Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ መጸዋዕታ፡ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

ኣገዳሲ መጸዋዕታ፡ ርድኢትን ተራን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሚሽን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት (UN Commission of Inquiry on Eritrea)   ክቡራት ነበብቲ፡ መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ (መ.ኤ.ሲ.ማ.- ኤውሮጳ)፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ነጊሱ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት

ኣገዳሲ መጸዋዕታ፡

ርድኢትን ተራን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሚሽን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት (UN Commission of Inquiry on Eritrea)

 

ክቡራት ነበብቲ፡ መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ (መ.ኤ.ሲ.ማ.- ኤውሮጳ)፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ነጊሱ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንክኽበር፡ እጃሙ  ንምዉፋይ፡ ኣብ 2002 ዝቖመ፡ ምስ ኩለን ፖለቲካዊ ዉድባት ማዕረ-ርሕቐት (equidistance) ሒዙ ንኽጓዕዝ ዝጽዕት፡ ናጻ ጽላል 8 በርጌሳዊ ማሕበራት ኢዩ። መርበብና፡ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንምቕራብ ዝደረኾ ረቛሒታት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው/ሕ/ሃ/)፡ ንሕሰም ናይቲ ዓጋቲ ዝሰኣነ፡ ማዕበላዊ ስደት ህዝብና፡ ሂብዎ ዘሎ ጠመተን፡ ኣቝምዎ  ዘሎ ኮሚሽን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን (UN Commission of Inquiry on Eritrea) ብዘርኢ፡ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ዕማም’ታ ኮሚሽን ንኽዕወት፡ ከም ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ከም ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ብፍላይ፡ ክንደፍኣሉ ዘሎና ነጥብታት ብምድማቕን፡ ክንዓሞ ዝግባእ ዕዮ ብምንጻርን፡ ዘየላቡ መጸዋዕታ ንምምሕልላፍ ኢዩ።

 

እምበኣር፡ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ሎሚ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም መለለዪኣ ፡ ከም ምንጪ ሰደድ ብሉጽ ኣቑሑት ዘይኮነትሲ፡ ምንጪ ቐጻሊ ስደት ህዝባ፡ ብቐንዱ ከኣ ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያታ ብምዃና፡ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ብዝሒ ስደተይኛታት ዝልእካ ሃገራት (top exporters of refugees) ፡ ኣስሚይዋ ኣሎ። ጠንቒ ናይዚ ስደት፡ ኣብ 1991 ብመደያይቦ መሬታዊ ሉኡላዊነት (Territorial Sovereignty) ፡ ኣብ ስልጣን ዝሓኾረ’ሞ፡ ክንዮ ምስ ህዝቡ ምብኣስ ፡ ሰላም ጎረባብቱ ዝዘርግ፡ ጠላም ስርዓት ህግደፍ’ዩ።

 

ብዓንተቦኡ፡ ብስርዓተ-ሕጊ ዘይምእዘዝ መንግስቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ክሕሉ ምጽባይ፡ ግርህነት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ተጋሂሱ ዘሎ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምዝርዛር፡ ብግልባጡ ምናልባሽ ብወዝቢ ዝተኸብረ ሰብኣዊ መሰል እንተልዩ ሃሰስ ምባል ክሓይሽ’ዩ። እሱ’ውን ኣብ ቕሚጦ ሓሰር፡ መርፍእ ከም ምንዳይ እዩ ክኸውን። ክንዲ ዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ደይ መደይ ኢሉ ካብ ዝፈጸሞ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ (systematic and widespread) ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቶም ፍሩያት ጸኒሕና፡ ክንጠቕስ ኢና።

 

