Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ባርዕ ሓዊ እንተዘየቃጸለ ትኩ የንብዓካ ሃፈጽታኡ ይሽልብበካ

ኤርትራ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ከባቢኣን ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው፡ ከምኡ’ውን ዘለዋ እስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ተጠማትነትን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ትርከብ። ኣብ ዝኾነ እዋን ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘገድሶን ዘሻቅሎን ጉዳይ፡ ውሽጣዊ ሰላሙን

ኤርትራ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ከባቢኣን ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው፡ ከምኡ’ውን ዘለዋ እስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ተጠማትነትን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ትርከብ። ኣብ ዝኾነ እዋን ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘገድሶን ዘሻቅሎን ጉዳይ፡ ውሽጣዊ ሰላሙን ብልጽግናታቱን፡ ናይ ከባቢኡ ርግኣትን ምስ ጎረባብቱ ሃገራት ብስኒትን ምክብባርን ምንባር’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን ማዕረ-ማዕረ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ኣሰቃቂ ግፍዕታትን ምልካዊ ምምሕዳሩን፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ምንኻስን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብዋጋ ልኡላውነትን ሃብትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅዱስ ዝምድናታት ምፍጣር’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣምሳያ’ቲ ካብ ንግስነታት ስዑድ ዓረብን ቀጠርን ዝረኸቦ ቢልዮናት ዶላር፡ ብዘይ ፍቃድን ኣፍልጦን ህዝቢ፡ መሬን ማያትን ኤርትራ ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ሓድሕድ ኩናት ንወተሃደራዊ መዓላ’ተን ሃገራት ክጥቀማሉ ምፍቃዱ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ብሰላምን ሓድሕድ ምክብባርን ክንነብር እንተእንኽእል፡ ብዙሕ መክሰብን ንምዕባለ ክልቲኡ ሃገራት ዘርብሕ ጎደና ምተነጽፈን።ይኹን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ 50’ታት፡ ኤርትራ ብዓሎቕ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ዓለምን፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ክትቁረን ድሕሪ ምውሳን፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣሽሓት ህይወት ሰብ ዝወሰደ፡ ኣካል ዘሰንከለ፡ ሃብቲ ዝጸንቀቀ፡ ትሕተ ቅርጺ ዘዕነወ፡ ህዝቢ ዘመዛበለን ወርቃዊ ግዜ ዘባኸነን ንዓመታት ኩናት ተኻይዱ። እቲ ስርዓት ደርጊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግላፉ ብገለ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ናይ ኣፍሪቃ ኣናብርን ናይ ግስጋሰ ኣርኣያን ክኾና ኢየን’’ ዝተባህለ ከይዓንበበ ሓሪሩን በኒኑን። ኣብ ክንዲ ሰላምን ቁጠባዊ ግስግሰን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዳግማይ ኣብ ኩናት ኣትየን። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ ዶባተን ረጊጠን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ብምእታውን ኣብ ምትፍናንን ኣለዋ። ንመጻኢ ወለዶ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዘይሓስቡ ስሱዓት መራሕቲ ኢዶም ኣይስኣኑ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣ ዝኽሰት ዘይምርግጋእን ምስ ካልኦት ሃገራት ትገብሮ ምትእስሳራትን ብቀንዱ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፡ ከም ጎረቤት ሃገር መጠን ዋላ’ውን ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ኣይሃልወና፡ ብኣሉታ ወይ ብኣወንታ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ከምዝጸልወና ርዱእ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብእልቢ ዘይብሉ ሰራዊት፡ ተተኮስቲን ከበድቲ ኣጽዋርን ስለዝተሓጽረ፡ ብወግዒ ካብን ናብን ሰብ ይኹን ንብረት ክመሓላለፍ ኣይክእልን’ዩ። ትክን ተባዕን መውጽኢ ኣይስእንን ከምዝብሃል ግን፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ዕስክርናን ሞትን ህግደፍ ኣምሊጦም ብተኣፋፊ ቦታታት ሰጊሮም በብግዜኡ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ዓሰርተታት ኣሽሓት በጺሑ’ሎ። ስለዚ ካልእ ይትረፍ ገዚፍ ክፋል ህዝብና ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ ስለዝርከብን ጎረባብቲ ስለዝኾነን፡ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። እቲ ካብ ሓልዮት ዝነቅል ስክፍታን ክውንነትን እዚ ይኹን እምበር፡ ስርዓት ህግደፍን ኣጫፈርቱን ግን፡ ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታትን ብረታዊ ጎንጽን፡ “ሕራይ ኮኑ፡ ይርከብዋ ድኣ” ብምባል’ዮም ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም እቲ ኩነታት ኣዝዩ ክብእስ ዝምነዩ ዘለዉ። ቀንዲ ዕላማን ዘመተን ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታትን ዓንዳርነትን ከረሳስዕን ኣቃልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምጥምዛዝን’ዩ። ህዝብና ጩራ ናጽነትን ሓሳቡ ብነጻ ክገልጽን እንተዝፍቀደሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ብሓደ መዓልቲ ፎእ ምተባህለ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓይነት ዲሞክራስን ስርዓትን ክወራዘን ክፈርድን ሞራላዊ ሓላፍነት የብሉን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣሰራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ይዓግብ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ንህግደፍ ክቃወምን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ርእይቶኡ ክህብን ይትረፍ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብሕሹኽሹኽ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣደራዕ ክገልጹ’ውን ንጋዳ’ዩ። እቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝተረሸኑ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉን ናብ ስደት ሃጽ ዝበሉን ኤርትራ ድማ፡ ዓው ኢሎም ንእከይ ተግባራት ህግደፍ ስለዝተቃወሙን ሃናጺ ርእይቶ ስለዝሃቡን ኢዮም። ስለዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓይኑ ዘሎ በሰር ከይኣለየ፡ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ በሰር ከውጽእ ከቶ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈጸመ በደልን ምግባት ልኡላዊ መሬትናን፡ ኣብ ኤርትራ ንህዝብና ዝውክል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስመጸ ሰላማውን ሕጋውን መዕለቢ የድልዮ። ሎሚ ወይ ጽባሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ህውከት ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ እምበር ንተራ ህዝቢ ረብሓ የብሉን። ሰብኣይን ሰበይትን ዝተባእስሉ መኣዲ ይፍጠረለይ ከምዝብሃል፡ ኣብ ቤትካን ጎረቤትካን ፍቅርን ሰላምን እንተዘይሃልዩ፡ ደቂስካ ከምዘይትሓድር ፍሉጥ’ዩ፡ንምንታይ’ሲ፡ ምስ ጎኖቕ ተጸጊዓ ትነብር ቆልቛል ወትሩ ትነብዕ ስለዝኾነ። እንተኽኢልካ፡ ትዓርቅን ሰናይ ትምነን እንተዘይከኣልካ ድማ ኣፍካን ኢድካን ምእርናብ ድማ ዝመስልዎ የለን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ነሓሰ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde August 16, 2016

    Impeccably put Tsilal. ‘TSIMBLALI’E MA’AKORA ZEYKEDENET MERIET TIKEDIN’ In fact,the HGDEF nucleus is watching this unraveling south of the border with concern for a reason the blind followers have no clue.For all the right reasons,I hope peace descends upon Ethiopia and all the parties involved come to terms amicably and build on the momentum towards a democratic, stable and prosperous society.Otherwise,God’s hand will sort it out its own way as we see it now.God helps those who help themselves.In our case,He is taking his time,because a large segment of our population directly or directly,loudly or silently are sympathizing with their oppressor, and the Lord’s teaching moments continue with a heavy price tag., .

  • Wedi Hagher August 17, 2016

    In South Sudan members of the majority Dinka tribe have controlled the State, and as direct consequence of this, the minorities are putting their resources together to challenge them.
    In a country that now owns more than half of oil fields Sudan used to have, all South Sudanese are starving and killing each other with brutality not seen even during the liberation war..
    The crisis has invited Ugandan intervention on the side of the Government and despite official silence on the issue, Ethiopia is also on its way to take sides.
    In Ethiopia the situation is the flip side of the South Sudanese case. The Tigreyan elites have known from day one that they cannot control the country without giving historically marginalized groups some benefit from the alliance of the ruling coalition.
    The latest crisis in Ethiopia shows that the tactics used by one group to sideline the other cannot be monopolized, The Amhara have shown their willing to stand should to shoulder with Oromo and sympathize with the grievances of Ethiopian Muslims to tilt the balance in their favor.
    The corrupt elites and their divisive strategies are pushing the countries to the brink of war from which nobody benefits. Only equality and justice for all brings a durable peace.

Post a Reply to Wedi Hagher Cancel Reply