Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣእምሮ ተሓለቕቲ (The mind of apologists)

ኣእምሮ ተሓለቕቲ (The mind of apologists) ብ ኣማኑኤል ሳህለ   ሽሕኳ ክንዲ ብጹሕ ውላድካ ኣይትምሓል እንተ ተባህለ፡ ኣደይ ለቱ ግን ነቲ እንኮ ውላደን፡ ኣብ ኩሉ ኩነታትን ኣጋጣምታትን እየን ዚሕለቓሉ ዝነበራ። ሓደ እዋን ብስርቂ ተኸሲሱ ምስ ተኣስረ፡ ወደይ ከምዚ

ኣእምሮ ተሓለቕቲ (The mind of apologists)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

 

ሽሕኳ ክንዲ ብጹሕ ውላድካ ኣይትምሓል እንተ ተባህለ፡ ኣደይ ለቱ ግን ነቲ እንኮ ውላደን፡ ኣብ ኩሉ ኩነታትን ኣጋጣምታትን እየን ዚሕለቓሉ ዝነበራ። ሓደ እዋን ብስርቂ ተኸሲሱ ምስ ተኣስረ፡ ወደይ ከምዚ ኣይገብርን እዩ፡ ዘጋገዩዎ ድማ እፈልጦም እየ፡ ደኣ እየን ዝበላ እምበር፡ ነቲ ንውላደን ከም ሰራቒ ወይ ፈገር ገይሩ ዚገልጾ መሪር ሓቂ ኪቕበላኦ ድሉውቲ ኣይነበራን።

 

ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ቤትማእሰርቲ ተፈቲሑ ገለ ኣቓርሽ ምስ ሰረቐን ግን፡ ቅሩብ ክጥንቀቓ ጀሚረን። ወድ ድሙስ ነይገድፍ ግብረ እሙ እዩሞ፡ ወደን ነቲ ከዲመን ዘጥረያኦ ወርቀን እውን ሒዙዎ ተዓዚሩ እዩ። ሽዑ እየን ደኒነን ኪበኽያ ዝጀመራ። ዕውርቲ ተሓላቒት እየን ነይረን።

 

ርትዓዊ ተሓላቕነት ኣሎ፡ ዕዉር ተሓላቕነት ከኣ ኣሎ። ግን መብዛሕትኡ ግዜ፡ ተሓላቕነት ኪብሃል ከሎ፡ ብኣሉታዊ መገዲ ስለ ዚዝውተር፡ ኣብዚ ጽሑፍዚ በቲ ኣሉታዊ መዳዩ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

 

ተሓላቒ ወይ ተሓላቓይ፡ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ሰብ እዩ። ትንፈር እምበር ጤል እያ ዚብል ኣረኣእያ፡ ናይ ተሓለቕቲ ሕላገት እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ርእይቶ ድማ ኣብ ነብሶምን ኣብ ብጾቶምን ኣሕሉቖምን ይጥቀሙሉ። ተሓላቒ፡ ነቲ ዝኣምነሉ ግን ከኣ ብቕንዕና ኪከራኸረሉን ኪረትዓሉን ዘይክእል ክዉንነት ወይ ስርዓት ወይ እምነት፡ ወላውን ሳየንሳውን ፍልስፍናውን ፖለቲካውን መርትዖ እንተ ኣቕሪብካሉ፡ ኪገድፎ ኣይደልን እዩ።

 

እቲ ኣብ ውሽጢ ናይቲ ተሓላቒ ኣእምሮ ኾይኑ ንባህርያቱ ዘንቀሳቕሶ ድራኸ፡ ኣብ ፍርህን ስግኣትን ወይ ኣብ ግትርነት ወይ ትዕቢት ወይ ንዕቀት ወይውን ኣብ ስድነት እተመርኮሰ እዩ። ዚጥቀመሉ ሜላ፡ ሸንኮለልን ሓሽውየን ወይ ከኣ ኣቦኡ ዘፍለጠ ሓሶትን ምትላልን እዩ። ዕላማኡ ድማ ረብሓን ስልጣንን ሓለፋታትን ንምኽዕባት እዩ። ተሓላቒ፡ ንሓቂ ዘይኮነስ ነቲ ኣነነቱ እዩ ዚከላኸለሉ። ምስ ተረትዐ ድማ ይኹርን ይበኣስን። ዚበኣሰሉ ምኽንያት ድማ፡ ኩሉ ስነመጎቱ ተወዲኡ፡ ባእሲ ጥራይ ስለ ዝተርፎ እዩ።

