Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣኤናኦን!

ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ሰላም፡ ብመጀመርያ ንኣኻትኩም ንኣሰናዳእትን ኣቕረብትን ልሳን ድምጺ ውጹዓት ራድዮ ኣሰና፡ ርሑስ ልደተ ጎይታና መድሓኒና እየሱስ ክሩስቶስን ዓመተ ሓርነትን ፍትሕን ክኾነልኩም እምነ። ብምቕጻል፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣውን ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝሓየለ፡ ነታ ኣብ ክሳድ መላኺ

ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ሰላም፡ ብመጀመርያ ንኣኻትኩም ንኣሰናዳእትን ኣቕረብትን ልሳን ድምጺ ውጹዓት ራድዮ ኣሰና፡ ርሑስ ልደተ ጎይታና መድሓኒና እየሱስ ክሩስቶስን ዓመተ ሓርነትን ፍትሕን ክኾነልኩም እምነ። ብምቕጻል፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣውን ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝሓየለ፡ ነታ ኣብ ክሳድ መላኺ ኣትያ ዘላ ዑቘት (ገመድ) ንምጽባብን ብኡ ኣቢልካውን ምትንፋስ ከሊእካ ንምቅባጹን፡ ኩላትና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ስለ ዘለና፡ ኣብቲ ቀንዲ ማለት፡ ኣውራ ልቢ ህዝቢ ዝትንክፍ ጉዳያት ብምትኳር፡ ነቲ ብራዕድን ምትላልን ደቂሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ፡ ንመሰሉን ሓርነቱን ንኽልዓል፡ ምንቅስቓሳትና ናብ መራሕቲ ሃይማኖት ብምትኳር፡ ንሳቶምውን ካብ ድቃሶም ተበራቢሮም ህዝቢ ከበራብሩ ምእንቲ፡ ብቐጻሊ ክንጉስጉሶም ኣለና ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ።
ስለዚ፡ ንስኻትኩም ከም ልሳን ህዝቢ መጠን፡ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት እናረኸብኩም ናብ ህዝቢ መልእኽትኹም ኣመሓላልፉ ብምባል፡ ምኽሮም ክልግሱ ብምዕዳም፡ ንኹሎም መራሕቲ ሃይማኖት እናተወከስኩም፡ ካብዚ ብምኽንያት ቅዝፈት ላምፔዱሳ ዝተገብረ ጎስጓስ ንላዕሊ ህዝቢ ጎስጒሶም ከበራብሩ ክትጉስጉሱዎም ይግባእ እብል። ምኽንያቱ፡ ገዛኢ ሓይሊ ድያብሎስ፡ ንሃይማኖት ብጓይላ ብምቕያር ፍጹም ይድህኮ ስለ ዘሎ። ካልእ ይትረፍ ኣብቲ ሃይማኖታዊ በዓላትውን ከይተረፈ፡ ህዝቢ ከይተቐደሰን ቃል ኣምላኹ ብመራሕቲ ሃይማኖት ከይሰምዐን ብጉያ ናብ ህርግዳ (ጓይላን ዳንኬራን) ይመርሖ ስለ ዘሎ፡ ክሳዕ ክንደይ ካብ ቃል ኣምላኽ ኣርሒቑዎ ከም ዘሎ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። ነዚ ድማ ኢና ሕጂ ናብ ግቡእ መስርሑ ክንመልሶ ኩላትና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ዘለና። በዚ መሰረት ኣነውን ኣብዚ እጃመይ ንምብርካት፡ በዛ እትስዕብ “ኣኤናኦን” ማለት “ዘልኣለም ዘሎ” ዘርእስታ ናዕታ ኣቢለ ኣሃዱ ኢለ ጀሚረዮ ዘለኹ።
ኣኤናኦን!
እቶም ጓኖት’ኳ ጨካናት ገዛእቲ
*ሂሳንኪ ኣይደፈሩን ደምበኺ ቅብእቲ፡                    *ክብርኺ
እዚ *ደማሒ ደኣ ከመይ ኢሉ ደፊሩ?                    *መላኺ
መባእኪ ዚምንዝዕ መፍትሕ ሳጹን ሰይሩ!
ኣንቲ ማርያም ኣስመራ እምበርዶኸ ኣለኺ
ማይ ጽምኢ ነቒጹ ኣብ ጸላም ህዝብኺ
ብምልኪ ክሳቐ ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ
ምሕረት ዘይትልእኪ ለሚንኪ ወድኺ
እንታይ ንኽኸውን ትጽበይ ኣለኺ!?
ኣንታ ቅዱስ ሚካኤል’ወ ሊቀ መላእኽቲ
እዞም ኣገልገልትኻ ፓድረታት ኣቕሽሽቲ
ብከንቱ ከይበልዩ ብምልኪ ኣብ ማእሰርቲ
መንፈስካ’ንዶ ለኣኽ ንሓንቲ መዓልቲ
ጸላምና ቀንጢጡ ዚውልዕ መብራህቲ!
ንሙፍቲ ኣይገድፍ ንቕዱስ ፓትርያርክ
እዚ ርኹስ ፍጥረት ንኹሉ ኪመልኽ
ንግዜን ጉልበትን ናይ ህዝቢ ከሀልኽ
ብጉልባብ *ኣውታርኪ ብሓሶት ኪሰብኽ   *ርእስኻ ምኽኣል
ንህዝቡን ዓለምን ጌና ኣሎ ይህውኽ!
ስምካ ዝወደሱ ወትሩ እናጸለዩ
ብሓደ መላኺ ኣእላፍ ክሳቐዩ
እቶም *ኣርባባትካ ትም ኢሎም ክርእዩ                     *መላእኽትኻ
እቲ ለዋህ ልብኻስ ካንዶ ጨኪኑ እዩ?
ህዝብኻ ዝቕጻዕ እንታይ ኣቢሱ እዩ!?
ኣንታ *ኣኤናኦን ዓለም ዝፈጠርካ         *ዘልኣለም ዘሎ
ኣብ በዓላትካ እኳ ልደት ምስ ፋሲካ
ካህናት ከይሰብኩ ቅዱስ ጽሑፋትካ
ስምካ ንኽውደስ’ወ ከይዝመር ቃላትካ
ድያብሎስ ክሕንክር ንቕድስቲ ቤትካ
ክሳዕ መዓስ ኢኻ ክትሪኦ ትም ኢልካ!?
ህዝቢ ከይባረኽ ቃላትካ ሰሚዑ
ደረፍትን ሳዕሳዕትን ናብ መድረኽ ጸዊዑ
ኣብ ጓይላ እናኣዕበደ ከበሮ ወቒዑ
ህዝብኻ ከጥፍእ እምነቱ ኣረሲዑ
ተዓጢቑሉ ኣሎ’ወ መላኺ ኣንዳዕዲዑ!
ብማእሰርትን ስደትን ሱራ እናነቐላ
ወላዲት ብሓዘን ተረሚሳ እንከላ
ቀትሪ ምስ መዓልቲ ዘየቋርጽ ጓይላ
እዛ ሃገር ብህግደፍ *ከይኣብደየት ከላ       *ከይጠፍአት፡ ከይሓጐለት
ጎይታ *ፈለክ ምድሪ ምሕረት ለኣኸላ!       *ሰማይ፡ ጠፈር
እዛ ሃገር ብምልኪ’ወ ከይጠፍአት ከላ
ጎይታ ሰማይ ምድሪ *ፌንሙ ለኣኸላ!        *መንፈስ ቅዱስ
“ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!”
ርሑስ ልደተ ክሩስቶስን መቕሰኒና ዓመተ ሓርነትን ይግበረልና! ኣሜን!!!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 07-01-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ER ITRAWIT January 7, 2014

