Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣዴታትን ቆልዑን ዝርከባኦም ስድራቤታት ኣስመራ ከካብ ኣባይቶም ተጭውዮም ኣብ ናዅራ ምስ ተሓየሩ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቶም ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ቆርመናዕ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብግዴታ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ ብናይ ጽዕነት መካይን ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ክሓልፉ ኣድማ ብምግባሮም ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ኢሳይያስ ብጥይት ኣብ ተረሽረሹሉ እዋን ኣብ ኣስመራ ብፍላይ

እቶም ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ቆርመናዕ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብግዴታ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ ብናይ ጽዕነት መካይን ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ክሓልፉ ኣድማ ብምግባሮም ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ኢሳይያስ ብጥይት ኣብ ተረሽረሹሉ እዋን ኣብ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ከባቢ ኣባ ሻውል ኣብቲ ዕግርግር ዝነበረሉ ኣከባቢ ዝተራእዩ ሰባት፣ ኣንስትን ቆልዑን ከይተረፈ ብ ሰለይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከካብ ኣባይቶም ተጭውዮም ኣብ ናዅራ ምስ ተሓየሩ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ብስግረብን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያትን በቲ ስርዓት ምስ ተቐየዱ ኣብቲ ንጹል ቦታ ንነዊሕ እዋን ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱ መንእሰያት ካብ ህዝቢ ዝያዳ ንምንጻሎም ናብ ዓሰብ ኣብ ዝገዓዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፣ ጥርዚ ናይ ተቓውሞኦም ኣብ ኣስመራ ኳ እንተነበረ፣ ክሳብ ዓሰብ ዝበጽሑ ኣብ ምሉእ ጉዕዞኦም፣ ዋላ ናብ ባሕሪ ዘሊሎም እናጠለቑ ተሪር ተቓውሞኦም ከምዝቐጸሉ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ህዝቢ ፈሊጡዎ ዘሎ ልዕሊ 20 ቁጽሪ ምውታት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ብቐጥታ ዝረኣዮ ኣጋጣሚ ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ከባቢ ከረን ባጽዕን ጉዕዞ ባሕርን ዘጋጠመ ብዙሕ ሞት እንተተወሲኹዎ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ናይዞም መንእሰያት ክብ ዝበለ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 8, 2016

    The Eritrean saga continues…………..and the people keep on taking it for the love of the nation.The EDF is not a hired mercenary that came from a foreign country, they are the children of the people and those are the ones who are inflicting the pain on their own people and protecting the throne of the tyrant.I don’t think the Tyrant even knows how to cock a pistol.He just gives the do boys a hand signal to get the job done.He put together that well oiled killing machine in the caves of DENDEN and it still works after all this years.

POST A COMMENT