Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣድጊ ኣይትረስዑዎ

ኣብ 60ታት ኣብ ኣስመራ ማይ ጋዝ: ኣራንቻታ: ፋንታ: ብኣድጊ ብዝስሓብ ሰረገላ ናብ ኣብያተ ሸቐጥ ይዘውር ነበረ:: እቲ ኣድጊ ዝናኸስ ግዲ ነይሩ ኣብ ርእሶም መዓመምያ ዝጠመጠሙ ኣቦይ ሓጂ እንብሎም ዝነበርና ነቲ ኣድጊ ኣፉ ብሰኪዐት ገመድ ኣሲሮም

ኣብ 60ታት ኣብ ኣስመራ ማይ ጋዝ: ኣራንቻታ: ፋንታ: ብኣድጊ ብዝስሓብ ሰረገላ ናብ ኣብያተ ሸቐጥ ይዘውር ነበረ:: እቲ ኣድጊ ዝናኸስ ግዲ ነይሩ ኣብ ርእሶም መዓመምያ ዝጠመጠሙ ኣቦይ ሓጂ እንብሎም ዝነበርና ነቲ ኣድጊ ኣፉ ብሰኪዐት ገመድ ኣሲሮም ኣብ ጥቓኡ ከይንቐርብ የጠንቅቑና ነበሩ:: ኣድጊ እንተተቖጢዑ ብእግሩ ዝራጋሕ እንስሳ ከም ዝኾነ እምበር ከም ዝናኸስ ስለ ዘይንፈልጥ ንኣድጊ ኣቦይ ሓጂ ንፈርሆ ነበርና:: ኣድጊ ደኣ ብምንታይ ተዘከረ::

ዶር በረኸት ሃብተስላሰ: ንተሞክሮኡን ጉዕዞ ሂወቱን ዝምልከት ምስ ረድዮ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ዕላል: ብትምህርትን ብስራሕን ዘኻዕበቶ ክእለት ብምቕሉልን ልዙብን መንገዲ ኣካፊሉና::እዚ ኤርትራ ካብ ዘፍረየቶም ውሑዳት ምሁራት: ንላዛን ባህሊን ሃገሩ ብእሩም ትግርኛ ገሊጽዎ::

ንሰናይ ዲሞክራስያዊን ምሕደራ ሂወት ኤርትራ ብምምናይ: ውልቃዊ ትምኒቱ ድማ 20 ኣጣል ኣፍርዩ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ብሰላም ምንባር ከምዝኾነ ኣተንቢሁ:: ዶክተር በረኸት ኣብ ለበዋ ናይቲ ዝምነዮ ናብራ ምስ ኣጣል: ”ኣድጊ ድማ ኣይትረስዕዎ” ምባሉ:ንሞያ እንስሳ ከይተረፈ ክብሪ ዝህብ ፍትሓዊን ብግብረገብነት ተኾስኩሱ ዝዓበየ ብናይ ቦታ ራሕቅን ዘብለጭልጭ ዘመናውነት ከይሰድዐ መሰረቱ ዘይርስዕ  ላህመት ኤርትራ  ከም ዝኾነ ተገንዚበ:: መኪና: በዓል ደርቢ ዓቢ ህንጻ ምስ ገፊሕ ካንቸሎ: መናፈሲ መሐምበሲ መካነ እንስሳ ከይተመነየ: ነቲ ቅድሚ 70 ዓመት ኣብ ዓዲንፋስ ኣብ ቤቱ ዘገልገሎ እንስሳ ብዝዘከረ ኣነ እውን ኣድጊን ሞያኡን ክዝርዝር ተደሪኸ::

