Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ሃገሮም ዝተሳተፉ ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ፣ ንዲክታቶርያዊ ምሕደራ ሮበርት ሙጋበ ብምዅናን፣ ነቲ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ክህቡዎ ዝጸንሑ ደገፍ ደው ከምዘበሉዎ ብመንገዲ ማሕበሮም ኣብ ዘወጽኡዎ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ሃገሮም ዝተሳተፉ፣ ነቲ ን 36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 92 ዓመት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ምድጋፍ ቁልፊ ተራ ዝነበሮም፣ እንሓንሳብ ‘ውን ካብ ስልጣን ከይወርድ ጎነጻዊ ደገፍ ብምሃብ ክከላኸሉ ዝጸንሑ ነባራት ተጋደልቲ

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ሃገሮም ዝተሳተፉ፣ ነቲ ን 36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ወዲ 92 ዓመት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ምድጋፍ ቁልፊ ተራ ዝነበሮም፣ እንሓንሳብ ‘ውን ካብ ስልጣን ከይወርድ ጎነጻዊ ደገፍ ብምሃብ ክከላኸሉ ዝጸንሑ ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ፣ ንዲክታቶርያዊ ምሕደራ ናይቲ መራሒ ብምዅናን፣ ነቲ ክህቡዎ ዝጸንሑ ደገፍ ደው ከምዘበሉዎ ብመንገዲ ማሕበር ነባራት ተጋደልቲ ዚምባብወ (Zimbabwe’s war veterans’ association) ትማሊ 21 ሓምለ ኣብ ዝወጽኡዎ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ Zanu-PF ዝብሃል ስልጣን ናይታ ሃገር ብሒዙ ዘሎ ናይ ሙጋበ ሰልፊ ተኸሲቱ ዘሎ ቅሉዕ ናይ ስልጣን ውድድር፣ ከምኡ ‘ውን ብስንኪ ‘ቲ ዘንቆልቍል ዘሎ ቁጠባ ዝተበገሰ ቀጻሊ ተቓውሞታት ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ሸምጊሉ ዘሎ ፕረዚደንት ጸቕጢ እናዓበየ ኳ ይኸይድ እንተሎ፣ ሮበርት ሙጋበ ግን ኣብቲ ን2018 ዝካየድ ምርጫ ናይታ ሃገር እንደገና ብምውድዳር ክሳብ ዝመወት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ መደብ ከምዘለዎ ቢቢሲ ይጠቅስ።

ይኹን ‘ምበር፣ እቲ ዋላ ኣብቲ ዝጸንከረ ኩነታት ኣብዞም ኣብ 1970ታት መቓልስቲ ብጾቱ ዝነበሩ ነባራት ተጋደልቲ ክምርኮስ ዝጸንሐ ሙጋበ፣ ሕጂ ነቶም እሙናት ፖለቲካዊ ቅልጽሙ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መንገዲ ምስኣኑ ዓቢ ጽፍዒት ምዃኑ ‘ውን ልኡኽ ቢቢሲ የረድእ።

እቶም ካብ ኩለን ኣውራጃታት ናይታ ሃገር ወከልቶም ብምልኣኽ ኣኼባ ዘካየዱ ነባራት ተጋደልቲ ኣብ መግለጺኦም፣ “ኣብቲ ብፕረዚደንትን ጭፍርኡን ብሜላ ዘስፋሕፍሕ ዘሎንኽብርታት ሓርነታዊ ቃልስና ዝብልል ዘሎ ውልቀምልካዊ ዝንባለታት ዘለና ቍጥዐ ንገልጽ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ሙጋበ ጸላእተይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዝጠርጠሮም ዜጋታት ኮነ ሰላማውያን ሰልፈኛታትን ነባራት ተጋደልትን  ዝወስዶ ዓምጣሪ ስጉምቲ ከምዘሻቕሎም ኣገንዚቦም። እቲ ኣብ ዚምባብወ ዘሎ ውዱቕ ቁጠባ ውጽኢት ጠፋሽ መሪሕነት ሙጋበ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ከምዘይድግፉዎ ብወግዒ ኣፍሊጦም።

ሓደ ፖለቲካዊ ተንታኒ ናይቲ ሃገር፣ እቲ ዘውጽኡዎ ሰፊሕ መግለጺ ንናይ ‘ቶም ነባራት ተጋደልቲ ኣረኣእያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሙጋበ ስልጣኑ ከጽንዕ ናይ ዝምርኮሰሎም ኣብ ስራሕ ዘለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ‘ውን ዘንጸባርቕ ምዃኑ የገንዝብ።

ዚምባብወ ብ 1980 እያ ብሓርነታዊ ቓልሲ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ሓራ ኮይና። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ድማ ሮበርት ሙጋበ ኣብዞም እሙናት ደገፍቱ ኮይኖም ዝጸንሑ ነባራት ተጋደልቲ ተመርኵሱ ን36 ዓመት ክመርሓ ጸኒሑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT