Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዝፍጽሙ ዘለዉ ጳጳስ ፍራንሰስ፣ መራሕቲ እስልምና ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ኣብ ምዅናን ሕቡር ድምጺ ከስምዑ ትማሊ ዓርቢ ከምዘተሓሳሰቡ ‘ዘ ኢንድፐንደንት’ ሓቢሩ።

ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዝፍጽሙ ዘለዉ ፖፕ ፍራንሰስ፣ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ጥንታውያን ማሕበረሰባት ክርስትና ብቐጻሊ ግዳያት እላማውያን ኣሸበርቲ ኮይኖም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ መራሕቲ እስልምና ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ኣብ ምዅናን ሕቡር ድምጺ ከስምዑ

ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዝፍጽሙ ዘለዉ ፖፕ ፍራንሰስ፣ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ጥንታውያን ማሕበረሰባት ክርስትና ብቐጻሊ ግዳያት እላማውያን ኣሸበርቲ ኮይኖም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ መራሕቲ እስልምና ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ኣብ ምዅናን ሕቡር ድምጺ ከስምዑ ትማሊ ዓርቢ ከምዘተሓሳሰቡ ‘ዘ ኢንድፐንደንት’ ሓቢሩ።

እቲ ጳጳስ ፍራንሰስ ስኒት ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ንምምሕያሽ ኣብ ግብጺ ዘካይዱዎ ዘለዉ ዑደት፣ እቲ ጥሩፍ ኣሸባሪ ጉጅለ Isis ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ግብጺ ነብሰ ቕትለታዊ ናይ ቦምባ ሽርሕታት ብምፍጻም ብውሑዱ 45 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ንሶም ኣብቲ ከም ዝለዓለ ስልጣን እስልምና ግብጺ ዝፍለጥ ኣልኣዝሃር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላም ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ “ ንዝኾነ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ህወከት፣ ሕነን ጽልእን ብትሪ ‘ኣይፋል’ ክንብሎ ይግባእ” ከምዝበሉ ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ጠቒሱ።

ሸኽ ኣሕመድ ኣልጣይብ ዝተባህሉ ኢማም ብወገኖም፣ እቶም ኣሸበርቲ ነቲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ብድንቁርናን ወጀሃላይን ይትርጉሙዎ ምህላዎም ብምጥቃስ፣ “እስልምና፣ ናይ ሽበራ ሃይማኖት ኣይኮነን” ከምዝበለ  ‘ውን እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ጳጳስ ፍራንሰስ ግብጺ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ብቐጥታ ምስ ፕረዚደንት ‘ታ ሃገር ዓብደል ፋትሕ ኣል ሲሲ እዮም ተራኺቦም። እቲ ንሶም ዝተጓዓዙሉ ጎደናታት ካይሮ ጽኑዕ ሓለዋ ኳ እንተተገብረሉ፣ ብወተሃደራዊ መካይን ክዕጀቡ ዝትገብረሎም እንግዶት ነጺጎም ፍኒስትራኣ ብዝተኸፍተ ተራ መኪና ከምእተጓዕዙ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT