Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳስነት ምኣዲ ዘተ ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ!

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/11/REVISED-DIALOGUE-11-8-2014.pdf"] ን ብ ስ ራ ት! ምጅማር ምኣዲ  ዘተ! ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን - እቲ ንነዊሕ ግዜ ተቛሪጹ ዚጸንሐ ምኣዲ ዘተ - ወርሓዊ ኣኼባ ኪጅምር ምዃኑ ብትሕትና ከበስረኩም እፈቱ።ስለዚ፡ ተሳተፍቲ፡  ዘተ ንምህብታም  ክዝረበሉ  ይግባእ እትብሉዎ ጉዳያት ሓሲብኩሙሉ ክትመጹ ብትሕትና

ን ብ ስ ራ ት!

ምጅማር ምኣዲ  ዘተ!

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን – እቲ ንነዊሕ ግዜ ተቛሪጹ ዚጸንሐ

ምኣዲ ዘተ – ወርሓዊ ኣኼባ ኪጅምር ምዃኑ ብትሕትና ከበስረኩም እፈቱ።ስለዚ፡ ተሳተፍቲ፡  ዘተ ንምህብታም  ክዝረበሉ  ይግባእ እትብሉዎ ጉዳያት ሓሲብኩሙሉ ክትመጹ ብትሕትና አተሓሳስብ።

ዕለት፡-  ቀዳም፡ ሕዳር (November) 22፡ 2014

ቦታ፡-    ECC – 590 SHAWMUT AVE

ሰዓት፡- 6፡00-8፡00 ምሸት

***ኣኼባ ልክዕ ኣብ ዝተመደበሉ ሰዓት ኪጅመር ስለ ዝኾነ ግዜ ንሓሉ።

ዑቕባይ ገብረመድህን

ብደሓን ምጹ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you November 16, 2014

    ክቡር ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን ንሱኹም ሃደ ኣነ ኣዝዬ ካብ ዘኽብሮም ቅኑዕን ለባማት ሰባት ኣብዚ ካብዝጽሕፉ ሃደ ኢኹም። ይኹን እንበር በቲ ናይሎሚ ኣጸሓሕፉኩም፣ ሕዝቢ ኤርትራ ብፍላይ እቲ ናይ ተቃዋሚ ኃይሊ ሰሚሩ እቲ ዝደልዮ ሽቶ ክእወት ዘይከኣለ ብስንኪ ጉድለት ምኣዲ ዘተ ከምድኾነ ገርኩም ከምድኮነ ገርኩም ስለዘረብኩሞ ቁሩብ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ኣንስ ኣብዚኣ ኣይትሓዙለይ ዝተጋገኹም ኮይኑ እዩ ዝስምኣኒ። ነቲ ዘተ ኢልኩም ብፉሉይ ከተቅርብዎ ዝፈተንኩም ኣይ ክንደይ ግዜ እንድዮ ብመልክእ ሰሜናር በልዎ፣ ዋእላ በልዎ፣ ሃገራዊ ዕርቒ በልዎ፣ ሰላማዊ ሰልፊ በልዎ፣ ዋዕላ ከይተረፈ ኣብ ኤር ትራስ ዘይተገበረ እንበር ዘይተነገረን ዘይተፈተነን እንታይ ኣሎ? እሞ ሕጂ እንታይ ፍሉይ ውጽኢት ክርከበሉ ስለዝተሃሰበሉ እዩ እዚ ዳግማይ ዘተ ደድሕሪ ቀረባ ዕዋን ኣብ ዋሽንግተን ዝተገበረ ናይ ሙሑራት ዘተ ዝመጽእ ዘሎ? ክቡር ኣቦና ተውልደ ተስፋማርያም ከምኡውን ክቡር ሃውና ኣማንኤል እያሱ ኣይ ነዚ ኣላማ እንድዩ ኣብ ኩሉ ዓለም ዑደት እናገበሩ ንሃባራዊ ዘተን ጥርናፈን ሕዝቢ ዝኩስኩሱ ዘለዉ? ሰማኢ ሰብ ተረኸቡ። እዚ እንክብል ከለኹ፣ ዋላ ንስኹም ብወገንኩም ነዚ ቅዱስ ዕላማ ምትላምኩም ነውሪ እዩ ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ። ባንጻሩ´ዃ ኣቢ ኣክብሮት እዩ ዘለኒ። ግናሲ ናይ ኤርትራውያን ሽግርን ንሃደ ዕላማ ክሰምሩ ዘይምኽኣሎም ሰኣን ውሑድ ልዝብ ደይኮነ፣ ሰኣን ቅንእና፣ ሰኣን ምትእምማንን ሰኣን ንሃደ ዕላማ ብሃደ ልቢ ደይምስማር ምዃኑ እዩ ንኣይ ዝርድ ኣኒ።። ነዚ ትብልዎ ዘለኹም ዘተ ይኹን ዋዕላ ብብዙሕ ትዕግስቲ ተጸብዮም ፍሬ ዝሰኣኑሉ ለባማት፣ ካብተስፋ ምቕራጽ ከይፈተዉ ንኹሉ ኣዳዊ ዘተ፣ ሕግደፍ ይኹን ወያኔ ከምደላዪ ፍትሒ ተመሲሎም ኣብ ሞንጎና ምስኣተዉ ንዝኾነ ልዝብ ብምብርኣን ሰሚርና ንከይንክምክቶም ይዘርጉና ከምዘለዉ ኤርትራዊ ተመሲሎም ንኹሉ ዘተን ናይ ሓድነት ጥርናፌ ድልየትና ንከይንሰምር ክሳብ ዝኣንቀፉና፣ ነዞም ሰባት ብሃቂ ኤርትራዊ ምዃኖም ምእንቲ ከንለልዮም ከይፈተና በቲ ዝቀለለ ኣውራጃዊ ውዳቤ ተወዲብና፣ ብቀሊሉ መን ምዃኖም ምስለለናዮም ኩላሕና ብምቅዳም ናይ ገዛና ጸላኢ ክነጽርይ ኣለና እናበሉ፣ ነቲ ዝድለይ ምትእምማንን ሕብረትን ከነምጽዖ ተዘይከኣልና፣ ዝኾነ ዘተ ኾነ ምትእክካብ ትርጉም የብሉን እናበሉ ኣብ ፓልቶክ ነቲ ዘቅርብዎ ስነ ሞጎት ኣብ መስከረም ኔት ወጺኡ ንዘሉ ሓበሬታ ደይሰማኣኩሞ ኣይመስለንን። ኣነ ብወገነይ ግን እቲ ባውራጃ ምውዳብ ነቲ ዝዘርገና ዘሎ ጸላኢ ንምምልልይ ክሳብ ኾነ ነቲ ዝቀረበ ናይ መፍትሒ ሃሳብ፣ ብዙሕ ኣበር ከውጽኣሉ ኣይደልይን እዬ። ኣይፋለን እናተመያየጥና ሕዝብናን ሓገርናን ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዘጥፍእ ነቲ ስርዓት ዕድሜ ነናውኽሉ ዝበሃል ተኮይኑም፣ ብወገነይ ንዝኾነ ልዝብ ብትእግስቲ ውጺቱ ምጽባይ ብዙሕ ኣይጽግመንን እዩ። ዝኹነ ኾይኑ ነቲ ኣብ ፓልቶክ ቕሪቡ ዘሎ ሃሳብ ብምንታይ ከምትሪዎ ኣቶ ዑቕባይ ርኢቶኹም ተትገልጹለይ ክንደይ ደስ ምበለኒ ነሩ። ብጌጋ ነቲ ዝቀረበ ሃሳብ እድግፎ እንተለኹም ካብ ኣበይቲ ምእንቲ ክመሓር፣ ግናስ ኣንም ብእድሜ ኮነ ብተመኹሮ ብዙሕ ካባኹም ፍልልይ ስለዘየብለይ፣ እዞም ሰባት ብክፍዓት ስምረትን ሕብረትን ካብ ኣውራጃዊ ውዳቤ ይጀመር ይብሉ ከምዘየለዉ እዩ ዝርድኣኒ።

    • Dawit Meconen November 17, 2014

      Truly-Truly…..

      There is no blessing that accrues from regionalism; tried and failed during Qiada Al Ama. Those, who, despite proven past experience , are lauding it as a means of alleged cure against isaias afeweerqi and woyane saboteurs, are either wolves in sheep clothing, and hence deserve our relentless exposure and severest condemnation, or are simply at their wits end and thus blindly resorts to try everything and anything under the sun, and to these, we must patiently enlighten and guide to the right path.

  • Ogbai Ghebre-Medhin November 16, 2014

    ዝኸበርኩም -Truly Truly= (ብሓቂ-ብሓቂ፡- ኣቐዲመ ተገዲስኩም ብዝገበርኩምለይ ካብ ልቢ ዝመነጨ ኣኽብሮት ዝሓዘለ ርእይቶኹም ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም። ርእይቶ እኳ እንተ ዘይሃብኩሉ ሓሓሊፈ ጎፍ ኣብ ዝበለኒ ኣብ ጽሑፋት ንእትህቡዎ ርእቶ እነቦ እየ፤ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ዘለኩም ንጹህ ሓልዮት ካብ መንፈስ ጽሕፍኩም ክርዳእ ክኢለ። እዚ ናባይ ዘቕረብኩሞ ርእይቶ እውን በዚ መንፈስ ከም ዝርእዮ አረጋግጸልኩም። * ብዝኾነ ብዛዕባ መንፈሰን ዕላማን ምኣዲ ዘተ ንዛረብ ካብ ሃለና፡ ብሓድሕዳዊ ምክብባር ብእንካን ሃባን ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ንምብጻሕ ኢዩ። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ትዕግስትን ክፉት ኣእምሮን ይሓተና። ብወገነይ ዝህበኩም መብርሂ ዳርጋ ከም ተወሳኺ ኪኸውን ኢዩ፣ እቲ ምንታይ ነቲ ሽግር ባዕልኹም መሊስኩሞ ስለ ዘለኹም። እወ! ሓላፍነታዊ ኣረኣእያን ቅኑዕ ሕልናን ዝሓዙ ከም ሓው ኣማኑኤ ኢሃሱ፡ ከም ነፍሰሄር ዶር. ተወልደ ተስፋማርያም(ወዲ ቫካሮ)፣ ከምኡ`ውን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዋሽሲንግቶን ዲ.ሲ ብምቕሉላት ደለይቲ ሓድነት ምሁራት ደቂ ሃገር ዝተኣንገደ ሰፊሕ ኣኼባ ካብ ብዙሕ ብውሑድ ከም ጽቡቕ ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። እቲ ጸገም ግን ኣብ መቕረብቲ ዘይኮነ ኣብ ሰማዕቲ ኢዩ። ** ኣብዚ ኣቐዲመ ከነጽሮ ዋዕላ ዘተ ኣይኮንኩን ዝዕድም ዘለኹ። መንፈስ ጽሑፈይ ስለምንታይ ኢና ተኣኪብና ዘነድምዕ ዘለና ንምብራህ ኢዩ። “ካብ ኣተሓሕዛ ይቕደድ፡ ካብ ኣዘራርባ ይፍረድ“ ዝብል ብሂል ኣለና። ታሪኽ ንምጥቃስ – ቀዳሞት ኣቦታትና ከመይ ኢሎም ኢዮም ምስ ግዜ ዘይኣርግ መሰል ሰብን እንስሳን ዝሕሉ ደሞክራሲያዊ ሕግታት እንዳባ ኪሓድጉልና ዝኸኣሉ ብዕቱብ መንፈስ ከነስተንትነሉ ይግብኣና። ካብ ዓድታት ለባማት ዓባይቲ ተመሪጾም፡ ቅኑዕ ሕልና ተዓጢቖም፡ ኣብ ጽሙዋ ቦታ ከይዶም ብጾምን ብጸሎትን፡ ብሓድሕዳዊ ኣኽብሮትን ብዕምቈት ጽን ኢሎም ብምስማዕን፡ ብመንፈስ ሓልዮት ናትካ ትሕሸና እናተበሃሃሉ ኢዮም ሰሪሖም። እዚ መንፈስ ዘተዚ ስለ ዝገደለ ኢዩ ኸኣ ሃገርን ህዝብን እናጠፍአ ብሓሳብን ግብርን ስምምዕ ተሳኢኑ ዘሎ። እቲ ኣነ ዘተኵረሉ ዘለኹ ዘተ እምበእር እዚ ኢዩ። ** ልክዕ፡ ኣብ ዚሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት በብመኣዝኑ ዝተኻየዱ ኣኸባታት ዛጊት ሃገርን ህዝብን ኣድሒኖም ኪህልዉ ምተገብአ፣ እንተ ኾነ ነቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ክሳብ ሎሚ ባዕሉ መሽሚሺ ክወድቕ ነነው ይብል ኣብ ዘሎ እዋን እውን ጽንጽያ ዓይኑ ከነንፍረሉ ኣይከኣልናን። -ስለምንታይ? – ከምቲ ባዕልኹም ዝመለስኩሞ – “ግናሲ ናይ ኤርትራውያን ሽግርን ንሃደ ዕላማ ክሰምሩ ዘይምኽኣሎም ሰኣን ውሑድ ልዝብ ደይኮነ፣ ሰኣን ቅንእና፣ ሰኣን ምትእምማንን ሰኣን ንሃደ ዕላማ ብሃደ ልቢ ደይምስማር ምዃኑ እዩ ንኣይ ዝርድ ኣኒ“- ኢልኩም። እዚ ምኣዲ ዘተ እምበኣር ነዚ ሽግርዚ ንምንጻርን ኣብ ዘዘለናዮ ከባቢታት ነናይ ውልቅና ሕቡእ ኣጀንዳ ወጊድና፡ ኣብ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዕላማ ብኽፉት ኣእምሮን ቅኑዕ ሕልናን ክንዝቲ ዝሕግዘና መንፈስን ኣገባብን ንምቕራብ ኢዩ። ** 60 ውድባትን ሰልፍታትን ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ዘይሃበ ነናተትን ኣጀንዳታት ሕዘን ንጉባአ ምስ ዝቐርባስ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ኢየን ከጽዕያ ዝኽእላ። ብወገነይ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘበገሶ ቀቢላዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ወገናዊ፡ ሃይማኖታዊ ጽልዋታት ዘጎልበቦ እኼባታት ዘተ ኢልካ ምጽውዑ ንሓድጊ ቀዳሞት ኣቦታትና ምምርሳሕ ኢዩ እብሎ። ** ብኸመይ ዲና ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር ሓያል ገዛእን ደገፍቱ ርእሰሓያላንን ደው ኢልና ብዓወት ዝውጻእና? ብሓሳብን ብግብርን ስለ ዝተወሃሃድናዶ ከይነበረ? ሎሚ ድኣ ስለምንታይ ኣብ ዝለዓለ ሓድነት ዝሓተና፡ ብዝተጐዛዘየ ኣተሓሳስባ ተፈናጪልና ንጠፍእን መፍቶ ውልቀመላኺ ንኸውንን ኣለና? እዚ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ጽሑፍ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ ዘሎናዮ ቦታታት ብቐጻሊ መንፈስን ኣገባብን ዘተ ተኸቲልና ምስ እንመያየጥ፡ ዝሰሓትናዮ መኣዝና ብሓባር ክንርእዮን ሕርኽራኽ ዘይብሉ ሓድነት ዓጢቕና፡ ሓርነት ጨቢጥና ብፍትሒ ትልለ ኤርትራ ክንሃንጽ ከም እንኽእል ስለ ዝኣምን፡ እንተ ዘይጠቐመ ከም ዘይጐድእ ተኣማሚነ እየ ነዚ ጽሑፍዚ ንኹሉ ዘበርክት ዘለኹ። ኣብቲ ቦታና ኸኣ ብቕሳሊ ንመንፈስን ኣገባብን ዘተ ተኸቲልና ብኽፉት ኣእምሮ ብጉዳይ ሃገርና ክንውሳእ ተዳሊና ኣለና። ሓው ትሩሊ-ትሩሊ – ነዚ ጽሑፍ ደጊምኩም እንተ ነበብኩሞ ዝያዳ ክበርሃልኩም ከም ዝኽእል እኣምን። የቐንየለይ። (ኣብ ፓልቶክ ስለ ዘይሳተፍ ግን ነቲ ዝሓተትኩሙኒ ጭብጢ መልሲ ክህበሉ ኣይኽእልን ኣየ፤ ካብ ብሃገር ደረጃ ዝጸበበ ኣተሓሳስባ ግን ኣብዚ እዋንዚ መርዛም ምዃኑ ክጠቅስ እደሊ።)

POST A COMMENT