Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ በዓል 8 መጋቢት ብኑርያ ሑሴን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስዊ ለወጥን ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዞባ ኣውረጳ ሓላፊት ዝቐረበ ጽሑፍ።

እዚ ሎሚ ኣብዚ ተኣኪብናሉ ዘሎና ማዓልቲ (8 መጋቢት)፡ እቲ  እምቢ ንዓመጽ፡ ዘበት ንተምበርካኽነት ብምባል፡ ብዓለም ደረጃ ነጋሪት  ዝተሃረምሉ፡ቃልሲ ንጸረ ኩልንትናዊ ወጽዓ፡ ዝተወሰነሉ ማዓልቲ፡ ሓቢርና ክንዝክሮን ከነኽብሮን ምኽኣልና፡ እንካዕ ናብዚ ኣብቅዓና ይብል። ኣብዚ ማዓልቲ’ዚ ዝተተለመ ፍትሓዊ ቃልሲ

እዚ ሎሚ ኣብዚ ተኣኪብናሉ ዘሎና ማዓልቲ (8 መጋቢት)፡ እቲ  እምቢ ንዓመጽ፡ ዘበት ንተምበርካኽነት ብምባል፡ ብዓለም ደረጃ ነጋሪት  ዝተሃረምሉ፡ቃልሲ ንጸረ ኩልንትናዊ ወጽዓ፡ ዝተወሰነሉ ማዓልቲ፡ ሓቢርና ክንዝክሮን ከነኽብሮን ምኽኣልና፡ እንካዕ ናብዚ ኣብቅዓና ይብል።

ኣብዚ ማዓልቲ’ዚ ዝተተለመ ፍትሓዊ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣንጻር ዓማጽን ጨፍላቒን መርሆታት ደው ብምባል፡ ንማዕረ መሰል ውጽዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ንምርግጋጽ ዝዓለመ’ኳ እንተኾነ፡ ብመሰረቱ ምዕሩይ ስርዓት መሕደራ ግን፡ ነቲ ዝሰፈሐ ክፋል ናይ ሓደ ሕ/ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣሻማዊ እዩ።

ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ብስሩን ብባህሩን፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ንምርግጋጽ ዘቕነዐ ቃልሲዩ። እቲ ምንታይ ረብሓን ጥቕምን ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብዚ ባይታ’ዚ ጥራይ ስለ ዝሰረ’ዩ። እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ኣህዛብ ሰላምን ርግኣትን ረኺቡ፡ ቀሲኑ ዝነብረሉን፡ ንልምዓት ዝግስግሰሉን ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘውሕስ ባይታ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ንኩሉ ማኣዝናዊ ምዕባሌ ናይቲ ሕ/ሰብ ኣዝዩ ዝሰለጠ መንሃርያ’ውን እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ንቃልሲ ከምርሓ ከለዋ፡ ንመሰልና ብቓልስና ከነረጋጽ’ና ብምባል’የን ዓጢቐን።

ምኽንያቱ፡ እቶም ናብ ቃልሲ ክስራዓን ክስለፋን ዝጎስጎሱወን ተቓለስቲ ኣያታት፡ ንመሰልክንን ማዕርነትክን እተረጋግጸኦ ንስኽን ባዕልኽን ኢኺን።ንሕና ድማ ኣብ ጎንኽን ብምስላፍ ንመሰልክን ደው ክንብል’ና ብምባል ቅኑዕ መስመር ብኣግኡ ስለ ዘትሓዝወን’ዩ።

ይኹን እምበር፡ ዝዓጠቓሉ ዕላማ፡ ኣብታ ካብ መግዛእቲ ናጻ ዝኾነት ኤርትራ ዝትከል ብምኻኑ፡ እሞ እቲ ፍርቂ ኣካል ናይቲ ሕ/ሰብ ድማ ንሰን ብምዃነን፡ ምምላስ ሕቶ ሃገር ከም ግዴትአን፡ ብሓደ ወገን፡ ሕቶ ምርግጋጽ ማዕርነታዊ  መሰልን ድማ በቲ ካላኣይ፡ ድርብ ቃልሲ ጸመዳ።

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተሳዒሩ፡ ሃገር ናጻ ኮይና። እንተኾነ፡ እቲ ነቲ ምኩሕ መግዛእታዊ ስርዓት  ዘምበርከኸ ተባዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ንሓቀኛ ምስሉ ሓቢኡ፡ ንሳላኻየ ዝቃለስ ዘለኹ እናበሎ ክመጽእ ዝጽንሐ፡ ባዓል ፍሉይ ዕላማ ኢሳያስ፡ ተሳዒሩ። ድርብ ዋጋ ዝተኸፍሎ ቃልሲ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ድማ ቀዲሙ ተሳዒሩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪቲ ዝኸፈሎ ዘይትመን ዋጋ፡ ተመሊሱ ኣብ ዳግመ ቃልሲ ኣትዩ ይርከብ ኣሎ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ድማ፡ ከም ዳሕራይ ቀዳማይ፡ ምሰ ኣሕዋተን ሓቢረን፡ ነቲ ብኢሰያስ ዝምራሕ ናይ ዕንወት ቅዲ፡ ካብስሩ ንምቡርቃቕ ብሓደ ሸነኸ፡መሰል  ጓል ኣንስተይቲ መለክዒኡ ዝገበረን፡ ንረብሓኣ ዘውሕስን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ድማ በቲ ካላኣይ፡ ንዕማማት ቃልሲ ብማዕረ ወዲነን፡ ሕጂ ውን ከም ትማሊ ብምባል፡ ድርብ ቃልሲ ከካይዳ ዳግም ባህርያዊ ግዴተኣን ኮይኑ ይርከብ’ሎ።

ኣብቲ ብ2011 ዓ/ም ኣብ ኣዋሳ ዝተጋበአ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስዊ ለውጢ፡ እተን ኣብኡ ዝተሳተፍና ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዓቕምና ነቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ዕላማ ቃልሲ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ፡ ኣብ ባይታ ዝስረተሉ፡ መባእታዊ ስጉምቲ ወሲድና ባሃልቲ’ና። መሰላትናን ረብሓናን ብምልኣት ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ብጉቡእ ሰፊሩ፡ ውሕስን ተግባራውን ክኸውን ግና፡ ናይ ኩልና ደቂ-ኣንስትዮ ጥሙር ቃልሲ ይሓተና።

ኣብዚ ዝቀራረብ ዘሎ ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስታፌ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸን ኣድማዕን ንክኸውን ድማ፡ ኩላትና ክንደፍኣሉ ታሪኻዊ ግዴታና’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ክዓስላን፡ ንፍትሒ ደው ክብላን፡ ንመሰለን ሓቢረን ክጽዕታን መጸዋዕታ ከምሓላልፍ ይፈቱ።

ንመሰል ጓል ኣንስተይቲ ጎስዩ ንፍትሒ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል፡ ንፍትሒ ዘይኮነስ ንዳግመ ዓመጽ’ዩ

ዓወት ንዕላማታት 8 መጋቢት

ውድቀት ንኹሎም ዓመጽትን መለኽትን

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Zufana March 17, 2014

    Despite many barriers, young women are finding alternative ways to contribute to an age-old struggle. Whether hash tagged in tweets, composed into songs, or included in official statement at the UN, women believe the groundswell of young feminist activism can revitalize the power and potential of decision-making with radical solutions, strategies and spirit. We need to tackle difficult questions such as: how can we increase the number of young women in leadership position? why don’t young women have the same access to employment and participation in decision-making as young men? Continued women’s day will spark these debates and steer public opinion.The more ordinary people that can add their voices to the debate, the more chance the outcome will have of being rooted in people’s experiences. We have massive challenges in Eritrea, but we take this day to celebrate and recognize the contribution of women to our society, and must keep making progress toward equality. I know that inequality isn’t just a developing world problem, how many female leaders are there around the world? We should redouble our efforts because this centuries global challenges – poverty, conflict, and climate change cannot be overcome without women’s full and equal participation. Last but not least, we shall continue through strong organized women participation to send a message of “A promise is a promise: time for action to end violence against women”., at home and internationally respectively.

    • romay March 18, 2014

      ወዳጀ ኑሪያ፡ ኣብ ኣዋሳ ኣብ ሑቕፊ ማለሊት እንዳተሰራሰርክስ መሰል ደቂ
      ኣንስትዮ ኤርትራውያን ክትሕልውለይ። እዚሞ ፈጺሙ ዘይመስል’ዩ። ንመሰል
      ደቂ ኣንስትዮ ትቃለስ ካብ ቁጽጽር ወያነ ሓራ ምስትወጽእ ጥራሕ ኢያ፡፡ መሰል ደቂ
      ኣንስትዮ ኤርትራ ዝረጋገጽ ብኤርትራውያን ካብ ወይን ቁጽጽር ወጻኢ ምስዝኸውን
      ጥራሕ ኢዩ፡ ኑሪያ፡ ትዝክርዮ’ዶ ሰራዊት ወያነ ካ 1998 ክሳብ 2000 ዓበይቲ
      ኣዴታት ከይተረፋ ከምዝዓመጸ፡፡ ኣብ ሑቕፊ እዚ ዓማጺ ኮንኪ ዲኺ
      ኣይትሓዙኒ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከውሕስ ኢየ ትብልና ዘሎኺ?
      ሓቂ እንተሎኪ ንነብስኺ ምስ ወያነ ዘሎኪ ዝምድና ብተኺ፡፡ ሽዑ ብዙሓት ሰዓብቲ
      ክትረኽቢ ኢኺ፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ግን ብማለሊት ተመዊልኪ ኣብ ጥላም ወያነ ፍግም
      ኢልኪ እንዳሰገድኪ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከረጋግጽ”የ ትብሊ እንተኾንኪ ግን
      ላግጺ ጥራሕ ኢዩ ዝኸውን።
      ሮማይ

  • ahmed saleh March 18, 2014

    Women are the backbone of their household including their community.
    Eritrean women have a right to form
    a feminist movement if that is what it takes to get attention . They suffer dearly under the hands of HGDF not
    else.

  • Munir March 19, 2014

    Well Done Nuria

  • ogbai March 19, 2014

    I wonder about Romays view on Nuria. I would say location is not the main cause of the problem and Weyane is nothing to do with this issue. Unfortunately you are repeating the song of PFDJ. Lets stop the non sense accusation this and that of none sense things. Where ever we are lets show our solidarity. Then,we will deal with Wayane if there is any thing to deal with. Do you know why Nuria and likes in Ethiopia. Because the DEVIL in Asmara refused them the right to exist.Then it is better to be any where in the world than to be locked in Era Ero and likes all over Eritrea. Not only that,that he tells the poor people to call us names where ever we go unless we paid two percent and SINGS what ever he told us to sing. I am glad now,no more songs left for him after Wedi Tukabo and others left him in the cold. By the way, HAPPY WOMENS DAY TO ALL ERITREANS WHERE EVER THEY ARE.And next time we will see you in ASMARA! Thank you.

POST A COMMENT