Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣጸያፊን ነውራምን ስነ-ምግባር ውከልቲ ኢሰያስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኹንን!!

ኣጸያፊን ነውራምን ስነ-ምግባር ውከልቲ ኢሰያስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኹንን!! ኣብዚ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱሳ ኣጋጢሙሉ ዘሎ ዘግናኒ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከቡ ኣለው። እዚ ህይወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ፍጻመ ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ

ኣጸያፊን ነውራምን ስነ-ምግባር ውከልቲ ኢሰያስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኹንን!!

ኣብዚ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱሳ ኣጋጢሙሉ ዘሎ ዘግናኒ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከቡ ኣለው። እዚ ህይወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ፍጻመ ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ኣስካሕኪሑ ይርከብ። ከም በዓል ጣልያን ዝበላ ሃገራት ድማ ንኽብሪ እቶም ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ዝተጎድኡ ክቡራት ዜጋታትና ወግዓዊ ናይ ሓዘን እዋን ኣዊጀናሎም፡ ህዝቢ ዓለምውን ብብእምነቱ ናይ ሕልና ጸሎትን ዝኽርን ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ግን ወከልቲን ደገፍትን እቲ ብዕሉግ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ መርድእ ሞት ኣሕዋትና ብዕለት 05 ቀዳም ኣብ ጆሃንስበርግ ናይ ምዝንጋዕን ስፓርትን መደባት ዝውድብ ኣኼባ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዘለዎም ክቱር ብድዐ ገሊጾም። እዚ ጌና ሬሳታት ኣማኢት ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ከብዲ ባሕሪ ከይወጸን ሓመድ ኣዳም ከይለበሰን ከምዚ ዓይነት ሕሱር ምስ ባህልን ስነምግባርን ህዝቢ ኤርትራ ዘይከይድ ስነ-ምግባሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ኣቖጢዒዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ።  ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) እውን ነቲ ዘይኤርትራዊን ብዕሉግን ባህሪኦምን ስነምግባሮምን ብትሪ ይኹንን። ብወግዒ ንህዝብና ይቕሬታ ክሓቱ ድማ ይጽውዕ። እዚ በዞም ልኡኻትን ዑሱባትን ሕሱም ውልቀ-መላኺ ዝኾኑ ሰባት ዝተኻየደ ኣጸያፊን ነውራምን ተግባር ብኹሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ እውን ክኹነን ይግባእ። ኣቶ ሳሊሕ ዑመር፡ ካልድ ኣበራን ተወልደ ምሕረተኣብን  ንማሕብረኮም ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዕሱባቶም ብምልኣኽ ብዓሌት፡ ሃይማኖትን ኣውራጃን ክኽፋፍልዎን ከተፋንንዎን ዝገብርዎ ዘለው ሕሱር ተንኮል ከይኣክል፡ ብህልቂት ኤርትራውያን ከላግጹ ምርኣይ ክቱር ንዕቀት ጥራይ ዘይኮነ ካብ ስነ-ምግባር ዝወጸ ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ። እዞም ውልቀ ሰባት እዚኣቶም ነቲ ባዕሎም ዝተቓለስሉ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ዕላማታት ዝኸሓዱ፡ ንሕድሪ ስውኣት ብጾቶም ዝጠለሙን፡ ንሓደ ገፋዒ ውልቀሰብ ከገልግሉ ዝመረጹን ጸረ-ህዝቢ ባእታት እዮም። ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከምዘይውክሉ ድማ በዚ ዘሕፍር ተግባሮም ኣመሲኪሮም ኣለዉ። እዚ ኣጸያፊ ተግበራቶም መላእ ህዝብና ክፈልጦ ይግባእ።

ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ናይ ሓዘን እዋን ኣዊጆም ብዛዕባ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ዘቃልሕሉ ዘለዉ ጊዜ፡ ስርዓት ኢሰያስ ንህይወት ኤርትራዊ ቅንጣብ ክብረት ከምዘይብሉ ብስቕትኡ ጥራይ ዘይኮነ “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ” ብምባል ከይሓፈረ ገሊጽዎም።  እዚ ዓቢ ክሕደትን ውጹእ ንዕቀትን ንህዝቢ ኤርትራ እዩ፡ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ድማ ዓገብ ክብልን ክኹንኖን ይግባእ። ድሕሪ ሰሙን ዘውጽኦ ትዕቢታዊ ቅንጣብ መግለጺ ንሕፍረቱ ክሽፍን ኣይክእልን እዩ። እዞም ዝተጎድኡ ኣማኢት ኤርትራውያን ንጹሃት መንእሰያት እዮም፡ እዚ ኣረሚናዊ ስርዓት ንሃገርና ብኹሉ መለኪዒታት ስለዝረመሳ፡ ዘድመያን ተስፋኦም ስለዝማህመነን ግን ናብ ስደት ኣምሪሖም። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ድማ ኣቲና ምስበሉ ባሕሪ ዊሒጣቶም፡ ህዝብና ድማ እቲ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ ከይኣኽሎ ዳግማይ ከቢድ ደበና ሓዘን ተጎልቢቡ ይርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ነፍሲ ወከፍና ሕልናና ክንፍትሽን ንክብርናን ክብሪ ሃገርናን ደው ኢልና ህዝብናን መንእሰያትናን ካብቲ ኣትዩምዎ ዘለው ዓዘቕቲ ጭቆናን ሕሰምን ክናገፉ ተራና ክንጻወት ኤምዲሰመ ይጽውዕ።

ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ንዝተጎድኡ ዜጋታትና፡ ጽንዓት ንስድራቤቶምን መላእ ህዝቢ ኤርትራን

 

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)

21 ጥቅምቲ 2013

ደቡብ ኣፍሪቃ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • weredemhret October 21, 2013

    More facts/details, less angry tone, less opinionated would help you get your message across better. Anyway thanks for sharing.

  • COW FACE October 21, 2013

    ወያነ፣ናይ ወዲ ትኳቦ መንነት ምለስዎ ፧

    ተጣዒስና ኢና ወዲ ትኳቦ፣ክሳዕ ዓርቢ ኦክቶበር 19 ትግራዋይን ወዲ ተምቤንን ወያነን ዓጋመን እዩ ኔሩ።ሕጂ ግን እቲ ኤርትራውነቱ መሊስናሉ ኣለና።
    _ ኖእ፣ህግደፋት ኣይኮንናን ፣ተቓወምቲ ኢና።ግን ንሕና ተቓወምትን፣ህግደፍን ነቲ ዓጋመ ተምበኔታይ ዝብል መንነት ከም ጸረ ኤርትራውነትን ጸላእን ኢና ንኣምነሉ ።ዋላ ነጻነት እንተቶኾብኩምልና፣ዋላ ዩኒቨርሲቲ እንተምሃርኩም፣ እቲ መንነትኩምን መንነትናን ዝኾነ ትግራውነት፣ንዑኡ ክንነጽግን ህዝበ ትግርኛ ዝብሃል ሓድሽ መንነት ክንምህዝን ስለ ዝተቓለስና እዩ እምበር ብኽፍኣት ኣይኮነን። ንሕና ፣ሃገራዊ ምርድ ዳእ ከምቲ ናታትኩም ብግዚኡ ዝሓለፎ ናይ ፋራታት ስታይል ብውይይት_ዘተን ፍቕርን ዘይኮነስ ብዓጋመን ህዝበ ትግርኛን ጠቐነ ኢና ንብድሆ።
    _ ት ስሓሓቱ እንኤኹም ፧
    _ ወይለከየ ፣እዞም ወያነስ ዘይሓፍሩ__እንታይ እዩ {ተሰሓሒትኩም ኣለኹም}ዝብሃል ዘረባ፧ ሰብ ሰስታይሉ ኣለዉ፣ንስኹም ከመንኤኻ ትብሉ ንሕና ኣሎራ ንብል። _____ናይ ብሓቂ ኣሕዋትና እንተዄንኩም ነቶም ኣብ ክልልኩምን ሃገርኩምን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት__ናይ ወጻኢ ወረቐት መጺኡሎም፣ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣየርፖርት ካብ ብኣቶቡስ ሓርጎጽጎጽ እናበሉ ነፋሪት ዝስቀሉ፧ብገንዘብኩም ሓሓደ ማርቸደስ ማኪና እንተትገዝኡሎም ባዕሎም እናዘወሩ፣ ሰተት ኢሎም ኣብ ነፋሪቶም ምበጽሑ___፨
    __ እንታይ እዚማ ኣይኾንይ፣ብሱሩ ዕብዳን እዩ ፧
    __ እሞ ንስደተኛ ኤርትራዊ ማርቸደስ ዘይትገዝኡ ዲኹም ድኣ መስል ኤርትራዊ ንሕሉ ኢና ትብሉ ፧___ በሉ ድሓን እቲ ትግራዋይ ኢዩ ኢልና ናብ ተምቤን ሙኒሲፓሊቲ ዝሰደ ድናዮ ናይ ዮውሃንስ ወዲ ትኳቦ ወረቐት ስሓብዎ፣_ኤርትራዊ እዩ ሕጂ__ከምቲ ናይ ፑሽኪን ሓወልቲ__ ቀደሙ ውን ሕማቕ መዓልቲ ውዒልና እምበር ተምበኔታይ እንተዝኸውን ዮውሃንስ ዘይኮነስ ወለሓንስ ወይ ገረሓንስ እዩ ክኸውን ኔርዎ፣ እታ ትኳቦ ትብል እውን ሽም ኤርትራዊ እያ__ምናልባሽ ናይታ ዘይትረብሕ ዝተኾብኩምልና ነጻነት ከይትኸውን ተጣራጢርና ኢና እምበር።

    _ በሉ ቻው።
    __ እንታይ እዩ ዳሕና ውዓል ማለት ? ጥዑይ ትግርኛ ዘይትዛረቡ ኢኹም። ኣብ መጽሓፈ ገጽ ንጋነ።
    __ እንታይ እዩ መጽሓፈ ገጽ ኢልኩም ፧ቋንቋኹም ደይኮነን መጽሓፈ ገጽ ድኣ ብቋንቋኹም “facebook”
    ቻው ድኣ ቻው ፣እንታይ ድኣ ጣፍን ቡንን ምሕላፍ ገዲፍኩሞ ፧ኣምሓሩ ድዮም ወይሲ ገዛ ተጋሩ እዮም ተቓዊሞምኹም ፧ እምበር ኣቦይ ስብሓት ነጋ እኳ ባዕሎም ዘዊሮሞ ኤርትራ ምኣተዉ።
    Oh Those Tigreans !!!

    COW FACE aka YUGOSLAVO-ERITREAN

    The Super brilliant

    The only Eritrean with a wisdom exceeding that of late PM MELES ZENAWI & FORMER PRESIDENT BILL CLINTON combined !!!

    • belay nega October 22, 2013

      “ወያነ፣ናይ ወዲ ትኳቦ መንነት ምለስዎ ፧”

      እዛ መንነት እዚአስ ምርእይቲ እያ
      ገና ካቴድራለ ከይደወለት ፈጣሪአ ኢሰያስ አፎርቂ ትግራዋዩ ትብል

      • COW FACE October 22, 2013

        Belay Nega ,

        I could not disagree on your comment.Atleast we are on the same page on this one.

  • COW FACE October 22, 2013

    ” EGYPT ,YOU ARE A TRAITOR & WE ERITREANS WILL INVADE YOU AFTER INVADING ETHIOPIA”

    I QUOTE … Ayah Aman for Al-Monitor Egypt Pulse Posted on October 21…….
    Titled “In Switch, Egypt May Join Ethiopia
    In Nile Dam Project

    “Cairo and Addis Ababa may soon reach a truce to calm their dispute over the construction of the Renaissance Dam on the Blue Nile in Ethiopia. Both countries have recently shown good faith and agreed to negotiate about the project. Egypt has even agreed to take part in building the dam, though without declaring its conditions for doing so.END OF QUOTE

    WHAT THE HELL IS WRONG WITH YOU EGYPT ? WE ERITREANS PAID DEARLY AS YOUR CONDOM TO DISTABILIZE ETHIOPIA & THIS IS HOW YOU REPAY US ,BY BEING LOGICAL & MAKING A WIN-WIN SOLUTION WITH ETHIOPIA…AND YOU CALL YOURSELF ARABS ??? UNLIKE THE PEACEFUL & EXAMPLARY ERITREAN ISLAM ,AS REAL ARABS YOUR’ S WAS SUPPOSED TO BE ALLAH WA A KBAR TO BE USED TO MASSACAR MODERATE MOSLEM WOMEN & CHILDREN.
    YOU MEAN TO TELL ME WE ERITREANS PAID DEARLY TO PROVE TO BE ARABS & HIZBE TIGRRINYA TO BE REPAID BY SUCH BETREYAL ???
    THIS IS NOT HAPPENNING !!!! ,WHAT EGYPT IS TRYING TO ACHIEVE IS A WIN WIN SITUATION ,THE PRINCIPLE OF OUR # ENEMY ETHIOPIA THAT IS FORCING OUR PEOPLE TO GO TO UNIVERSITY & WORK & HAVE DIGNITY !!!
    THIS IS THE WORK OF WEYANE BY THEIR LOUSY PRINCIPLE OF ..
    – “WE HAVE NO ENEMY ,BUT POVERTY
    – ALL HUMAN BEINGS DESERVE DIGNITY ..CRAP….AND
    – TRANSFERRING THE DEFEATED ETHIOPIAN MENTALITY WITH ,YES WE CAN ,WE CAN NOT GO HUNGRY WHEN WE HAVE SUCH A RESOURCE & POTENTIAL..
    ETHIOPIA ,THIS WILL NOT GO UNNOTICED BY US ,ERITREANS..THIS IS ON YOUR FACE ERITREA.
    ETHIOPIANS ,YOU WERE SUPPOSED TO GO HUNGRY WITHOUT ASSAB & MASSAWA PORTS CRYING BY THE SHORES WITNESSING ERITREA FLOURISHING & WE SMOKING OUR ITALIAN MADE PIPES…..LOOKING DOWN ON YOU.

    YOU WILL SEE !!!!!

    • COW FACE October 22, 2013

      Fellow Eritreans ,

      I read & re-read my comments in admiration ,do not call me Agame (I mean I am flattered to be called Agame ,I truly am)but the Agames have six million or so brilliant people like me ,Eritrea has one ,ME .
      If you guys keep on declaring me Agame like you did to Wedi Tikwabo until 4 days ago ,you will regret it ,wedi tikwabo was a talented artist with full of crap ,I am a teacher.

      Admiring me
      ME..ha..ha..ha..not only am I logical & brilliant but also extremely funny & almost handsome ..here I do it again..

      • Kalighe October 22, 2013

        “ME..ha..ha..ha..not only am I logical & brilliant but also extremely funny & almost handsome ..here I do it again.”

        Ato COW[ard]FACE, xadeghegna nefaxito ikhum ..
        Ztulul temesilkum zterfuna alekhum … uwe izi iyu ghiziekhum, zebel ghebel …

      • ERITRAWIT October 22, 2013

        COW FACE,
        I do worry for you I think you should go hospital for check up. Mhret yewrdelka u sister.

        • COW FACE October 22, 2013

          ኤርትራዊት ፣

          ስለ ዘይተረድኣኪ እዩ እምበር እዘን ዘቕረብኩወን ክልተ ርእይቶ መሰል ትምህርቲ ብጣዕሚ እየን ዝድነቓ፣ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ ዝተማህዘ ናይ ሓሶት ታሪኽን፣ ኣእምሮ ዘይኮነስ፣ስምዒት ጥራይ ዝሓቖፈ ርእይቶ ስለ ዘለኪ ብንእሽተይ ትሕጎሲ __ብንእሽተይ ድማ ትጕህዪ ስለ ዝኾነ እዩ እቲ ሓቂ ናተይ ምስቲ ሓሶት ናይ ብዙሃን ኣዳናጊሩኪ (ሓሻኪ) ።
          ቃልሲ ኤርትራ ክጅመር ከሎ ኣብ ካይሮ እዩ ፈሊሙ፣ግብጺ ንኢትዮጵያ ከተዳኽምን ሕቶ ፈለግ ኣባይ ከይልዓልን ንጥቕማ ብምሕሳብ ንቓልሲ ኤርትራ ከም ኮንዶም ተጠቒማትሉ።ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፣ኤርትራ ምስ ኣዲኣ ኢትዮጵያ እንድሕሪ ተመሊሳ እቲ ተንኮለኛ ኣመሓዳድራ ሽዋ (ኣምሓራ)ነዚ ህዝበ ትግራይ ትግርኚ ኣሓቢሩ ኣብ ትሕቲ እግሩ ረጊጹ ክወቕጦ ምዃኑ ስለ ዝበርሃሎም ይመስለኒ፣ነቲ ናይ መሰል ሕቶ ሃገራዊ ሕቶ ከልብስዎ ተገዲዶም፣ብመሰል ድማ ፣ኤርትራ ከም ብጣልያን ዝተሰንዔት ሃገር ከም ኩለን ካልኦት ኮሎኒ ነበር ሃገራት መሰላ እዩ ኔሩ ካብ ወላዲት ኣዲኣ ክትግንጽል።
          እቲ ካልኣይ ጉጅለ ፣ራቢጣ ኢስላሚያ (ሕብረት ኣስላም) ይመስለኒ ትርጉሙ፣ብጀበርቲ ኤርትራውያን__ኣብ ትግራይ እንከለዉ ኣቦና ሃጸይ ዮውሃንስ (ኣስላም ብዙሕ ኣይውሓጡሉን እዮም ኔሮም ይመስለኒ)በስገዳድ፣ወይ ከስትኑ ወይ ተደጎኑ ጉዳይ ስለ ዝነበረ፣ጀበርቲ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝሓለፍዎ ሃይማኖታዊ ዓገብ ክድገም ኣይደለይዎን፣ሓቆም ክኣ__ኣሜሪካን ካናዳን ፣ካብ ኣየርላንድን ዓዲ እንግሊዝን ናይ ሃይማኖት ጭቆና ስለ ዝበጽሖም እዮም ወላዲት ሃገሮም ራሕሪሖም ሓደሽቲ ሃገራት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝመስትረቱ።ብናተይ ኣረኣእያ እዚ ብራቢጣ ኢስላሚያን፣ናይ ባባ ወልደኣብ ወልደማርያም ፣ኤርትራ ንኤርትራውያንን፣ ኣብ ግዚኡ ሓቀኛ ናይ መሰል ሕቶ እዩ ኔሩ።ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ብዙሕ ጽውጽዋያት እየ ሰሚዔ።እታ ዝበለጸትን ትእመንን ታሪኽ እዛ ዝበልኩኺ ኮይና ረኺባያ ። ምኽንያቱ እቲ ቅርሕኒቲ ኣምሓራስ ኣንኳይ ክገዝኡኻስ ክትገዝ ኦም እውን ዘየተምንዩ ህዝቢ እዮም ዝዓይነቱ።እቲ ናይ ባሕራነጋሽን(ኤርትራን)፣ ትግራይን ተጋሩ፣ ንጣልያን ሳላጣ ምስ ገበሩዎ ምኒሊክ ኣብ ጸግዒ ጸኒሑ ፣ብደም ተጋሩ ዓወት ክእውጅን ስልጣን ሒዙ ንተጋሩ ከምበርኽን ነቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኣይተዋሕጠሎምን።ኣብቲ ጊዜ እቲ ህዝበ ትግርኛ ዝብል መንነት ኣይተሰንዔን ነሩ።

          ኤርትራዊት፣ እዚ እዩ መስተውዓሊ ዘብለኒ፣እቲ ናይ ወዲ ትኳቦ ድማ መስሓቕን ሽኮርን የብለኒ።
          ነዚ ጽሑፋተይ ንምንታይ ከም ዘየስሕቐክን ዘየገርመክን ኣይተረድኣንን።ንዓይ ብጣዕሚ እዩ ጽሑፋተይ ዝምስጠኒ።

          እምባሕ ጥራይ በሊ ጓል ዓደይ
          ኣይትሕሰቢ ርእስኺ ከየሕምመኪ፣ምሕሳብ ንዓጋመን ተጋሩን ንግደፈሎም እዛ ንፍዕቲ

          ሓውኪ ኣቦኺ
          ገጽ ላም፣ምሕረቱ ሃብተ፣ዩጎዝላቭያ ኤርትራዊ

          • ERITRAWIT October 22, 2013

            Ato mhretu habtu,Thank u I didn’t go that far to learn about Eritrea. But then if I do I will be like u no body will understand me but I wrote down what u told me I will learn to it may be u don’t need to go Hospital after all sorry.

  • Raul October 22, 2013

    መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
    ብስም ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ኤርትራ ክርኢ እንከለኹስ እሕጎስ። ስለዚ ተበግሶኹም ደስ ኢሉኒ። ከም ሓውኹም ድማ አመስግነኩም። ምኽንያቱ ሎሚ ሽግርና ፥ ብዛዕባ ሃገርን ሃገራዊ ጉዳይን ዝዝቲ፥ ግዚኡ ዝውፊ እናወሓደ ይኸይድ ኣሎ። ውልቃውነት ሳዕሪሩ። ከም መርእእያ ናይዚ ግብረ መልሲ ኤርትራውያን ኣብዛ ናይ ላምቤዱሳ ሓደጋ ክንትንትን ንኽእል። እቲ ካልእ ይትረፍ እሞ፥ ”መን ካብ ሃገሮም ውጽኡ ኢሉዎም?” ዝብሉ ሰባት ኔሮም። ኣብ ዝርዝራት ከይአተና፥ እዞም ጉጅለ እዚኦም ብዜካ ማኣዶም መኣዲ ጎረቤቶም ዘይእንታዮም ዝኾኑ ሰብ ጸቢብ ርእስን ግዳያት ውልቃውነትን ዮም። ነዚ ኣተሓሳስባዚ ክትቅይር ኢልካ ካብ ምቅላስ ዝዓቢስ እንታይ ኮን ይህሉ? ኤርትራ ብውልቂ ዝሓስቡ ሰባት ኣየምጽእዋን። ኤርትራ ዋላ ሕጂ ብውልቂ ዝሓስቡ እንተሰረቑዋ መምጻእታ ግን ብማሕበር ዝሓስቡ ፥ ንዓደቦን ባይቶ ዓደቦን ክሳዶም ዝህቡ ዮም። ኤርትራ ንጽህቲ ውላድ’ቶም ንድሕነት ዓደቦ ዝሓስቡ ኤርትራውያን ያ። ስለዚ ንውልቃውነት ንቃለሶ።
    ኣነ ኣብዚ ወያነ፡ ኣመሪካ፥ ካልእ ካልእ ኢለ ኣስማት ናይ ቶም ኤርትራዊ ሃበን ዝቐትሉን ክቐትሉ ዝጋየዩን ዘለዉ ሓይሊታት ኣይዝርዝርን ኢየ። ብሓፈሽኡ ግን ሓበን ኣለና፥ ታሪኽ ኣለና፥ ዝና ኣለና፥ ባዕልና ዝደፋእናዮ ዘውዲ ክብረት ኣለና። ደቂ’ቶም ብዓድን ርስትን ክብረትን ዝሓስቡ ኢና። ደቂ’ቶም ”ካብ ዝብድልሲ፥ ካብ ዝሕሱስ ማዕተበይ ትበተኽ” ዝብሉ ወራዙት ኢና’ሞ ክብረት ሃገርናን ክብረት ህዝብናን ኣብ ምሕላው ኢደይ ኢድካ ንበል።

    ካልእ፥ ኣብዚ ዘውጻእኩሞ መግለጺ ዝኾነ ተቓውሞ የብለዪን። ቅሩብ ግን እቲ ቃንቃ ኣጸሓሕፋ ኣይተረረን ኣንድ ናይ ጸርፊ ቅጽላት በዚሑዎ። ሓይሊ ሓሳባትን መጎተን ዳኣምበር ቅጽላት ኣይተብዝሑ። ጸሓፍቲ መግለጺታትን መደረታትን ማለት ድማ ሓለፍቲ ማለት ኣይኮኑን። ብክኢልታት ተጻሒፉ ሓላፊ ልምምድ ጌሩ ክገልጾን ክምድሮን ኣለዎ። ምጽሓፍ መግለጺ ምስ ጽፍሒ ስልጣን ምትእስሳር የብሉን።

    ብዝተረፈ ኣይትሕመቑ
    አቀንየለይ

  • ganshera anbetha October 22, 2013

    ኤምዲሰመ)
    Why you late to broadcast the case of PFDJ dancing in Republic of South Africa you late and late!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • Genet October 22, 2013

    Can we have pictures and videos of those brain dead, who danced while their people were dead in the sea?

  • COW FACE October 22, 2013

    Dear ERITRAWIT ,

    You have touched my heart and some of my comments were cheap shots & I trult apologize .
    Eritrawit ,I am sick & tired of burying our people for lack of understanding. I feel the pain you have too.We both want good for our people. It is just that I am mad at Eritrea ,the concept, for massacaring my & your relatives .
    I hiope I can be civil again ,you did not deserve that.

    Your´s truly M.Habte

POST A COMMENT