    Mesinas,
    Selam,Rehuse Hadshe Amet Rehuse bal Ledet endabelku nay behakey yemesgneka netey keytehalelka teberkto zeleka nhzbka. ezey zbelkayo naybehakey ydgfo eye Assena kebzgebrwo ka ayteratern eye nezey hzbna weredwo zelo sheger mewedata kab Amlak slezkone yekenyelna kubur Haw.

  • Hidat January 8, 2014

    YEWHAT * WALAHANTI ZEIFELTU

    YEWHAT *RUHURHAT TESFA ALENI DO AB QUAQUA? KINDAKA EQUA ABEY KEIKELO.

  • araya January 8, 2014

    MESINAS( WHAT IS THE MEANING OF YOUR NAME) I APPRCIATED YOU FROM MY BOTTOM OF HEART,, FOR TAKING YOUR TIME TO DEDICATE AN ARTICLE,

  • Mesinas January 8, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት ማለት ናይ ወትሩ ኣደ ሞራል ዝኾንኪ ክብርቲ ሓብቲ ኤርትራዊት ከምኡውን ክቡራት ኣሕዋት፡ ህድኣትን ኣርኣያን፡ ብመጀመርያ ንዝገበርኩሙለይ ምትብባዕ ብልቢ አመስግን። ቀጺለ ንሕቶታት ክብርቲ ሓብቲ ህድኣትን ክቡር ሓው ኣርኣያን ክምልስ ፍቕዱለይ?

    YEWHAT * WALAHANTI ZEIFELTU
    YEWHAT *RUHURHAT TESFA ALENI DO AB QUAQUA? KINDAKA EQUA ABEY KEIKELO.

    ክብርቲ ሓብቲ ህድኣት፡ እንተደኣ ብሓቂ ዕቱብ ተገዳስነት ኣብ ቋንቋኺ ኣልዩኪ፡ ካባይ ንላዕሊ ከም እትኽእልዮ ርግጸኛ’የ። የዋህ ማለት ገርሂ ወይ ድማ ዘይንቁሕ ማለት ኪኸውን ከሎ፣ ለዋህ ማለት ድማ ሕያዋይ ወይውን ርህሩህ ማለት’ዩ።

    ዝኸበርካ ሓው ኣርኣያውን ትርጉም ናይ መሲናስ ሓቲትካኒ ኔርካ። መሲናስ ማለት ብትግርኛ ንስነ ጥበብ ወይ ንስነ ጽሑፍ ብሃብቱ ዝድግፍ ለጋስ ሰብ ማለት’ዩ።

    የቐንየለይ።

    ካብ ሕውኹም መሲናስ

  • rahwa January 8, 2014

    great job as usual, brother Mesinas! keep the good work up brother!

POST A COMMENT