Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣደ

ኣደ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)  03/03/13 ሕያወይቲ ዘይርከባ ኣበር ሰብ እንዳደቀሰ ትበራበር ዘይትኣርጊ ተትዀኒ’ዩ ’ምበር ኣብ ጽላት ልብኺ ትሓቝፍና ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ ትሓዝልና ካብ ቀይሕ ደም ጸባ ተስትይና   ኣንቲ ለዋህ እንኩም ዝልማዳ ብቕናታ ትጥብር ንኸብዳ ሓይኻ ተብልዕ ንውላዳ ውሉድ እንተበኸየ ትርብርቢ ብቛምቋ ህጻናት ትዛረቢ ናትክስ ንበይኑ’ዩ ጒዳም ልቢ   በዚ መቕሎ ጥቕኡ

ኣደ

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 03/03/13

ሕያወይቲ ዘይርከባ ኣበር

ሰብ እንዳደቀሰ ትበራበር

ዘይትኣርጊ ተትዀኒ’ዩ ’ምበር

ኣብ ጽላት ልብኺ ትሓቝፍና

ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ ትሓዝልና

ካብ ቀይሕ ደም ጸባ ተስትይና

 

ኣንቲ ለዋህ እንኩም ዝልማዳ

ብቕናታ ትጥብር ንኸብዳ

ሓይኻ ተብልዕ ንውላዳ

ውሉድ እንተበኸየ ትርብርቢ

ብቛምቋ ህጻናት ትዛረቢ

ናትክስ ንበይኑ’ዩ ጒዳም ልቢ

 

በዚ መቕሎ ጥቕኡ መጎጎ

በዚ ጣይታ በቲ ክኣ ጎጎ

ዕጽፍ ዝርግሕ ንኹሉ ትደርጎ

በዚ ቍራዕ በቲ ድማ ጻሕሊ

ሰብኣይ ዘይርድኦ ዕቑር ሓይሊ

ከም ጎማ ትነጥር ብፍትሊ

 

በዚ ጸባ በቲ ክኣ ግዓት

ተዓዲልኪ ’ዚኹሉ መንፍዓት

ግርማ ሃገር ብዓልቲ መቕንዓት

ጥበበኛ ውሓለ ክኢላ

ጸላእታ ተፋኑ ሓባቢላ

ኣሕዋታ ትቕበል ሰላሕ ኢላ

 

ኣእቲኽና ናብ ዓዲ ነጻነት

ኣደ ህድሞ ኣደ ጽቡቕ ኣግነት

ክሳብ ዓወት ዘይብተኽ መቐነት

ምስ ጀጋኑ ትዕጠቒ ስረ

ሓዳር ተካይዲ ብዘይ መብረ

ስለምንታይ ዘይትዀኒ ማዕረ?

 

ኣብ ዓዲ እንተዀንኪ ትዂድሪ

ሜዳ እንተወረድኪ ትዕንድሪ

ተራእዩኮ ’ቲ ዘይደክም እግሪ

ኣብ ገዛ እንተዀንኪ ትቝነኒ

ካላሽን ’ተሓዝኪ ትጒትኒ

ኩሉ ተርክብሉ ጒዳም ወኒ

 

ተናዲዳ መርገም ’ተሞሎቓ

ኣብ ደቒቕ ትሰግር ናብ ምርቓ

ባሕሪ ኸብዳ ናይ ውሉድ ጠበቓ

ቀንጥጥዮ ናይ ጭቆና ግመ

ተኸደኒ ናይ ዓወት ስልመ

ዳስ ሰሪሕኪ ግበርልና ዕድመ

 

ከይዱ ዘይርብርብ ጽኑዕ ብርኪ

ዓቐብ ዝነበረ ሜዳ ጌርኪ

ተኸሳሲት ኔርክስ ዳኛ ዀንኪ

መርትዖኺ ሰሚዓቶ ዓለም

መልእኽትኺ ንጹር ድሙቕ ቀለም

ክቡር ዋጋ ዝኸፈልክዮ ደም

 

መን ድኣዩ ዝብለኪ ጎደሎ?

