Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተኸስተ ግጭት 10ታት ህይወት ድሕሪ ምጥፍኡ፣ ኢትዮጵያ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ክኣትዉ ክትፈቅድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተኸስተ ግጭት 10ታት ህይወት ድሕሪ ምጥፍኡ፣ ኢትዮጵያ ብፍላይ ናብቶም ግጭት ዝተራእየሎም ከባቢታት ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ክኣትዉ ክትፈቅድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጸውዐ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ማዕከና

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተኸስተ ግጭት 10ታት ህይወት ድሕሪ ምጥፍኡ፣ ኢትዮጵያ ብፍላይ ናብቶም ግጭት ዝተራእየሎም ከባቢታት ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ክኣትዉ ክትፈቅድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጸውዐ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ማዕከና ዜና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምዕራብ ዞባ ኦርምያን ብሰሜን ድማ ኣብ ክሊ ኣምሓራ ኣብ ዝተኸስተ ግጭት፣ ብውሕዱ 49 ሰባት ከምዝሞቱ ዘ ጋርድያን ይጠቅስ።

ይኹን እምበር ኣፈኛ መግስቲ ኢትዮጵያ ጌታትችድው ረዳ፣ ብፍላይ ነቲ ኣብ ከባቢ ጎንደር ዝተላዕለ ናዕቢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብ ስርዓት ኤርትራ ዝዓጠቑን ዝተመወሉን ባእታታት ዘለዓዓሉዎ ናዕቢ ምዃኑ ብምጥቃስ 5 ፖሊስ ‘ውን ከዝሞቱ ኣገንዝቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ክልላት ዝተኸፋፈለ ፈደራላዊ ምሕደራ ከምእትኽተል ሃገር መጠን፣ እቶም ምስ ምሕደራን ቁጠባን ተኣሳሲሮም ዝለዓሉ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዓሌታዊ መስመር ስለዝሕዙ ተነቀፍቲ ምዃኖም ተዓዘብቲ ይገልጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • AHMED SALEH !!! August 11, 2016

    TPLF refused to learn a lesson from elite Amhara ethnic group who controlled power in past history
    of Ethiopian politics . The more they use force the more killings will occur to escalate this dangerous uprising . Speaking the truth , they missed the opportunity to unite Ethiopian people . In diaspora we
    observed Tigrai and Ethiopian communities divided in to two different functions . It is dirty politics as
    usual which kept Africa hostage for decades .

POST A COMMENT