Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣንታ ምራኽ ዚርአ-ምራኽ ዚርአ፣ ሎም‘ዘበን ተወሊዱ ዓሚ ዚጠፍአ!

ኣንታ ምራኽ ዚርአ-ምራኽ ዚርአ፣ ሎም‘ዘበን ተወሊዱ ዓሚ ዚጠፍአ! በሉ ዳይና -ዓዲ፡ ባይቶ‘ኦም ብፖለቲካ እንዳ‘ሕሳር ሃጒጉ ተራእዩ ዚጠፍአ። ኣብ ሓደ ዓዲ አብ ከበሳ-ኤርትራ ሓደ መን ከማይ ዚብል በጽሒ ንመሬት ወላዲኡ መሬተይ ኢሉ ስለ ዝተሰልበጦም ናብ ዳይና ቀሪቦም ነገሮም ምስ አፍሰሱ፣ ወዮ

ኣንታ ምራኽ ዚርአ-ምራኽ ዚርአ፣

ሎም‘ዘበን ተወሊዱ ዓሚ ዚጠፍአ!

በሉ ዳይና -ዓዲ፡ ባይቶ‘ኦም

ብፖለቲካ እንዳ‘ሕሳር ሃጒጉ

ተራእዩ ዚጠፍአ።

ኣብ ሓደ ዓዲ አብ ከበሳ-ኤርትራ ሓደ መን ከማይ ዚብል በጽሒ ንመሬት ወላዲኡ መሬተይ ኢሉ ስለ ዝተሰልበጦም ናብ ዳይና ቀሪቦም ነገሮም ምስ አፍሰሱ፣ ወዮ ዝመንጎደ በጽሒ ንዳይና‘ውን ከዋጣውጠሎም ስለ ዝጀማመሮ፣ ዳይና ምራኽ ከም ዝጠፍኦም ሓቢሮምን ነቲ ባይቶ ተዓገሱኒ ኢሎምን ናብ በሪኽ ጎቦ ደየቡ። አብኡ ኴይኖም ከኣ፡

ኣንታ ምራኽ ዚርአ-ምራኽ ዚርአ፣

ሎም‘ዘበን ተወሊዱ ዓሚ ዚጠፍአ!

ክብሉ ብዓወታ አቃልሑ። ነዚ ድሕሪ ምስማዕ  ድማ ወዮ በጽሒ፣ አንታ ሎምስ እንታይ ከተስምዑና ደሊኹም ክብል ንሱ‘ውን ብዓውታ ንዳይና ጸውዐ፣ „ብኸመይ ተኣምር ድአ ሎም‘ዘበን ተወሊዱስ ዓሚ ጠፍአ“ ክብል ከአ ተወከሶም። ዳይና ዓዲ ኸአ „ወደይሲ ዘመን ኣረበሾ ኴይኑ፤ ንስኻ‘ከ ድአ ብከመይ ተኣምር ንመሬት ወላዲኻ መሃንዚት ትብል“ ክብሉ ካብ ማዕዶ-ሰላም ፍርዶም ሃቡ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መርበባት ሓበሬታ!

ኣይተ ገብረእግዚሀር (ወዲ ባሻይ) ስመይን ናይ ካልኦት ክቡራትን ክቡራንን ጠቒሱ „ዳግም ምብርባር ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ነበር“ አመርኢሱ አብ ዝጸሓፎ ዛዕባ፡ ናበይ ወሪሕኩም ኢኹም ሕጂ ትዳሃዩታ ብዘስምዕ ወቐሳ አብ መርበባት ተሃንዲዱ አንቢበ ስለ ዝገረመኒ መልሲ ክህብ መሪጸ አሎኹ እሞ፣ ንኣይ‘ውን ብትዕግስቲ ክትጽመሙኒ ብትሕትና እምሕጸነኩም።

