ ባሕሪ ኣጋጢሙዎም።

እቲ ግዳይ ወዲ ሰለስተ ዓመት ሶርያዊ ምዃኑ ዝጠቐሱ ማዕከናት ዜና ቱርኪ፣ ወዲ 5 ዓመት ምዕባዩ ሓዉ ‘ውን ኣብቲ ሓደጋ ባሕሪ ከምዝሞተ ገሊጾም።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ከባቢ ላምፐዱዛ 367 ኤርትራውያን ብጅምላ ኣብ ባሕሪ ኣብ ዝጠሓሉሉ እዋን፣ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ ምስ ሰለስተ ዕሸላት ደቃ ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን እቲ ትራጀዲ ተመሳሳሊ ነውጺ ፈጢሩ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ መንግስታት ኤውሮጳ፣ ነቲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ስደተኛታት ምፍታሕ ሓርቢቱዎም ኣብ ፖለቲካዊ ቁርቍስ ይርከቡ ኣለዉ።

ጀርመን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብተርእዮ ዘላ ሰብኣዊ ሓልዮት ብኣውንታ ክትጥቀስ ከላ፣ በንጻሩ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ንኤውሮጳ ሃዊጹዋ ዘሎ ቅልውላው ብጎቦ ዓይና ትርእዮ ምህላዋ፣ ካብ ናይ ወጻእን ናይታ ሃገር ፖለቲከኛታትን ተደጋጋሚ ወቐሳ ይበጽሓ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ንመግስቶም ዝነቐፉ፣ ሰልፊ ዕዮ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዘገልገለ ደቪድ ሚሊባንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛታት ብጽሒታ ከተልዕል ቅሩብነት ዘይምርኣያ ካብቲ ናይ ሃገርና ሰብኣዊ ያታ ተድሓርሕር ምህላዋ ዘርኢ እዩ ክብል ቅሬታኡ ገሊጹ።

Syrian_Child

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • teklit September 7, 2015

    May you rest in peace with all the kids who have passed with the same fate.

  • Paradiso September 7, 2015

    I am confident that the Arab and Islamic nations will rise up to the occasion to support the Iraqi, Yemeni and Syrian refugees around them. Or, will they just ignore them as they neglected the African Muslims of Darfur in the hand of the cannibalistic Omar al Bashir of the Arab Republic of Sudan for more than ten years, or like the Eritrean refugees who were left to stink in the hands of the Egyptian police, Arab Bedouins, ISIS and the Sudanese Rashaydas? Or, is it because the Arabs of the Dubai, Emirates, Kuwait, Saudi Arabia, Tunisia, Morocco, Qatar… do not have enough land, resources and money to accept the poor and destitute Arab Muslims as “refugees”?

POST A COMMENT