ኣድጊ- ወዲ ሰብ ቅድሚ 4000ዓመት ንኣድጊ ኣብ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ከም ዘውዓሎ ይንገር:: እዚ ምስ ዘርኢ ፈረስን ኣድጊ በረኻን ዝጽብጸብ እንስሳ: ብኣንጻር እቲ ሰባት ከም ደንቆሮ ዝሓስብዎ ትኩርን መስተብሃልን ኢዩ:: ናይ ምዝካር ዓቕሙን: ሓደጋ ዘስዕበሉ ነገራት ኣብ ምምዛንን ፍሉይ ክእለት ከምዘለዎ ኣብ መጻሕፍቲ ሰፊሩ ኣሎ:: ኣድጊ ብመንጽር ግዝፊ ኣካላቱ ብጉልበት ካብ ፈረስ ዝሓየለ ኢዩ:: እቲ ንፈረስ ናብ ሩባ ከተብጽሖ እምበር ኣገዲድካ ማይ ከተስትዮ ኣይከኣልን ዝበሃል ብተመሳሳሊ ንኣድጊ እውን ኣቀባጢርካ እምበር ብሓይሊ ከተስርሖ ኣይካኣልን:: ኣድጊ ሓንጊዱ ምስ ጽዕነቱ ረፈጥ እንተኢሉ ምትንሳኡ ዓቐብ ኢዩ::

ኣድጊ ካብ ሃገር ናብ ሃገር: ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ ግዝፊ ኣለዎ:: ኣእዱግ ኤውሮጳ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ብሕብሮምን ግዝፎምን ዝተፈልዩ ኢዮም:: ኣብ ሓደ ሃገር እውን ዝተፋላለየ ዘርኢ ኣእዱግ ይርከቡ::ኣብ ባርካ ንኣብነት ካብ ከሰላ ዝመጽኡ ሪፍ ዝተሰምዩ ቆማታት ኣእዱግ ቀለብን ሰብን ጸይሮም ከም በቕሊ ጎላጉል ዝበትኩ ኣለው: ኣብ ከበሳ ድማ ብቁመቶም ምጡናት ይርከቡ::

ገምጋም ክብደት ኣድጊ ካብ 200- 400 ኪሎ ይምዘን ሓደሲሶ ናይ ክብደቱ ክጸውር ከም ዝኽእል ድማ መጽናዕታት ይሕብሩ:: ኣብ ጥንታዊ ስልጣነ ምስሪ: መሶፐታምያ( ዒራቕ) ኣገዳሲ እጃም ከም ዝነበሮን ኣብ መካነ መቓብር ናይ ሓደ ካብ ፈርኦናት ምስሪ ኣዕጽምቲ ኣእዱግ ተቐቢሩ ምጽንሑ: ኣብ እቲ እዋን እቲ ኣድጊ ዝነበሮ ልዑል ክብሪ ከምዘመልክት ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ የረጋግጹ::

ኣብ ከተማታት አውሮጳ ብኣድጊ ዝሰሓብ ሰረገላ ንበጻሕቲ ሃገር ብምምልላስ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም እጃም ኣለዎ::ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 2005 ኣትሒዙ ኣድጊ ፓስፖርት ከምዝህልዎ ተገይሩ::

ጋሻ ሰበይትን ጋሻ ኣድግን የልቦን:- እዚ ብቐንዱ ደቀንስትዮ ቀልጢፍካ ምስ ከባቢኻ ብምውህሃድ ኣብ ስራሕ ናይ ምስታፍ ብልጫ ዘርእይ እመስለኒ:: ማዕረኡ ድማ ኣድጊ ገይሹ እውን እንተመጽአ ሕያዋይ ስለዝኾነ ካብ ምጽዓን ከምዘይንሓፍ ዘመልክት ኢዩ::ኣብ ገጠራት ኤርትራ: ኣድጊ :ዕንጸይቲ: ማይ: እኽሊ ብምምልላስ ኣብ ሂወት ሓረስቶት ዓቢ እጃም ኣለዎ:: ኣብ ገለ ከባቢታት ቆላ ደቀንስትዮ ሓርቢ ማይ ጽዒነን ኣእጋረን ኣማሳቒለን ብምውጣሕ የጋልባኡ: ንቦታ ብዕራይን ገመልን ተኪኡ ድማ ኣብ ማሕረስ ተጸሚዱ የገልግል::ምስ ኣጣልን ኣባጊዕን እንተወፊሩ በቲ ስሙርን ተሪርን ኣስናኑን ብርግሒትን ካብ ተጻባእቲ ክከላኸለን ከም ዝኽእልን በቲ ህዱእ ባህርያቱ ነቶም ዝብርግጉ ጥሪት ከም ዘህድእ ይንገር::

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ- ውሽጣዊ ስሩዓት ካብ ከተማ ናብ ተጋደልቲ ስንቂ ብኣድጊ ጽዒኖም የብጽሑ ነበሩ:: ብዘይካ እዚ ምስጢራዊ ጽሑፋት ኣብ ጠይቂን እዝኒ ኣድጊን ብምሕባእን ስርሖም ይዓሙ ነበሩ::                                              ኣድጊ ቅድሚ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ካብ እተን ኣብ ድሕሪት ዝነበራ ዓድታት መግቢ: ተተኮስትን ጸይሩ ናብ ቅድመ ግንባር የመላልስ ካብኡ ድማ ውግኣት ኣብ ምውጻእ ኣገልጊሉ:: ብፍላይ ድሕሪ ምዝላቕ ኣብ እምባታት ናቕፋ ንጉልበት ተጋደልቲ ብምብራይ ማይን መግብን ብምብጽጻሕ ዝሰርሖ ሞያ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ምስናዱ ኣገዳሲ ኢዩ:: ብርጌድ 58 እንዳ ነብሲ ብምባል ኢያ ትፍለጥ: ኣባላት እታ ብርጌድ ንዝረኸብዎ ነብሲ እንዳበሉ ስለ ዝጽውዑ:: ኣብ ደንደን ኣድጊ ኮብኩቦም እናኸዱ ቻ ነብሲ ብጾትና ይጽበዩኻ ኣለው ብምባል ዝዕለል ዝነበረ ንሞያ ኣድጊ መዘከሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ::ኣድጊ ግርም ወዲኑ ዝጽዕኖ እንተረኺቡ ናብ ዝለመዶ ቦታ ምብጻሕ ኣይጽገምን ጥራይ ዘይኮነ: መንገዲ ንዝተጋገየ ኣብ ምርኣይ እውን ክእለት ኣለዎ:: ኣብ ጸላም ካብ ምግብና ናብ ድፋዕ ብዘይገለ ጸገም መሪሖም ዝኣትው ኣእዱግ ተጠርዮም ነይሮም:: በዚ ድማ ብሓይልታት ኣብ ድፋዓት ዝካየድ ዝነበረ ባህላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ከባቢ ቴስታ የማናይ ክንፊ ሩባ ምዖ ዓሪዳ ዝነበረት ሓይሊ ናይ ብርጌድ 77 ንኣድጊ ዘሞግስ ግሩም ደርፊ ብምድላው ብተምሳል ኣድጊ ዘቕረበቶ ምርኢት ንተዓዘብቲ ዝመሰጠ ምንባሩ እዝክር::ደርግ ናቕፋ ንምእታው ብየማን ብሸነኽ እምባህራ ብ1983 ስንቂን ዕጥቅን ብኣማኢት ኣእዱግ ጽዒኑ ሰላሕታ ወራር ኣካይዱ:: ተጋደልቲ ነቲ ብዙሓት ኣእዱግ ዝማረኹሉ ውግእ ሰውራ ኣእዱግ ስምዮሞ::

ኣብ 1985 መጥቃዕቲ ባረንቱን ምዝላቕ ካብታ ከተማን ኣእዱግ ምስ ኣግማል ተሰሪዐን: ስንቅን ተተኮስትን ከምኡ እውን ዝደኸሙን ዝቖሰሉን ተጋደልቲ ጸይረን ዝገበርኦ ጉዕዞ 154 ሰዓታት ካብ እቲ ዝፈልጦ ጉሉሕ ኣበርክቶ ኢዩ::            ኣርማ ሰልፊ ዲሞክራት ኣሜሪካ ኣድጊ ኢዩ:: ኣብ 1828 ኣንድሩ ጃክሰን      ” እቲ ህዝቢ የመሓድር” ኣብ ዝብል ጭርሖ ንኣድጊ ከም ኣርማ ብዝተጠቕመሉ ተቓወምቱ ኣባጭየሙሉ::እንተኾነ ቶማስ ናስት ዝተባህለ ሰኣሊ( cartoonist)ብዘካየዶ ጻዕሪ ካብ 1870 ኣድጊ: ኣርማ ሰልፊ ዲሞክራት ኮይኑ የገልግል ኣሎ::ምስዚ ኩሉ ሞያኡ ኣብ ኤርትራ ኸ ኣብ ምንታይ ተስፍርዎ..

