Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣፈታትሓ፤ንማ ሕበራዊን ፖለትካዊን ግርጭታት ፣ኣብ መንጎና

ኣብ ዘመነ ኢንተርነት ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ዓቢ ተረኽቦናይ ውልቀ መላኽነትን ጥፈኣት ኤርትራውያን መንእሰያትናን፤ንሓያሎ  ግዜ ተዘሪቡሉስ ቀሊል መፍትሒ  ዛጊት ግን ኣይተረኽበሉን ዘሎ። ህልቂት መንእሰያትና መታን ከብቅዕ’ከ  እንታይኮን ይሓይሽ እናበልና ተደጋጋሚ፥ብጽሑፋትን ዛዕባታትን ከነካይድ ጸኒሕናን ጌናውን ፍንክት

ኣብ ዘመነ ኢንተርነት ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ዓቢ ተረኽቦናይ ውልቀ መላኽነትን ጥፈኣት ኤርትራውያን መንእሰያትናን፤ንሓያሎ  ግዜ ተዘሪቡሉስ ቀሊል መፍትሒ  ዛጊት ግን ኣይተረኽበሉን ዘሎ። ህልቂት መንእሰያትና መታን ከብቅዕ’ከ  እንታይኮን ይሓይሽ እናበልና ተደጋጋሚ፥ብጽሑፋትን ዛዕባታትን ከነካይድ ጸኒሕናን ጌናውን ፍንክት ከይበልና ኣሎና።ዓማጽን ጉሒላን ግን ጌና በምዑት ደቅና ይጻወቱን ይሸጡን፣ይቐትሉን አልዉ።

ነዚ  እከይ ተግባራት ጠጠው’ ምባልን፣ ኩነታት ሃገርና ካብ ባርነትን ህልቂትን፥ ህዝብና፤ ብሕልፊ ኸኣ ሂወት መንእሰያትና ዝድሕንሉን ንቡር ሂወቶም  ዝሰርዑሉን፤ ዘጣጥሑሉን ግዜ  ንምፍጣር ዘኽ እለና ኣብ ምውሓስ፤ ነዊሕን ኣህላኺን ግዜ ወሲዱልና።

እንሆ ድማ  23 ዓመታት ኣቕጺሩን  ይርከብ።መዋእል መንእሰይ ብኸልበትበት ይሓልፍ ስለዘሎ፣ብኸመይ ንቐይሮ ዝብሉ ብዙሓት ርእቶታት  ክወሃቡ  ጸኒሖም ኣለዉ፣እንተኾነ ዛጊት ቀንዲ መፍትሕ  ሽግርና ኣይተረኽበን።

እሞ ’ኸደኣ እንታይ ይገበር?

 

ፈውሲን ፍታሕን  ኢድ   ናይ  ኩሉና ኤርትራውያን ከምዘድሊ፣ንስሕቶ  ኣይመስለንን፥እንታይ  ደኣ ጊዜ ወሲዱልና  ክሳብ   ሕጂ  ንዝብል  ግን

መልሲ   የድልየና   ኣሎ።

መልሲ ንምርካብ ፡እቲ ቀንዲን ጊዜ ዝወሰደን ኩነታትና ኣብ  ምልላይን ኣብ መፍትሒ   ዝፈላሉዩናን   ንምልላዮም  ክሕግዙና  ዝኸእሉ መርት ዖታት  ክኾኑና  መታን፡እቶም ዘገራጭዉን ማሕበራዊ ይኹኑ ፖለቲካዊ ግርጭታትና በብሓደ ከነለልዮም  ይግብኣና ይመስለኒ። ገለ  ካብቶም   ዝለዓሉ  ግርጭ ታት ንምጥቃስ፣

 

  1. 1.  ኣብ መንጎ ውልቀሰባት
  2. 2.  ኣብ   ውሽጢ    ሓደ  ውድብ
  3. 3.  ኣብ መንጎ  ዝተፈላለያ  ውድባት
  4. 4.  ኣ መንጎ ዝተፈላለዩ  ኣካላት  ሕብረተሰብ
  5. 5.  ኣብ    መንጎ  መንግስትን ህዝብን

 

ዓይነት  ግርጭታት’ከ  ኣየኖት  ኢዮም ?

