Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ውሽጢ ዘለኻ ካብ መን ትጽበለኻ

ኣብ ውሽጢ ዘለኻ ካብ መን ትጽበለኻ Tesfamariam Wel. 15/03/2015 Oslo Norway ኣብ ወጻኢ ዘለና ካባኹም ንጽበ ንስኹም ክኣ ካብ ተቓዋሚ ደንበ ኣደራዕ ናብ ርእሰኹም እናዓለበ ሽግር ስቓይኩም ንዓለም ዘዛረበ ዝወርድ ዘሎ ጸገም ኣብ ልዕለኹም ክሳብ መዓስ ኢኹም ተኾርሚኹም ቅቶሉኒሉ ጠብ መንጃ ዓዲሉኩም ሓደ ቆራጽ ተሳኢኑ ኣብ ሞንጎኹም ወጻኢ

ኣብ ውሽጢ ዘለኻ
ካብ መን ትጽበለኻ
Tesfamariam Wel.
15/03/2015
Oslo Norway
ኣብ ወጻኢ ዘለና ካባኹም ንጽበ
ንስኹም ክኣ ካብ ተቓዋሚ ደንበ
ኣደራዕ ናብ ርእሰኹም እናዓለበ
ሽግር ስቓይኩም ንዓለም ዘዛረበ

ዝወርድ ዘሎ ጸገም ኣብ ልዕለኹም
ክሳብ መዓስ ኢኹም ተኾርሚኹም
ቅቶሉኒሉ ጠብ መንጃ ዓዲሉኩም
ሓደ ቆራጽ ተሳኢኑ ኣብ ሞንጎኹም

ወጻኢ ዘሎ ብዓቕሙ ይሰርሕ ኣሎ
ቀንዲ ኣግዲዑና ዘሎ ዋርሳይ እከኣሎ
ኩሉ ዓቕሚ ብረት ኣብ ኢዱ እንከሎ
ክንዲ ንጸላእቱ ኣብ ህዝቡ የውዕሎ

ብዘይ ብኣኹም ከምዘይ ወግሕ ፍለጡ
ኣለዉና ኣብ ደገ ኢልኩም ኣይተራጥጡ
ተንቀሳቐሱ ከም ሙዉታን ኣይተጽቅጡ
ወጻኢ ዘሎ መዓስ ተሰዲዱ ምስ ሹጉጡ

ኣብ ኢድኩም ከሎ ካላሽን ጠበናጁ
እናረኹም ሰማዕኩም ሃገርና ተሓሪጁ
ቆራጻት ኩኑ ብህግደፍ ኣይትበጅብጁ
ስረኹም ዕጠቑ ጥሙር ቃልሲ ኣውጁ

አብ ተጠንቀቕ ዘሎ ህግደፍ በገይ በገይ
ኳሕ ተዝሰምዕ ሃርባ ኣውጻእኒ እግረይ
ምበለ ነይሩ ቻውቻው ኤርትራ ባይባይ
ሃገር ምስ ለቐቐ ከምዘይምለስ ንዳሕራይ

ስለዚ ብኾፍካ ዝተረአ ዓወት ስለ ዘየለ
ክዓጥቕ ኣለዎ ብሕልና ብዓቕሙ ዝኸኣለ
ዘሎ ከይመስለኩም ህግደፍ እንተተባህለ
ውሽጡ መሽሚሹዩ ሕጂያ እዋኑ ንኽእለ

ኢድካ ከይ ሓወስካ ሃንቀውታ ጥራዩ
ባዕልኹም ዕጠቑ ካብ ሽግር ክትሓውዩ
ኣለዉናልኩም ካባና ጥራይ ኣይትጸበዩ¬¬¬
ሃገር ከይጸነተት ከላ ባዕልኹም ተጓየዩ

ንብረትካ እናዕነወ ምጥማት ኣማዕዲኻ
ዉላድካ እናተገፈፈ ምርኣዩ ተኾርሚኻ
ኣብ ጥርዚና እኳ በጺሕና ታይትጽበለኻ
ተሪፉዎ ዘሎ ሓሪዱ ከም በጊዕ ክበልዓካ

ህግደፍ እንድዩ ቀንዲ ሕሱም ደመኛኻ
ካብ ታቦት ትጽበ ምስ ብረትካ እንከለኻ
ህግደፍ ሃይማት የኽብርዩ ሰሚዕኻ ዲኻ
ተዝኸውን ወዲ ሰማንያ ብረት መዕጠቐካ

