Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣናብባ ምትፍናንን ኣፈታትሓኡን፡

ኣናብባ ምትፍናንን ኣፈታትሓኡን፡          08-01-15. ደጊመ “እንዃዕ ናብ ልደተ-ክርስቶስ ኣብጸሓና” ክብል እፈቱ። ኣስዒበ ድማ ሙሉእ ልደተ - ሓርነት ክኾነልና እምነ። “ከም ኣናብባኻ ኢዩ” ዶ ኢሉ ክቡር ፕረሲደንት። እዚ’ሞ ዘየጠራጥር ሓቂ ኢዩ። ከምዝመስለኒ ምትፍናን ውዱዕ ክኸውን እንከሎ ኣናብ ባኡን

ኣናብባ ምትፍናንን ኣፈታትሓኡን፡          08-01-15.

ደጊመ “እንዃዕ ናብ ልደተ-ክርስቶስ ኣብጸሓና” ክብል እፈቱ። ኣስዒበ ድማ ሙሉእ ልደተ – ሓርነት ክኾነልና እምነ።

ከም ኣናብባኻ ኢዩ” ዶ ኢሉ ክቡር ፕረሲደንት። እዚ’ሞ ዘየጠራጥር ሓቂ ኢዩ። ከምዝመስለኒ ምትፍናን ውዱዕ ክኸውን እንከሎ ኣናብ ባኡን ፍርዱን (ውሳነ) ድማ ን’ባዕላዊ’ የመልክት። ውዱዕ ከተንብብን ክትውስንን ድማ ከምዋዛ ተኻኣሊ ኣይኮነን። ብውሑዱስ ሰለስተ ነገራት ክማልኡ ይጠልብ። ውዱዕ ዝትርጉሙ ብሉጻት ህዋሳት፡ ውዱዕ ዝገልጽ ምልከት ሃብታም ቋንቋ፡ ውዱዕ ዝቕበል ቅኑዕ ሕልና። ክልተ ቀዳሞት ምስክር ውዱዕነት ከነጽራ እንከለዋ፡ ሳልሰይተን ግና ናይ እምነት ምርጫ ተመልክት። ብኣሕጽሮት ንምጥቃስ “ብቕዓት ሰብ (ባዕላዊ) ዝፍረድ እምባኣር ብውህብቶ ውህደት ሰለስቲኡ ኩነቱ ኢዩ። ማለት ውዱዕ ከም ዘለዎ ምንባቡ ሓደ ነገር ኮይኑ፡ ውዱዕ ከምዘለዎ ናይ ምቕባሉ ወይ ናብ ረብሓኻ ምቕያሩ ድማ ክልእ ምርጫ ይስዕብ። ዝኾነ ኮይኑ ቅኑዕ ኣናብባ እንተኣልዩ ናይ ዓላማ ሓደነ ት’ውን ኣሎ። ሓደነት ድማ ብዕጫን ምርጫን፡ ብልዝብን ምክብባርን ክስነ ግዱድ ኢዩ። ውልቃውን ሓባራውን ረብሓታት ከምዘሎ መ ጠን ከኣ እቶም ምዙዛት ፖለቲካ ሃገራዊ ረብሓ ከቐድሙ ትጽቢት ይግበረሎም። መራሕቲ ካብ ጸቢብ ውልቃውነት ወይ ሰሪ ዘይብቑዕ ኣናብባኦም ሓቂ (ውዱዕ) እንተኣዘንቢዖም ነገር ስለዝበላሾ ናይ ሕጊ ተገዛእቲ ክኾኑ ግዱዳት ኢዮም። እሞ ንሕና’ዞም ተዛረብቲ ወይ ተ ዓዘብቲኸ ንፕረሲደንትናን መደረታቱን በየናይ መንጽር ኢና ነንብቦ ዘለና?

“ኣይትንባዕ እንድዩ ዘንባዓኒ” ክበሃል ንሰምዕ። ኣብዚ ረቒቕ ትርጉም ኣሎ። “ኣይትንባዕ” ማለት በቲሓደ ንምጽንናዕ ይኸውን። በቲ ካልእ ዘየንብዕ ስለዘንብዖ ከይነብዕ ዝድርኽ ትእዛዝ ይኸውን። እቲ ነባዒ ድማ ጸገሙ ዝርዳኣሉ ብምስኣኑ ተወሳኺ ከምዘንብዖ ተራእዩኒ። ሓ ደ ነገር ንኣብነት ቅትለት ንቀታሊ መድሃኒቱ ክትከውን እንከላ ንተቀታሊ ግና ሕልፈቱ ኢያ። ነዚ ኩሉ ንምፍዋስ ኢዩ ፍትሒ ዝድለ።

“ኣናብባኹም ኣይጠዓየን’ምበር ዋላ ካብቶም ክመጽኹም ትጽበይዎም ዝሓሽኩ ፍትሓዊ ብምዃነይ ኣነ ይሕሸኩም”…… ዝመልእኽቱ ሓሳ ባት ዘፍሰሰ ዝመሰለኒ ፕረሲደንት ብወገነይ’ውን ከምዝብሎ እጽበዮ ስለዝጸናሕኩ ንምንታይ ብከምኣ ቃልን ሓሳብን ከምዝጀመረ ኣይተ ደነቕኩሉን። ወዮ ድኣ ውድቀት ድማ መወዳእታኡስ ቅጥዒ ይስእን ኮይኑ’ምበር ዝኾነ ሰብ ብእወታኡ ክምጎስ፡ ብኣሉታኡ ክውቀስ ንቡ ር ከምዝኾነ መዓስ ጠፊእና። እቲ ከም ኣብነት ዝጠቐሶ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተራእየ ቅልጡፍ ዕልቕልቕ ድማ ውዱብዶ ፍኑው ምንባሩ ብዘየገደስ ከይተሓስበሉ ስለዝመጸ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ፡ ስለዚ ከምቲ ደጋጊሙ ከምተማህረ ዘተንበሆ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ተማ ሂሩ(ከምዘይዕወት)ንዘርእዮ ዘሎ ፍኒሕኒሕ ከቛርጾ፡ ክሳብ ኣብ መንግስተ ምድሪ ኮነ ሰማይ ንሱ ከምዝሕሸና ክንኣምን ከምስል ፈቲኑ። እ ዚ ብሂል’ዚ ምስታሪኽ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ቆላሊፉ ክጠቅስ እንከሎ’ውን ዝበኣሰ ከምዘይመቀረ ዘቓልዕ ኮነ።

ጸለምቲ ኣመሪካዊያን ሰውራ ተኺሎም ክዕወቱ ስለዘይከኣሉ ካብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ቤተ-ጸሎት ተኣኪቦም ኣምላኽ መለኮታዊ ምሕረቱ ከውርደሎም ምሒር እንተለመኑ፡ እቶም ሃይማኖታውያን ደላሎ መራሕቶም’ውን (ኣቕሽሽቶም ኮኑ መሻይኽ) ዋላ ነቲ ውዱዕ ክጥቀሙሉ እንተፈተኑ ነቲ ምትፍናን Polarization ክፈትሕዎ ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ንህዝቢ መጋገይ’ምበር መኽሰብ የብሉን። ምና ልባሽ መምሃሪ ጥራይ ኢዩ….ነበረ ተወሳኺ ዘረባ። ኢሉ ኢሉ ሰብ ብሰለስቲኡ ወገናት ክጥምት ከምዘለዎ ተላብይና ክቡር ፕረሲደንት።

ጉድ ኢዩ! እሞኸ ጸለምቲ ኣመሪካውያን እምነቶም ኣጽኒዖም ብዘይ ዕጥቅን ብውዱብ ጋላቢ ማዕበልን ንዓሌታዊ መንግስቶም ኣየናወጽዎ ን ዲዮም? ኣዝዮም ፍልጣት ጸለምቲ ከምእኒ ተጓሳጣይ ካሲስክለይ ብዘርኣይዎ ኣድማን ጽንዓትን፡ ዝረኸብዎ ናጽነትን ዝወረዶም ጉድኣ ትን ከምዚ ውዕሎ ሓርበኛታት ሃገርና ተጎስዩን ተረሲዑን ዲዩ? ወዮም ንህዝቦም ብጽኑዕ ሃይማኖታዊ ዓላማ ጠሚሮም ንዓለማዊ ዓመጽ ስዒሮም ክሳብ ሂወቶም ዝኸፈሉ እኒ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ እኒ ብሂወት ዘሎ ዶዝመን ቱቱ……. ረሲዕዎም ዲዩ ክቡር ፕረሲደንት?

ኣይ! ኣነስ ንነገሩ ኢየ’ምበር ኩሉ መደረ ፕረሲደንትና መርኣያ ናይቲ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ስግኣቱ ኴይኑ’ዩ ዝረኣየኒ። ኮልዒ ሃገራውነት ን ዝኩልኳሉ ህዝቢ ኤርትራ ክንድኡ ዓይነት ኣስተምህሮ መዓስ መድለዮ ክቡር ፕረሲደንት። ወዮ ድኣ መታለሊ ኮይኑ’ምበር ታሪኽ መራ ሕቲ ሃይማኖትና ካብ ታሪኽ ሓርበኛታትና ዝተፈለየሉ እዋን’ኮ ኣይነበረን ክቡር ፕረሲደንት። ወዮ ድኣ ስግኣት እንተገልበጥካያ ስግ ኣት ኴይና’ምበር፡ ትማሊ ኢዩ’ኮ ከምዚናይ ሕጂ ገዛእቲ ክኸፋፍሉና ምስፈተኑ፡ ሓርበኛ ተቓላሳይ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን “ኣልራቢጣ ኣል እስላሚያ” ብዝብል ሃገራዊ ሰልፊ ንኣመንቲ እስልምና ጠርኒፎም ሃገር ካብ ምቕሊ ዘትረፉን ሓድነት ብዙሕ ዝእምነቱ ህዝቢ ዘውሓሱን ። ክቡር ፕረሲደንት ብደዉ ዝወገዙዎ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምዃኖም ተረሲዑ ድዩ? ተረሲዑዶ ክተዓባበጥ ኩሎም’ቶም ብሰሪ እምነቶም ብጥበብ ጸቢብ ሃይማኖትነት ዘህለቐዎምን ካልኦት ተቐፊዶም ዘለዉ ፍሉጣት መራሕቲ ሃይማኖትን?

ኣንታ እዛ ትማሊ’ኮ ትማሊ ኢያ። ካንዶ እቲ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓብትኻ ኣበይ ኣላ”? ብዝብል ሕልና ዝቅስቅስ ኣቀራርባ ኣዳልዮም ዝዳሕድሕዎ መልእኽቲ ቃል እምነቶኦም ተረሲዑ ኮይኑ? እቶም ፍቐዶ ሃገራት ዘለዉ መራሕቲ ሃይ ማኖትና ብኣጋጣሚ ህልቂት ላምፓዱሳ ዘስምዕዎ መሪር መደረ ኤህታን ዝቕጽልዎ ዘለዉ ምሕጽንታንከ ተሰዊርዎዶ?

ቅድሚ ጣቛ ኣናብባናስ ውዱዕና እንታይ ከምዝመስል ካብድሮ ናጽነት ኣትሒዛ ሃገርና ኤርትራ ተሸኺላትሉ ዘላ ታኼላ ዓለም ዝበኽየሉ

ዘሎ ኢዩ። እዚ መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ምእንቲ ሃገሩ እናተበጀወ ብኣንጻሩ ሰውራ ኣብታ በረኻኣ ከላ ንምብርዓና ክሕቆን ዝጸንሐ ምስ ጢር እንተመሰለና ከከምኣናብባኻ ስለዝተባህለ ምንም ኣይኣበስናን። ካብ ተመኩሮና ድማ ፕረሲደንትና ንርእሱ ኩሉ ንጥፍኣትና ዝዓለ መ በተን ኣንጻር ኤርትርራ ዝዓጠቓ ሃገራት ይወርደና ከምዘሎ’ኳ እንተኣብርሀ፡ ብግብሪ ከምዝረኣናዮ ግና ጸላኢናስ ኣብ ውሽጥና’ ምበር ስግር ከምዘየሎ ስለዝመስለና ኣናብባና ነመዓራርየሉ ግዜ ክናዋሕ የብሉን። ንሱ ንምድንጋር “እነዋለ ጸላእትኹም” እንተበለናስ ክሳዕ መዓ ስ ኢና ክንታለል? ጽባሕ ሓድሽ ኲናት እንተዝኸፍትከ ይእመንዶ? ስለዚ ክንዲ ጸላእቲ፡ ለኣኽቲ ምንዳይ ንዕዑ ምብድሁ ኢዩ ዝሕሸና።

ዝበልኩዎዶ ተረዲእኩሙኒ? ናይ ስግር ተጠቀምቲ ከየማዕደና ፈተናዮ ጸላእናዮ ካብዚ ዘለናዮ ሕስረት ቀንዲ ተጠቀምቲ ብመንግስታዊ ውዳበ ዝምእከሉ ኣብ ውሽጥና ከምዘለዉ ንእመን። ብዋጋ ሓርነትና ዝመጸ፡ መለሳ ገዛእቲ ስለዘይብሉ ንመራሒና ምቕዋም ድማ ኣካል ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ምዃኑ እናተቐበልና ውጥናቱን ዕርድታቱን ከነበርዕን፡ እንተፈተናዮ’ውን ነባሪ ብዘይምዃኑ መተካእታ ከነቛምት ይ ግባእ። ከመይ ዝኣመሰለ ስልቲ ኣገዛዝኣ ይጥቀም ከምዘሎ ካብነዊሕ ክንዛረበሉ’ዃ እንተጸናሕና ብግብሪ ንምብድሁ ግን እናሓደርና ብም ስናፍና እንሆ ንሱ ግደፍ ኣብዛ ንነብረላ ዘለናስ ኣብ ካልእ ዓለም እንተኸድና’ውን ክስዕበና ምዃኑ ዝምድረላ መዓልቲ ተቓሪባ ትመስል።

ከከምኣናብባኻ ካብ ኮነ ነቲ ናይ ምትፍናን ብልሓት ዝህልወና ኣናብባን ኣፈታትሕኡንከ ተሰማሚዑዶ?

ፕረሲደንትና ኣብ ዓለማዊ ቆይቝ ኣብዝተጸምደሉ እዋን፡ እቲ ንሱ ዝገብረና ዘሎ ብኻልኦት ይወርደና ከምዘሎ ኢዩ ዘምስል። ከምንዓይ እታ ጥበብ ሓንቲ ጥራይ ኢያ። ንሳ ድማ ሓድነት ምዝራግ ባቃ። ሓድነት ክዝረግ ኩሉ ግዜ ‘እናመሰለ’ ምትፍናን ምፍጣር። እዚ ምትፍ ናን ዝበሃል ቃል ብኣጠቓቕማ መራሒና ‘ምኑቛት’ ኢዩ። ኣውራጃ ምስ ኣውራጃ፡ ሓደ ሃይማኖት ምስካልእ፡ ነጋዳይ ምስከምኡ፡……..

ሃገረ-ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣ ትናቖት፡ ምስ ዓለም ትናቖት! ዓበይቲ ዴሳውያን ሃገራት መርገጺአን ዓቂበን ምስ ኣመሪካአን ይማሓ ዘዋ። ሃ ገርና ድማ ብሰርን ምእንትን’ዚ ‘ምርኡይ’ መራሒኣ እንሆ ኣብ ነንሕድሕዳን ምስ ኩላ ዓለምን ክትናቖት ኣብ ባዶነት ወሪዳ ጉድ ኴይኑ!

ማለተይ ካልእ ኣይኮነን። ካብቲ “መንካዕ” ዝተሰምየ ምንቕስቓስ ተጋደልቲ ንምጥቃስ ሽዑ ዝጀመረ ተሓላላኽነት መስርሕ ምትፍናን ክ ሳብ ሎሚ’ውን ኣይመሓረናን። ከም ብ’ንኢሳይያስ ክቐትሉ’ ዝተላእኩ ሰለይቲ ዝጀመረ ጥበብ ምንቛት ከቢድ ናይ ሓዋሩ ሳዕቤን ኣኸቲ ሉ ኢዩ። ከምቲ ባዕሉ “ከም ኣናብባኻ” ዝበሎ ንክመስል ብዝጥበብ ክፍኣት ክሳብ ሎሚ ኩሉ ንጥፍኣትና ዝዕልም እኪት፡ ሓቅን ንቡርን እናመሰለና ሓሊፉን ኣሎን። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብቲ ብ “ስንክሳር መግዛእቲ” ዘዳለኹዎ ተኸታታሊ ጽሑፈይ ከብርሆ ዝተቓለስኩ እ ቲ “ምምሳልን ምትፍናንን (ምንቛት) ድማ ከምሓያል ጥበብ ኣገዛዝኣ መጠን ደድሕሬና መጺኡን ክሳብ ህላወ መግዛእቲ’ውን ኣይክምሕረ ናን ኢዩ። እሞ በቲ እዋን’ቲ እቲ ‘ኣውራጃዊ’ ክመስል ዝተደለየ ምንቅስቓስ ኣብቲ ዝቐጸለ እዋን’ውን ተደግመን ተሰለሰን በዝሐን ድኣ!

ኣብዚ ሎሚ’ዃ ብገለ ሰባትሲ ኣብቲ ቃልሲ ኣውራጃነት ከምዝነበረ ተመሲሉ ክረዓም ዝተረፎ የብሉን። ግን’ኮ ኣብ ሰውራ ናይ ሰውራ ዓለም ጥራይ ኢዩ ዝነበረ። ማለተይ ኩላህና ንሓንቲ ዓላማ ዝወጻና ተጋደልቲ ዓዲ ኮነ ሃይማኖት ብዘይፈሊ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ድማ ንኸ ብብ ነበርና። ኣብታ መኣዲ ውግእ’ውን ከምኡ ብሓደ ንጠፍእ ብሓደ’ውን ንለምዕ ነበርና። እሞ እቶም ኣብቲ ውዑይን ዝሑልን መራኽ ብቲ ኩሉ ጸገምሲ ብናይ ሽዑ ቃል፡”ብጻይ፡ ብጸይቲ” ድኣ ነበረ ኣጸዋውዓና። በቲ እዋን’ቲ ብጻይነት ልዕሊ ኩሉ ቤተ ሰባዊ ዝምድናታት ስለዝነበረት ብዛዕባ ኣውራጃ ኮነ ዓዲን ሃይማኖትን ዘሕትት ኣይነበረናን። ሎሚ ኩሉነገር መጺጹ ክርአ ምሒር እናጎምደደና ብፍላይ ነቶ ም ቀዳሞት ዘየሳንየና “ኣብ ሰውራ ኣውራጃነት ነይሩ” ዝብል ትንታነ በዚሑ። እቲ ሕቶ ናብ በሃልቱ ምስዝግምጠል ግን ኣውራጃውያን ከምዘይነበሩ ኢዮም ዝገልጹ። እሞ ንሳቶም ንጹሃት እንተነይሮም መን ድኣሉ ኣውራጃዊ ዝነበረ?

ከምዚ ናይ ሎሚ ንኩልና ረኺብና ዘሎ እቶም ሽዑ ክእርሙ ዝተበገሱ ተጋደልቲ ንጹሃት ምንባሮም ንምፍላጥ ግድን ሽዑ ምንባር ኣየድ ልን። ሓቅነቶም ተመንዚዖም ከይኣክል ብኣውራጃነት ክጥቀኑ ወጽዓኦም ዘግደደ ኩነት ነይሩ። እቲ ምሒር ዝኸፍአ ነገር ግና መስዋእቶ ም ክብሪ ስኢኑ ክውገን ምስእንታይ ይቑጸር? እንተ’ቶም ሎሚ ንሳቶም ብኣውራጃነት ከምዝተገደዩ ዝኣምኑ፡ ንእምነቶም ዝዳፈር ስምዒ ት’ኳ እንተዘይብለይ ግናኸ ኣይድግፎን ኢየ። ንሳቶም ኣብ ርእሲ’ቲ ደቂሓንቲ ኣውራጃ ዘይምንባሮም ዓላማኦም ብመሰረቱ ኣውራጃዊ ኣ ይነበረን። እንተ’ቲ ዘጋጠመ’ሞ ክሳብ ብመጉልሕ ድምጺ “ሓማ ስዒራ ኣከለ ተሳዒራ” ከምተባህለ እንተሰሚዕኩም በየናይ ገድላዊ ሞራ ል(መዐቀኒ) ኮን ይኸውን ከምኡ ዝተባህለ? “ኣብ ዓድዅም እንታይ ትህንኩቱ” ይበሃል ከምዝነበረ እንተሰሚዕኩምከ ብሓቂዶ’ቶም ንጹ ሃት ተጋደልቲ ምእንቲ ኣውራጃዊ ምጥንናግ ክንድኡ ተበላሒቶም ትብሉ? እንተ’ቲ ብዛዕባ መበቆልዓዲ፡ ኣውራጃ ምጽብጻብ ከምቲ ዝ ምላእ ዝነበረ ወረቐት መንነት ጥራይ ስለዝኾነ ኣይተጓዳእን። ሽዑ ብዘይካ ኤርትራውነት ታሴራኸ እንታይ ኣገዳስነት ነይርዋ? እሞ ዓድ ታትና ስለዘይተፋለጥና ኣብ ግዜ ምብጻሕ ስድራ ስዉኣት ጎዲእና እንተዘይኮይኑ ስዕቤናዊ ኣይነበረን። እቲ ክመስል ተባሂሉ ዝተሰንዐ ዓ ገብ ምስተራእየ ኢዩ ውንጀላ ዝጀመረ።

ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ትሕተ-ሃገራዊ ጸገማት ከምዘየለ ስለዝኣምን ኣውራጃቂ ተመዝማዝነት ብዓቕመይ ከምዘ ቕረብኩ መጠን ሎሚ’ውን ከምቶም ሕሉፋት ገዛእቲ እዚ ጥበበኛ መራሒ ጥራይ ኢዩ ከተፋንን ተጠቒምሉ በሃላይ ኢየ። ክሳብ ድማ ኣ ውራጃዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ….ኣምሲሉ ክውልዖ ንዝሃቀነ ውግእ ሓድሕድ ዓሊሙ ነቲ ደርጊ ዝዓደሎ ብረት ኣውሪድናዮ ከነብቅዕ ዳ ግምይ ከምዝዕጠቕ ከምዝገበረ ገሊጸ ኣለኹ። ሕጂ ድማ መታን ‘ክመስለናን ክንዝረግን’ ተዓሊሙ ኣብ ዝግበር ድግሲ ሕንፍሽፍሽ ሕጹያ

ያት ኢና’ሞ እንተዘይነቒሕና ብከምቲ ዝሓለፈ ገና ንብዙሕ ዘይተደላይ ሞትን ሕንፍሽፍሽን ክንዕደም ስለዝኾና ንጠንቀቕ።

ብተመኩሮይ ከውግዓኩም፡ ብላህጃን ዋዛን ናይቶም ኪኖ ጎቦ ሰገንለይቲ ኤርትራ ትበሃል ከምዘየላ ዝመስሎም ዝነበረ ብቑጽሪ ዝዕብልሉ ና ደቂ ካርንሽም ተጻዊተን ተዛንየን ኢየ። ልበይ መሊእለይ ድማ ከምቲ ኣብቲ ኲናት ብውቅዒት መሰንቆኦም ተቖጻጽየ ጥራይ ዘይኮነ፡ እ ንኮላይ ከጻውት በቒዐ። ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉን ምስ ኩሎም ተጋደልቲ ብጾተይን። እሞ እቲ ዝሓደረኒ ፍቕሪ ህዝብና ክዳቐቕ ብእዋኑ ስ ለዘስተውዓልኩሉ ትምኒተይ ኣማሊኡ ዘተስፍወኒ ካብ ዘይረኸብኩ ቁልቁል ኣፈይ ተደፊአ ዝርንዝሕ ክነብዕ ዝኸልከለኒ ስለዘይነበረ ኢየ እንኮላይ ተጠሊዐ ከእዊ ዝመረጽኩ። ኣበሃህላይ ምናልባሽ የስሕቕ ይኸውን፡ ግንከ እዚ ስለሓቂ ዝብሎ’ምበር ተራ ታሪኽ ሂወተይ ኣይኮ ነን ዘንብብ ዘለኹ። መሬት ብእዋኑ’ውን ነዚ ሓድሽ ወለዶስ ከምታ ዝረኸበትና ከይትረኽቦ ካብ ዝብል መንእሰያት ዓለሞም ክፈጥሩ ከ ምዘለዎም ምዒደ። ትማሊ ድማ “ሃገራዊ ዕርቂ” ብዝብል ኣርእስቲ ምሕጽንታይ ብምጽሓፈይ ዝረኸብኩዎ ባዕለይ ይፈልጦ። ነቲኣብ ው ሽጥና ዝተወለዐ ምትፍናን ክጠቅስ ብዘቕረብኩዎ ኣብነት ክንድኡ ዝኣክል ብ“ባዕላውነት” ዝተጠመቐ እምባ መዘረጋሕ ክንከራረወኒ መ ሊሱ ኢዩ’ኳድኣ ዘናቕጸ ኒ። መልሓሰይ ድማ ብንጉሆኣ ኣይመባልዕተይን ኮይናስ ሎሚ’ውን ኣይትገድፎን’ያ’ሞ ኣይትንብዑለይ። ብርግጽ ክጋገ እኽእል ኢየ። ጌጋ ድማ ጌጋ’ምበር ገበን ኣይኮነን። እንተዘይኮይኑ ባዕለይ ዝፍልስፎ ነገር ከምዘይብለይ ተረድኡ።