 

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • ጎዶፋ፡ December 22, 2015

    ኣንታ ዶጎል፡ ብዛዕባ ኣድግስ ጉዳም ዝኽሪ ኣዘኻኺርካና። ግናስ ኣይከም ‘ቻ ነብሲ’ን! እቶም ኣእዱግ ድማ ኣባላት’ቶም ተጋድሎ ነይሮም። እንኮላይ ኣባላት ‘ቶም ስግርና ዝነበሩ ‘ኣልማዝ ሰብጭራታት’። ግናስ ዕድል ኣድግን ተጋድሎን ተመራሪት እንድያ፡ ኣድጊ ከገልግል’ምበር ክምስገን ኣይርአን። ኣብ ርእሲ’ቲ ደንቆሮ እናተሓሰበ ብሰብ ዝድርዖ፡ ኣምላኽ ድማ ጓንይዎግዲ ስለዘይብላዕን ዘይቅበርን ምስ ሞተ “ኣድጊስ ካብታ ምማቱ ምጉታቱ’ ኢያ መዛዘሚት ኣድጊ። “ንዝበልዖ’ዩ ተፈጢሩ” እንተዘዪልካኒ ማለተይ ኢየ። ከምኡ ድማ ተጋዳላይ ‘ሽፍታ፡ ዝብሉዎ ውሉዳት በቚሎም ርኢና። ስዉእን ስንኩልን ዘማርርን ዝርሽንን ብዘይካ ሓደ ሰብ ካልእ ርእየ ኣይፈልጥን። ክቡር መራሒና ብታሪኽ ይበልጽዎ ስለዝመስሎ ምእንቲ ታሪኾም ከይውረስ ከምኡ ከምዝገብር ይመስለኒ። ‘ዕድለኛ’ ኮይኑ ሎሚ ኣብዚ መድረኽ ኲናት ሓድሕድና ኣፎም መሊኦም ቀላጽሞም ገቲሮም ኣንጻር ‘ሸፋቱን ሰውራ ሽፍትነት ን’ዘሳልፍዎዎ ውሉዳት ወሊዱ። ስለ’ቲ ምላቑ ዘረባ ይቕረታ። ግናስ ከልቢ’ውን ከም ኣድጊ እንድዩ፡ ልዕሊኡ እታ ውላዳን ኣዒንቲ ዋናኣን ትበልዕ ድሙ ክትፍቶ ከምትርአ ውስኽ እንተተብለላ ትረኻኻ ምሓፈሰት ነይራ። ምዃን “ሰውራስ ደቃ ትበልዕ እንድያ” ክትብለኒ ትኽእል ኢኻ። ግናስ ነገር ክድዓት እንድዩ፡ ኣብዘን ምዕቡላት ሃገራት ድሙ ናብ ዝሞቓ ምስተጨለጠት “ዝፈትዋ ምልክዕቲ ድሞይ ጥፊኣትኒ እሞ ዝረኣያ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ምልክታ ፍቐዶ ቦታ ተጠቂዑ ይርአ ኢዩ። “ከልበይ ጠፊኡ” ዝብል ግን ኣበደን። ንተኾነ ‘ከልቢ’ ኢልካ ጸርፊ ካብሃለወ፡ ‘እሙን ብጻይ’ ማለትዶ ይኸውን ወሸላኽ? እንድዒ ወደይ!!! ናይ ትጋዳላይን ኣድግን ከልብን ዕድልሲ ሓውላል ኢያ!! ጽሑፍካ ብመሃርነቱ ስለዝፈተኹዎ ብጣዕሚ አመስግናካ ዶጎል።

  • ጸዋር December 22, 2015

    selam bimbena,

    What can I say, it is true and hurts and pains me a lot.