ታቦት ኣብ ቅድሚ ህግደፍ ኣይንታይንዩ
ህግደፍ ጎንጺምበር ብሰላም ኣይኣምንዩ
ካብ ህግደፍ ሰላም ምጽባይ ሕንቂሊተዩ
ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ኣብ ርእሴና ክሸይንዩ

ገዛውትኹም እናፈረሰ ኣፍጢጥካ ምጥማት
ከየናሕሰየ ጒሕፍኩም ኣብ ሲኦል ጸልማት
ነዚ ዑቡድ ከልቢ ሳሕል ተሳኢኑ ዝጭምት
ሓደኳ ብድሆ ዝብል የለን ነዞም ሰኽራማት

ካብ ሙዉቕ ገዛኹም ጨኪኑ ደርቢዩኩም
ደቅኹም መንጢሉ ወሲዱ ካብ ሑቕፎኹም
ዘጥረኽሞ ዝወለድኩሞ ካብ መንጠለኩም
ሰላም የለን ብትብዓት እንተዘይ ገጢምኩም

ኣንታ ህዝበይ ናይ መን መርገምዩ ወሪዱና
ብኻባና ዝሕሹን ዘይሕሹን መስሓቒ ኮይና
ርብዒ ዘመን ኣቍጸሩ ቁምነገር ከይገበርና
ክንዲ ሓልዮት ንሃገር ንዋጠት ንስልጣና

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኻ ዕጠቕ ኣይትፍራሕ
ኣብ ልዕለኻ ዝወረደ ሕገ ኣረሜኔ ዘስካሕክሕ
ብሰይጣውንቲ ተኸቢብካምበር ስኻ ትጎርሕ
ጌና ሕጅውን ፈቲና ጸሊእና ብኣኻዩ ዝወግሕ
ንደግፍካ ድኣምበር ምሳኻያ ዘላ ታመፍትሕ

ብብረት እምበር ብክራባታ ዓወት ዘይመጽእ
ገለ ግበር ገዛኻ ህዝብኻ ናዓነወ ኣይትተሓባእ
ካብ ተኾርሚኻ ተጨኲንካ ብኸንቱ ምጥፋእ
ሰላማዊ ሰልፊ ግበር ሓሞት ገርካ ንደገ ውጻእ

ንዓለም ኣጋልጽ ስዉር ውሽጣዊ ሽግርካ
እንታይሪኡ ድኣ ዓለም ቆላሕታ ክገብረልካ
ብግብሪ ኣርእዮ ጭርሖታት እናምበልበልካ
ንኽንዕወት በብዘለናዮ ንበል ኢደይ ኢድካ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • yon March 16, 2015

    what are u saying i stopped reading ur paper as soon as i read the first paragraph. what u saying is unethical and unorthodox. u should have a clear info and satus of eritrea to say what u r saying right now. do speak what u feel speak the rational thing.

    • ERITRAWIT March 16, 2015

      yon,
      I don’t understand what you are trying to say? Tesfamriam saying the change only can come with in but I guess the problem is for every few people may be there is one Karma Hasewes shame on us.

      • AHMED SALEH March 16, 2015

        Is yon Eritrean to get the message ?

  • helen March 17, 2015

    Please come to eritrea ,ethiopia or sudan and fight agianst the governement do not put pressure on others you should came and fight is it right or not?

  • knm March 17, 2015

    kabzen zhalefa awareh hakin tesemaetin netsertn melekti zhazet getmi anbibna Tes.ajoka n kulu gizie alowo (Bo Gizie Lekulu)

  • Teme March 17, 2015

    Nai Ertra neger behaki zehzin eiu. Gen abe tarik filuy neger kea aykonen. Welke melekti nezemenat nerom hizbi enda aferarihun enda ketelun kea ynebru. Abzi gize ezi kea edelena koynu abe merete ertra zikefee melaki mesiuna. Gen likee kemtom kaleot melekti hiwetu sigab tihalef zekone fitah yelen. mes halefe tirah libona zelewo ymsialna amlak. Kem zimesleni gele aserte amet zikewen behiji kisenih eiu, mikniyatu gorah eiu kemey geru abe seltan kem zisenih yefelet eiu. Hizbina kea jajiyu eiu abe mongo hizbi miteememan yelen. selezi entekilka nebsika miwsaee tirah iya nehiji. Eta merar haki ezia iya

  • aus 17 March 17, 2015

    we need like you highlighting the needy of the time; hide not, screep not, stand up right to defend your right.

POST A COMMENT