ከምቲ ክቡራት ወለድና ዚብልዎ፣ „ግደፍ‘ዶ ብኣኻ ጠፍአስ ብኣኻ ቘደወ‘ውን አይበሉኻ“ ከም ዚብሃል፡ ነቲ ምስ ኵሉ ሕማማቱ አብ ኣዋሳ ዝተወልደ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከሰኒ ዝደኸመ ኣባል ሃገራዊ ኮምሽን „ነበር“ ኣዝዩ ውሑድ‘ዩ። በዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ልሙስነት ክድምድም ምዃኑ ዝገምገመ ኸአ ዳርጋ ዝበዝሕ ተሳታፊ ጕባኤ ኣዋሳ ነይሩ። አብዚ ጠንቁ ዘርዚርካ ንምቕራብ ግና ኵኔው ዓቕሚ ሓደ ጒዝሚ (article) ዝኸይድ ብምዃኑ አይክአልን። ገለ ንምባል ዝአክል ግና፡ ንኮምሽን ጸባጻብ ካብ ምሃብ ምኽታር፣ሕጋዊ ምስግጋር ብኹር ምንባሩን ዕቱብ ምቅብባል ዘይምንባሩን ወዘተ… ክጥቀስ ይከአል። እቲ ልዕሊ ኩሉ ሕሳባትን ሓለፋታትን ዝስራዕ ጠንቂ ፍሽለት ቀዳማይ ሃገራዊ ጕባኤ ኣዋሳ ግና ብኵራት ሓድነታዊ መንፈስ‘ዩ። ጕዳይ ብዙሓት ከአ ናብ ናተይ ውዑይን ሻማሻማን እንተጥሒሉ ከይተወልደ ከም ዝመኸነ ምርዳእ ክንድቲ ልቂነት ዝጥይቕ አይኮነን።

ብዝዀነ ሰብ ከይንሕምም ድአ‘ምበር ብዛዕባ በዓል ኣይተ ገብረእግዚሀር አልዒልናስ ብዙሕ ምበልና። „ጠሪጣስ እንተ-ቲሓፍረለይ“ ኴይኑ ነገሩ ከኣ ኣልቦ ሕንኽ ገና ይቶኻቱዅና እንሄዉ። ብፍላይ እዚ ባእታ‘ዚ ከአ ተወጢጡ አብ እሴተጅ ደይቡ፡ „ህዝቢ ከተማ-ካስል ንእገሌቶ ከነምርጽ‘ዩ ልኢኹና ንጕባኤ ዝመጻእና… ንእገሌቶ ምረጹ“  ኢዩ ዝበለ። ፖለቲካ ሓሙሳታት ዘስደመሞም ተዋዛያይ እንታይ‘ዮም ዝሓጨጩ፡ „ኢትዮጵያ ወይ ሞት ኢልኩም፣ ጸለትኩም ኴይኑ ኸአ ክልቲኡ ሰሚሩ፣ ኢትዮጵያ መጺኣትልኩም ሞት ከአ ብዓጀባ ምስኣ“።

ሃገራዊ ኮምሽን ንብረት ደለይቲ ለውጢ ድአ‘ምበር ንብረት ዝዀነ ውልቀ ጕጅለ አይኮነን። ሃገራዊ ባይቶ‘ውን ከምኡ‘ዩ። ተበግሶ ጕዱሳት ኤርትራውያን

ተጎሩባ.ኦርግ፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

ኣሰና.ኮም፡  ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

 ገርገር.ኮም፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

ጀበርቲ.ኮም፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

ዚበሎ እንተልዩ ኸኣ መደብ ሀ እንተሰሪሑ ሰናይ፣ ንኣና ግና አይመስለናን ብሕጂ ዚሰርሕ፤ ስለዚ ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕጋዊ ኣካል (መደብ ለ) ንመለስ… ዝሐሸ ተዘክሮ ከአ‘ዩ ብዛዕባ‘ቲ ሃገራዊ ኮምሽን (መደብ ለ) ዘሎ።

እንተ ንሕና እቶም ናብ ኮምሽን ዝነበርናን ሕጂ ንተበግሶ ዝፈረምናን ከም ውልቀ-ሰባት ክረምትና አሕሊፍና ክረምቲ ካልኦት ዘይትዓወተ ንዝብሉ ክስታት ተሓታትነት አይስማዓናን‘ዩ። ጕዳይ ተቓውሞና ንድሕሪት ምንሽርታቱ ግና ከም ኩሉ ደላይ ለውጢ ደም የንብዓና።

እዚ ዎ ድሓንኩም!

ተክልሰንበት ተኽላይ

Bonn/Germany, 29.09.13

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ክፍለየ ሱስ September 30, 2013

    ሃገራዊ ባይቶ ብዘይወዓል ሕደር ስልጣኑ ንስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኣረክቡዎ

  • gebela Stoop September 30, 2013

    Dear Amanuel,

    It is disgusting that the only sensible webiste we have is becoming a battle ground of rivalries and competitors. I keep on saying, you need moderators to check all the mail that has to be posted in the Assena webiste. At the moment, it gives the impression as if it has no editorial board or no owner. It is my earnest advice that you look into into it seriously. Eventually it will undermine all the hard work you are making. You are our hero, we don’t want to see you going down. Have a great day.

POST A COMMENT