ቐንዲ ጠንቂ ናይቲ ስደት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ኣብ ኤርትራ ሙኻኑ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ንምግላጽ፡ ሳላ እቶም ብሃገሮም ዝስገጉ ኤርትራውያን፡ ደለይቲ ሰናይ ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታት፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ምሁራን፡ ኪኢላታት ሕጊ፡ ኣካየድቲ መራኸቢ ብዙሃን፡ ምንቕስቓሳት መንእሰያት፡ ማሕበራት ደቂኣንስትዮ፡ ፖለቲካዊ ዉድባት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዘይመንግስታዊያን ትካላትን ካልኦት ኣብዚ ክጥቐሱ ዘይተኻእለ ደለይቲ ፍትሒ ዘካየድዎ እኩብ ድምር ጻዕሪ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (///) UN Human Rights Council ኣቓልቦ ሂብዎ። ብመሰረትዚ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት /// ኣብ ናይ ሓምለ 2012 ውሳኒኡ፡  ነቲ ብህሎ ኣብ ኤርትራ ብደይ መደይ ዝፍጸም፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡(allegations of systematic and widespread violations of human rights) ዝምርምርን ዘመጻርይን፡ መዝነት (mandate)  ፍሉይ ጸብጻቢ/ት መስሪቱ።

 

ምስ’ዚ ብዝሳነ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት /// ኣብ ጥቕምቲ 2012 ሓንቲ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝድሕረ-ባይታኣ፡ Ms Sheila B. Keetharuth ንዝተባህለት ምኵርቲ ኪኢላ ጓል ሞሪሸስ፡ ከም ፍልይቲ ጸብጻቢት ዉ/ሕ/ ሃ/ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea) መዚዙዋ። እታ ፍልይቲ ጸብጻቢት፡ ነቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር፡ ናብ ኤርትራ መእተዊ ፍቓድ፡ ብተደጋጋሚ መንግስቲሓቲታ፡ ከም ልማዱ ኣጽቒጡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ምቛም መዝነታ፡ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘንቐሎ (politically-motivated) ዉሳነ’ዩ’ ኢሉ ነጺጉዎ።

 

እታ ፍልይቲ ጸብጻቢት፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምእታው ኣኽእሎ’ኳ (access) እንተዘይረኸበት፡ ምስ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብን፡ ናብተን ምስ ኤርትራ ዝዳወባ፡ ሓደ ሓደ ሃገራት ከይዳ፡ ኣብኡ ምስ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቓለመሕትት ብምግባር፡ ሓበሬታ ክትእክብ ጸኒሓ። ድሮ ናብ  ጂቡቲን  ኢትዮጵያን ከይዳ ንስደተኛታት ኣዘራሪባ ኣላ። ኣብ ኤውሮጳ እውን ኣብ ስዊዝ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ማልታ፡ ንዝርከቡ ስደተኛታት ተመሳሳሊ ርክባት ኣካይዳ። ክሳብ ቱኒዝያ ከይዳ’ውን፡ ነቲ ኩነታት ስደተኛታት ተኸታቲላ።  ንሳ፡ ኣብ 13  ግንቦት 2014 ኣብ ዘቕረበቶ 2ይ ክፋል ጸብጻባ፡ ብዘካየደቶ ምምጽራይ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት ከም ዘይተመሓየሸ፡ እኳ ደኣ በብእዋኑ እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ፡ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዉ/ሕ/ ሃ/ ሓቢራ። (ነቲ 1ይ ጸብጻባ፡ ኣብ 28 ጉንበት 2013 እያ ኣቕሪባቶ።)

 

እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ናይ 27 ሰነ 2014 ኣኼባኡ ኣብቲ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ተሞርኵሱ፡ ነቲ ብመሪሕነት ሶማሊያ ተሰናዲዩ፡ ብፈረንሳ ዝተደገፈ (co-sponsored) መርማሪት ኮሚሽን ንኽትቐውም ዝቐረበ ንድፊ  ኣጽዲቑ። ነቲ ብሰብመዚ ኤርትራ ብቐጻሊ፡ ኮነ ኢልካ  ዝፍጸምን፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን ኣትሪሩ ኮኒኑ።1 ነቲ ብህሎ (allegation) ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ  ንምምጽራይ፡ ንሓደ ዓመት እተገልግል፡ እታ ፍልይቲ ጸብጻቢት እትርከባ፡ ሰለስተ ዝኣባላታ መርማሪት ኮሚሽን UN Commission of Inquiry (COI) on Human Rights in Eritrea ኣቝሙ። እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብቲ ዝጸንሐ ጽፍሒ ፍልይቲ ጸሓፊት፡ ናብዚ ሓድሽ ኣቓዉማ ኮሚሽን ንኽብርኽ ምውሳኑ፡ ነቲ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ፡ ዝሃቦ ግቡእ ኣድህቦ ዘንጸባረቐ፡ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ፡ ክበሃል ይከኣል።

 

እታ ኮሚሽን፡ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዘርኢ፡ ዘይተነጸሩ ነጥብታት እንተልዮም፡ ከምዝንጸሩ ብምግባር፡ ዉድዓዊ ሓቕታት ከተቕምጥ ትጽቢት ይግበረላ።  እታ ኮሚሽን፡ ምርመራታት እተካይደሎም ቐንዲ ስርርዓት፡ ንሰባት ብሃውሪ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታውን ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻኢ ዝግበር ምርሻንን (arbi­trary deten­tion and extra­ju­di­cial exe­cu­tions)፡ ስቕያት ደቒ-ሰባትን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዝኦምን (tor­ture and inhu­mane treat­ment)፡  ምግሃስ መሰላት ናጽነት ሃይማኖት፡ ሓሳብካ ምግላጽን ካብን ናብን ምንቕስቓስን (vio­la­tions of free­doms of reli­gion, expres­sion, move­ment)፡ ግዱድ ዕዮ(forced labour)፡ ምዉፋር ቖልዑ ኣብ ዕዮ (child labour) ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን (forced military conscription)፡ ምስ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣሳሰር፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ቖልዑትን የጠቓልል።

 

‘መንግስቲ’ ኤርትራ ብመገዲ ኣምባሳደሩ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ (ወዲ-ገራህቱ) ኣቢሉ፡ ነቲ ምምስራት ናይታ ኮሚሽን፡ ‘ብጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝተጐልበበ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዝደፋፈኦ ብህሎ ኢዩ’ ክብል ነጺግዎ።  እቲ ኣምባሳደር፡ ኤርትራ ብድሆታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘጋጥማን፡ መንግስቲ ነዚ ኣለሊዩ፡ ብቐጻሊ ዝቓለሰሉን እዩ ክብል ከኣ ተመጻዲቑ። ክንዲ ዝኾነ፡ እታ ኮሚሽን፡ ናብ ኤርትራ ከይዳ፡ ነቲ ከተካይዶ እትደሊ ዘላ ምጽራይ፡ ንከተሰላስል ዘይፍቐደላ ሙኻኑ፡ ብኣግኡ በሪሁ’ሎ ማለት እዩ።

 

እዛ ኮሚሽን ምስ ቖመት፡ ዑደታ ብስዊዝ ብምፍላም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ከተማታት ጀነቭ፡ በርንን ዙሪክን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ በጺሑና ዝብልዎ በደላትን፡ ኣብ ካልኦት ተፈጺሙ ዝብልዎን ግፍዕታትን፡ ከም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ሓበሬታ ትሰንቐሉ ቓለ-መሕትት ኣካይዳ። ብድሕር’ዚ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ምስቶም ኣብ ሮማ፡ ቦሎኛን ሚላኖን ዝርከቡ ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ተራኺባ። ኣብ ዝመጽእ እዋን፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፡ ገለ ካብተን ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራትን እውን ከም ትበጽሕ ተፈሊጡ ኣሎ። እዛ ኮሚሽን፡ ኣብዘን ተሪፈናኣ ዘለዋ ኣዋርሕ፡ ምስ ዲፕሎማሰኛታት፡ እንተላይ ምስ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብያተ ጽ/ ዉ/ሕ/ ሃ/፡ ምሁራንን በርገሳዊ ማሕበራትን ድሕሪ ምክያድ፡ ጸብጻባ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዉ/ሕ/ ሃ/፡ ከተቕርብ እያ።

 

ርግጽ’ዩ፡ እዛ መርማሪት ኮሚሽን ፍርዳዊ ትካል ኣይኮነትን። ቐንዲ ዕማማ፡ ብዝምልከቶ ኣህጉራዊ ወይ ሃገራዊ ፍርዳዊ ኣካል ምርመራ ገበን ንኽካየድ ዘኽእሎ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት (crimes against humanity) ምፍጻሙ ፡ ዘእምን መርትዖ ምቕራብ እዩ።  ምቛም መርማሪት ኮሚሽን፡ እቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ገበነኛታት ዝእዝዞ መቕጻዕቲ ዘንብረሉ፡ ንቡር መስርሕ እዩ። ጸብጻብ እታ መርማሪ ኮሚሽን፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ዝባን መንግስቲ ኤርትራ መቕጻዕቲ ናብ ምሽናን ዘመርሕ’ኳ ተዘይኮነ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዉ/ሕ/ ሃ/ ጸብጻባ ምቕራብ ፡ ናብኡ ገጹ ዘቕንዕ ኣድላዩ ስጉሚ እዩ። ንኣብነት፡ ኣቐዲሙ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ (International Criminal Court)  ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሱዳን፡ ሊብያን ኮት ዲ-ቩዋርን ዝቐንዐ መቐየዲ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ (arrest warrant)፡ ምስቲ ውጽኢት ጸብጻብ ናይተን ዘዝምልከተን መርመርቲ ኮሚሽናት፡ ዝተሓሓዝ እዩ።2

 

ክቡራት ነበብቲ፡ እቲ ምዕባለታት ኣተሓሕዛ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕጽር ዝበለ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዘየላቡ ሕቶ፡ ‘ሕብረተሰብ ዓለም’ሲ፡ ብኸምኡ ይነጥፍ ኣሎ፡ ተራን ሓላፍነትን ኩላትና ደለይቲ ፍትሒኸ፡ እንታይ እዩ?’ዝብል እዩ። እምበኣር፡ እቶም ኣብ ኤርትራ እንከለና፡ ሰብኣዊ መሰልና ተጋሂሱ ዝተበደልና ሰባት፡ ነታ ሰክረታርያት መርማሪት ኮሚሽን፡ እቲ ቕኑዕ ሓበሬታ ምምጋብ ከድልየና እዩ። ዝተበደሉ ኣባላት ቤተሰብና፡ መቕርብና፡ ዓርኪ-መሓዛ ወይ ካልኦት እንፈልጦም ሰባት ምስ ዝህልዉ’ውን፡ ከም መሰኻኽር ኰንና ክንቐርብ ይግባእ። እቶም ዝተረፍና ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ እንከለው ዝተገፍዑ፡ ግን ከኣ ነቲ እከይ ተግባራት ናይቲ ስርዓት ንምቕላዕ፡ ዘይደፈሩ ግዳያት ምስ ዝርከቡ፡ ንዓዓቶም ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ።

 

ኣብዚ ምናልባሽ ሓደ ሓደ ሰባት፡ ብገርሆም ’መንግስቲ ከምዚ በዲሉኒ፡ ኣሲሩኒ፡ ቐጥቒጡኒ፡ ኢልካ ንሓይልታት ደገ ሓበሬታ ኣሕሊፍካ ምሃብሲ፡ ምስ ምድፋር ልኡላዊነት ናይታ ሃገር ዝዳረግ ዶ ኣይከውንን? ብተወሳኺ፡ ‘እዝስ ነቲ ተኣፋፊ ዝኾነ፡ ጸጥታዊ መዳይ ናይታ ሃገር ተንኪፉ፡ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ዶ ኣይኮነን?’ ዝብል ሕቶታት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ልኡኻት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ ነቲ የዋህ ኣተሓሳስባ ዜጋታትና፡ ዓይኖም ከይሓሰዩ  ክምዝምዝዎ፡ ግድን’ዩ። እቲ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ነጥቢ ግን፡  እቲ ልኡላውነት ቕድም ቐዳድም ዝምልከቶ ነቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ጎላጉል፡ እምባታት፡ ሽንጭሮታት፡ ሩባታት፡  ባሕሪ … ወዘተ ብድሕሪኡ ኢዩ ዝስዕብ። እቲ ህዝቢ ኢዩ ነቲ መሬት ዝሕልዎን ዝከላኸለሉን እምበር፡ ብግልባጡ፡ ኣይኮነን፡። ንልኡላዊነት ህዝቡ ዘይኽበረ ዘይህዝባዊ ስርዓት፡ ‘ልኡላውነት’ ኢሉ ብምጭርሑ፡ ተሓሊቑሉ ማለት ኣይኮነን። መሰላት ህዝቢ ዓፊኑ፡ ወትሩ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ዝኣልም፡ ‘ቕድሚ ኹሉ ሃገር‘ ኢሉ ከጋውሕ፡ ምስሉይነት (hypocracy) ኢዩ። እቲ መሬት ኤርትራ እንተኾነ፡ ኣብ ዝኸዶ የብሉን። ዝደፍኦ ስለ ዘይብሉ ከኣ፡ ኣብኡ እዩ ክጸንሕ።

 

ምስ ህዝቡ፡ ብስኒት ዝነብርን፡ ኣብ ጉዳይ እንዳማቱ ከይኣተወ፡ ኣመት ቕሳነትን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቡን ዘቐድም መንግስቲ፡ ንሉኣላዊነት ናይታ ዝመርሓ ሃገሩ ዝደፍሮ፡ ሓይሊ ወጻኢ ኣይህልዎን። ምናልባሽ ንኽደፍር ዝፍትን ደጋዊ ሓይሊ ኸኣ፡ እቲ ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ህዝቡ ሰሚሩ ብምምካት፡ ልኡላውነት ሃገሩ ንኸዉሕስ ኣይእግሞን። እንተ’ቲ ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ዘይጽንቐቕ ፍቕሪ መዝሚዙ፡ ወግሐ-ጸብሐ ኣቓልቦ ህዝቢ ንኸዝብል፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብኢደ-ወነኑ ኣብ ዘዝወልዖ መጋርያ ሓዊ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ጠበሰ፡ ‘ተወረርና ፡ ኣብ ናይ ኣይ ሰላም፡ ኣይ ኵናት ኩነተ-ህላወ ስለ እንርከብ፡ ቕዋም ክንትግብር ኣይንኽእልን‘ እንተበለ፡ ብሉይ ስልቲ ፡ ሜላ ገረብ ብሓኽላ፡ ካብ ምዃን ኣይሓልፍን።  ቕድሚ ዝኣገረ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ዝደፈረ እንተልዩ፡ ባዕሉ እቲ ስርዓት እዩ። ንኤርትራ ናብ ሲኦላዊ ምድሪ ቐይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ነውኒዉ ነዋኒዉ፡ ሃጽ ኢሉ ከም ዝጠፍእ ዝገብር ዘሎ ክነሱ፡ ‘ሓይልታት ደገ ይጻብኡና ኣለዉ’ ኢሉ እንተ ኣእወየ፡ ከም መራጐዲ’ቲ ዕባራ መኽኒቱ ተኾኖ ድማ፡ ‘ብዉዲት ኣሜሪካ ተዘሪና’ ኢሉ ታሪኽ እንተ ኣኾምስዐ፡ ንብዓት ሓርገጽ ምንብዑ እዩ።

 

ኣብዚ ኣስተብህሎ ዝጠልብ ጉዳይ እንተሊዩ፡ ህግደፍ፡ ምሕላው ፖለቲካዊ ልኡላዊነት ህዝብስ ይትረፎ (ባዕሉ’ውን ይደፍሮ ስለ ዘሎ)፡ መሬታዊ ልኡላዊነት ምናልባሽ ብሓይልታት ደገ ክጭርመም እንተተፈተነ እውን፡ እቲ ኩነተ-ህላወ  ንመንበረ-ስልጣኑ ክሳብ ዘየስግኦ፡  ንመመሻኸንን ንመሀመልን ህዝቢ ኽምዝምዞ‘ምበር፡ ዝዓጅቦን ዝስቖሮን’ሲ ኣይኮነን። እሞ፡ እቶም ነቲ ርክብ ምስታ ኮሚሽን፡  ከም ምድፋር ልኡላዊነትን ምስጢራውነትን ክንወስዶ ዝጸናሕና ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቲ ስርዓት፡ ‘ እቲ ጉዳይ ምኽባር ልኡላውነትን ምዕቓብ ምስጢር ሃገርንሲ፡ ንዓና ነቶም ሰብ ዉራይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግደፈልና’ ንበሎ።

 

ክንዲ ዝኾነ፡ ግዳያት ወይ መሰኻኽር ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝዛመድ፡ ሓበሬታትና ከነቕርብ ምስ እንደሊ፡ ነዚ ዕማም እዚ ንኸተሰላስል፡ ቖይማ ምስ ዘላ ሰክረታርያት ናይታ ኮሚሽን፡ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ምርካብ ይከኣል።

By email to: coieritrea@ohchr.org
By post to:

Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea
UNOG-OHCHR
8-14 Rue de la Paix
CH-1211 Geneva 10, Switzerland

 

ኣብ መደምደምታ፡ ምንጪ ስደት ንምድራቕ፡ ረጋጺ መሰላት ህዝቢ ንዝኾነ ስርዓት ኣሊኻ፡ ብስርዓተ-ሕጊ ብዝምእዘዝ መንግስቲ ናይ ምትካእ  ሓላፍነት፡ ከም ዜጋታት ኣብ እንግደዓና ዘሎ ኮይኑ፡ ሓይልታት ደገ  ለዉጢ ከምጽኡልና ኣይንጽበን። ኤርትራውያን ብዘየማትእ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ምዃንና ክዝንጋዕ ግን የብሉን። ዋሕዚ ስደትና፡  ንኤርትራ ባሕጕጉ፡ ንጎረባብቲ ኣዕለቕሊቑ፡ ናብ ሰሜን ኣፍሪቓ ፊሲሱስ፡ ክሳብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜንን ላቲንን ኣሜሪካን  ኤስያ-ፓሲፊክን ዞሪቝ፡ ነቲ ሽግርና ዓለም-ለኻዊ ቕርጺ ካብ ኣትሓዞ፡ ኣብ ዓለምና ዝኸይድ ምዕባለታት ክጸልወና ባህርያዊ ኢዩ። ንሕና’ውን ይዕበ ይንኣስ፡ ወዮ ደኣ ሕጂ ሕማቕ ጽሕፍቶና ኮይኑ፡ ጽልዋና ብኣሉታ ዝርአ ጉዳይ ስደት ኮይኑ’ምበር፡ ነቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብ ዛዕባ ምምጻእናስ ኣይተረፈናን። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ፡ እጃሙ ንኸልዕል ዝተበገሰ ይመስል። እምበኣር፡ ‘ነታ ሓጺን ብርስንታ’ ኢዩ’ሞ፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ 2ይ ግዜ ክርከብ ዘጸግም ዕድል፡ ብኣገባብ ተጠቒምና፡ ከም ኣባል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብጽሒትና ከነወፊ መሰልና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግዴታና ኢዩ ዝብል ርድኢት ኣሎና። ስለዚ፡ ነዛ መርማሪት ኮሚሽን፡ ቕኑዕ ሓበሬታን ሰነዳትን ክንህብ፡ ግዳያት እህህትኦም ንኸተንፍሱ ከነተባብዕን  ኣቀላጣፊ (facilitating) ተራ ክንጻወትን፡ ለበዋናን መጸዋዕታናን እንዳመሓላለፍና፡ እዛ ዝሓለፈት ሮቡዕ 10 ታሕሳስ 2014፡ ዓመት-ዓመት እትኽበር፡ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምንባራ ብምዝኽኻር፡ ብርዕና ነልዕል።

 

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ (መ.ኤ.ሲ.ማ.-ኤውሮጳ)

Network of Eritrean Civic Societies – Europe (NECS – Europe)

17/12/2014

 

መወከሲ ጽሑፍ (Reference):

http://www.ohchr.org/EN/NewsEvents/Pages/DisplayNews.aspx?NewsID=14794&LangID=E#sthash.PCwxa2k5.dpuf – [Accessed 9 December 2014]

 

http://www.fithinews.com/index.php/special-features/146-significance-of-un-commission-of-inquiry-for-eritreans – [Accessed 9 December 2014]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Yoditta gaul Yemane December 26, 2014

    Eritrea’s or PFDJ’s refusal to cooperate with the UN commission is deeply unfortunate
    as doing so would indicate a genuine commitment towards improving its human rights record.
    Instead the Eritrean regime indefinitely delays the implementation of UN recommendation and
    persists with the same old excuse of the “no war, no peace” border situation.
    As rightly stated in the recent Pastoral letter issued by the four of Eritrea’s courageous
    Catholic Bishops, “The true enemy of peace is injustice. Respect for persons, for their dignity
    and their rights is the corner-stone of peace”. In the 21st century, Eritrea is with no universities
    and young people continue to face compulsory into the military. Life can’t get any worse for poor Eritrea!

  • mahta December 27, 2014

    Yodita you are one member of pfDj so do no’t worry. We know every thing what is happening in eritrea.

    • Yoditta gaul Yemane December 27, 2014

      Aya mahta jigna baAl sere what else do you know apart from “everything” happening in Eritrea?
      I am not going to waste my valuable time and energy to describe your fake gura and tahidid of the past.
      However, I would describe you with two of our beautiful Tigrigna saying that is “Seb Xew’Aley tebelkus beAl beles”.
      And also “TsibilaliE’s maAkora keykedenet midri kedenet” indeed. Now aya mahta, cut your cheap ‘kemish adey hanquiluni” expired politics of the past and just tell us what you are doing about things that “you know everything” happening in Eritrea. As you know we are not in your past 60s and 70s but in the 21st century of where only action speaks louder than cheap words. So lets give you the stage aya mahta to enlighten and inform us like the ERI-TV please tell us all “the truth”.

      • AHMED SALEH !!! December 27, 2014

        mahta
        From referring on your previous comments in this forum I think the response to Yodita was wrong based on misunderstanding . And you owe her an
        apology for the mistake made for the sake of mutual respect as far it concerns us all .

        • AHMED SALEH !!! December 27, 2014

          mahta
          What I mean your previous comments is that you didn’t show negative or provocative remarks .

  • Tebeges TeAges December 27, 2014

    Dear Yoditta,
    Please ignore poor mahta. He sounds a desperate and lost individual still busy and active with his day dreams. You see Yoditta, people like mahta are like ‘once a day dreamer, always (the same old) dreamer’. In other words, bad habits die hard.
    mahta, are you one of those ‘seraK mobaE baElu yilefalet’? By this I mean you must be one of a two faced member of PFDJ yourself! Otherwise, you should encourage and give credit to the young lady for her brilliant comment. But you and your likes are just typical metakeEti and medamikiti nay’enda suwa.

    • Tebeges TeAges December 27, 2014

      correction : seraK mobaE baElu ‘yilefalef’.

  • Yoditta gaul Yemane December 27, 2014

    Thank you brothers AHMED SALEH and Tebeges TeAges.
    It is simply “Kubur Seb metene nebsu yekhibireka, Husur seb (like mahta) kaa metene nebsu yeHisireka”.
    I suspect somebody high on something translated my comment wrongly to poor Aya mahta!!!
    Aya mahta once again, don’t judge a book just by its cover but by its content or “tiHizto”.
    Mr AHMED SALEH & Mr Tebeges TeAges, unlike Aya mahta you both are truly gentlemen of the highest class.

POST A COMMENT