 

እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣመሪካ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሪፓብሊካን ፓርቲ፡ እቲ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ፍሉይ ባህርያትን ሓድሓደ ዚኽተሎ ፖሊሲታትን ዚሕንጽጾ መደባትን ምስቲ ናይቲ ፓርቲ ክብርታትን ዕላማን ራእይን ዘይከይድ ወይ ዚቃረን ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ናይቲ ፕረዚደንት ፋሉላውን ናብ ወሲብ ዝዘንበለን ባህርያቱ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኪሕለቐሉ ይውዕል ኣሎ። ገለ ለባማት ናይቲ ፓርቲ ኣባላት ግን፡ ምሕላቕ ግዲ በዚሑዎም ኮይኑ፡ ነቲ ፓርቲ ብኣጋኡ ጠንጢኖምዋ ይኸዱ ኣለዉ። ተበለጽትን ግቡዛትን ግን ምሕላቕ ከይሰልቸዎም በቲ ግጉይ መገዶም ምቕጻል መሪጾም ኣለዉ። በዝን ክድንዝን ድማ፡ ገለ ነቲ ፓርቲ ዓገብ ዚብሉ ለባማት፡ ወድሰብ ንዓለም ረቢሑ ነብሱ እንተ ኣጥፋኣ እንታይ ይጥቀም ዚብል ከቢድ ዘረባታት የቃልሑ ኣለዉ። ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ ነቲ ስእሊ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ቀዪርና ምስ እንርእዮ፥ ሰዓብትን ዕሱባትን ስርዓት ህግደፍ፡ ንስልጣንን ሓለፋታትን ሃብትን ኤርትራ ረቢሖም፡ ኤርትራዊ ሕልናኦም እንተ ኣጥፍኡስ፡ እንታይ ኪጠቕሞም ይኽእል? ብምባል ክንሓትት ንኽእል ኢና።

 

ካብ ምስ ዕዉር ተሓላቒ ምክታዕ ዚርከብ ነገር እንተሎ፡ ረስኒ እምበር ብርሃን ኣይኮነን። ናይ ሓሶት ትኪ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ሓዊ ስለ ዚቐትሎ፡ ካብ ዕዉራት ተሓላቕቲ፡ ቁምነገር ኣይርከብን።

 

ዕዉር ተሓላቒ፡ ንብዝሒ ሰዓብቱ ከም ኣወንታዊ መርትዖ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ፡ ነቶም ሓቂ ተሓንጊጦም ዝመጹዎ ተኸራኸርቱ ድማ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኪረግጾም ይደሊ፡ ዓቕሚ ምስ ዚረክብ ድማ ከእስሮምን ከቕትሎምን ድሕር ኣይብልን።

 

ዕዉራት ተሓለቕቲ ህግደፍ፡ ንኤርትራ ከም ገነት ገይሮም ኪገልጹዋ ይፍትኑ፡ እቲ ዘቕርቡዎ መርትዖ ግን ከም ዓይኒ ዓራት ብዙሕ ነዃላት ዘለዎ እዩ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ዚከራኸሮም ሰብ ዚህቡዎ ምኽሪ እንተሎ፡ ኣብ ዑረትካ ንበር፡ ጸልማት ኣይፈለኻ፡ ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ ኪህቡዎ ዚኽእሉ ም|ኽሪ ኪህሉ ኣይክእልን።

 