ንበይኑ ዓይነቱ ጒዳም ኣውሎ

ዓዋን’ዩ ዝኸውን ዒንኪላሎ!

ገለ ዓሻ ገለ’ውን ጠላማት

ብርሃን ዝሃደሞም ድቕድቕ ጸልማት

ብዓል ጸያቕ ማዕጺድ ማይ ክራማት

 

ባሻይሞ ቀደም’ዩ ሓሊሙ

ከምዘይሰልጥ ርእዩ ኣቐዲሙ

የቐንየልና’ኳ ተሸሊሙ

እማንኪ’ለ ማዕርነት ኣሚነ

ዓቕመይ ጌረ ረኺበ ስኢነ

ሕተትዋ ትመስክር ክሽነ

 

እምቢ ወልፉ ኣቢልክዮ ሕራይ

ተፈልፊሉ ወዮ ሕማም ስራይ

ኣብዚ ኔኻ ዕጥቂ ኣየ ውራይ!

ኣደ ውዑይ ደማ እሳት ክርቢት

እንተደለየት ድማ ለዋህ ርግቢት

ምስክርኪ ሸሞንት መጋቢት።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Mesfin Bahlibi March 5, 2013

    ባሻይ ብንጒሁኡ ዕውት ኢኻ ኪሉ ግዜ ምስኣሐበንካና ። ስጋቦይ ኢለ ኣነ ንማዕተበይ
    ክምስክረልካ ካብዝፍለጠኒ እኳ ካብ 1969 ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ንኣሽቱ ድራማ ጥቅዕ ጥቅዕ
    ከተብሎ ፤ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ብራቕ ጽሓይ ትያትር ሙሉእ ክትስንዖ ዝርኣኹ ህያው ምስክር
    እየ እሞ እንጀራ እዝጊ ብላዕ ።

  • Redi Kifle (bashay) March 5, 2013

    Hi Mesefin Bahlibi,

    Feliteka Aleku nisikhas misay indikha lalin tahtin tibil neberka. Iyob ikha mesleni (Yes or no beleni) If you are not Iyob, it may be our friend from England. He will give me a call for he has my number. Lomis Hamikna Ina Sihibka sehahibka iyu. Any ways thank you so much for your appreciation. I am lucky and glad to have some like you who remember our past historical student life that we all miss most. By the way you picked a perfect name that comes to our memory of that great event.

    Thank you my brother and old friend of the good times, the time we were totally fearless.

    Regards,

    Redi kifle (bashay)

    • Mesfin Bahlibi March 5, 2013

      ዝኸበርካ ባሻይ እቲ ዝጠቐስኩዎስ ንዓይ ንዕግበተይ ድኣምበር ንኣበርክቶታትካ ብምልኣት
      ዝገልጽ ኣይኰነን ። ትዝታኻ ክትንክፍ ስለዝደለኹ ናብቲ መሰረት ከይደ ፤ ብዝተረፈ ኣብ 70ታት
      ዝሰራሕኩሞ መደብ ትምህርቲ’ውን መሰታ የብሉን ። ናይ ብርዒ ስመይ ከምዝምስጠካ ይኣምን ፡
      ስለዝኾነ እየ ድማ መሪጸያ ። እዮብ ኣይኰንኩን ፡ ብመንገደይ ስልኪኻ ረኺበ ክድውለልካ እየ ፡
      ክሳብ ሽዑ ግን ንምልክት ክዀነካ ኣብ ወርሒ ሓደ 1978 ካብ ኣውቶቡስ ወሪድና ካብ ሽከቲ
      ክሳብ ዓዲሸረፈቶ ብእግሪና ሓቢርና ተጓዒዝና ። ሰላም ንዓኻ ።
      ሓውኻ
      መስፍን ባህልቢ

  • haile March 6, 2013

    bashai will done I am prod of you Beyan

  • Redi Kifle (bashay) March 6, 2013

    Merhaba Beyaney. nice to hear from you.

  • michael tedla March 25, 2014

    Very nice and the best gtmi

POST A COMMENT