Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ቅንያት መመረቕታ መበል 27 ዙርያ “ ደቅኹም ኣበይ ኣለዉ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዘርጊሖም።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ፣ ብ19 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ጳጳሳት ካቶልካዊት ቤተክርስትያን ዝዘርግሑዎ፣ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ሕልናዊ መልእኽቲ ብምምርኳስ “ ደቅኹም ኣበይ ኣለዉ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዉዎ

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ፣ ብ19 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ጳጳሳት ካቶልካዊት ቤተክርስትያን ዝዘርግሑዎ፣ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ሕልናዊ መልእኽቲ ብምምርኳስ “ ደቅኹም ኣበይ ኣለዉ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዉዎ ጽሑፍ ኣብ መዓስከር ሳዋ ከምዝዘርግሑዎ፣ ነቲ ዕማም ዝፈጸሙ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

 

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እቲ “ደቅኹም ኣባላት መበል 26 ዙርያ ኣበይ ኣለዉ፣ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ተደርብዮም፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣሪጎም፣” ዝብል ናይ መነቓቕሒ ሰነድ ኣብቲ ብእንዳ 4ይ ክፍለሰራዊት ዝፍለጥ መቐበሊ ኣጋይሽን ካብ ዞባታት ዝመጹ ዕዱማትን ዘዕርፉሉ መደቀስን መዘናግዕን እዩ ተበቲኑ። እቲ ቦታ ኸኣ ንሓያለ ሰዓታት ብፖሊስ ተኸሊሉ ውዒሉ።

 

ብዘይካ ‘ዚ ኢሳይያስ ዘካየዶ ኣኼባ፣ “ ኣባላት መበል 26 ዙርያ መጻኢኦም እንታይ እዩ፣ ኣደዳ ጥምየትን ምጥፋእን ኮይኖም ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ከይመለሶ ክሓልፍ ከሎ፣ ንቁጠባ ብዝምልከት ንዝወረደ ሕቶ ‘ውን በሽካዕላል ሸፈፍ ኢሉዎ ሓሊፉ።

 

ብኻልእ ወገን፣ እቶም ብኹርኩር ህግደፍ ወይ YPFDJ ዝፍለጡ ካብ ወጻኢ ናብ ሳዋ ዝመጹ መንእሰያት ብስኽራንን ስድነትን ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ወዲቖም ከምዝተኻዕቡ፣ ብሰንኪ ወጀያላይነቶም ኣደዳ ስርቂ ኣባላት 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ ድማ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

 

ህግደፍ 3500 ክርኩር ህግደፍ ካብ ወጻኢ ክመጹ እዮም ኢሉ ፕሮፖጋንዳ ክነፍሕ ኳ እንተቐነየ፣ ሒደት ኣማኢት ጥራይ እዮም ኣቡ ተረኺቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • Gergish July 29, 2014

    I have no any comment on your problems

POST A COMMENT