ሓደ እዋን ክለተ ሰባት ምስ ክልተ ደቆም ጠበንጃ ተሓንጊጦም ናብ ሃድን ይኸዱ። እቲ ሓደ ኣብ ሓንቲ ገረብ፡ ዑፍ ይርኢ እሞ ይትኵሰላ፡ ዑፍ ድማ ተሃሪማ ትወድቕ። ውላድ ናይዚ ሃዳናይዚ ብኣቦኡ ይኾርዕን ይንእዶን፡ ነቲ ካልኣይ ሃዳናይ ኪትኩስ ድማ ይጽበዮ።  ብድሕርዚ፡ እቲ ካልኣይ ሃዳናይ ኣብ ገረብ ሓንቲ ዑፍ ይርኢ እሞ ይትኵሰላ። ንሳ ግን ስለ ዘይተሃርመት ነፊራ ትኸይድ። ሽዑ፡ ውላድ ናይቲ ካልኣይን ተኵሱ ዝሰሓተን ሃዳናይ፥ ኣቦ፡ እታ ዝተኮስካላ ጭሩስ ኣምዑታ ንደገ ወጺኡ ኸሎ ነፊራ ከይዳ!! ጅግና እንዲኻ! ብምባል ንኣቦኡ ንኢዱዎ ይብሃል። ነቲ ናይ ኣቦኡ ምስሓት ኪእመኖ ኣይደለየን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ኣብ ኣእምሮኡ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጅግንነት ኣቦኡ፡ ኪኽሕዶ ኣይደለየን። ካብ ንሓቂ፡ ንኣቦኡ መሪጹ ማለት እዩ። ግን ህጻን ስለ ዝኾነስ ኣይተሓዞን።

 

ዕዉር ተሓላቒ ብጌጋኡ ኣይጠዓስን እዩ። ጌጋ ምእማን ማለት፡ ከም ምኽሓድ ገይሩ እዩ ዚወስዶ። ግን ጌጋ ምእማንሲ ንሓቂ ምቕባልን ብመገዳ ድማ ምኻድን ደኣምበር፡ ምስ ክሕደት ምንም ርክብ የብሉን። ይኹንምበር፡ ናይ ተሓላቒ ኣእምሮ፡ ናይ ግጉይነት እሱር እዩ። ስለዚ ከኣዩ ሓደ ተሓላቒ፡ ንህውከት ከም ሰላም፡ ንጸሊም ከም ጻዕዳ፡ ንድንቍርና ከም ፍልጠት፡ ንሞት ከም ህይወት፡ ንባርነት ድማ ከም ናጽነት ገይሩ ንኺወስዶ  ኣእምሮኡ ዘይቃወሞ።

 

ሓደ እዋን፡ ሓያሎ ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ሓደ ናጽነት ኤርትራ ኪወሓጠሉ ዘይከኣለ ደርጋዊ መንእሰይ ከነዕልል ከሎና፡ እቲ ናይ ኣፍዓበት ስዕረት ከም ኣርእስቲ ይለዓል። ሽዑ እቲ ደርጋውን የዋህን መንእሰይ ከምዚ ዚብል ብርቂ ዘረባ ኣቕሪቡለይ፥ ሻዕብያ እኮ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣይሰዓሩዎን፡ እቲ ውግእ ናይ ሕውነት ውግእ እዩ ነይሩ……..። ከም ጸወታ ኵዕሶ ገይሩ እዩ ወሲዱዎ። ናይ ብሓቂ እንተ ዚዋግኡ ነይሮም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምሰዓሩ ነይሮም ኣብ ዚብል መደምደምታ ድማ በጺሑ። እምበኣር ዕዉር ተሓላቅነት ከምዚ እዩ ዚገብረካ። ንኣእምሮኻ ይብርዞ፡ ጸኒሑ ድማ የሰንክሎ ማለት እዩ።

 

