Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዘቐመጥካዮ ዝነብር እምኒ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ዘቐመጥካዮ ዝነብር እምኒ ጥራይ ኢዩ።  ኣለዉ ከኣ ናብ እምኒ ዝተለወጡ ባዕሎም ኢሳያስ ብኣምሳሉ ምስ ቀብኦም ቅሙጣት ገንዘበይ! ኣእማነይ! ዝብሎም ኣብ ዝደለዮ ግዜ ዘልዕሎም ዘንብሮም ስለዚ ጉድ’ዩ! ዝብል ዘሎ ሃገር ብዙሓት’ዮም ዓይኖም ዓሚቶም ዝነብሩ ሽም ‘ዚ ክቡር ህዝቢ ዝድዉኑ ዘሕስሩ የበላሽውና’ለዉ እዞም ኣሕዋትና

ኣብ ዘቐመጥካዮ ዝነብር እምኒ ጥራይ ኢዩ።

 ኣለዉ ከኣ ናብ እምኒ ዝተለወጡ ባዕሎም

ኢሳያስ ብኣምሳሉ ምስ ቀብኦም

ቅሙጣት ገንዘበይ! ኣእማነይ! ዝብሎም

ኣብ ዝደለዮ ግዜ ዘልዕሎም ዘንብሮም

ስለዚ ጉድ’ዩ! ዝብል ዘሎ ሃገር

ብዙሓት’ዮም ዓይኖም ዓሚቶም ዝነብሩ

ሽም ‘ዚ ክቡር ህዝቢ ዝድዉኑ ዘሕስሩ

የበላሽውና’ለዉ እዞም ኣሕዋትና ክትብሎም ዘሕፍሩ

ብሕጊ ኣልቦ ስርዓት ኣሕዋቶም እናጸነቱ እናተቐብሩ

ኣብ ቦሎኛ ይጭፍሩ

 ‘ኣብ ሃገርና ሰብኣዊ ግህሰት ኣይተፈጽመን! ክብሉ

ንጀነቫ ሎኽሎኽ ይብሉ

ሓሶት ኢሳያስ ሓቂ እናበሉ ንሰማዒ የጽሙሙ

ከይሓፈሩ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ይፍክሩ

ቃሉ ከም መዝሙር ዳዊት ደግሙ ይዝምሩ

ከም ወረዲ መርዓ ድብሉ ጭፍሩ

ክሒዶም ነቲ ንዓለም ዘሰምበደ ሓቂ

ዓለም ዘረጋገጾ መርመርቲ ዝመስከሩሉ

ኣብ ሃገር ነጊሱ ዘሎ ግፍዒ ኣሉ ቀጣን! ይብሉ

ኩሉ ክርእዩ ክሰምዑ ከም ዘይተፈጥሩ

ብሓሶት ኢሳያስ ንዓለም ከንቁሩ ጽዕሩ

ዓይኖም ዓሚቶም ዝሓድሩ

እእዝኖም ተተርኢሶም ንሰማይ ዘንቃዕሩሩ

ናብ እምኒ ተለዊጦም ዝነብሩ

ክሳብ ትቕጽል ቃል ኢሳያስ ዝሰምዑ

መትኖም ዝዝርጋሕ ዝበራበሩ

ተበገስ ትብል ቃል ኢሳያስ ጥራይ ሰሚዖም

ዋላ ናብ ዝፈሓረሎም ጉድጓድ ዝነጥሩ

ናበይ! ስለምንታይ! ከይበሉ

ብዘይ’ታ ኢሳያስ ዝብላ ካልእ ከይሰምዑ ዝመሓሉ

ነቲ ርኡይ ሓቂ ኣይንርእን! ኣይንሰምዕን! ዝብሉ

ኣለዉ ዕሱባት ቅሩሕሰይጣን ህግደፍ ዝብሃሉ

ንበረልና ጥራይ ዝብሉ

ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና! እናበሉ እዝኒ ሰብ ዘጽምሙ

ንኺድ ጥራይ እንተበሎም

ናበይ? ስለ ምንታይ? ከይበሉ

ዋላ ናብ ዝፈሓረሎ ጉድጓድ ዝዘሉ

ኣለዉ ኢሳያስ ዘልዕሎም ዘንብሮም ከም እምኒ

ክሳብ ጋሻ ውሕጅ ኣንከራርዩ ዝወስዶም ዝኾኑ መለበሚ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 06-28-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT