Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሎንዶን ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ዓባይ ብሪጣንያ

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/03/Revised-Invitation-to-media-outlets-26-march.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Wedi meriet March 26, 2015

    Selamat nkulukum
    It is really good to see Eritreans who are feeling sick to the bones about our people suffering and you want to do something about it.
    We are right behind you, just avoid any wrong doing or do not get diverted by advantages, self promotions above all do not believe individuals that comes to you in the name of Oh I have a skill in dealling with human rights or so and so is doing a great job so come to me. You know I am getting at?
    People need to be at the centre of all this.
    One thing is for sure and that is running after individuals is over.
    It is high time we killed the honey monster.
    Awel nbdul hizbna
    Kab ezi lomi kne ztefengere werki hade kekilo netiru nhzbino ybtsahayo..
    Wedi Meriet

  • ኣርዓዶም March 29, 2015

    እዚ ትማሊ ቐዳም ዝተኻየደ ዋዕላ ሓደነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ለንደን ብኣሰና ይኹን ገለ መድያታት ኣይተቓልሐን። ስለዝኾነ ብወገነይ ገለ ቑሩብ ካብ`ቲ ዝነበረ ዛዕባታት እንተጽሓፍኩ ምናልባት ሓጋዚ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል።

    ኣስታት ብግምት ልዕሊ 60-70 ብገምጋም ተሳቲፎም ክብሃል ይክኣል። ኣብ`ቲ ዝተኻየደ ናይ ሓድነት ምይይጣት ብዎርክ ሾብ ማለት በቢ ሽዱሽተ ሸውዓተ ንኸውን ተመቓቒልና ንዝተዋህበና፡ ሕቶታት ብምምላእ ንምምይይጥ ኣውሪድናዮ። እቲ ዝቐረበ ዛዕባታት ኣገዳሲን ዘይኣገዳስን ነይሩ ክብሃል ይክኣል። እቲ ምይይጥ ክወርድ ከሎ፡ ካብ`ታ ጉጅለ ሓደ ንብምልኡ እቲ እታ ጋንታ ዝጽሓፈቶ ናብ ህዝቢን ናብታ ኣዳላዊትን ይንበብ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ኣጀማምርኡ ኣዝዩ ጽቡቕ ብኹሉ ነገሩ ኢንታ ኣይነበሮን። እታ ኣዳላዊት ኮሚቲ ነቲ ይከውን ወይ ጠቓሚ መልእኽቲ እተን ጋንታታት ኣጻርያ ትጽሕፍን እቲ ዘይከውን ከምኡ ኣይከውንን ስለዝኾነ ትገድፎ ነይራ ማለት ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ እቲ ስራሕ ኣጀማምርኡ ዝንኣድ ነይሩ ክብሃል ይክኣል።

    ጋንታታት ነናተን ነቢበን ምስ ወድኣ ግን ሽማግለ ኣብ ክንዲ ትምረጽ፡ ብገለ ሰባት ኣብ ሕቶን ርእይቶን ቐጥታ ብምእታው፡ ነታ ኣዳላዊት ኮሚቲ ምስራሕ ክኸልእዋ ፈቲኖም። ኣብ`ዚኣ ግን እታ ኣዳላዊት ኮሚቲ፡ ነቲ ጉዳይ ማለት ነቲ ይኸውን ኢዩ እትብሎን ኣይከውንን ኢዩ እትብሎን ካብ ጋንታታት ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ናብ ህዝቢ ከተቕርብ እንከላ ኢዩ ብገለ `ናተይ ዘይተቐበልክሞ` ዝዓይነቱ ርእይቶ ዝጀመረ።