ኣብታ ዘቕረብኩዋ ኣብነት ክመልሰኩም። ኣብታ መዓልቲ ዛዛሚት ኲናት ዝተራእየ ነገር ኢየ ድማ ዝጠቐስኩ። ሽዑ ኲናት ብሕጊ ኲናት ከምዝምእዘን ንፈልጥ’ኳ እንተነበርና፡ ትርፎ ብቆራጽ ኣመራርሓ ብጾትና ክንኮርዕን ብሓበራ ኣብ መምበስበስታና ክንሰቕሎምን እንተዘይ ኮይኑ ትእዛዝ ስብሓት እንታይ ከምዝነበረን ስለምንታይን ዝፈልጡስ ንሳቶም ኢዮም። ቀስ ኢሉ ነገር ምስለሓዀ ከምቲ ሕሉፍ ከምዝጀ መሮም በርሃልና። ኣብ ግዜ ሓለፋታት ክዝበጡ ዝተደልዩ መራሕቲ ንምድቓቕ ተዓሊሙ ክሳብ ኣብ ማእከል ናቕፋ ከም ‘ሸቃጊለ’ ዝተመ ሰሉ ሓለፍቲ’ኮ ነይሮም ኢዮም። መራሒና ንርእሱ ብዘዘውትሮ ናይ ምልኻዕ ጥበብ ተጠቒሙ ኣብ ድሮ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣሕሉቕትና ኣብ ርሻናት ኣስመራ ምስደየቡ ከምዘይወርዱልና ኣምሲሉ ኢዩ እምነትና ክሰርቕ ዝፈተነ። ኣብ ኣስመራ ብግብሪ ከምዝረኣናዮ ግን ንሳቶ ም ኢዮም ድምጽና ዝሰምዑ። ኣመልን ብልሓትን መራሒና ዘዝፈለጠ ዘበለ ብልሕጺ እንተተዳህለ ስለዘየኽፋኣሉ፡ በቲ ዝተረኽበ ዓወት ናይ ሓዋሩ ዝናን ተፈታውነትን ከየሕድሩ ተባሂሉ ብዝፈጠሮ ምንቛት ክኸውን ከምዝኽእል ዝሓሰብናዮ ነገር ድማ ከይደንጎየ መጸ።

ዕጥቂ ስብሓት ዘሊቓ፡ ዕጥቂ ክልቲኦም ከምዝጸንዐት ኢለ ዝጠቐስኩዎ ማለተይ ኢዩ። ሽዑ ከምተወርየ ኣብቲ ዝነበረ ኣኼባ፡ ከምቲ ከ ምዝነበሮም ዝውረ ዝምድና ስብሓት እናተናሸወ ጴጥሮስ እንተኣዚሙ፡ ጴጥሮስ ክሕነቕ እንከሎ ድማ ስብሓት ኣስቒጡ ከም ዝሓለፈ ኢ ዩ ንዓይ ዝተራእየኒ። ውጩ ብእምነቱ ንመቐለ ክድርገም ኣንቂዱ ጠዊል ድማ ዓዲ በጊዖ ከምዘጽንዐ እናተፈለጠ፡ ብኣንጻሩ ፍሊጶስ በቲ ኣጥርይዎ ዝነበረ ዝና ከይሽድን ግዲ ተደልዩ ነቲ ንዓመታት ብጸሊም ዓርኮብኮባይ ዝተሃንጸ ዕርዲ ፍጹም ከይተጠቕመሉ ሃንደበት ሸለ ው ምስበለ፡ ብኡንብኡ እቲ ሰፊሕ መሬት ባርካ ንሓደጋ ተጋለጸ።