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ከሎኹ፡ ምስ ሓደ ህግደፋዊ ዕሱብ ኣዕሊለ። ከምቲ ኩሉ ግዜ ኤርትራውያን ኪእከቡ ኸለዉ ዚለዓል ኣርእስቲ፡ ኣብዚ ኣዋንዚውን እቲ ኣርእስቲ ፖለቲካ እዩ ነይሩ። ንሱ ዘቕረቦ ፍረ-ዘረባ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ባድመ፡ ወያኔ ብፍጹም ከም እተሳዕሩን ከም ዝሃደሙን ዚገልጽ እዩ ዝነበረ። ኣብ ኩሉ ውግእ፡ ከም መዓልትኻ ክትስዕርን ክትሰዓርን ባህርያዊ እኳ እንተ ኾነ፡ እታ ብጻየይ ዘምጸኣ ዘረባ ግን ብድፉኑ ክቕበላ ኣይከኣልኩን። ብቕንዕና ድማ ነቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ከረድኦ ፈቲነ። ንሱ ግን ካብቲ ስዒርና ዚብል መዝሙሩ ኪላቐቕ ኣይደለየን።

 

ምስ ተኻራኸርኩዎን መምለጢ ምስ ሰኣነን ግን፡ “ስዒርና ማለተይ እኮ፡ ወያነ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ደልዮም ነይሮምስ፡ ከም ዘይኣትዉ ጌርናዮም ማለተይ እዩ” ዚብል ዘስደምም ዘረባ ኣቕሪቡለይ። ንሱ ስዒርና ማለቱ፡ ኣነ ድማ ብምክርኻረይ፡ ንኣኡ ዝያዳ ኤርትራዊ ኣይገብሮን እዩ፡ ንኣይ እውን ጎደሎ ኤርትራዊ ኣይገብረንን እዩ። ሓደ ሰብ ንኤርትራውነቱ ሓሶት ብምዝራብ ኣይኮነን ዘደልድሎ። ሓሶትስ የፍኵስ እምበር፡ ዘደልድሎ ነገር የብሉን። ኣብ መወዳእታ ብገለ ሰባት ብዛዕባቲ ሰብ፡ ኣብ ኣስመራ ግራውንድ ፕላስ ዋን የስርሕ ከም ዝነበረ ፈሊጠ። ወድሰብ ግራውንድ ፕላስ ዋን ረቢሑ ንኤርትራዊ ሕልናኡ እንተ ኣጥፈአስ እንታይ ይጠቕሞ?

 

ኣብ ኤርትራ ሰላም እዩ ነጊሱ ዘሎ ይብሉኻ። ናይ ምንታይ ሰላም? ኣብ መቓብር እውን እኮ ሰላም ኣሎዩ፡ ትብሎም። ኣይፋልን፡ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ኣሎ፡ ቃሕ ዝበሎ ድማ ይገብር ኣሎ፡ ይብሉኻ። ንህዝብና ቃሕ ዚብሎ ነገር እንተሎ፡ ኣእዳውካን ኣእጋርካን ኣኪብካ ስቕ ምባል ጥራይ እዩ። እዚ ቃሕታዚ ድማ፡ ውሽጣውን ወለንታውን ቃሕታ ዘይኮነስ፡ ብምሒር ምድሃልን ግፍዕን፡ ኣብቲ ህዝቢ ብደገ መጺኡ ኣብ ኣእምሮ ዝሰረጸ ሑሙም ቃሕታ እዩ። ከምዚ ዝበለ ቃሕታ፡ ብተሓለቕትን ብተበለጽትን ተመልሚሉ እዩ ኣብቲ ኣእምሮ ህዝቢ ብፕሮፓጋንዳን ብምፍርራህን ዚስኳዕ። ኣብዚ ናይ ኣእምሮ ምልዋጥ (brain washing) መደባት፡ ምሁራን ከይተረፉ ይሳተፉ እዮም። ናዚስታዊት ጀመርመን ኣብ ወርቃዊ ደረጃኣ በጺሓ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ብዙሓት ምሁራትን ሊቃውንትን፡ ህዝቦም ንምትላልን ንምድንጋርን ናዚስታዊ ኣበርክቶኦም ወፊዮም እዮም። ዕዉር ተሓላቕነት፡ ምሁርን ደንቆሮን ኣይፈልን እዩ።