  • ባ ዕልዊን/ውድ ዓዊን
  • ግሁድን/ስዉርን
  • ጽፍሓዊን/እጉድን
  • ብደገ ዝተ ኣልመ   (እሉም) ኢዮም።

 

 

ሀ. ኣብ  መንጎ ውልቀ-ሰባት ዝረ ኣዩ ግርጭታት፣

 

ኣብ  መንጎ ኣሕዋት  ይኹን ኣብ  መንጎ፡ ኣባላት ናይ ሓንቲ  ስድራ  ቤት ዝረእ ናኣሽቱ  ምጉንፋጥ  ገዲፍካ ፡መትከላዊ ዘይኮነ ምርሕሓቕ እውን

በብ እዋኑ ይቕልቀል’ሞ    ነታ  ስድራ ቤት ይኸፋፍልዋ ፡ኣደን ኣቦን እውን ምስቲ  ፍልልያት ናይ ደቆም   ወግን ይሕዙ፣ስለዚ እታ  መሰረት ኩርናዕ ናይ  ሕብረተሰብ  ብመልከዕ  ምክፍፋላ እዛ ንሽቶ  እትመስል  ናይ ስድራ  ቤት  ዋህዮ  ክትጉዳእ ብ ዓይና ንር እያ ኣሎና።

ኣብ ሕብረተሰብ  ናይ  ኤርትራ ዝረኣዩ ግርጭእታት ፣ዝተፈላለዩ ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ፡ኣብ  መንጎ ሰባት ኩሉ ግዜ ይረአ ኢዩ፣ግናኸ ከምዚ ናይዚ እዋን ኣብ  መንጎ ውልቀን ኣብ መንጎ ዉዱባትን ዘየድሊ ናይ ፍልልያት ብዝሒ  ተራእዩ ኣይፈልጥን።እቶም  መትከላዊ ፍልልያት ኣሎና ዝብሉ እውን ንኽፈላለዩ ደኣ ደሊዮም   እምበር ንሓርነት ናይ ህዝብን ሃገርንሲ መትከላዊ  ኣረኣእያ ዝፈጥር  ኣይመስለንን፣ እንተ’ሎ   እውን ይፍታሕ  ኢዩ።

 

 

ለ.ኣብ  መንጎ ሓደ ውድብ  ዝረኣዩ ግርጭታት፦

ኣብ ሱሳታት  ዝተራዩ ናይ ኣብ ውሽጢ   እቲ ዓርሞሸሽ  ውድብ  ትሓኤ ፣ረቓሒታት

መንቅሊ ኡ፣  ንታሪኽ  ዝግደፍ  ፣ግንምስቲ ድልየትን  ሃንቀውታን ናይ

ህዝቢ   ኤርትራ  ተመ ጣ ጣኒ ግዚያዊ  መፍትሒ  ክርከበሉ  ምተገበኦ።

ኣብ  ሕሉፍ   ሎሚ    ምጥ ዓ  ቅኑዕ  እካ  እንተዘይኮነ ፣ ዘርዚርካ  ዘይውዳእ  ክሳራ  ህዝቢን ውድብን ኣኸቲሉ ን  ሎሚ’ዉን  ኣብ  ወጻኢ  እንርከብ  ዘሎና

ተቓወምቲ   ናይቲ  ስንብራት   ኣሰር  ይኽተለና  ኣሎ።ብወገነይ  እዚ ኣብ  መንጎ መራሕቲ ናይቲ ውድብ  ዝጸንሐ   ዘይምት እምማን፣ ዘንቀሎ  ናይ  መን  በለጸን  ቦታ  መሪሕነት ሓዘ ዘይመሰረታዊ  ናይ ፖለቲካ  ሰነ-ሓሳባዊ  ፍልልይ

ዝመሰረቱ  ንነዊሕ  ተዶጊሉ  ዝጸንሐ  ጥጅ እ፣ ነቲ ኩሉ ቅኑዕን  መሰረታዊ  ናይ

መፍትሒ  መንገዲታት  ዓጺዎን  ይርከብ  ኣሎ።

 

ኣብ  ውሽጢ  ህግደፍ፣ንነዊሕ  እውን ብሓደ ስሱ ዕ ባእታ  እናተዘወረን  ከም  ብሕታዊ  ግራቱ ክብሕቶ  ዝጸንሐ  ግንባርን  ሕቡእ  ሰልፊን፣  ሎሚ   ኣብ    ዝልዓለ  ጥርዙ  በጺሑ፡ነቶም  ቀንዲ  መጋበሪያ ናይ  ኢያስ ኮይኖም  ዝጸንሑ  ደቀባት ዕጫ  ሞትን ቅትለትንኣላ።

ድምር  ናይ ውድባዊ  ጉድለት  ዝልዓለ  ዘሰዕቦ  ዕንወት፡ ህልቂትን ኣኸቲሉልና፣ ዋጋ ኸፊልና ዘይንረኽቦም   ሉል  ባሕሪ ዝኾኑ  መን እሰያትን  ነጥፍ እ ኣሎና። ኣይረድ  ዘብል  ጥፈኣት ህዝቢን ሃገርን ሰኣን ኣብ  ግዚኡ  መፍትሒ  ምፍጣርን  ይቕረ፡  ዘይምብባልን፣ ክሳራና  ኣዚዩ በዚሑ  ።

 

 

 

ሐ . ኣብ  መንጎ ዝተፈላለያ  ውድባት ኤርትራ ዘሎ  ግርጭትን ህልኽን፦

 

ኣብ  መንጎ እቲ ልፍንታዊ  (Alliance)  ዝስሙ  ጉህለ  ኣብ ሓጺር  ዕምሩ ተፈንጢሑ፣ቀጺሉ  ዝተተኽለ  ኪዳንውን  ክንድቲ ዝንኣድን  ስኒት ዘየብሉ  ብመልከዕ  መራሕቱ ዝፈላለን ዝበታተንን፣ኮይኑ  ግን  ሰሚርናዶ እዚ ጌርናዶ’ ናበለ ተስፋ  ብምዝርጋሕ  ኣብ መሬት ኤርትራ  ኣትዩ ንህዝቢ ሞራል ዘይህብ ጉጅለ  ካብ  ሙኻን  ሓሊፉ ዘየረዕም  ቃል ኪዳን ዝ ኣሰረን  ነቲ ባ ዕሉ ዝጠፋጠፎ  ባይቶ  እውን ባዕሉ እናዘውረ ዓቕሉ  እናጽበበሉ  ማሕንቖን ሕልኮን ኣእትዩ  ከምዘይ  ሰርሕ  ሓኒቑዎ  ሰለዘሎ  ሎሚዶ ጽባሕ  የብቐዕ ዕምሩ  ተባሂሉ

ብተ ዓዘብቲ  ወ ጻ እተኛታት  ከይተረፈ መኻን ኮራርምቲ ዘየብሉ  ምትእኽኻብ

ኤርትራውያን ኮይኑ ብግርጭት ምብዛሕ  ዕድሚኡ  ዘናውሕ፣ ዓው ኢልካ ዘይብከዮ

ሞት ሕጹይ  ኾይኑና ዘንበርናሉ ተስፋ እናማህመነ  ይኸይድ  ኣሎ።

እስከ  እዛ ሓንቲን   ህዝቢ  ተስፉ ዘንበረላ ናይ ሓባር፣ጻዕሪን ድኻምን ዝተኸፍለላን ባይቶና፣ብ መራሕቲ ውድባት ዲያስፖራ፣ ጅሆ ተታሒዛትና ትርከብ።ብውሽጥን  ብደገን  ህዝብና ተቐርቂሩ  እግሩ ናብ ዝወሰዶ ይጠፈእ ኣሎ።

 

መ.  ኣመንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተ-ሰብና ዝረኣዩ ናይ ኣረዳድ ኣ ፍልልያት፣

 

ሕብረተ-ሰብ   ኤርትራ ብዝተፈላልዩ ኣዕኑድ  ኣካላት  ዝቖመ  ምኻኑ ክዝንጋዕ የብሉን፣

ገለ ካብቲ ዘሎ ተፈጥራዊ  ኣካላት ህዝቢ፣-

ብሄራዊን ናይ  ቛንቛ  ኣብዝሓ  ዘለዎም  ቤተሰባትን ኣብ ዝተፈላልየ ክፋላትን ኣውራጃታትን ዝነብሩ ደቂ ሃገር ናይ ግድን ኣብ  ኣነባብራኦምን ኣተሓሳስባን  ይፈላለዩ’ም። እዚ ግን ኣብ ምሉእ  ዓለም  ዝረከብ ባህሪያዊን ቅቡልን  ፍልልያት ስለዝኾነ  ከም ሃብቲ ናይዛ ሃገር  ክቕጸር ይግባእ።

ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዘሎ  ናይ ሓባር ናብራን ጾታዊ  ፍልልያት፣ ብማ ዕርነት ናይ ምንባር  ኣገዳሲን ም ዕቡል ሕብረተሰብ  ኣብ  ዘለዎሉ ‘ቲ  ፍልልይ  ጎዳኢ  ኣይከውንን።ጾ ታዊ ማዕርነት  ዝረጋገጸሉ  ብክልቲኡ  ጾታታት፣  ብቃልሲን ትምህርትን ኢዩ ዝረ ጋገጽ።

 

 

እሞኸድ ’ ኣ እንታይ  ይገበር ኣብ ዝብል መፍትሒ   ኣስዒበ ኣብ ታሕቲ ቀጺለ

ክገልጾ ከፍትን ኢየ!

ተሞክሮና ኣ ብ  ኣተሓሕዛ  ግርጭትታት ዉዱባትና ከመይ  ነይሩን ከመይ ኣሎን ዝብል ስክፍታ ናብ  ሓንጎልና  እናተዘከረና  ከምዝመጽእ ርግጸኛ ኢየ።

እብ  ሕሉፍ ታሪኽና ርሑቕ ዘይኮነ ናይ ትማል ተዘክሮ ስለዝኾነ ካብ ግዜ  ፈደረሽን  ኣትሒካ ኣተሓሕዛ ግጭት ብሰላማዊ መንግዲን በኣፈሙዝን ተፈቲኑን ሕጂ’ን ይቕጽል  ኣሎን።

 

 

ብሰላማዊ  መንገዲ  ኣፈታትሓ  ፍልልያትና፣ ኣብ  ጊዜ  ፈደረሽን ኣብ ዋዕላታትን  ኣብ  ፓርላማ  ፈደረሽን ኤርትራ(ሰምበሊያ) ፈተነታት ተኽይዱ ነይሩ፣እንተኾነ እዚ’ውን ብሓይሊ ብረት ብጸላኢ ዝተዓስቡ ሸፋቱ ተዘሪጉ።ፍልልያት ኣብ መንጎ ኣሕዋት ደቂ  ሃገር እቲ ዝቐለልን ዝምረጽን ኮይኑ ገና ግን ካብ  ወለድና ዘይቀሰምናዮ  ባህሊ እዚ ሰላማዊ  ፍታሕ እዚዩ፡ኣብቲ ብረት ክትጥቀመሉ ዘይከኣል ቦታ እውን ከይተረፈ ነቲ ሰላማዊ ፍታሕ  ከም ካላኣይ ምርጭና  ክይኑ ንገድፎን ናይ  ሓይሊን ጉልበትን  ምጥቃም  ንቐድም።ኮይኑ ግን ሕጂ እንትኾነ እውን  መዋጽ ኦና  ኣብ መንጎና  ሰላማዊ  ፍታሕ  ኣመንጎ ተቓወምቲ ዝምረጽ እንኮ መንገዲ  መፍትሒ ናይ ግርጭታት ንውልቀሰባትን  ዉዱብን ማሕበራዊ  ዘይምርድዳእን  ከነዘውትር ንግደድ፣ ንምንታይስ  ክሳብ ሎሚ ዝተጎዓዝናዮ ጐዕዞ ውጺቱ ዘየ ዕግብ ኮይኑ ስለዘሎን (Zero Tolerance) ዘይተጽዋርነት፣ ብተጻዋርነት  ምትክኡ  ክሳርኡ፡ እቲ ዝወሓደ  ኢዩ።ሰላማዊ መፍትሒ  ኣብ መንጎ ኣሕዋት ንዝረኤ  ፍልልያት ዝበለጸን ግዜን ጻዕሪን ይቑጥበልና።

 

ኣተሓሕዛ ሕልፉን ህሉውን ግጭት፣ኣብ ሕብረተሰብናን ተቓወምቲ ውዱባትን፣

 

ሀ. ሰላማዊ  ፍታሕ  ንግጭት፣

ኣብ ታሪኽ ኩናት ዓለምና ዓመጽቲን ሓያላትን ሃገራትን ነትን ናኣሽቱ ጎረባብተን ኩናት ጽዕራ፣ መብዝሕቱኡ ግዜ ብሃንደበት ይወርእን፣ንብረተን ኣብ ም ዝራፍ ከኣ ይተሓሓዝኦ። ዓመጸኛታት ገረቤትንውን ብኸምዚ ኩነታት ንፈደረሽን ኣፍሪሶም ኣብዘይደለናዮ ብረታው ቃልሲ ክንደይ ጀጋኑ ዝወሓጠ ውግኣት ተኻዩዱሉ። ከም ፍታሕ  ናይ ዘይምስምማ ዕ፣ ዋዕላ ቤት  ጊዮርጊስን ጉባኤ ሰላም ሲነማ ሮማን  ዝተባህላ ታሪኽ  ዘለወን ጉባኤታት ኣብ 1946/1950 ንተኻይደን ኤየን።ውጺት ናይቲ ዋዕልኳ ከምቲ ዝድለ ኣይኹን’በር፣እቲ ፈተነ ኣብ   መንጎ ዝተፈላልያ  ሰልፍታት  ሓድነታዊ ውሳኔ ንምብጻሕን  ነቲ ዝነበረ ሃዋሁው   ንምዝሓልን  ዝተኻየዱ  ፈተነታት ኣቦታትና ኢዮም  ነይሮም።ኣብ  ኤርትራ  ብ 70ታት ናይ ክልቲኤን ውድባት ምርጻምን  ምትህርራምን   ጠጠው    ንኽብልን  ንጸላኢ  ሓቢርካ  ምውቃዕን  ዝሓለነ ብመራሕተንን  ብተራ    ተጋደልቲን ፈተነታት  ተኻይዶምን ነይሮም።

 

ኩሉ  ግዜ  ነዚ  ቅዱስ  ዕላማ’’ዚ  ዘዕንቅፍ  ተጻቦታት  እውን  ብላዕለዎት መራሕቲ  ከልቲኡ  ግንባራት (ELF & EPLF) ተኽይዶም  ብዘይ ሓድነት ከኣ  ሰውራ  ናብ  ናይ  1991 መደምደምታ በጺሑ።

 

ድሕሪ ምፍራስ  ፈደረሽን እው ን  ብሰላማዊ  መንገዲ ፣ገበን  ኣብ  1962  ዝተወስደ  ብወገን  ንግስነት  ኢትዮጵያ ዘይሕጋው ን ብዘይ  ፍቓድ ህዝቢ

ካብ   ውሳነ  ሕ/መ  ወጻኢ ውሽጣዊ  ምምሕዳር ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ    ዝገሃሰ  ስለዝነበረ  ኣቤቱታን  ጥራዓንን  ብወግን ህዝቢ ኤርትራ  ተፈቲኖም፣ ብኡ መጠን ከኣ ኣቦታትና ናብ ሕቡራት መንግስታት እናኸዱ  ጥርዓን ንምቕራብ  ፈቲ ኖም ። ነዚ ልምናኦም  ግን እዝኒ ዝሰምዕ ሰለዝሰኣነ ናብቲ እንኮ ምርጫ  ተኣትዩ፣ እዚ እውን መፍትሒ  ኾይኑ ስለዘይተረኽ በ ኣብ  መ ኣዲ ዘተ እናቐረብካ መፍትሒን ውግእ ጠጠው  ዝብለሉን ክሳራ ዝውሕደሉን መንገድታት ኣብ ምንዳይ ይእቶ  ነይሩ’ እዩ ።መንእሰያትን ተመሃሮ  ኤ ርትራ  እውን ብወገኖም  ብሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ነፍሲወከፍ ከተማ ጥር ዓኖምን ድልየቶምን ይገል ጹ ነይሮም።

 

 

ለ. ብጎንጻዊ  መንገዲ  ከም  መፍትሕ   ግጭት፣

 

ኣብ  ሜዳ እንተኾነ እውን  መኣሕቲ ከልቲኡ  ግንባራት ነቲ ደልየት  ናይ ተራ ተጋደልቲ  ብምጉሳይ ናታቶም   መምርሒ  ብምቕዳም  ዕሽሽ ኣብ  ዝብልሉ  እዋን፣እንተስ ብነቐፌታ  ወይ ድማ  ገድሊ  ገዲፍም   ብዙሓት  ተጋደልቲ

ናብ ስደት ዘምርሑን: ከመኡ  ድማ   ተስፋ ብምቑራጽ ብትዕግስቲ ሓሊፎሞ።እዚ ግን ነቲ ኩነታት ኣይቀየሮን፣ብ ኣንጻሩኳ  ኢቲ ገድሊ  ተዳኺሙ   ሃገር ተበዲላ፣መሬት  ብደም ናይ  ኣሕዋት ጨቂያ፣ ሓንቲ  ግንባር  ንሜዳ  ብሒታ

ሃገርና’ ውን  ኣብዘይትወጾ  ዓዘቕቲ  ተሽኺላ። መዋጽኦ ዘይብሉ   ሰንፈላል  ግዜ ኣቲና  ኣሎና።  ብጎንጺ  ክፍታሕ  ማለት፣ ምፍታን ሰበብ   ምፍጣር  ኢዩ ዘኸትል። ሎሚ   ህዝብና  ዓለም  ክትም ዕብል  ንበይኑ  ናብ  ዘበነ ጊልያነት  ተደርብዩ  ይርከብ።

 

ኣብ መንጎ መንግስትን  ህዝብን ዝለዓል ግጭት፣

ብመንጽር  ስርዓት  ህግደፍን ኣተሓሕዛ ግጭትን ሓደ  ህዝብን  ሓደ  ልብን እናበለ ወትሩ ንህዝቢ  እናታለለ  ናይ ርእይቶ  ፍልልይ  ዘይፍቅድ ን  መሰል ናይ ርእይቶ ዝኽሕድ

ስርዓት  ኣልቦ፣ ከም  መፍትሒ  ኢሉ ዝጥቀመሎም  መ ሳርያኡ፣ንዝተቓወሙዎ

  • ምንጻል
  • ምቅንጻልን
  • ብዘይ ፍርዲ  ም እሳር
  • ኣብ  ልዝብን ምምይያጥ  ዘእማን

እዚ  ዓይነት ኣክይዳን ኣገባብ  ብጎንጺ  ጥራይ ናይምፍታሕ  ዝኸይድ  እንትኾይኑ  ቀጻልነት ናይ   ህግደፍ ዘኸትሎም  ሓደጋታት ብዙሓትን  ኣብ  ነዊሕ  እዋን  ህጓፍ  ናይ

ምምሕድኣርን  መንግስታዊ ኣሰራርሓን  ፈጢሩ ንም ዕራዩን  ነቲ  ምሕደሩ  ካብ  ሱሩ  ቀይርካ  ንኽትጉሕፎ  ኣጸጋሚ  ይኸውን።

ከም  ሳዕቤኑ   ኸኣ

  • ል ዕላውነት  ሃገር  ኣይክረጋገጽን ኢዩ
  • መሰርታዊን ዝምድናዊን  ምት እስሳር ሕብረተሰብ ፣ ይዝርዘር  ኣሎ፡
  • ህላውነት  ሃገርን  ህዝቢን ኣብ ሕቶ ምልክት  ኣእቲዎ ይርከብ።

 

 

ኣፈታትሓ  ግጭት  ኣብ መንጎ ትቓወምቲ  ውድባትን  በርጌሳዊ  ማሕበራትን’ከ?

 

ክሳብ  ‘ዚ  እዋንዚ  እቲ  ኣብ  ውሽጢ  ናይ ደምበ ተቓው ሞ   ዘሎ   ሃዋህው  ኣብ ኣፈታትሓ  ግጭት  ካብቲ  ኣብ  ሜዳ   ኤርትራ  ዝነበረ  ናይ ገድሊ  ባህሊ   ጌና  ከም ዘይወ ጽእ  ዘሪኢ ፣ ኣመልን  ልምድን  ተኸቲልና ክንከይድ ስለዝጸናሕና  ብዘይ  ሓርፋፍ  መንገዲ  ብልሙ  -ጽን  ብሰላማዊ  ኣገባብ  ፍልልያትና ኣየወግድናን   ዘሎና።  ካብቶም  ከነጥርዮም  ዘሎና  ኣዎንታዊ   ዝምባሌታት፣

  • ናይ ሰላምን  ምጽውዋርን  መንፈስ  ከንጥሪ ይግብ ኣና
  • ናይ  ውግ እን ሓይሊን ባህሊ ፣ግዚኡ ዝሓለፎ  ንምውጋዱ  ምጽ ዓር
  • ኣሉታዊን ዘይማ ዕብል  ዘይግሉጽነት ኣሰራርሓ  ባህሊ  ምቕያር ይድልየና
  • ዘይተሓታትነት፣ ኣብ ስራሕን  ምምሕዳርን  ከነወግድ  ይግባና

 

 

ግጭት ንምፍታሕ  ዘድልዩ ረቛሒታት

 

ኣብ ግጭት  ክህልወና  ዝኽ እል ር እይቶን ንኣፈታትሕን  ኣየናይ  ኣገባብ  ክንጥቀም

ይግባእ ?

  • ኣብ  ዝተፈላለዩ  ግዜን እዋንን  ኣብ መንጎ  ሰባት ግጭት ከም ባህሪያውን  ኣንቀሳቓሲ  ድፍ ኢትን ፣ናይ ዝኾነ ይኹን እዋን  ሰብ ኣዊን  ማሕበራውን ርክብ  ኣብ ዘለወሉ ዝለ ዓል  ኣንቀሳቓሲ  ጠባያት ኢዩ።
  • ኣብ    ስራሕ  መፍትሒ ክርከበሎም ዘለዎም   ጸግማት ናይ ሰባት  ይጉልሕ
  • ኣብ  ምንቅስቓስና  ኣድላዪ  ለውጢ  ክግበር  ከምዘለዎ  ይጠልብ
  • ሓድሽ  መንገድን  ርክብን  ንኽንፈጥር  ይኽ እለና
  • ንህላውነት ናይ ግጭት  ምኽሓድ  ማለት ንሕማምካ  ከም  ምኽሓድ  ክውሰድ   ይከኣል።

 

 

ግጭትን ኣፈታትሓኡን፣ማ ለት እቲ ቅኑዕ ኣገባታቱ፣  ብኸመይ ይርእ?

 

  • ፍልልይ ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት  ንቡር ስለዝኾ ነ ንቀበሎ ፣ግጭት ይኹን  ፍልልይ ’ዉን  ተቓው ሞ  ምስ ማሕበራዊ ሂወትን መንግስታዊ  ስልጣንን፣ ስርዓትን  ኣይገራጭ ን  ኢዩ ።
  • ብመንገዲ  ዲሞ ክራሲያዊ  ምሕደራ  ምፍትሑ   እቲ  እንኮን መሰረታዊን ቅኑዕን ዝዀ ነ ኣገባብ  መፍትሕ  ግጭ ት  ኢዩ ።
  • ኣድ ላዪ  ኣብ  ዝኾነሉ  እዋን  ብመንጎኝነት ዝመጽእ መፍትሒ  ግጭት ናይ  እንካን  ሃባን ጥበብ ( ኪነት) ኢዩ ።
    • መፍትሒ  ግጭ ት እም በኣር  ዓብላሊን  ተዓብላሊን ዘየብሉ ሰዓርን  ተሰዓርን ዘይኮንስ፣  ዋሕስ ነቲ መሰረታዊ  ናይ ዜጋታት ክኸ ው ን ኢዩ ዝግባእ።

 

ስለዚ  እዞም  ኣብ  ላዕሊ  ተዘርዚሮም  ዘለዉ  ነጥብታት፣ብህዝባዊ ድልየትን ተሳትፎን ፣ ክካየድ  ዘልዎ ደኣምበር ስምን ኣተሓሳስባን ናይ

ህግደፍሲ ዘረኽቦ ነገር የብሉን።ህዝቢ ኤርትራ  ከም  ህዝቢ መጠን ህልው ናኡ  ከረጋግጸሉ ዝኸል  ኣብ  መንጎኡ  ዘሎ  ፍልልያት  ወጊዱ፣ ሓርነቱንን

ሓድነትን  ከደልድልን  ክዕብን እንተደኣ  ደልዩ ን ኣሰራርሓ  ናይ  ህግደፍ ነጺጉ  ብናቱ  ድልየትን ንዕኡ  ብዝሰማም ዖ ምርጫ ን  ብመንግዱን  መፍትሕ  ዝኾኖ ኣሰራርሓ  ክህልዎ  የድሊ ።

 

ኣብ  መ ወዳ እታ፣

ህልውና  ሕዝቢ  ኤርትራ  ከም  ህዝቢ  ሂያው  ክኸውን  መታን፣

ህዝብና   ሓድነትን ሓርነትን  ከረክብ፣ ጥርናፌ   ናይ  ኩሎም  ዲሞ ክራሲያውያን  ሓይልታት  ኣብ  ዝሓጸረ እዋን  ክማላእን፣  ክጸዓረሉን ስለዘለዎ  ነዚ   ሃገራዊ  ግድነት’ ዚ  ሰጊርና  እንገብሮ   ካልእ  ኣገባብ  መህለኺ  ሓይልናን መ ወደእ ጉልበትናን ከይከውን  ምርጫ ና  ኣብ  ሃገራዊ  ዘተን  ፍታሕ  ንመርካብን ንጽዓር።

T.Yitbarek

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Hidat April 14, 2014

    HAZHAZ
    FIAMMETA DEA DEHRI SHADESHAY WERAR “OROMAY” ERITRA AYNATKUMEN EYA ILATOM NEYRA DERGAWEIAN GIN AYSEMEWAN KEMTI WUCHU “XELAEE ASHA EYU” ZIBELO KISAB MEWEDEA ZEXENKEKOM FETINOM.

    EMO HIGI KEDA ENTAY EYU MELEKTOM NAFIKOMNA TIRAH DEYOM WALLLA????????????

  • m April 14, 2014

    kofff Eilka Zerban, Fekeran, gurran, hasotin, Akebatat mis nay Kedem Tegadelti halewlew kinbel nay kedm Zanta kinizareb ab semun semun konsert derffi kingeber,lelelele kinbel, ab paltak koff eilka semerr semerr kkkkk lelelelelele kinbel 30 Amet Koynu Trah Zereba hanti waga yebulun,hji Hzbina ab himak kunetat eyu wereduwo zelo hji tetrniffka kem Wedi Ali Forto Anbesa mukan eyu ab America Europa koff eilka men eyu freedm kemxalna,hji zereba yiakilll zerban gurran Akeban kisab mass eyu,,our Eritrean people suffering a lot now we have to do somthing,why escape like rats evrday why we are cowards, be hero like wedi Ali forto, and to be free from the dictator

  • H.K. April 14, 2014

    Good analysis!! Thank you for the great comments and proposals. KEMAKA YIBZIHULNA!!

    Keep it up!!

  • Leah April 14, 2014

    What is with all the Batman(Tegaru)here?We disks you once and you start digging your grave again..you are nasty people and insane and you do not need to exist at all.It is enough DDT chemical to remove all your toxins heart with a legobit below.

POST A COMMENT