ዘየጋልጽ ኣይነበሮን። መራሒና ዳርጋ ብሙሉኣ ወተሃደራዊ ሽማግለ ምስፈናጅለ-ጀበና ሰሪዑን ብዘይ ወተሃደራዊ ቀረብን ክንድኡ ዓይነ ት ኲናት ምውልዑ እንታይ ስለዝመደበ ከምዝነበረ ርዱእ ኣይነበረን። ኩሎም መራሕቲ ኲናት ከም፡ ዑቕበ፡ ጴጥሮስ፡ መስፍንን ካልኦ ትን ድስኩል ክእለቶም ብከመይ ከምዝጥቀሙሉ ከይተሓበሩ ዘዘሊሎም ሳላ ዝተረባረቡሉ ሃገር ተሪፋ። ብዓሰብ ዝተራእየ ክሳብ ትእዛዝ ምዝላቕ ዝጠሓሰ ናይእኒ ወዲዓልን ብጾቱን ተወፋይነት ድማ ከምኡ። ብወገን ዲፕሎማሲ ንዝተራእየ ናይ’ኒ ድሩዕ ተወፋይነትውን ትን ግርቲ ነበረ። እሞ ነዚ ኩሉ ድራማ ውግእ ዘዝራአየ ዘበለ እቲ ኲናት ንምንታይ ከምዝመጸ’ውን ክመራመር ጀመረ። መራሒና ግዳ ድሕነ ት ሃገር ፍጹም ኣይመዓሮን ኮይኑስ ነቲ ተወፋይነት ብ’ተሳዓርነት’ ፈብሪኹ ከነውር ተቐዳደመ። ክሳብ ደገፍቲ መድረኽ ለውጢ ዝጋሃዱ ድማ እቲ ዝሓየለ ግንባር ተቓውሞ ዝኸፈተ ድሩዕ ነበረ። ኣብቲ ናይ ቀውጢ እዋን ምጽቃጥ ዘይለመደ ዘበለ ስለዝተጸንበረ’ውን “ኣበይ ድኣ ነይሮም” ዝዓይነቱ መኻልፍ ተነዚሑ ክሳብ ብጅምላን ብተናጸልን ተኣረዩ። ብወገን ኤርትራ ወዮም ሃገር ዘድሓኑ ላዕለዎት መራሕት ን ንለውጢ ዘድመጹ ካድረታትን ክምቁሑ እንከለዉ ብኢቲዮጲያ ድማ ተመሳሳሊ ከምዝነበረ ምስተራእየ ጥርጣረና ኣዝዩ በረኸ። ዓላ ማ ናይቲ ውግእ ክርአ’ውን ሓደ ስእሊ ሂቡና። ክሳብ ለይቲ ሎሚድማ መራሒና ገና ጸሓዩ ስለዘይዓረበት ንዓና ንህዝቡ ኣብ ብልሒ መ ላጸ ጠጠው ከምዝበልና እናኣሻቐለ ተመኹልዩ የናቑተናን ይቕሽሸናን ከምዘሎ ኢዩ ኣናብባና።

እቲ ምትፍናንን ምንቛትን ነባሪ እንተኴይኑ ኣናብባና ድማ ይቕናዕ ኣይቕናዕ ክቕጽል ኢዩ። ንኣብነት ስልጣን ናይቲ ኣብስዊደን ብ”ጎልፎ” ዝተሓጨጨሉ መራሒ ዝወረሰ ፍሊጶስ’ውን ከይዓኾኸ ክዳቐቕ ምእንቲ ከቛስሎ ዝተወጠነ ዘረባ ተጀሚሩ ኣሎ። መቸም ደም ዘንቅዑስ ይነብሩ። ኢሊ ኢሉ ድማ ናይ ምጽፋፎም ቀውዒ ተኸሰተ። ብናይ ስርቖት ቅትለት፡ ብማሕዩር፡ ወያ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት በቢሓደ ጸኒታ ንዛንታ ሰለስተ-ኣርባዕተ ተሪፎማ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮኑ ከዘንትዉን ክሰርሑን ዝኽእሉ ዝነበረ ተጋደልትን ህዝብን’ውን ባዲሞምን መኺኖምን ተሪፎም። ሃገር ኣብ ትልኽታ ኣብ ዘላትሉ ከምዚታት ምዝራበይ ድማ ባህገይ ተኾምቲሩ’ምበር ፖለቲካዊ ቁልዕጽዕጽ ኣብሂ ግኒ ከባልሕ ደልየ ማለት ኣይኮነን። እዚኩሉስ ስለምንታይ ተደልዩ?

ብዛዕባ ከጸልለካ ዝተጸለለ ዘረባ ምዝራብ ብሓቂ ክምነወካ’ውን ይኽእል። ንበል ብእገዳ ዝመጸ ንሱ ክንዲ-መዓት ክምዝምዞ ፈቲኑ። ናይ መዓስ እገዳ ኢዩ ዘዛርብ ዘሎ? ሓንቲ ባህሪያዊ ሃብታ ምስ ዓለማውያን ኩባንያታት ከምድላያ እናመዝሓቐት ትጥቀም ሃገር፡ ሓንቲ መራ ሕታ ከምቲ ቅድም ኣብ ገሊኦም ዝተራእየ ከይሰዓቦም ብዘይ ዓለማዊ ጸቕጢ ከምድላዮም ዝንቀሳቐሱላ ሃገር “ተኣጊደ” እንተበለት ኪኖ

ህልኪ ሓቅነት ኣለዎዶ? እተን ኣውፈርቲ ዕደናኸ ኣይእገዳን ዲየን ዶስ ቀይዲ በቲኸን? እዚኸ “ክንደየናይ ከየንብብዎ” ድዩ ተባሂሉ?