 

ዕዉር ተሓላቕነት፡ ከም ባህሊ ኮይኑ እውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይመሓላለፍ እዩ። ናብ ህግደፍ ዝጠመተ ተሓላቕነት፡ ጌና ህግደፍ ከይተፈጥረ ኸሎ ኣብቲ ሜዳ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ዕዉር ተሓላቕነት፡ ንጸላኢ ንምርዓድን ከም ኣንጻር ጸላኢ ዝዓለመ ስልትን ኮይኑ ኪቐርብ ከሎ ኣወንታዊ ውጽኢታት ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ናጻ ኪወጽእ ኢሉ እተቓለሰሞ ናጽነት ዘይረኸበ ህዝቢ ኪዝውተር ከሎ ግን፡ ከም ሰብኣዊ ገበን ኪቝጸር ይኽእል እዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብተዛማዲ መገዲ ናጻ ምስ ወጸ፡ እቲ መጀመርታ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቤትትምህርቲ ኣትዩ እተማህሮ ጥበብ፡ እቲ ንህውከት ከም ሰላም፡ ንጸሊም ከም ጻዕዳ፡ ንድንቍርና ከም ፍልጠት፡ ንሞት ከም ህይወት ገይሩ ዚውስን ኣብ ካሪክለም ህግደፍ ተዘርዚሩ ዘሎ ምህሮ እዩ።

በዚ መሰረትዚ፡ ኤርትራውነትን ሃገራውነትን፡ ንዕዉራት ተሓለቕቲ ስቕ ኢልካ ብምስማዕን፡ ሓሳባትካን ርእይቶኻን ብምሕባእን ጥራይ ከም ዚግለጽ ኮይኑ ተወሲኑ ኣሎ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ድማ፡ ህይወቱ በዚ ዓይነት ኣካይዳዚ ኪቕጽሎ ተገዲዱ ኣሎ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Hagos April 19, 2018

    Quotable quotes:

    “ዕዉር ተሓላቒ ብጌጋኡ ኣይጠዓስን እዩ። ጌጋ ምእማን ማለት፡ ከም ምኽሓድ ገይሩ እዩ ዚወስዶ። ግን ጌጋ ምእማንሲ ንሓቂ ምቕባልን ብመገዳ ድማ ምኻድን ደኣምበር፡ ምስ ክሕደት ምንም ርክብ የብሉን። ይኹንምበር፡ ናይ ተሓላቒ ኣእምሮ፡ ናይ ግጉይነት እሱር እዩ። ስለዚ ከኣዩ ሓደ ተሓላቒ፡ ንህውከት ከም ሰላም፡ ንጸሊም ከም ጻዕዳ፡ ንድንቍርና ከም ፍልጠት፡ ንሞት ከም ህይወት፡ ንባርነት ድማ ከም ናጽነት ገይሩ ንኺወስዶ ኣእምሮኡ ዘይቃወሞ።”

    • k.tewolde April 19, 2018

      The quote above depicts the mind set that widely prevails in our society and the single most deterrent in the quest for lifting our people from the bottomless pit.As the matter of fact its message ricochets back to the pre- liberation era.Mr. Sahle thanks again for simplifying it in a language we can all understand.Keep navigating through the mind which its avenues were blocked by indoctrination.It is indeed a priceless quotation.

      • Tesfai April 21, 2018

        Here is a good example of many retarded “ዕዉር ተሓላቒ ብጌጋኡ ኣይጠዓስን” :-
        :The burning of Tigre books – Saleh Ghadi’s account

        If there is one human being that would never be suspected of ignorance in matters big and small regarding Jebha, it would be Ghadi. So the idea that somehow he was not in the know regarding the burning of Tigre books in mieda would be a joke. Only he didn’t claim ignorance, but came up with an utterly benign version of it.