    በዚ ዝጀመረ፡ ሓደ መዳርን ብባህርያቱ ዝፍለጥ ጽልም ኢሉ ድልዱል ሃልካፍ ሰብኣይ ተሲኡ ምስ ኣዳላዊት ኮሚቲ ብፍላይ ድማ ምስ`ቲ ነቲ መራሕ መድረኽ ዝነበረ ኣሰፋው ክግስጾ ፈቲኑ። እቲ ህልኩፍ ጽባቐ ኤርትራውያን ዘይውሓጠሉ፡ ብሰንኪ ክእለቱ ድሕሪት ዝተረፈ ብቕንኢ ዝተላዕጠጠ ብዘይካ ናብ ህውከት ቑምነገር ዘይርኣየሉ ሕልና ኣሎቦ ሰብ፡ ዘረብኡ ክሳብ ዝርብርብ ለፍሊፉ፡፡ ኣኬበኛታት ግን ዘረብኡ ቖሎ ጥጥቖ ናይ ዘርጊ ምኽዋኑ ስለዘስተውዓልናሉ፡ ብዙሕ ዝስዓቦ ሰብ ኣይነበረን። እንተኾነ ንሓደ ክልተ ክልክም ባህርያዊ ስለዝኾነ፡ ሓደ ሕጂ`ውን ጽልም ኢሉ ከም`ኡ ብዓል ሓጺር ክሳድ፡ ተንሲኡ ንኮሚቲ ክጋናሕ ጀሚሩ፡ ኮሚቲ ዓቕሊ ኣይገበርሉን፡ ሓደ ቐይሕ ካብ ኮሚቲ ተንሲኡ ድማ ነቲ ሃዋኺ ዝኾነ መንእሰይ ክወጽእ ሓቲትዎ፡ እቲ መንእሰይ ግን ኣይወጸን። ርእይቶይ ተዘይተዛሪበ ኣይውጽእን ክብል ደሪቑ፡ ዘረባ ጀሚሩ ግን እንደገና ብዘይፍቓድ ስለዝነበረ፡ እቲ ህዝቢ ገሊኡ ኒኮሚቲ ገሊ ኡ ንዕ ኡ ክጥምት ጀሚሩ።

    በዚ ዝተላዕለ ዘረባታት ብገለ ወገናት ተጀሚሩ፡ እቶም ኣዳለውቲ ኣዳራሽ ተኾነ ዘረባ ስለዝጀመሩ፡ ኮሚቲ ኣብ ምዕዋቱ ከም`ቲ ዝድለ፡ ቐጻሊት ኮሚቲ እኵ ክትምረጽ እንተዘይተኻእለት፡ እቲ ኣኼባ ግን ክሳብ ኣብ ምውድኡ ጽቡቕ ቐጺሉ ነይሩ። ኣብ ምውድኡ ግን ከም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ሓድነትና ዕረ ዝጠዓሞም ውልቐ ሰባት ክበታትንዎ ጀሚሮም። ግን እዚ`ውን እታ ኣዳላዊት ኮሚቲ፡ ብዝኾነ ኣብ ምዕራፍ ከተብጽሖ ይግባእ ነይሩ። 85% ግን ተዓዊቱ ነይሩ ክብሃል ይክኣል።

    ስለዚ፡ ንኮሚቲ ጸሊእናን ተባኢስናን ሓድነት ክንፈጥር ወይ ሃገር ከነምልስ ዘይኮነ፡ ከምታ ተዘሪናያ ንዓመታት ዝኸርተትና ክንክርትት ኣይግባእን። ስለዚ እዞም ጽረ ሓድነት ዝኾኑ ገለ ውልቒ ሰባት ወይ ወከልቲ ውድባት ተለልዮም ግቡእ ምኽርን መጠንቐቕታን ክውሃቦም ይግባእ። ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዘይ ኣዳለውቲ ክንገብሮ ንኽእል ምንቕስቓሳትና ድሩት ስለዝኾነ፡ ንመራሕትናን ኣለይትናን ከም`ቲ ንሶም ግዚኦምን ጉልበቶምን ከይበቐቑ ንህዝቢ ከገልግሉን ኣብ ሓደ ክጥርንፉን ላዕልን ታሕትን ዝብሉልና፡ ንሕና ድማ ዓጸፍኡ ከነፍቕሮምን ክድግፎምን ድኣ እምበር ክንግስጾም ወይ ክንብኣሶም ኣይግባእን ጥራይ ዘይኮነስ ኣዝዩ፡ ጌጋ ስለዝኾነ፡ ንኸምዚ ዝገብሩ ውልቐ ሰባት ግቡእ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ

    ኣርዓዶም ለንደን

  • Abdul March 30, 2015

    Nai Hade semi3ka aytifred. What was the concern of the disssenting voices? Not blaming the London meeting, Eritreans in general have short temper with minority voices. We need to learn to accomodate minority concerns and make them feel they are at home.

POST A COMMENT