    Bimbina on December 21, 2015 said:

    ” እቲ ዘገርም፣ “ኣድጊ! ኣድጊ!” ኢልና ክንጻረፍን ክንዋረዘን ንኣሕዋትና ኣፍሪቃውያን ንጎዶቦታትናን፤
    ንሕና ግና ጠይቂ በድዊን ዓረብን ራሻይዳን ተለዊጥና። መስኪናይ ዝወረዶ ጸዋር ጻዕረኛ ኣድጊ። “

  • nebelbal7@gmail.com December 22, 2015

    ኽቡር ጸሓፊ ሰላም ፡
    ጽሑፍካ ኣብ ከርሱ ብዙሕ ሚስጢር ዝዓቖረ’ዩ ።ብኡ መሰረት ከኣ ኣድናቖተይ ሓፍ ዝበለ ኢዩ። ዝኮነ ኮይኑ፡ ኣብ ከርሲ ናዕታካ “ጋሻ ሰበይትን ጋሻ ኣድግን የሎን” ክሳብ ተባሂሉ ይምሰል ክትብል ጺሒፍካ ። እማንካ ። እንተኮነ ግን እታ ሰበይቲ ነቲ ስራሕ ብፍቃዳ ባዕላ’ያ እትኣትዎ። ሰበይቲ ከምኣ ላዕልን ታሕትን ክትብል ክትሪኣ እንከላ ሕልንኣ ስለ ዘይ ኣፍቅደላ ብድድ ኢላ ንኽትሕግዝ ትሓትት። ኣድጊ ግን እዚ መሰል የብላን። ኣድጊ ምስ መረራ እታ ናይ መጨረሻ ሕርቓና እትገልጸላ ሸኾና ኢያ።
    ኾይኑ ግን ጽሑፍካ ንሓንቲ ቅድም ክብል ዘንበብክዋ ጽሕፍቲ ኣዘካኪሩኒ።
    “ትዕዝብቲ ሓንቲ መዓልቲ” July 15, 2012
    …….ማንጆስ! ኣዱግ ከበሳ ደኣ ንቃልሲ ዝመርሐን ኢየን ስኢነን እምበር፡ ካብ ኣብ ዓለም ዘሎዋ ኣእዱግ ዝተወጽዓ እኾ እየን። ሕቖኣ ገጺባ ኣይትምሓር፤ ደኺማ ኣይትምሓር፤ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ትጽዓን፤ ኣብ ዓቀብ ብእተርእዮ ድካም ትግረፍ፤ ኮታ እንታይ ክብል? በቲ እትገብርዎ ገበንስ ብሸኮና ምርጋሕ እዃ ክቀለኩም። ወረ ዕድል ጌርኩም። እንታይ ዕድል’ዩ? ኣድጊ እንቛዕ ቀርኒ ኣይሃለዋ። ቕድም ቐዳድም ነብሳ ነጻ መውጽኤት። ቀጺሉ፡ ኣብ ቀይዲ ኣነ “ጎይታኺ” ኢየ ኢሉ ዝኣምን እንተትኣቱ ? ካብኡ ሓሊፋ ንውሉድ ወለድኡ፡ ክትወግእ ምነበረት። እንድሕሪ ከምኡ ኾይኑ ደኣ፡ እዘን ኣእዱግ እዚኤንስ ኣበይዶ ክተርፈንዩ? ኣይትጋገ ማንጆስ፡ እዚኤን ኣእዱግ “ሰዋሕል” (ገምገም ባሕሪ) ኢየን። ጽዕነተን ፍሉጥ ኢዩ። ካብ ሓርቢ ማይ ሓሊፈን ዝጸዓነኦ ነገር የብለንን። ምክንያቱ ንከቢድ ጽዕነት ገመል ኢዩ ዝሓልፎ። ስለዚ ኣዝየን ግዙኣት ስለ ዘይኮና፡ ምስ ሰብ ዘሎዎን ዝምድና ለማጽን፡ ኣብ ናይ ሓባር ጠቅሚን ዝተሞርኮሰን ኢዩ።

POST A COMMENT