        Here is the strategy the Awate duo employ in their anesthetizing mission: if any damaging evidence surfaces, deny it; but if the chances of counter-evidence seems to be real, trivialize it.

        Here is how Ghadi handled the claim that I made in this article – that Jebha burned all Tigre books:

        “Saay, this is sounding as if a library was burned. The ‘books’ are actually handwritten, a few pages typed, copies for use as a teaching aid–sort of a curriculum of a few pages. Some of those who wrote it didn’t even speak Tigayet and all those who were pushing Tigrayet in place of Arabic were Tigrinya speakers, including Zemehret. I am not sure but I doubt if few pages reached the duplicator stage. But exaggeration has been the hallmark on such issues.”

        His first reaction was: how do I attribute the burning of the Tigre books to Kebessa elite? This is a brilliant move, because if he could do that, the Tigre elites would be absolved of that horrendous sin of burning their language – for that is what the burning of the books symbolized. First, he claimed that it was written by Tigrignas who don’t speak Tigre (or Tigayet, as he calls it)! The idea is to make it seem a preposterous idea from the very beginning. And in doing that, Ghadi found a perfect scapegoat: Zemhret Yohannes! This is a smart move since it would make many of the Kebessa zombies happy, that being part of the ongoing anesthesiology.

        Ghadi’s second strategy is to trivialize the incident to an inconsequential point: that it is a matter of few handwritten pages. Think of Jebha that has been printing countless pamphlets suddenly preferring to do it the medieval way, with hand-writing scribes toiling in the candle light, when it comes to books!

        Enter Amnuel Hidrat, who spoils this damage control by spilling the beans, telling the Awate duo that the burning concerns 1,500 printed books written by none other than Kerenites (which means that Gadi had heard it before over and over one thousand and one times, as a bed-time story).

        Since the spilling of the beans, we have yet to hear from Salih Johar Gadi on this matter.
        Courtesy of asmarino website:

  • Senay April 20, 2018

    Dear Readers
    It seems Amanuel sahle has difficulty getting better words to describe PFDJ . Blind people can actually know where the corner is and they are almost all with super sense ablity while PFDJ don’t. Amanuel are you drifting from your strongest side? Last time about slur and this time about blind people. It seems like you are driving over the speed limit in the streets of Mekele. You know people can notice!!! And they are noticing many things that shows a drifter.

    • Gedamu April 20, 2018

      Dear Senay,
      I agree with you about Ato Amanuel Sahle being blinded by Mekele’s Teg drink and chat/grass.
      He may also be very exhausted with the hot and exciting Mekele women {so demanding in bed}!
      Ato Amanuel Sahle and that traitor Estifanos Temolso once served PFDJ so loyally/so faithfully.

      • Sol April 21, 2018

        Senai, Gedamu (Tekhlay)

        As PFGJ apologists and due to the absence of your conscience and mind you have ceded from your dignity and ethics to defend the mafia regime

  • Tes April 21, 2018

    Gedamu & Senay
    You are typical example of apologiest. Mr Amanuel described you well. You’ll never change or accept your wicked characters. You go extra mile to dicrete or to desmiss any truth. One of your agly nature is that you living thousands of miles from the country you pretend to love and without any shame try to belittle some live close to his country. You opportunist parasites will never change. You don’t like anyone bold enough to stand for truth.
    Mr Sahle please keep up you invaluable lessons. I personally gained a lot from your teaching.
    Thanks