እንተ ብዛዕባ’ቲ ንዕዳጋ ዝወርድ ህዝቢ ከምዘይብልና ምጥቃሱ’ሞ “ቀሻሺ” ምበልናዮ። ግናኸ ንሱ ድማ “ኣናብባዅም ኣዐርዩ’ምበር ኣነስ ከምኡ ይራአየኒ ኣሎ“ ኢሉ ኣውሊዕ ዝቐርቀረት ጻዕዳ ርግቢት ክኾነልና ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኩሉ ዝወርደና ዘሎ ዕንወት ምዱብ ሽርሒ ፈ ጠራ መራሒና ብምዃኑ ክንጥንቀቕ ከነእዊ መዋእል ምሕላፉ፡ ንሱ ድማ ተስፋ ምስ ሰኣነልና ኣግሂዱ ራህዋ፡ ብልጽግና፡ ሰላም….. ከምዝ ስራሕ ዳሕዲሕልና ኣሎ። ከምኡ እንተኾይኑ ከምንንጸል፡ ከምንደኪ፡ ከምንሃድም ከምንሽየጥ ዝገብር ዘሎ ኤርትራዊ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ምበር ኣብ ሃገርና ዝዓስከረ ጸላኢስ ኣይራአናን። ርግጽ እቶም ደምህት ዝበሃሉ’ውን ካብ ክዉንነቱ ንላዕሊ ከምስል ክ ብል ዝገብሮ ነገር ይበዝሕ። ከምእምንቶኡ እንተሓዞም ድማ ምስገዛእ ህዝቡ ዝበተኸ ሰብ ምስኦም ተጸጊዑኸ ይእመንዶ? ዝኾነ ኮይኑ ኤ ርትራዊ ዝኣክል ክቡርን ፍቱንን ህዝቢ ንግዚኡ ድኣ ይሰናኸል ማለት’ምበር ንሓዋሩስ ፍጹም ዝኾኖ ከምዘየለ ውቅያኖስ ተመኩሮና ዝም ስክሮ ሓቂ ኢየ።

ውድድር ባህሪያዊ ዕድሎት ሂወታዊያን ኮይኑ፡ ብፍላይ ሕብረተሰባዊ ውድድር ስለዘቕንእ መሰረት ምዕባለ ምዃኑ እሙን ኢዩ። ግናኸ ቅንኢ እንተዘይተቐዲሳ ናብ ምትፍናን፡ ምትፍናን ከኣ ብዕርቂ እንተዘይተፈቲሓ ናብ ረጽሚ ትዓርገሉ እዋን ከጋጥም ይኽእል። ረጽሚ ን ደላይ ህንጸት ቀታሊቱ ንደላይ ስልጣን መድሃኒቱ ብምዃና ገዛእቲ ከምቀንዲ መከላኸሊ ስልጣኖም ከምዝጥቀሙላ ፍጹም ኢዩ። ኣብ ከ ምኣ ንዝዓረደ ፕረሲደንትና ከነገላግሎ ድማ ብሃገር ንሕሰብን ብሓደነት ንጠመርን። ንሱ ኢዩ ድማ ባህርያውነትና።

ትጽቢት ናይዘን ቀረባ ኣዋርሕ ዝጸውር ዓቕሊ ይፍጠረልና! ድሓን ድማ ቀንዩ።

ጎደፋ፡

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ghezai January 9, 2015

    Entay kubur husur president ember

  • sherer January 9, 2015

    Husur nay zemena fshul gizyawi president.Fekari wedaqi iyu.

  • fthawi January 10, 2015

    አንታ ሐውና ጎደፋ ወዲ ጎዶፋ ገዲፍካ ዘይትድሕዶሖ ብሽምካ ቡዙሕ ትፈልጥ ትመስል አነ ከም ሰብ ቡዙሕ ጽሑፋትካ አንቢበ ሐያልን መስተውዓልን ከምኳንካ ጥርጥር የብለይን: ግን ኤርትራዊያን ዝሩጋት ማዓንጣ ኮና ሃገር እንዳጠፍኤት ብብርዒ ሽም ንጽሕፍ ተኮና ንማዓስ እዩ ክከውን እቲ ሽምና ሃገር ምሰ ጠፍኤት
    ወድሰብ ፖሎቲካ ክዛረብ እንተኮይኑ ክልተ ነገር ክውንን አለዎ ንሰን ድማ ቀዳማይ ርእሲ ወይ ሐንጎል ካልአይ ሕጹብ ማዓንጣ ክከውን አለዎ ሐንቲ ካብዚኤን ትጎዲላ ሙሉእ ፖሎቲሻን ክከውን አይክእልን እዩ ስለዚ እቶም ዓቅሚ ዘለኩም ኤርትራዊያን ነብስኩም አላልዩ ምስ ሐፋሽ ሸጥ አብሉዎ ማዓንጣኩም ከም ናይ ብዓል አማኒኤል እያሱ።

  • sherer January 10, 2015

    Nisikake fithawi diyu shimka. Godefa naybahaki shimu iyu. Mejemerya balika shimka alali.

    • fthawi January 10, 2015

      Sherer
      ብመጀመርታ ንዓካ አይሐተትኩኳን ወዲ ሐያል እዩ ጠበቃ አየድልዮን ንዓይ ንምንታይ ሽምካ ዘይትነግር ኢልካኒ አነ ደአ አየናይ አርቲክል ዝጻሐፍኩዎ አለኒ :
      ጎደፋ ሐደ ካብቶም ቡዙሕ ጊዜ ዝጽሕፉ ኤርትራዊያን እዩ ጽሕፋቱ ድማ እምስጠኒ እዩ ዘካፍኦ ዘለኩ ከይመስለካ አነኮ ክንዱኡ ዓቅሚ ዘለኒ አይኮንኩን
      አነ እንታይ እብል አለኩ መስለካ ዓቅሚ ዘለዎም ሰባት አብ ሚድያ ነብሶም ከላልዩ አለዎም ኩሎም ኤርትራዊያን ምክንያቱ ዓቅሚ ዘለዎም መራሕቲ የድልዩና አለው ኤርትራዊያን።

POST A COMMENT