Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ እስራኤል ሓደ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ከም “ኣሸባሪ ተጠርጢሩ”፣ ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ተቐቲሉ።

ኣብ ከተማታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣  Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣጥቃዒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም “ኣሸባሪ ጠርጢርናዮ”

ኣብ ከተማታት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣  Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣጥቃዒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም “ኣሸባሪ ጠርጢርናዮ” ዝበሉዎ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ ብጥይት ወቒዖም ከምዝቐተሉዎ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

እቲ ዛጊት ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ብኸቢድ ተወቒዑ ናብ Soroka ዝተባህለ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ ከምዝዓረፈ እቲ ሆስፖታል ኣረጋጊጹ።

እቲ ብዘይወዓሎ ገበን ብጥይት ተወቒዑ ህይወቱ ዝሰኣነ ኤርትራዊ ስደተኛ ብላኼማ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፣ ሓደ ኣቐዲሙ ዒላማ ናይቲ “ኣሸባሪ” ዝኾነ እስራኤላዊ ወተሃደር ክመውት ከሎ 9 ካልኦት ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን። ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ ዓረብ ዝመበቆሉ ናይ ፈለማ ኣጥቃዒ ኣብ ዝሃደኑሉ እዋን ነቲ ኤርትራዊ ከም ዝቐተሉዎ ካብ ጋዜጣታት እስራኤል ዝተረኽበ ኣፈናዊ ሓበሬታ ይእምት።

ካብቲ ናይ ቶኽሲ ዕግርግር ነብሱ ከድሕን ዝፈተነ ኤርትራዊ ብጥይት ጸጥታ እስራኤል ብኸቢድ ተወቒዑ ኣብ መሬት ምስ ወደቐ፣ ግብረሸበራዊ ዝመሰሎም ሓለፍቲ መንገዲ ብእግሮም እናቐላልዑ ከምዝሃረሙዎን “ሞት ንኣዕራብ” እናበሉ ጡፍ ከምዝበሉሉን liveleak.com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ። ነቲ ግዳይ ናብ ሆስፒታል ክወስዱዎ ዝተጓየዩ ናይ ረዲኤት ሓካይም ካብቲ ህዝቢ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞም ‘ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ግዳይ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣማውታ ናይዚ ንጹህ ኤርትራዊ ብግቡእ ተመርሚሩ ብወግዒ ክግለጽ ናብ መንግስቲ እስራኤል ጠለብ ከቕርቡ ኣለዎም።

ኣብ እስራኤል ብቕንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግርግር ገኒኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኤርትራውያን ውልቃዊ ጥንቃቐ ከዘውትሩ፣ ነዚ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ምርኩስ ብምግባር ከኣ፣ ከም ማሕበረሰብ ተተርኒፎም ብመንግስቲ እስራኤል ውሕስነት ክግበረሎምን ከምዚ ናይ ሎሚ ዝኣመሰለ ተግባር ከይድገምን ክምሕጸኑ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • ምከአል ተስፋይ October 21, 2015

    አንታይ አሞ ክንገብር አዚ ኩሉ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ብሰንኪ ኣብ ኣስማራ ዘለዉ ሽፋቱ ብህጊ ዘይግዘኡ ነውራማት ጉጅለ ሂግድፍ ዘውርድ ዘሎ ሃየንታ አዩ።ከምቲ ኣቶ ኣብራም ሰጊድ ዝበሎ ዕዱ ዝሓድገ ሃማም ይብሉዎ ይብልዎ ባለገ ዓዱ ዝሃደገ፡ ስለዚ ነዚ ቀንዲ ጸላኢና ንስጎግ ሽዑ ኮሪዕና ኣብ ሃገርናን ዓዲ ኣቦናን ብሰላም ክነብር።አምበር አሪትረዊ ዳ ትራሕ ኣብ ኢስራአል ትራሕ ማስ ኮይኑ ዝመውት ዝሎ።

  • yoni December 15, 2015

    Please any one came from eritrea take care ur self please??????

1 3 4 5

POST A COMMENT