  • Yohannes gubsa April 21, 2018

    ዝኸበርካን ዝተፈተኻን ሓወይ አማንኤል፡ ብመጀመርታ ከም ሓውካን፡ አብ አስመራ ዩኒቨርሲቲ መሳርሕቲ ብጻይካን ሰላም ክትህልው ልባዊ ምንዮተይ ይገልጸልካ። ቀጺለ፡ ነቲ ከም ውፉይ ሃገርዊ ዜጋ ተቅርቦ ዘሎኻ ትምህርቲ ሓዘል እዋናዊ አስተምህሮ፡ በዞም ብግቡእ ስርወ ሓሳብ ዝገለጽካዮም፡ ሓገዝቲ መሰል ህዝቢ መሲሎም ገዝገዝቲ፡ ዕዉር ተሓላቕነት ዘጥቅዖም፡ ብተሓላቕነትን ብተበላጽነትን ህግደፍ ዝተመልመሉ፡ ብስነ ሓሳብ ናዚስታዊት ጀመርመን ህዝቦም ንምትላልን ንምድንጋርን ብህግደፍ ተዓሲቦም፡ ናዚስታዊ ኣበርክቶኦም ዝውፍዩ ዕዉራት፡ ንምብዳህ ተካይዶ ዘሎኻ ጻዕሪ ከይተሓለልካ አበርቲዕካ ክትቅጽሎ ይላቦ።
    ከምቲ ብዘየሻሙ ቃል ዝገለጽካዮ፡ ዕዉር ተሓላቕነት፡ ንደላይ ፍትሒ ንምርዓድ ዝዓለመ ስልትን ኣብ ልዕሊ እቲ ናጻ ኪወጽእ ኢሉ እተቓለሰሞ ናጽነት ዘይረኸበ ህዝቢ ኪዝውተር ከሎ፡ ከም ሰብኣዊ ገበን ኪቝጸር ዝኽእል ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ገበን ገበን’ዩ። ጥበብ ህግደፋውያን፡ ከምቲ ዝገለጽካዮ፡ ንህውከት ከም ሰላም፡ ንጸሊም ከም ጻዕዳ፡ ንድንቍርና ከም ፍልጠት፡ ንሞት ከም ህይወት ገይሩ ዚወስድ ጥራይ’ዩ። ከምቲ ብንጹር ዝገለጽካዮን አስተውዒልካሉ ዘሎኻን፡ ድሕነት “ኤርትራውነትን ሃገራውነትን፡ ንዕዉራት ተሓለቕቲ ህግደፍ ስቕ ኢልካ ብምስማዕን፡ ሓሳባትካን ርእይቶኻን ብምሕባእን” ስለዘይፍታሕ ነዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ህዝባዊ ወገንነት አበርቲዕካ ከምትቕጽሎ አይጠራጠርን። ቕድሚ ዘአገረ፡ እዞም ዕዉራት ተሓለቅቲ ስርዓት ህግደፍ፡ መንነቶም አብ ድሕሪ መስኮት ኮምፑዩተር ሓቢኦም ንስርዓት ህግደፍ ዕድሚኡ ከናውሑ ህርድግ ዝብሉ ጥራሕ’ዮም። በዚ አጋጣሚ፡ ነዞም መንነቶም ሓቢኦም ወይጦታት ስርዓት ህግደፍ ክኾኑ ዝመረጹ “ወኻሩ” ትብዓት እንተሊኩም ካብ ማሕሙድ ዶ ዘርኣይ ዶ እንዳበልኩም ተሓቢእኩም ትጽሕፉ፡ ኣብ ቃልዕ ውጹ፡ ወይ ድማ ልሳን በላዕ ሰብ ስርዓት ህግደፍ ምዃንኩም ብዕሊ ክትገልጹ ትብዓት ይሃልኹም ንብሎም።
    አማንኤል፡ ከም ወትሩ፡ ንሰናይ ህዝባዊ ርእይቶኻ ሰሰናዩ ይምነየልካ።

  • Robiel Gebrehiwet April 21, 2018

    THANKS Memher Amanuel,
    You have answred a question that I have been raising.

  • amanuel April 23, 2018

    Apologists are animals who adapted to eating enjera.

  • senkam April 24, 2018

    This is all TRUE .

    Nonerheless the examples mentioned from american politics hardly serves to sale the content of the article. At least in bringing apologists to side of morale & conscience. Apologists always use that argument,’ yea , look even america the civilized & democratic, land of law has the same things we are experiencing going on’. it embolden than discourage them. so, I see that point weaken the argument the author want to infuse, especially those apologists who are ambivalent.

POST A COMMENT