Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ኣስታት 4400 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብሓይሊ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ከምዝደሓኑ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም፣ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ብዘይውሑሳት ጀላቡ ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ሶርያውያን፣ ኤርትራውያን ሶማላውያንን ዝርከቡዎም ኣስታት 4400 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም፣ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ብዘይውሑሳት ጀላቡ ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ሶርያውያን፣ ኤርትራውያን ሶማላውያንን ዝርከቡዎም ኣስታት 4400 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ከምዝደሓኑ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ነዚ ብምዝልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ ልዕሊ 20 ስደተኛታት ጽዒነን ዝጕዓዛ ዝነበራ ጀላቡ ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን መልእኽታት ድሕሪ ምቕባሎ ነቲ ስርሒት ህወት ኣድሕን ከምዝፈጸሙዎ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እቲ ትማሊ ቐዳም ዝተኻየደ ናይ ህይወት ኣድሕን ወፍሪ ብብዝሒ ስደተኛታት ክርአ ኸሎ ዛጊት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እቲ ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝግበር ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት እቲ ዝጸዓቐ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ጥራይ በዚ ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ሃሊቖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የገንዝቡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Teclay August 24, 2015

    Assema said “ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ኣስታት 4400 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብሓይሊ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ከምዝደሓኑ ቢቢሲ ሓቢሩ።”
    But so far no comments have been written…Such a big news without a comment.The answer is obvious,that is because we used to, so this is not a news any more..and again if this is not a news,it is bossiness as usual Guayla (our drug) will continue.
    Europe is immersed in a big problem,Nobody knows how will look like the old continent in few years…No body knows how will react the European right wings…But the main question is why do ppl decide to take this dangerous and humiliating journey,living their ancestors land friends and families behind ?
    At this period of time the cause of the influx of refuges is one and the same.Let us see the main refugee producing countries and their cause:
    1,Syria ?= ISIS….2,Iraq ?= ISIS…3,Eritrea ? = Ghedli …4,Afghanistan? = Taliban …5,Somalia ? = Alshebab
    Those four devil organizations are one and the same.All of them suffer of identity crises,,all of them are enemies of culture and history ,,all of them use the easiest formulas equality by subtraction.

  • Paradiso August 24, 2015

    ኣንቱም እዚ ዓለም ዘጉሃየ ውርደትናን ሕሰምናን መዓስ እዩ ዘብቅዕ? ሰውራ ክብሉ: ዓይንና ስውር ኣቢሎሞ፤ ገድሊ ክብሉ: ንገደል ወቲፎምና። ታሪኽናን ቋንቋታትናን መሰልናን: ናይ ክራይ ክልቅሑ: ዘብረስዎ ከኣክል: ሕጂ ድማ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተርፈ ይጠፍእ ኣሎ።

    • Bokrezion August 25, 2015

      Paradiso, you’ve said it beautifully as well brother/sister, thank you and keep them coming of the same high standard.

  • Zaid Berhane August 25, 2015

    When we reach the point where we are damned if we do and damned if we don’t, it is the sign that all roads have merged into one and that we have reached the edge of the existential cliff. God save the poor victims. But Ezi ewn K’Halif eyu kem miHilafu.

POST A COMMENT