Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ብኣቦ ወንበርን ብኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓርን ዝተቐረቡ መግለጺታት

1. “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ብ ኣቦ ወንበር ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grass roots movement)

1. “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ብ ኣቦ ወንበር ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grass roots movement) ዝቐረበ ቓል።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡-

ናብ’ዚ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ህዝባዊ ሰሚናር እንኳዕ ዳሓን መጻእኩም ክብል ይደሊ። ማእከል ዛዕባ ናይ ሰሚናርና ሓድነት ኮይኑ፡ ቴምኡ ድማ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ዝብል ኢዩ።

ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህሉ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝቕጽልን ኢዩ። እቲ ዋና ነገር፡ ንፍልልያት ከመይ ተተኣናግን ተማሓድርን ኢዩ። ንፍልልያቶም ከም ጸጋ ተቐቢሎም፡ ተኸባቢሮምን ተኣማሚኖምን ዝነብሩ ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት፡ ማሕበራት፡ ሃገራት ይኹኑ ህዝብታት፡ ካብቶም ንፍልልያቶም ምምሕዳር ተሳኢንዎም ድሌታቶም ብዓመጽን ሸፈጥን ከርውዩ ዝህቅኑ ኣካላት ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወትን ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮን ክውኑ ንዕዘብ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምእማንን ብምርዳእን ኢና እምባኣር ነዚ ናይ ሎሚ ማዓልቲ ሰሚናር ክንውጥንን ከነዳሉን ዝወሰንና።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ ከምዝርከብ እትረፍ ንዓና ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ብሰለስተ ውልቀነጻነቶም ዝተሓለወ ግን ድማ ተማላላእቲ ዝኾኑ ኣካላይ ናይ መንግስቲ፡ ማለት ብሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካል ዘይቆመ፥ ብኣቕዋም (constitution) ዘይምራሕ፥ ናብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ዘምርሕ ዝተነጸረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘይብሉ፥ ዳርጋ ምስ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝበተኸን ኣዝዩ ዝተጸልእን ዝተነጸለን፥ ባህላዊ ክብርታትና ዘበርዓነን ማሕበራዊ ምትእስሳራትና ዝበታተኸን ፍንፉን ስርዓት ምዃኑ፡ እንዳራኣየ ከምዘይ ራኣየ፡ እንዳ ሰምዐ ድማ ከስቅጥ ንዝደለየ እንተዘይ ኮይኑ፡ ብሩህ ከምጻሓይ ቀትሪ ኢዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩንም፡-

ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶም ዝጸንሐን ዘሎን ደረት ኣልቦ ኩለ-መዳያዊ በደላትን ኣመልኪቱ ክዝረብ እንከሎ፡ ባህ ዘይብሎ ወይ’ውን ክሰምዕ ዘይደሊ ባእታ ክህሉ ከምዝኽእል ዝሳሓት ኣይኮነን። ልክዕ’ዩ፡ ሰባት ንዝኣመንሉ ክንእዱን ክውድሱን፡ ቅኑዕ ኮይኑ ንዘይተራእዮም ድማ ክነቕፉን ክእርሙን ውልቃዊ ነጻነቶም እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብሰንኪ ዝኽተሎ ዓማጺ ባህርን ኣካይዳን፡ እቲ ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ ምንቃፍን ምንኣድን ዘይኮስ፡ ኣብ መንጎ በዳልን ተበዳልን፥ ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ኢዩ። ስለዝኾነ ኻኣ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቀሺ ደስሞንድ ቱቱ ዝበሎ፡ በደል እንዳተፈጸመ ዕሽሽ ምባል ምስቲ በዳሊ ምውጋን ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ኣብ’ዚ እዋንዚ፡ እቲ ነፈርቲ ደርጊ ዓዱ ዘጋጸላሉ ህዝቢ፡ ኣባይቱ ብዶዘራት ህግደፍ ክፈርስ ይውዕል ኣሎ። ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ማያት መዲትራንያን ይጠፍእ ኣሎ። ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ተለዊጣ፡ እቶም ስቓይ ማርያም ግቢን ኣለም በቃኝን ንኸብቅዕ ንእስነቶም ኣብ ገድሊ ዝተወደአ ጀጋኑ፡ ኣብ ኣጻምእ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ይበልዩ ኣለው። እታ ንስለ ሓርነት ዝመኸነት ጅግና፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ክትልምን ትውዕል ኣላ። ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ማዓልታዊ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ሓደገኛ ስደት የምርሕ ኣሎ። እቲ ዝርዝር ማእለያ የብሉን። ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ፡ መጻኢ ዕድልና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ፡ ነታ ንህላዌኡ’ውን ፈታኒት ኣብ ዝኾነት መጻብቦ ተቐርቂሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣብ ደገ እንነብር ኤርትራውያን ናይ ዘይምትእምማንን ባህሊ ይዓኩኹ ምህላዉ እዩ። እዚ ኻኣ ሓደገኛ ኢዩ። ትርጉምን ኣድላይነትን ናይ ሓድነት ልዕሊ ሰብና እኳ እንተዘይበልና ከም ዓለምና ግን ንፈልጦ ኢና። ምፍላጥ በይኑ ግን እኹል ኣይኮነን፡ ብተግባር ምስናይ የድሊ። ንሓድሕድና ክንተኣማመን እንተዘይክኢልና ተጎዳእቲ ንሕና ኢና። ኣብ ሕድሕድ ምትእምማንን ምክብባርን ዝተሰረተ ድልዱል ሓድነት ከነረጋጽ እንተኺእና ድማ ፈለማ ተጠቀምቲ ንሕና ኢና። ስለዚ ንኻልእ ኢልና ዘይኮነስ፡ ፈለማ ንነብስና ንኽጥዐመና ምእንቲ፡ ሕድሕድና ንከባበር፡ እሂን ምሂን ንበሃሃል፡ ሓባራዊ ጸገማትና ሓቢርና ነለሊ፡ ሓቢርና ድማ መፍትሒ ሓሳብ ነናድን ጸገማትና ንፍታሕን። እዚ ናይ ሎሚ ሰሚናር ንኸምዚ ዝበለ ስጉምት፡ ጽቡቕ ጅማሮ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ሰሚናር’ዚ ንምድላው ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኩሉም ብልቢ የመስግን። ዶ/ር ርእሶም ኣብ መንጎና ተረኺቡ ምሁራዊ ማዕዳን ኣስተምህሮን ንደቅናን ናዓናን ንኽገብር ዘርኣዮ ድልዉነትን ተገዳስነትን ብስም ነብርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን የመስግን። ካብ ፍሎሪዳን ቻርለትን ናብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ንኽትሳተፋ ኣብ መንጎና ተረኺብኩም ዘለኹም የሕዋት ኣድናቖተይን እንዳገለጽኩ ብልቢ ከመስግነኩም ይደሊ። ዕውት ሰሚናር ይግበረልና።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩሙኒ ብልቢ የመስግን።

የቐንየለይ።

 

2. ብ ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ንመንእሰያት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ናይ ምኽርን ለበዋን ቃል።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን!

ዝኸበርክን ኣሓትን!

ዮሃና ንሰሚናርኩም!!

ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዚ’ሎም ተኣኪቦም ክትርኢ ከሎኻ፡ ኣዚዩ ዘሐጕስን ተስፋ ዝህብን ጉዳይ ኢዩ። እዚ ሰሚናር’ዚ ንባዕሉ ናይ ተስፋን ሓይልን ብርታዔን ነጸብራቕ ኢዩ። ምኽኒያቱ ዝተኣከቡ ኣሕዋት ዝገብርዎን ዝኾንዎን ስለ ዘይስእኑ። ኣሕዋት ከምዚ’ሎም ምስ ተኣከቡ ጥራሕ’ዮም ድማ፡ ሓድሕዶም ሓሳብ ዝለዋወጡን፡ ብሉጽ ሓሳብ ዘመንጪዉን፥ሓድሕዶም ዝሰሓሓሉን ዝበላልሑን። ከምዚ’ሎም ከይተጋብኡን፡ ርእሲ ንርእሲ ከይተወሃሃቡን ኣብ ጭቡጥ ቑምነገር ክብጽሑ ኣይክኣሎምን። ምስ ተኣከቡ ግን፥ እቲ ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጐዳኢ ነገራትን ጐርብታትን ክገሃደሎም ይኽእል። ወይ’ውን ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጠቓሚ ነገራት ቀልጢፎም ክበጽሕዎን ክጥቀምሉን ይኽእሉ። ስለዚ ሓቢርካ ምትእኽኻብን ምዝታይን ልክዕ ከምቲ ክልተ ካራታት ሓድሕድም ተጋጪዩም ዝተማምሁን ዝበላልሑን፡ልክዕ ከምኡ ማለት ኢዩ።

ብኣንጻሩ ከኣ፡ ሓድሕድካ ዘይምርኽኻብን ምፍንታትን፡ ነቲ ዝኸፍአ ኣዕናዊ ነገራት ዝዕድም ኰይኑ ይርከብ። ሓድነትካን ስምረትካን ዘይደልዩ ሰንካማት ሰባትን ወገናትን፣ መታን ኣሕዋት ኣብ ከምዚ ዝበለ ምትእኽኻብን ውህደትን ኸይበጽሑን ከየፍርዩን፡ ተቓዳዲሞም ነቲ ሰናይ ተበግሶኦም ክዘርጉሎምን፡ ክቘጽይዎን ፡ዘይመልክዑ ከልብስዎን ዘይፍትንዎ የለን። ሓድሕድካ ዘናቝት መዝረጋታትን እኩይ ብልሓትን ተጠቒሞም ክበታትኑኹምን ክበታትዑኹምን ከም ዝጽዕሩ ክትስሕትዎ ዘይግባእ ነገር ኢዩ። ጌና በቲ ዓቢ መስአ-ሰይጣን ገይሮም ክምስእዩኹምን ኽሸርዉኹምን ምዃኖም ቀልጢፍኩም ቆብ ኣብልዎ። ነዚ ምስጢር’ዚ እንተ ዘይፈሊጥኩምን ተንዛሕሊልኩምን፡ነቲ ዕርፊ ሓድነት ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ብቑዓት ከይኮንኩም ትተርፉ። ኣብቲ ኵሉ ከይበጻሕኩም ድማ ጪብጦ-ሑጻ ከም እትዀኑ ተገንዘብዎ።

ኣሕዋት ተኣኪቦምን ሓቢሮምን፡ ንዅሉ መሽጐራጉር ጸላኢ እንተ ዘይኣለልዮሞን ዘይፈንጺገሞን፣ወትሩ ጥበብ ጸላኢኦም ከየለለዩ፥በቢዝመሰሎምን ዝተሰመዖምን፡ከከም ዝተሓርጐትዎን ዝተጸለውዎን፡ በቢዝመረጽዎ ጐደናታት ይጐዓዙ፣ይዕንድሩ፣ልቢ ንልቢ ከይተረኻኸቡ ይነብሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡እቲ ሓደ ዝሓሰቦ ሰናይ ነገር ነቲ ካልእ ኣይጥዕሞን፡ኣይምቅሮን። ብዘይ ኣፍልጦን ቅኑዕ ምኽንያትን ይጻረሮን ይዕንቅፎን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዘይለዓቱ፡ዓይኑ ዓሚቱ፡ ምስ ኣውራጃን ሃይማኖትን ኣሳቢቡ ንሓድነትን ህላዌ ሃገርን ዝፈታተን ሰባብ ድምጺ-ኣባይ እናቃልሐን እናደበለን ኣብ ቀጻሊ ዕንክሊል ይነብር። ነዚ ኵነት’ዚ ኢና ከኣ መ ር ገ ም ኢልና እንጽውዖ።

ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘሎኹምን፡ ካልኦት ዘይተኣከቡ መናእሰያትን፥እዚ ግዜ’ዚ ሓድሕድኩም ደሃይ እትፈላለጥሉን፡ እትደላለይሉን፡ እትቀራረብሉን፡ንዝተበላሸወ እተዐርይሉን፥ዝፈረሰ እትሃንጽሉን፡ንዝዓሸወ ናብ ልቡ እትመልስሉን፡ ቅያታት እትሰርሕሉን ወርቃዊ እዋን ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስወጠኩም ይግብኦ። ወያ ምድሪ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት መልክዓን ቃናኣን ተለዊጡ፡መፍቶ ጸላእታ ክትከውን ዘይትፈቕዱ፡ ሓራናት ዘርኢ ስለ ዘለኹማ፤ካብ ሕሰማ ከተናግፍዋ ግድነታዊ ዕማምኩም ይኸውን።

መንእሰያት ብሓባር ተላዒልኩም፥ህዝብኹም ኣተሓባቢርኩም፡ብሓደ ድምጽን ብሓደ ኢድን ንሃገርኩም ኤርትራ ካብ ዝተጎርበሰትሉ ህጕም፣ካብ ዝተዋሕጠትሉ ሰልሚ ዘቚቝኩም እተውጽእዋን፡ ብኽልተ ኣእጋራ ደው እተብልዋን ንስኻትኩም ኢኹም።

እቲ እዋን በሲሉ ይጽበየኩም ኣሎ፣ብብስለት ግጠምዎ! ህልዊ ኵነታት ሃገርኩም ኣጸቢቑ ከሕስበኩምን ክሓቕየኩምን ይግባእ።

እታ ዓዲ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት፣እታ ንመላእ ዓለም ዘስተንከረት ንእሽቶ ሃገር፡ነቲ ዝተደወነ መልክዓ ሃየ! ኣብርህዎ። ሃየ! ተስፋ ኣይትኽልእዋ።

እዞም ሎሚ ተጋቢእኩሞ ዘሎኹም ብቐጻሊ ምስቶም ዘይመጹ ኣሕዋትኩም ደቂ ኤረ ብሕብረት ክትለዓሉን፡ንመላእ ህዝብኹም እናተሓባበርኩምን፡ ኣብ ምሉእ ተጋብኦ በጺሕኩም ቁምነገር ክትገብሩን፡ትጽቢት ህዝብኹም መልሲ ክትረኽብሉን፡ኣብ ዝባንኩም ዝተለጠጥኩሞ ሓላፍነት ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስቘረኩም የድሊ።

ከምቲ ዝድለ ብስፍሓት ተጋቢእኩም ንዅሉ ምስ ፈተሽኩሞ፡ እቲ ሓቂ ኳዕ ኢሉ ክበርሃልኩም ኢዩ። ሽዑ ከኣ’ዩ ኣተሓሳስባ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ሓጺርን ስምዒታውን ዝኸውን፡ ብሱልን ሰፊሕን ዓሚቝን ሓላፍነታውን ክኸውን ዝበቕዕ።

ሽዑ’ዩ ዛዕባ ታሪኻዊ ኣቃዉማን ኣመጻጽኣን ምትእስሳራትን ናይ ሕብረተሰብና ኣጸቢቑ ርዱእ ዝዀነልኩም። ሽዑ ጸላእቲ ሰርሲሮም ዝኣትውሉ ቀዳዳት ኵሉ ክትለኩዎን ክትልኵትዎን ኢኹም።

ኣውራጃን ሃይማኖትን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝጸንሐ፡ ርዱእን ቅቡልን ትሕዝቶ ዘለዎን፡ ንዘመናት ብሰላም ዘነባበረናን ዘካየደናን ናትና ሃብቲ ምዃኑ፡ነቶም ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ኣጸቢቑ ክበርሃሎም ኢዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ነዚታት ጠማዚዞም ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ክበጽሑ ኢዮም። ሽዑ ነቲ ኵሉ ጸላኢ ዝዘርኦ፡ኣእሻዅን፡ሓድሕድካ ምጽልላእን፡ምንእኣስን ፡ትዕቢትን፡ ኣፈላላይን፥ ካብ ሱሩ በርቍቕኩም ክትድርብይዎ ኢኹም። ሽዑ ንምኽሪ ኣሕዋት ዘነኣእስን ብትዕቢት ዝፍኽነንን ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ብጥቡእ ልቢ ክትረዳድኡን፡ክትወሓሓጡን ክትቀባበሉን ኢኹም። ሽዑ’ዩ ከኣ ካበ’ዬናይ ባህልን ልምድን ስርዓትን ውግዕን ከም ዝመጻእኩም ብግህዶ ኳዕ ኢሉ ዝበርሃልኩም ። ሽዑ ኢኹም ከኣ ሓቢርኩም እትውጥጡን፣ንጸላእትኹም እትብድህዎምን፣ንተንኰለኛታትን ሕሱማትን፡ብቐሊሉ እተለልይዎምን፡ሓኒቕኩም እትሕዝዎምን። ብድሕሪ’ዚ ብቕዓት ወኒንኩም በቲ ሓቀኛ ጐደና ሰላም ተጓዒዝኩም ንዓድኹም፡ ብሰናይ ድሌትኩም ክትሃንጽዋ ኢኹም። ሽዑ ሃገር ናይ ኵሉ ወዲ ሃገር ደኣ,ምበር ናይ ፍሉያት ሰባት መልዕሎን ሓለፋን፡ ናይ ብሕቲ ሰውሒን ከም ዘይኰነት ብግልጺ ከተመስክርዎ ኢኹም። ሽዑ ሓቢርኩም ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝኩም ንቕድሚት ክትደፍኡ ኢኹም። ከምቶም ዝሓለፉ ኣቦታትኩምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን፡ ብሕብረትን ብምትሕልላይን ንቕድሚት እናደፍእኩምን፡ ዳግማይ ከይተዓሸዉኩምን ከይተገራህኩምን ክትዓብዩ ኢኹም። ንኽብሪ ሃገርኩም ክትከላኸሉላን፣በጃኣ ክትሓልፉላን፣ ክትሃንጽዋን ሰናይ ዕማምኩም ክኸውን ኢዩ። ክብሪ ሃገርኩምን ታሪኽ ህዝብኹምን ከተሐድስዎን ክትዅልዕዎን ኢኹም። ከም’ቶም ዝሓለፉ ወለድኹምንምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን ኣሰሮም ተኸቲልኩም፡ብርሱን መንፈስን ፍቕሪ ዓድኹምን ፍቕሪ ህዝብኹምን ዝተቃጸጸልኩም ክትኮኑ ኢኹም።ምእንቲ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ክብርቲ ሂይወትኩም ክትኸፍሉ ዝቘረጽኩም ዝተቐረብኩምን ዜጋታት ኰይንኩም ክትርከቡ ኢኹም።። ናትና እትብልዋ ሃገር ወኒንኩም፡ንባህግታት ህዝብኹም ሂይወት ክትዘርእሉን፡ጸባ ከተስትይዎን ምዃንኩም እሙን ነገር ኢዩ!!

ጽንዓትን ቅልጽምን ይሃብኩም!!

ዕዉት ሰሚናር ይኹነልኩም!!

የቐንየለይ!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT